Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል) (ብደብረ)

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል) (ብደብረ) ኢሳይያስን ጉጅሉኡ ስለምንታይ ‘ዮም ጽልኢ ዘጎሃህሩ? ብፍላይ ኢሳይያስ ስለምንታይ? ኢሳይያስ ክበጽሖ ደሊዩ ዘሎ ናይ መወዳእታ ጫፍ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣነ ክልተ ግምታት ኣለዋኒ። ሓደ፡ ዲክታተር ብኻልእ ዲክታተር ስለዝትካእ ንሕጹይ

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል) (ብደብረ)

ኢሳይያስን ጉጅሉኡ ስለምንታይ ‘ዮም ጽልኢ ዘጎሃህሩ? ብፍላይ ኢሳይያስ ስለምንታይ? ኢሳይያስ ክበጽሖ ደሊዩ ዘሎ ናይ መወዳእታ ጫፍ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣነ ክልተ ግምታት ኣለዋኒ። ሓደ፡ ዲክታተር ብኻልእ ዲክታተር ስለዝትካእ ንሕጹይ ዲክታተር ኣብርሃም ኢሳይያስ ስልጣን ንምስግጋር ባይታ ኣብምጥጣሕ ይዳሎ ከምዘሎ እግምት። እዚ ብፍጹም ኣይከውንን ‘ዩ፡ ከምይ ገይሩ፡ ኢልኩም ትጭድሩ ትኾኑ። እቶም ዝተቆጣዕኹም ህድእ በሉ፡ እንታይ ኮይኑ ደይከውን፧ ኣብ ሰሜን ኮርያ ኮይኑ ሪእናዮ እንዲና። ወዲ  ዕስራ ዓመት ደይብሱል ወዲ ዲክታተር ኣብ ስልጣን ክመጻእ ተገይሩ እንድዩ። ሽሙ ክፉእ፡ ኤርትራ ከኣ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ተባሂላ ‘ዶ የላን፧ ንኣያ ብኢዱ ‘ሞ መን ይኽልክሎ፧ ደይ ንሕናስ ምስኮነ ዐዕዘምዚምና ከምቲ ልሙድ ሱቕ ኢና ክብል። ምዕዝምዛሙ እንተኾነ ተሰቢልና ‘ዩ። ሱቕ ከኣ ተለማሚድናዮ ኢና። ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ ትብሉ ትህልዉ፡ ኣሜን እየ ክብለኩም። ክኸውን ትምኒተይ ኮይኑ ኣይኮነን። ኣያና ግን ከምኡ ከምዝሓስብ ርዱእ ስለዝኾነ ‘ዩ።

 

እታ ካልኣይቲ ግምት፡ ኢሳይያስ ከይሞተ ክርእያ ዝደልያ ዓለም እንተሃሊያ ወርሒ ‘ያ። ከም ማይክል ጃክሶን። ኣያና እንታይ ዶ ይጎድሎ ‘ዩ፧ ኣብ ወርሒ ከድኩም ሕተቱ ኢልና ዶ ኣይነበረን፧ ኣብ ወርሒ መሰረት ኩርናዕ ሓዳስ ህግደፍ፡ ብኣጋንንቱ ኣቢሉ ኣንጺፉ ‘ሎ ተባሂሉ ይሕመ ዶ የለን። ኽኸይድ ድልየት ስለዘለዎ እዩ ከምኡ ኢሉ። ኣብ ወርሒ ዘብጸሓ ሓደሽቲ መንኮርኮር ኣለዋ እየን ዝበሃላ። ንቢእዱ ሞ እንታይ ይእግሞ። ኣብ ሓደ ናይ ሲዊስ ባንክ ጥራይ ‘ኳ ሸውዓተ ሚእቲ ሚልዮን ዘቐመጠ ኣብ ኣማኢት ባንክታት ቢልዮናት ክህልዎ ‘ዩ። ስድርኡ ሒዙ ምርቅፍ ክብል ይሓስብ ይኸውን። ገንዘብና ከሰርና ‘ምበር እሱስ ዕዝር ይበል። ሚስኪነይቲ እታ ናይ ቀዳመይቲ እመቤት መሰላ ዝተከልከለት ተጋዳሊት ቀዳመይቲ እመቤት ወ/ሮ ሳብ ግን ትተርፍ ትኸውን። ከም ህዝባ። ደ ንሳስ ተጠሊማ ‘ያ። ድሕሪኡ ኸ ካብ ውልቀ መላኺ ዝነጽሀ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ይመጽእ ዶ ይኸውን፧

