Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽላሎትነት ፍትሒ (The Illusion of Justice)

ብ ኣማኑአል ሳህለ ኣስታት 20 ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኣስመራ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ገዛይ ኣብ ቤትጽሕፈት ህግደፍ ተሰቒሉ ዝነበረ ታቤላ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዚብል ጽሑፍ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ብልበይ ድማ፡ እዛ ፍትሒ እትብል ቃልሲ ክሳዕ ክንደይ

ብ ኣማኑአል ሳህለ

ኣስታት 20 ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኣስመራ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ገዛይ ኣብ ቤትጽሕፈት ህግደፍ ተሰቒሉ ዝነበረ ታቤላ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዚብል ጽሑፍ ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ብልበይ ድማ፡ እዛ ፍትሒ እትብል ቃልሲ ክሳዕ ክንደይ እያ ተናዒቓ ዘላ፡ ክሳዕ መኣስከ እያ ተናዒቓ ክትነብር ተመዲቡላ ዘሎ፡ ብምባል ደጋጊመ እሓስብ ነይረ። ናይ ደሞክራሲ ጉዳይውን ከምኡ።

ኣብ ኤርትራ እዘን ክልተ ኣምራት እዚኣተን፡ ባዕላተን እውን ናይ ትርጉምን ናይ ትግበራን ፍትሒ ዝረኸባ ኣይመስላን። ከምቲ ህግደፋውያን ዚብሉዎ ግን፡ ናይ ሓቂ ትርጉመን ዚትግበረሉ፡ ማለት ከምቲ ህዝቢ ዚግምቶን ኣብ ዓለምና ድማ ዝውቱር ዝኾነ ትርጉመን ኣብ ግብሪ ዚውዕለሉ ሃገር እንተሎ ንምፍላጥ፡ ናብ ጁፒተር ክንከይድ ጥራይ ከም ዘሎና ብህግደፍ ተነጊሩና እዩ።

ገለ ብጭቆና ዝፍለጡ መራሕቲ ሃገር፡ ነታ ኣብ ትሕቲ እግሮም ዚረግጹዋ ሃገሮም፡ ከይሓፈሩን ሰብ እንታይ ይብለኒ ከይበሉን፡ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ዚብል ውሕሉል ስም እዮም ዘጠምቑዋ። እቲ ደሞክራሲ ዚብል ቃል ዲዩ ዘይተረድኦም ኮይኑ ወይስ ከምኡ ኢልና እንተ ጸዋዕናያ እዩ ሰብ ዘኽብራ ወይ ድማ ሰብ እነታልል ማለቶም እዩ? ዕላማኦም ግን ነቲ ዚመጽእ ስቓይን ግፍዕን ብኣጋኡ ግሩም ዝኾነ መሸፈኒ ወይ መጠቕለሊ ኪገብሩሉ ስለ ዝደለዩ እዩ። ንሕሱር ነገር ብኽቡር ዋጋ ክትሸጦ እንተ ደሊኻ፡ ዘብለጭልጭ መጠቕለሊ ኢኻ እትገብረሉ።

ዝኾነኾይኑ፡ ኣብቲ ዓለሞም ኣቲኻ ክትርእዮ ከሎኻ፡ ሓቃቶም ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም ንደሞክራሲ ከምቲ ንኹሉ ሰብ ብሓደ ዓይኒ ዚርኢ ምሕደራ ገይሮም እዮም ዚወስዱዎ ንብል እንተሎና፡ ደሞክራሲ ይኽተሉ ኣለዉ ክንብል ንኽእል ኢና፡ ምኽንያቱ እቲ ዘስዕቡዎ ስቓይን ሞትን፡ ንገለ ከይነሓፈ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ እዩ ዝበጽሖን ዚዕደሎን ዘሎ።

ሓደ እዋን ሓደ መንፈሳዊ ሰብኣይ፡ ንገሃነምእሳት ኣመልኪቱ ኪዛረብ ከሎ፡ ኣብኡ ስቓይን ምሕርቃም ኣስናንን ኣሎ ዚብል ሓበሬታ ብምሃብ መግለጺ ሂቡ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ሰማዕቱ፡ እሞኸ እቶም ኣስናን ዘይብሎም (ጓህማማት) ኣረግቶት ደኣ ከመይ ኪኾኑ እዮም ብማለት ሓቲቱ።  ኩሎም ብማዕረ ኣስናን ኪዕደሉ እዮም፡ ዚብል መልሲ ድማ ተዋሂቡዎ።

