Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ካልኣይ ክፋል) (ብደብረ)

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ካልኣይ ክፋል) (ብደብረ)   ክቡራት ኣንበብቲ ሕጂ ከኣ ብዛዕባ ርእይቶ መሃብ ቁሩብ ክዛረብ። ርእይቶ ኣወንታዊን ኣሉታዊን ክኸውን ይኽእል። ግን ሃናጺ ክኸውን ይምረጽ። ስሚዒታውያን ኣይንኹን። እቲ ጸሓፋይ ክብሎ ወይ ከመሓላልፎ ዝደልዮ ነገር ክሳብ ዝውድእ ዕድል ንሃቦ

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ካልኣይ ክፋል) (ብደብረ)

 

ክቡራት ኣንበብቲ ሕጂ ከኣ ብዛዕባ ርእይቶ መሃብ ቁሩብ ክዛረብ። ርእይቶ ኣወንታዊን ኣሉታዊን ክኸውን ይኽእል። ግን ሃናጺ ክኸውን ይምረጽ። ስሚዒታውያን ኣይንኹን። እቲ ጸሓፋይ ክብሎ ወይ ከመሓላልፎ ዝደልዮ ነገር ክሳብ ዝውድእ ዕድል ንሃቦ ‘ምበር ብግምት ከምዚ እዩ ክብል ደልዩ ኢልካ ርእይቶ ምሃብ ቁሩብ ታህዋኽን ርእስኽእ ብዝፈጥሮ ማእለያ ዘይብሎም ሓሳባት ምህውታት እዩ ዝኸውን። እዚ ርእይቶይ ግን ነቶም ኮነ ኢሎም ኮኮከሻምሹ ዝደልዩ ርእይቶ ወሃብቲ ኣይምልከትን እዩ። ብዝኾነ እዛ ካልእይቲ ክፋል ሓደ ተስ ዝበሃል ርእይቶ ወሃባይ ብዝጸሓፎ ርእይቶ ክጅምር። ተስ ስለቲ ግሩም ዝኾነ ርእይቶኻ  ብስም ኣንበብቲ ከመስግነኻ እፈቱ። እዛ ሓጻር ግን ከኣ ግሉጽን ብዙሕ መልእክታት ዘለዋ ጽሕፍቲ ከምዘለዋ ተርጉሜ ከቅርባ እየ ፈቲነ። እቲ ተደጋጊፍካ ምኻድ ዝበልክዎ ከምዚ ናይ ተስ ሓገዝ ክርከብ ከሎ እዩ። ኣብቲ ትርጉም ግን ካብ ምንኣስ ዓቅሚ ዘይትጉማ ሂበያ ከይከውን ሓግዘኒ ኢኻ። የቀንየለይ። ትርጉም ናይታ ርእይቶ ብከምዚ ቀሪቡ ኣሎ።

 