 

ኣብ ሃገርና ክመጽእ ተደልዩ ዘሎ ለውጢ ከመይ ዓይነት ለውጢ እዩ? ደርጊ ንሃይለስላሴ ካብ ስልጣን ኮርቻ ክኣልዮ ከሎ በቲ ሓደ ሸነኽ ብረትን ታንክታትን የርእየካ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ብዘይ ምፍሳስ ደም ብቅንዕና ኢትዮጵያ ትቅደም (ያለምንም ደም በቀና መንፍስ ኢትዮጵያ ትቅደም) ይብለኻ። ዝኸዓዎ ደም ግና ማእለያ ኣይነበሮን። ነዛ ብዘይ ምፍሳስ ደም ብቅንዕና ትብል ኣሚኖም ዝጠፍኡ ብዙሓት ‘ዮም። እወ ብዝህሓት ‘ዮም። ናጽነት ኤርትራ ንኽመጽእ ዝተኸዓወ ደም ‘ውን ማእለያ የብሉን። እቲ ለውጢ ንምምጻእ ቀያሕቲ ኤርትራውያን ተኸፊሊዎ ‘ዩ። መስዋእትነት ስለዝተረገጸ ሕድሮም ስለተጠልመ ዝተቃለሱሉ ዕላማ ስለተጨወየ ለውጢ ደሊና ንቃለስ ኣሎና። መስዋእቲ ከይከፈልካ ዝመጽእ ለውጢ የለን። ብኸመይ እቲ ለውጢ ይምጻእ ዝብል ሕቶ ግን ውሕስነት ዝሓትት ኮይኑ ብጥንቃቀ ክምለስ ዘለዎ እዩ። ውሕስነት ዝሓትት ትብል ሓረግ ከስምረላ እደሊ። ከመይ ዝበለ ውሕስነት፧ ኣብ ሓገርና ኣብዚ ሕጂ እዋን ክውፈ ኣሎኒ ዝብል ዝዕወት ዜጋ እዩ ዝድለ ዘሎ። ተዓወት ተዓወት ከም ናይ ሳንድያጎ መዘናገዒ ዘይኮነስ ሕልፊ ሂይወት ዝሓትት ዓወት። ግን ከ መን ይእተዋ፧ ኩሉ ሰብ ነዚ ዓወት ከምዝጽበዮ እርግጸኛ ኮይነ ክዛረብ እኽእል። ባይታ እንተዝፍጠረሉ ‘ውን ናይ ዓቅሙ ካብ ምብርካት ድሕር ከምዘይብል እኣምን። ግን መን ይጀምራ፧ ጀማሪኣ ክጅምራን ክቅንጠብን ሓደ እንተኾይኑ፡ ድሕሪ ምቅንጣቡ እውን ሰዓቢ እንተዘይረኺቡ እቲ ውሕስነት ኣበይ ኣሎ፧ ትም ጡዑም እንታይ ገደሰኒ ኣብ ትብል ጽሑፈይ ከመሓላልፎ ዝፈተንኩ መልእኽቲ ሓደ እዚ እዩ ነይሩ። መልእኽቲ እታ ጽሕፍቲ፡ እቲ ሓደ ምስ ሓለፈ ትም ትም እንተኮይኑ እቲ ብሕጂ ክዕወት ዝበለ “ፍሬ ንዘይብሉ እንታይ ገደሰኒ” ኣማዕቢሉ ይገድፎ።