ስም ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህ ተባሂሉኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ግን፡ እቲ ደሞክራስን ፍትሒን ዚብል ስም፡ መገዲ ኣጋጊዩ ኸጥፍኣካ ኸሎ፡ እቲ ከብርህ እተመደበ ጥዋፍ ድማ ነዊሕ ከይከደ ተኺኹ እዩ ዚተርፍ።

ኣብዛ ዓለምና ብሓፈሻ ፍትሒ ከም ዘየሎ ኩሉ ሰብ ይእመኖ እዩ። ከምቲ ኣቦታትና ዚብሉዎ፡ ፍትሒ እንተ ዚህሉስ፡ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣፉ ኣይምተኣስረን፡ እቲ ኪሓርስ ዝኸረመ ብዕራይ ድማ ድቋ ምስተየ ነይሩ።

ቤትፍርድን ጉቦን ብሓደ እዮም ተፈጢሮም፡ ፍትሒ ድማ ሽዑ እያ ክትቅህም ዝጀመረት። ኣብ መወዳእታ ድማ ጽላሎታዊት ኮይና ተሪፋ። ፍርድን ጉቦን፡ እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ሓደ ኪነብሩ ኣይክእሉን። ኣብ ሃገርና ብጥንቲ፡ ንዳኛ መማለጃ ዚኸውን ለቖታ መዓር ወይ ደርሆ ምውሳድ፡ ነውሪ እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ምዝውታር ግን ዓዲ ኣይወዓለን።

ይኹንምበር፡ ሽሕኳ ዓለም ናይ ፍትሒ ቦታ እንተ ዘይኮነት፡ ናይ ምሒር ግፍዒ ቦታ ክትከውን ግን ኣይግባእን። ብሓጺሩ፡ ኣብ ዓለም ፍትሒ የልቦን ብምባል ስቕ ክንብል ኣይግባእን። ምናልባት ፍትሓውነት ኣብቲ ናይ ሰብ ዘገምታዊ ምዕባለ ዘይነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ይኹንምበር፡ ወድሰብ ኣእምሮኡ ብምዝውታርን፡ ምስቲ ደመነፍሳዊ ባህርያቱ ብምቅላስን፡ ኣብ ፍጹም እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ኣብ ተዛማዲ ፍትሓውነት ኪበጽሕ ክኢሉ እዩ።

ዓይኒ ዘይብሉ ግፍዒ ግን፡ ናይ ፋሉልነት ባህርያት እዩ። ዝኾነ ዓይነት ናይ መንግስትነት ስም ዝለበሰ ምሕደራ፡ ብሓድሓደ ናይ ፍትሓውነት ጉድለት ኣብቲ ህዝቢ ስቓይ ከስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ባህርያዊ እዩ። ከምዚ ናትና ናይ መንግስትነት ቅርጽን ተምሳልን ዘይብሉን ካብ ጌጋታቱ ኪምሃር ዘይደልን፡ ንምሁራን ዚንዕቕን ኣብ ማሕበራዊ ምዕባለ ዘይኣምንን ፋሉል ዝኾነ ስርዓት ግን፡ እቲ ፍትሓውነት ዚብል ኣምር ኣብ ኣእምሮኡን ንቕሓቱን ሰለ ዘየልቦ፡ ከመሓድር እንተ ፈተነውን ነቲ ግፍዓዊ ተግባራቱ ደው ከብሎ ከቶ ኣይክእልን። ፋሉላዊ ስርዓት ብባህርያቱ ንምሕደራ ካብ ግፍዒ ፈልዩ ኪርእዮን ከተግብሮን ኣይክእልን።

