Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽላል ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ኦስሎ መስራቲ ጉባኤኡ ኣካዪዱ። ተጋባእቲ ጸብጻብ ናይ ግዝያዊ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ድሕሪ ምስማዕ ጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ መሪጾም። ንኣቃውማን ውሽጣዊ ሕግታትን ዝምልከት ዓንቀጻት ብዕቱብ ተኻቲዖም ድሕሪ ምጽዳቕ

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ኦስሎ መስራቲ ጉባኤኡ ኣካዪዱ። ተጋባእቲ ጸብጻብ ናይ ግዝያዊ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ድሕሪ ምስማዕ ጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ መሪጾም። ንኣቃውማን ውሽጣዊ ሕግታትን ዝምልከት ዓንቀጻት ብዕቱብ ተኻቲዖም ድሕሪ ምጽዳቕ ድማ ክልተ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦ 14 ዝኣባላቱ ካብ ውድባትን ማሕበራትን ዝተወከሉ ከም ኣካያዲ ሽማግለ መዚዙ። ኣቃውማ ናይቲ ሽማግለ ኣብ ምሉእ ኖርወይ ንዝርከቡ ውድባት፡ ማሕበራት ከምኡ’ውን ውልቀሰባት ዝውክል ኮይኑ መሰረታዊ ዕላማኡ፡ ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ ውሽጣዊ ፍልልያቶም ንጐድኒ ኣወንዚፎም ኣንጻር ውልቀምልካዊ ጭፍራ ህግደፍ ዘካይዱዎ ቃልሲ ምውህህሃድ ምዃኑ ኣነጺሩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ተመሪጹ ዘሎ ኣካያዲ ሽማገለ ኣብ ኖርወይ ብደለይቲ ለውጢ ንዝካየድ ናይ ቃልሲ ንጥፈታት ናይ ምውህሃድ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ናይ ምባልንዕማም ከም ሓላፍነት ተቐቢሉ ኣሎ። ብሕጂ ኣብቲ ጽላል ክጥርነፉ ዝኽእሉ ማሕበራት፡ ውድባት ወይ ውልቀሰባት ምስ ዝህልዉ ድማንሳቶም’ውን ወከልቶም ክልእኩን እጃሞም ከበርክቱን እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ተገሊጹ።

Norway_Congress2ኣብ መስራቲ ጉባኤ ናይዚ ዳግማይ ዝተወደበ ኣወሃሃዲ ሽማግለ፡ ጽላል ኤርትራውያን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ዝብል ሰም ክከውን ብዓብላሊ ድምጺ ክጸድቕ ከሎ እቲ ተመሪጹ ዘሎ ኣካያዲ ሽማግለ ናይ ዓመት ዕድመ ክህልዎ እዩ። ኣወሃሃዲ ሽማግለ ኣብ 2012 መጨረሽታ ኣብ ከተማ ስታቫንገር ብውሑዳት ተሳተፍቲ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ወላ ድኽመታት እንተ ነበሮ ብቐሊል ዘይግመት ኣድማዒ ስራሓት ከም ዝዓመመ ይፍለጥ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝተኻየደ ጻዕሪ ድማ እነሆ ኣብዚ ዝጥቀስ ዘሎ ዕለት ኣብ ኖርወይ ንዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ዘሳትፍ ጉባኤ ከቃንዕ በቒዑ። ኣብ ኖርወይ ዝካየድ ከም ሰላማዊ ሰልፊ ይኹን ካልእ ናይ ሓባር ስራሕ ዘድልዮ ንጥፈታትን ካልእን ዝኣመሳሰሉ ስራሓት በዚ ናይ ሓባር መሪሕነት ክወሃሃዱን ኣድማዕቲ ክኾኑን ድማ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ብፍላይ ኣብዚ ቈልዓ ሰበይትን መንእሰያትን ግዳያት መቕዘፍቲ ባርባራዊ ጭፍራ ህግደፍ ዝኾኑሉ ዘለዉ እዋን፡ ቃልስኻ ምውህሃድ ሓደን ክልተ ዘይበሃሎ ወሳኒ ጕዳይ ከም ዝኾነ፡ እዚ ዓይነት ኣሰራሓ እዚ ድማ ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ክልሕምን ክስስንን ለበዋ ቀሪቡ። እቲ ጉባኤ ብዝክረ ሰማእታት ተዛዚሙ::

ዓወትንደሞራስያዊቃልሲህዝቢኤርትራ!

ክፍሊ ጐስጓስን ሓበሬታን ኣወሃሃዲ ሽማግለ ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Tamrat Tamrat October 28, 2013

    When Eritrea is made free from Hgdef i will have a second home to visit too. But first thing is first i cant wait the Hgdef people faces in Norway turns blue. I dont think no excentrics Hgdef could be found in any other parts of the world than in Norway. It is not only Eritrea would be free from Hgdef eritreans Norway could be free toooooooooooooooo.

  • Yohannes N October 28, 2013

    I was one of the participants, and very proud to be there. Hope the good result of the Oslo Norway meeting will be an example for the rest of Eritreans who lived in the western democtratic countries to joint the fronts against the dectator regime. Unitied we are stronger, long live the eritrean people.

  • berhe October 28, 2013

    I wish you success……….

  • teckle torino October 30, 2013

    Higdef hansab nihawaru kitefi naykulina dletin tmnitin iyou abhade miss initirnef INA hagherna nedhin swiatna nikihis

  • michael tedla October 30, 2013

    Nai essayas felalika hakegna temesilka gizie akilu ewe akilu gnake dehri tfat koinu. zkebrkum eritreans kemti hawka release vaccro zbelo haye nternef nezi kwled kelo tselae kab suru begigna nghfo .yekenley kab hawkumn bitskumn michael padre Indianapolis Indiana indiana.

Post a Reply to berhe Cancel Reply