 

ኣሕመድ ሳልሕ ዝበሃል ርእይቶ ወሃባይ ከምዝበሎ “ሱቅ ጡዑም ካብ ፍርሂ ዝተበገሰ፡ ሓቅነት ዘይብሉ፡ መመኽነይታ ነፍስኻ መታለሊ ‘ምበር ትርፊ የብሉን”  ዝበሎ፡ ከምኡ እዩ እቲ መልእክቲ። እንተ ፈሪህና እንተ ተዓሺና እንተ ተዳሂሊልና ሱቅ ምምራጽና ሃስያ ኣውሪዱ እዩ። እቲ ሓቅነት ዘይብሉ ከኣ ክትዛረብ ትደሊ ግን ሱቅ በል ስለተበሃልካ ዓውታኻ ኣብ ከብድኻ ዓቢጥካ ከይፈተኻ ተስቕጥ። ሱቅ ማለትካስ ሓሶት ‘ዩ፡ ክትዛረብ ትደሊ ‘ኻ። ብዝኾነ እቲ ሕሰም ኣብ ካልኦት ዝወርድ ዘሎ ጽባሕውን ናባኽ እዩ እቲ ተራ ‘ሞ ተዛረብ፡ ኣሰርን ተወፋይነትን ቀዳማይ ግዳይ ሰዓብ። መልእክተይ ክንዛረብ ኣሎና እዩ። እንተተዛሪብካ ከኣ ነቲ ዝተበጀወልካ ሲዒቢካ ‘ሎኻ ማለት እዩ። እቲ ተዓዋታይ ከኣ ውሕስነት ይረክብ። ሎሚ ወዲ ሓትነኻ ክእሰር ከሎ ትም ዝበልካ ጽባሕ ተራኻ ምስ ኮነ መን ክዛረበልካ ትጽበ፧ እቲ ካልእ መልእኽቲ፡ እቲ ምዝራብ ካልኦት ክጅሙሩልካ ከይተጸበኻ ባዕልኻ ጀምሮ። ሕጂ፡ እንታይ ገደሰኒ ትብል እንተኾንካ፡ ብዛዕባኻ ዝግደስ ሰብ ክትጽበ የብልካን።

 

መደምደምታ

ነቲ መሰረታዊ ከመሓላልፎ ደልየ ዘለኹ ነጥቢ ተረዲእኹምኒ ክትኮኑ ተስፋ እገብር። ንጊዚኡ ብዛዕባ ጸላእትና ዝበሃሉ ብዙሕ ምዝራብ ዘድልየና ኣይኮነን። ፍሉጣት ስለዝኾኑ። ናተይ ዛዕባ’ውን ናብ ከምኡ ዝእንፍት ኣይኮነን። እንተኣስተብሂልኩምሉ “ባይታ መቃለሲ ደምበ ተቃውሞ” ኣበይ ክኸውን ኣለዎ ናብ ዝብል ‘ዩ። ምናልባሽ ጽልኢ ኣይነጎሃህር ዝብል ኣርእስቲ ሂበ ብዛዕባ ክሊቲኡ ህዝብታት ዝነበሮምን ዘለዎምን ርክባት ምግላጽ ምፍታነይ፡ ንገሊኦም ውህደት ምስ ኢትዮጵያ ዝጠልብ ክመስሎም ይኽእል እዩ። ሕቡእ ኣጀንዳ ከምዘሎኒ ጌሮም ‘ምውን ዝግምቱ ኣይሰኣኑን እዮም። ኢትዮጵያዊ ዜግነት ዘጠመቁኒውን ይህልዉ እዮም። ነዚኦም እንተታት ንድሕሪት ገዲፍና፡ ሓሳበይ ንምጥቅላል፡