ፋሉልነት እኮ ናቱ ዝኾነ፡ ባዕሉ ዝፈጠሮ ፍትሓውነት ኣለዎዩ፡ ንሱ ድማ ካብቲ ናይ ጫካ ፍትሓውነት ብምንም መገዲ ኪፍለ ኣይክእልን። ሓንቲ ሓራስ ነብሪ ንደቃ ከተዐንግል ብማለት ንሓንቲ ሓራስ ጤለበዱ እንተ ቐተለታ፡ እዚ ተግባርዚ ሽሕኳ በቶም ደቂ እታ ጤለበዱ ፍትሓዊ እንተ ዘይኮነ፡ በቶም ደቂ እታ ነብሪ ግን ፍትሓዊ እዩ። ኣብ እንስሳታት፡ ፍትሒ ማለት ጥቕምን በለጽን ዕብለላን ማለት እዩ። ኣብ ደቅሰብ ግን ከምኡ ኪኸውን ኣይግባእን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ ናይቲ ዘይፍትሓውነት ምንጪታት፡ እተን ስልጡናትን መበቆል ደሞክራስን ፍትሕን እየን ዚብሃላ ሃገራት ምዃነን እዩ። ኩሉ ጽቡቕን ሕማቕን ካብኣታተን እዩ ዚነቅል። ንሳተን መምጻእቲ ደርፊ፡ ንሳተን መጥፋእቲ ደርፊ። ንሳተን ሓገግቲ፡ ንሳተን ሰረቕቲ፡ ንሳተን ተጣበቕቲ፡ ንሳተን ፈረድቲ። ደሞክራሲ ተቐበል ኢለን ንሓንሳእ ይሰብካኻ፡ ንሓንሳእ ድማ ቦምቢታት ይድርብያልካ። ደሞክራሲ ተቐበል ኢለን ንሓንሳእ የጓጥጣልካ፡ ንሓንሳእ ድማ ነቲ ውልቀመላኽነትካ  መርሚረን ዘትየን ደሓን ክሳዕ ካልእ መምርሒ እንህበካ ብኡ ቐጽል ይብላኻ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 60-70 ዓመታት፡ ብኣመሪካን ብምዕራባውያን ሃገራትን ሰዓብተንን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም እተፈጸመ ግፍዕን ዘይፍትሓውነትን መዘና ኪርከቦ ኣይክእልን። በዘን ሃገራት እዚኣተን ተሳቕየን ፍትሒ ዝሰኣና ሃገራት፡ ኣልጀርያን፡ ኮንጎ ኪንሻሳን፡ ቪየትናምን ኢራቅን ኣፍጋኒስታንን ሶርያን ከም ኣብነት ኪጥቀሳ ይኽእላ። ምዕራባውያን ሃገራት፡ መበቆል ዘመናዊ ምሕደራን ደሞክራስን ብምዃነን፡ ናይ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ፍትሒ ኣብነት ኪኾና ይግባአን ነይሩ፡ ብኣንጻሩ ግን፡ ናይ ዘይፍትሓውነት ኣብነታት ኮይነን፡ ነቶም ተምሳሌት (role model) ሃሰው ዚብሉ ዝነበሩን ዘለዉን ናይዛ ዓለም መራሕቲ ግሩም መወከሲ ኾይነን ይነብራ ኣለዋ።

ኣብዚ ናይ ዘይፍትሓውነት ጕዕዞዚ፡ ናይ ሃገርና ኤርትራ ጉዳይ ከም ሓደ ናይዚ ዘመንዚ መሪር ዘይፍትሓውነት ኣብነት ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ኪምዝገብ ይኽእል እዩ። ኤርትራ ከምተን ከምኣ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ዝረኸባኦ ፍትሓውነት ከይረኸበት ብሃጸያዊት ኢትዮጵያ ከም እትጉበጥ እተገብረት፡ ብናይ ኣመሪካ ዘይፍትሓዊ ውሳኔ እዩ። እዚ ኣጸያፊ ተግባርዚ ድማ ነታ ሃገር ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስቓይን ሞትን ሸሚሙዋ ሓሊፉ።

ፍትሒ ብሓደ ኢድካ ሒዝካ፡ በቲ ኻልእ ኢድካ ድማ ሃብቲ እንዳማትካ ክትዘምት፡ ቁጠባዊ ግዝኣትካ ከተስፋሕፍሕ፡ ናይ ዓለም ፖሊስ ዄንካ ከም ድላይካ ጸፋዕፋዕ ክትብል ስለ ዘይትኽእል፡ ኣመሪካን ተኸተልታ ምዕራባውያን ሃገራትን ብሱሩ ናይ ፍትሓውነት ኣምር እተሰቖረን ኣይመስላን እየን። ይኹንምበር፡ እዘን ሃገራት እዚኣተን ንኻልኦት ህዝቢ ደኣ እየን እምበር፡ ንህዝበንሲ ብተዛማዲ መገዲ ጽቡቕ ገይረን እየን ዚሕዛኦ።  እዚ ናትና ስርዓት ግን፡ ንህዝቡ ኣሳቕዩስ፡ ንጎረቤት ሃገራት ደጊሙ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንዓለም ሃዊኹዋ ይነብር ኣሎ።

ኣንታ ብዘመን ጣልያንሲ ኣይትዛረቡ ጥራይ ኢና ንብሃል ኔርና እምበር፡ ንበልዕ ንሰቲ ኔርና ኢና፥ እንተ ብዘመን እንግሊዝ እሞ ተዛረቡ ጥራይ እምበር ብልዑ ዚብል ኣይነበረን፡ ይብሉ ኣቦታትና። ኣብዚ ግዜዚ ድማ ገለ ሰባት ነዚ ዘሎ ኩነታት ብምግላጽ፡ ሎምስ ከይትዛረቡ ከይትበልዑ ዚብሉ ኣዛብእ መጺኦምና፡ ይብሉ ኣለዉ። አረ በዚ ይሕለፈልና፡ ኣይትሕሰቡ ጥራይ ከይብሉና። እንተ ዚከኣሎምስ ኣይትሕለሙ ኪብሉውን ድሕር ኣይምበሉን። ባዕልና ክንሓስበልኩም፡ ባዕልና ክንሓልመልኩም ኢና ኪብሉ ቅሩብ እዩ ተሪፉዎም።

ኣብ ትሕቲ ሓደ መንግስቲ ዚቕመጥ ህዝቢ፡ ፍትሒ ምስ ሰኣነ ይሽፍት ከም ዝነበረ ኣብ ናይ ሃገርና ታሪኽ ምዝጉብ እዩ። ኣብ ትሕቲ ሓደ ንባዕሉ ሽፍታ ዝኾነ መንግስቲ፡ ፍትሒ ስኢነ ኢልካ ምሽፋት ግን፡ ኣብ ልዕሊ ሽፍትነት፡ ሽፍትነት ምፍጣር ማለት ስለ ዝኾነ፡ ህዝብና ኣብ ዓቢ ወጥርን ስግኣትን ቅልውላውን ይርከብ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ይግበኣና።

ዝኾነኾይኑ፡ ንህዝብና ከነድሕኖ እንኽእል፡ ነዚ ዘሎ ዘይፍትሓዊ መንግስቲ ከም ዚዳኸም ብምግባር እንተ ዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ኪህሉ ኣይክእልን።

ፍትሓውነት፡ ፍጹምነት ከም ዘይብሉ ንጹር እዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብዛ ዓለም ፍጹም ፍትሓዊ ዚብሃል ኣካይዳ ኣይነበረን ሕጂውን የልቦን ንኺህሉ ድማ ዘመናት ዚወስድ ቃልሲ ከድልዮ እዩ። ይኹንምበር፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይፍትሓውነት፡ ኣዚዩ ብርቅን ፍሉይን ጥራይ ዘይኮነስ ኣዕናውን ኣብራስን ድማ እዩ።

ፋሉላውን ኪዕረ ዘይክእልን ኣዕናውን ብምዃኑ ድማ፡ ከተሓሳስበና ይግባእ። ስለዚ ነዚ ከቢድ ብድሆዚ ብኹለንትናኡ ብምምካትን ብምግጣምን፡ ነቲ ምሒር እተሳቐየ ህዝብና፡ ብተዛማዲ መገዲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ፍትሒ ሒዙ ዘመሓድር መንግስቲ ክንፈጥረሉ ክንጽዕር ይግበኣና።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde April 29, 2018

    “። ኣብ እንስሳታት፡ ፍትሒ ማለት ጥቕምን በለጽን ዕብለላን ማለት እዩ።” folks that is what we got. Mr. Sahle, I nominate you to be the honorary doctorate guest speaker at the graduation of the 1st rebuilt University of Asmara.I know you will equip those young grads with a lifetime of tools to build their devastated nation. “ነቲ ምሒር እተሳቐየ ህዝብና፡ ብተዛማዲ መገዲ ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ፍትሒ ሒዙ ዘመሓድር መንግስቲ ክንፈጥረሉ ክንጽዕር ይግበኣና።” It is a simple and honest pledge but deeply profound,can we rally around this pledge and isolate the few who are reeking havoc upon us?

  • Ghirmay April 30, 2018

    Justice is overide by dictators for certain time but as you mentioned in it will not be eternal and the existing brutual regime will evaporate soon.

    • Tiblets April 30, 2018

      Soon “when”???, you have been dreaming for almost 50 yrs to get rid of the dictator.
      But all you so-called opportunist gutless oppositions are just big talks and gurra, gurrrrrrrrra.

  • Hagos April 30, 2018

    Congratulations Korea and the Korean people. Yes, there is long way to go and these are your first steps. The Germans had done it in 1990 too
    This is what I dream for the the people of Eritrea and Ethiopia. This may take few years; however, I guarantee ya. The people of Korea will live in peace as one people, so will the people of Eritrea and Ethiopia.
    If the Koreans can do it, so will the Eritreans and Ethiopians despite the few but laud futile failed and bankrupted elites …
    People who are proud of their own languages, identity and heritage can create miracles, no matter what, the others with slavish not so much

Post a Reply to Hagos Cancel Reply