  1. ንኢሳይያስን ጉጅሉኡን ኣዚና ስለዝጸላእናዮምን ብፍላይ ኢሳይያስ ክጽረፈልና ስለንደልን፡ ነቲ ሓጥኣት፡ ነዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ደሎ ሓሰረ መከራ፡ ዝያዳ ንኢሳይያስ ክነሸክሞ ንደሊ። እንተኾነ ‘ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ውን መዓረ ሓላፍነት ክሽከም ከምዘለዎ እኣምን። ነዞም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ክልቲኡ ህዝብታት ጥፍኣት ከይፍጠር ክከላኸል ይኽእል ነይሩ ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ መንግስቲ ኢሂወደግ ሉኡላውነት መንነትን ህላዌን ህዝቢ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብዘይየእቱ ክከሓስ ኣለዎ። ከምቲ ኢሳይያስ፡ ብድልየት ተቃወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሙሉእ ሓይሉን ክእለቱን ዝተሓባበሮም ዘሎ፡ መንግስቲ ኢሂወደግ ከኣ ብድልየትን ክውንነትን ፖለቲካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ምምንቋስ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ክሳተፍ ይኽእል እዩ። ኣብ ኤርትራ ብኣውራጃዊ ወይ ብብሄር ምውዳብ ዝኸፍአ ዘይምርድዳእን ምፍልላይን ዝዕድም ስለዝኾነ፡ ኣብነንሕድሕድካ ምጥርጣርን እምነት ምጥፋእን ኢሉም ሕንፍሽፍሽ ኣብ ምፍጣር ዓቢ ተራ ስለዘለዎ፡ መንግስቲ ኢሂወደግ ነዚ ኣብ ግምት የእትዩ ክሰርሕ ይግባእ። ከምቲ ዝበሃል ኣሉባልታ፡ ወያኔ ኣንጻር ሉዕላዊት ኤርትራ ይሰርሑ ኣለዉ፡ ኢሳይያስ ከኣ ዕላምኦም የቀላጥፈሎም ስለዘሎ፡ ክጸንሓሎም እዮም ዝደልዩ፡ ስለዝኾነ ድማ ምስኦም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኮይንካ ምቕላሱ ኣይከኣልን ‘ዩ፡ ሓቅነት እንተሊዎ መንግስቲ ኢሂወደግ ኣንጻር መንግስቲ ኢሳይያስ ክሰርሕ፡ ሓሳቡ ክቅይር ኣለዎ። ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ዝበደሎ ስለዘየሎ። ክቅጻዕ ዝግብኦ ህዝቢ ስለዘይኮነ። ንኢሳይያስን ጉጅሉኡን ከተርክብ ህዝቢ ከም መሳርሒ ክትጥቀም ቅኑዕ ስለዘይኮነ። ህዝቢን መንግስቲን  ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝርከባ ውድባት ከም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ስሙር ምንቅስቃስ ንልውጢ ኤርትራን ወዘተ (ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ንውክል ኢና ዝብላ እንተኾይነን) ዝኣመሰላ ካብ ኣተሓሳስባ ብሄርን ኣውራጃዊነትን ወጻኢ ሓድነት ኣብ ምፍጣርን ምሕያልን ከምኡ ‘ውን ነዚአን ውድባት ምስ ኣብ ሩሑቅ ሃገራት ኮይነን ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት ኣብ ምውህሃድ ሓላፍነት ክስከሙ እጽውዕ።
  2. ቃልሲ ከድምዑ ዝኽእሉ ብቀንዱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝለዓል ነውጺ ነቶም ቀንዲ መራሕቲ እከይ ምቅንጻል ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ክድፈኣሉ ይግባእ። እዚ እንተተኻኢሉ፡ እቲ ዝሓጸረ ጊዜ ዝወስድ ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ነውጺ ከለዓዕሉ ዝኽእሉ ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ዕጡቃት ጥራይ ‘ዮም። እቲ ካልእ ዓቅሚ ዘለዎ ኣይመስልን ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ‘ዚ ሰራዊት ኤርትራ ዕጥቁ ፈቲሑ፡ ብረቱ ደርብዩ፡ ንስደት ምምራሕ ገዲፉ፡ ብረቱ ኣልዒሉ እምቢ ንምልኪ፡ ናብራ ሓሶት ይኣክል ኢሉ ንኽለዓል እዋኑ ዝጠልቦ ዕማም ‘ዩ። ኤርትራ ከኣ ናይ ነዊሕ ጊዜ ተመኩሮ ዘለዎ ቋሚ ሰራዊት የብላን። እቲ ዘሎ ሰራዊት፡ ልምዲ ዘይብሎምን ዝተደሃሉን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ህዝባዊ ሰራዊትን ‘ዮም። እዚኦም ዝመርሖምን ዘወሃህዶምን ኣካል የድልዮም።

 

ንኢሳይያስን ሰዓብቱን መን ይቀንጽሎም ዝብል ካልእ ደንጎላ ሕቶም ክምለስ ኣለዎ። ሓደ ተስፋ ድቆረጸ፡ ብድድ ኢሉ፡ ኳሕ ኳሕ ኣቢሉ ክቀትለልናን (ኣይርከብን ‘ምበር፡ እንተዝክረከብ!!)፡ ድሕሪ እቲ ኳሕ ኳሕ፡ ነቲ ጂግና እንዳሞገስና፡ ሆ እንዳልና፡ ንዓድና ክንኣቱ ንጽበ እንተሃሊና ንነፍስና ጥራይ ኢና ነዐሽዋ ዘሎና። እዚ ጉዳይ እዚ ሓያል ምውድዳብን መጽናዕትን ዘድልዮ መስርሕን፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝሓትትን ስለዝኾነ፡ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ። ነዚውን መንጠሪ ባይታ ክትኮነና ትኽእል ሃገር ኢትዮጵያ ጥራይ ኢያ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ሱዳን ከይንብል (ኣልበሽር ምስ ኢስያይስ ብዘለዎ ሓባራዊ ናይ ውልቀምሊኪ ስምምዕ) ሱዳን ገፊፋ ኣሕሊፋ፡ ንኢሳይያስ ካብ ምሃብ ንድሕሪት ኣይትብልን ‘ያ።

  1. እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳብ ተፈጻምነቱ ዘይከኣል እንተኾይኑ፡ እንቲ ከይፈተኻ እትኣትዎ ውግእ ህሕድሕድ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢሳያስን ሰራዊት ተቃወምትን ‘ዩ ክመጽእ። እንተወሓደ ነቶም ብትእዛዝ ኢሳያስ ኣሕዋቶም ዝቀትሉ ቀተልቲን፡ እቶም ኣሕዋቶም ዝኣስሩ ኣሰርትን ሰዓብቲ ኢሳይያስ ብምልላይ፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ ክከኣል ኣለዎ። ንኣብነት ትማሊ ትማሊ ዕለት 05 መጋቢት 2015 ኣብ ዓዲ ቀይሕ ዝተወጉኡን ዝተቀተሉን ዜጋታትና ደም ከንቱ ከይተርፍ እቶም ብትእዛዝ ዝቀተሉን ዘቁሰሉን ኣለሊኻ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ኣለዎ። ቀቲሎም ይቅተሉ ምዃኖም እንተፈሊጦም እቶም ካልኦት ኢዶም ክእርንቡ ይኽእሉ ‘ዮም። ሓይሊ ሚዛን ተቃወምቲ መዓረ ሓይሊ ሚዛን ኢሳይያስ ክመዛዘን ክኽእል ኣለዎ። ዝቀተለ ክቅንጸል፡ ዝኣሰረ ክእሰር እንተኾይኑ ኢሳይያስ ክርዕድን ስልጣኑ ከይፈተወ ክገድፍን ዝኽእል። እኹል ዓቅሚ ሰብ ክትውድበላ ትኽእለላ ሃገር ሕጂውን እንተኾነ ኢትዮጵያ ጥራይ እያ።
  2. ኣማዕዲኻ ጎንጻዊ ቃልሲ ንለውጢ፡ ኣብ ደመና ዘሎ ተበሃጊ ፍሬ እዩ ክኸውን። እታፍረ ተበሃጊት “ለውጢ”፡ እቲ ደመና ከኣ መትሓዚ ዘይብሉ ንፋስ ብዝመርሖ ዝጎዓዝ “ግኡዝ”። ኣነ ዕላማ ቃልሲ ናይዘን ውድባት የነኣእስ የለኹን። ብዛዕባተን ‘ውን ዕሙቅ ዝበለ ኣፍልጦ የብለይን። ቡዙሕ ጸገማትን ዕንቅፋታትን ክህልወን ይኽእል ‘ዩ። ዓዳዊ (ኣውራጃዊ)፡ ሃይማነታዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ስነፍልጠታዊ፡ ወዘተ ክኸውን ይኽእል። ኣነ ዝዕዘብ ዘለኹ፡ ኣለዋ ክበሃላን፡ ተዳኺመን ክበሃላን ‘ዩ። ሓደ በዚሐን። ክልተ ካብቲ ንቃለሰሉ ኣለና ዝብልኦ ህዝበን ኣዝየን ተፈንቲተን። ኣማዕዲኻ ዝግበር ግን ኣሎ። ደጀን ምዃን። ኣብ ደገ ዝነብር ተሰከምቲ ሕድሪ ተረኦም ደጀን ምዃን ‘ዩ። ዓንዲ ሕቆ ጎንጻዊ ቃልሲ ንለውጢ። ከምቲ ንመንግስቲ ኢሳይያስ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ 2% እንዳከፈለ፡ ፈስቲቫል እንዳገበረ፡ ደጀን ዝኾኖ፡ ሓድነት ብምፍጣርን ምውድዳብ ብምግባርን፡ ነዚ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ኣካል ‘ውን፡ ብፋይናንስ ይኩን ሎጅስቲክ ክማላእ ዘለዎ ገንዘባዊን፡ ንዋታዊን ሞያዊን ሓገዝ ብምብርካት ደጀን ምዃን ይከኣል። እቲ ዝዓበየ ዕማም ‘ውን ንሱ እዩ። ነቲ ምንቅስቃስ ዓንዲ ሕቆ ምዃን። ነዚ ዘወሃህዱ ፍሉጣት ምኩራት ክእለት ዘለዎም ምሁራት ከም በዓል  ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ፡ ብምርቋሕ ክትግበር ይከኣል።
  3. ማዕከን ዜና ተቃወምቲ ሓቢረን ተወሃሂደን ዝሰርሓሉ ሜላ ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ። ዘለዋ ኣይወሓዳን። እዘን ዘለዋ ብበዓል ሞያ እንዳተኣልያ፡ ቁጠበአን ኣወሃሂደን፡ ሓበሬታ እንዳተለዋወጣ፡ ህዝቢ ዝነቅሓሉን ዝመሃረሉን መደባት ክሰርዓ ይግባእ እብል። ውህደት እንተዝፈጥራ፡ ዝዓበየ ናይ መሃሪ ቦታ ምሓዛ። እተን ውድባት ዝበሃላም ውሕደት ንኽገብራ ምተተባበዓ። ህዝቢ ከምዘን ናይ ውድባት ኣባልነት፡ ናይ ክስቶ ማዕከን ዜና ሰዓቢ ‘የ ዝብል መንፈስ ክርሕቃ እንተዝኽእላ ተኣማንነት ከሕድራ ይኽእላ ‘የን። እቶም ጸሓፍቲ ዝበሃሉ ከም በዓል መሲናስ ከኣ ልቦም ኣቕሲኖም ብሙሉእ ዓቅሞም ምሰርሑ። ብዙሕ ሰዓብትም ምረኸቡ። እንቱም ሓለፍትን መስረትን ማዕከን ዜናታት ተቃውሞ ደንበ፡ካባኹም ዝልብም ዝፈልጥ ኮይነ ኣይኮንኩን። ግን ከኣ ፋሕ ማለትኩም ኣነ ከም ህዝቢ ኮይነ ክርእዮ ከለኹ ኣይተሓጎስኩልኹምን። ተወሃሂድኩም ተሳኒኹም ብምስራሕ፡ ንዑ ክብረት ሃገር ኩርዓት ህዝብኹም ኩኑ።

 

ኣብ መወዳእታ ሓደ ርእይቶ ወሃባይ ዝሃበኒ ርእይቶ ጸሚቐ ብምቅራብ ጽሑፈይ ክድምድም። እዞም ኣህዛብ ኣሕዋት ‘ዮም። ናይ መወዳእታ ዕጨኦም ከኣ ሓቢርካ ምንባር ‘ዩ። ኣብ መንጎ እዞም ኣህዛብ ዝህሉ ቂም ወይ ጽልኢ ካብ ናይ መንግስታት ድንቁርና ዝመጽእ ‘ዩ። ኣብ ክንዲ ንምዕባለ ህዝቦም ቀትርን ለይቲን ሓኮት ዝብሉ፡ ኣብ መንጎ እዞም ኣሕዋት ኣህዛብ ሕንፍሽፍሽን ጽልእን ይፈጥሩ ‘ለዉ።እዞም ኣህዛብ ናይ ሓባር ረቋሒ ስለዘለዎም ከም ኣሕዋት ‘ዮም ዝዋስኡ። ጸላእቲ ናይዞም ኣህዛብ ወይ ፍሉይ ውልቃዊ ረብሓ ዘለዎም ሓሳበ ጎደሎ ዕሱባት ‘ዮም። ከምዚ ዓይነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ተሳንዮም ክኸዱ ደይደልዩ ዘቆጥዕ ጽሑፍ ብምርኣየይ ሕጉስ እየ። እዞም ንኤርትራዊያንን ኢትዮጵያውያንን ዝፈትዉ ከምዚ ዓይነት ጠቀሜታ ዘለዎ ጽሑፍ ከንብቡ ባህታ ክህቦም’ዩ።

 

ንኹሎም ወሃብቲ ርእይቶ ልዑል ምስጋናይ የቕርብ። ንኣሰና ዶት ኮም ከኣ ስለ እቲ ትዕግስቶምን ምሕደርኦምን ዘሎኒ ከበሬታን ኣድናቆትን በዚ ኣጋጣሚ ክገልጽ እፈቱ። ንኹሉኹም ኣብ ስራሕኹም ኣሳልጦ ኣብ ሂወትኩም ራህዋን ሰላምን ይምንየልኩም።

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ሓውኹም

ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • HYPE and CHANGE March 8, 2015

    I am not pessimistic person ,but when it comes to our country ,objectivelylooking at it from different angles does not give me any hope ,I think we are just waiting for the doomsday.It is inevitable.Our heros were martyred for nothing ,because of us their death has been ruled useless ,We should be buried alive.

  • guba March 9, 2015

    Nekile aleku ……………..seabuni

  • Simon G. March 11, 2015

    ደብረ:
    ቀያሕቲ ኤርትራውያን ተኸፊሊዎ ምባል ዘይንገድፎ። ሕማቕ ልማድ ዩ። ጸብጻብ ስለዘይብልና ‘ምበር: ኣብ ኤርትራ: ከደራይን ጸሊምን ሕብርን ካብ ቀይሕ ከምዝበዝሕ ጥርጥር የለን።

  • Debre March 13, 2015

    Dear Simon
    You are right that the chocolate and brown or black are more than red one.But “ቀያሕቲ” does not express the colour of people. it is a proverbial saying that means precious ones whether he is black KEDERAY or other.

POST A COMMENT