“ደብረ

እዛ ጽሕፍትኻ ጽብቅቲ ሕጥቦ ጽሑፍቲ ‘ያ። እንተኾነ ኣብ ኤርትራናን ካብቲ ናይ ሓባራዊ ልምዲ ቁሩብ ዝወጸ ሱር ዝሰደደ ሽግር ደይምትእምማን ነጊሱ ኣሎ። ገለ ገለ ክትዛረበለን ክልኩላት ዝተሓዝኣ ቦታታት ኣለዋ። ህዝቢ ሱዳን ደይጓዳእ ጥዑም ህዝቢ እዩ ነይሩ/እዩ እንተኢልካን ምስኦም ጽቡቕ ምትሕሓዝ እንተገርካ፡ ነዚ ዘይቅበሉ ወይ ዝነጽጉ ዜጋታት ኣለዉ። ምስተን ካልኦት ሃገራትም ከምኡ። ኣብ ናይ ሕድሕድ ጥቕምን ምክብባርን መሰረት ጌሮም ንነገራት ብሃናጺ መንገርዲ ክርእዩ ክእለት ዘለዎም ውሑዳት እዮም። ድልየት ህዝብታትን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ድስራዕ።. ዝነበረና ነፍሰ ምትእምማን ክሳብ ንረክብ፡ ክሳብ ጽቡቕ ርክብ ምስጎረባብትና ንምስርት፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ተፈጻምነት ኣይህልዎን ‘ዩ። ኣብ ሕድሕድ ናይ ምድግጋፍ ድልየትን መዓርነትን ሰረት ዝገበረ ዝኾነ ርክብ መርሓባእ ኢልና ክንቅበሎ ይግባእ። ድኽመታትና ብምልላይን ዱሑርነትና ብምእላይን ክንጅምሮ ይግበኣና። ንሕና ኤርትራውያን፡ ናብቲ ዝተሓተ ደረጃ ሃገራት ንወርድ ኢና ዘሎና። ዝኾነ ነገር ንላዕላዋይ ጠርዚ ኣቢሉ ዝደፍእ ክነተባብዖ ይግባእ። ሰላም ንደሊ ዲና?  እቲ መልሲ ከምዝመስለኒ “እወ”። ምስ መን? እቲ መልሲ “ምስ ኩሎም ጎረባብትና”። ኣብ ከባቢና ዘለዋ ጎረባብትና እንተ ኣስተውዒልናለን ብብቁሩብ ቁጠበአንን ፖለትካአንን የወሃህዳ እየን ዘለዋ። ቀልጢፍካ ወይ ድሒርካ ምስዓብ ስለዘይተርፍ፡ ሕጅ ንበይንኻ ተነጺልካ ምትራፍ ተመራጺ ኣይኮነን። እቲ ሸቶ ምስ ሓደ ዘይኮነስ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሓቢርካ ምስራሕ ‘ዩ። ንሕና ነንሕድሕድና ክንራጸም ኮለና እተን ካልኦት ሃጋራት ከም በዓል ኢትይጵያ፡ ክሊቲኤን ሱዳናት፡ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ኡጋንዳ፡ ወዘተ ናይ ምዕባለ መሰረት የወሃህዳ እየን ዘለዋ።  አሕዋት ናብ ዘይተደልየ ክትዕን ስሚዒትን ኣይንጥወዮ። ቅድሚያ ክንህቦ ዝግባእ ዕዮ ገዛ ኣብ ቅድሜና ይጽብየና እዩ ዘሎ። ሓርነትናን ናጽነትናን።  ኣየናይ እዩ መቅርብና ኢልና ጌና ኣብ ምሕራይ የለናን። እዚ ምንዮታዊ ኣተሓሳስባ ጥራይ ኢዩ።  ክትሓሪ ኣብ ዱልዱል ባይታ ክትረግጽ ኣሎካ። ገለ ዝስሕብ ነገር ከተርኢ ኣሎካ። ንሕና ኤርትራዊያን ከነርእዮ ንኽእል ነገር የብልናን።  ኤርትራ ነፍሳ ክሳብ ትኽእል ወይ እዚ ዘሎ ጽላም እዋን ዝሓልፍ ኣብ ንፈጥሮ ርክባት ጊዜና ብላሽ እንተዘይኣጥፋእና ተመራጺ ይኸውን። ኩሉ ንጽባሕ ንግደፎ።”  መወዳእታ ርእይቶ።

 

ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ክሳብ መዓስ ኢና ጽልኢ ንዘጎሃህሩ መጋበርያ ንኸውን፧ ብምሕታት ጽሑፈይ ዘቋረጽኩ። ሕቶይ ብምቅጻል፡ –

 

ነዞም ጽልኢ ዘጎሃህሩ መራሕቲ ነቲ ዝገበርዎ ድክመትን ጥፍኣትን ክንሽፍነሎም ሓርኮት ንብል፡ ንሕና ደኣ መን ኢና፧ እስኪ ንነፍስና ንፈትሻ። መን ኢና፧ ብዛዕባ መንነት ኣይኮንኩን ዝሓትት ዘለኹ። ብዛዕባ ተግባራትና ‘ምበር። ደድሕሪኦም ዘዝበሉና ከነቃልሕ ንሃልኽ ስለምንታይ። ተጠቀምቲ እንተንኸውን ሓደ ነገር እዩ፡ ብኣንጻሩ ቀዳሞት ተጸላእቲ ንሕና ኢና። ኣቱም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከተናቁቱ ሓርኮት ትብሉ ዘለኹም ዓገብ እብለኩም ኣለኹ። እዞም ክልተ ናይዞም ክልተ ህዝቢ ጸላእቲ እቶም ህዝቢ ነንሕድሕዶም ዘይኮኑስ፡ እቶም መራሕቲ ተባሂሎም ኣብ ኮርቻ ስልጣን መንግስታት ዘለዉ ዕዉራት መራሕቲ ‘ዮም። ጭብጢ እንተደሊኹም፡ ሓደ እዋን ክሊቲኦም መራሕቲ ኢሳይያስን ነፍሲሄር መለስን ብዛዕባ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክዛረቡ ከለዉ ኣብ ሓደ እዋን ብሓደ ቃና “ናይ መትከል ጉድይ ‘ዩ” ኢሎምና ነይሮም።  መትከሎም ነናይውልቆም ድዩ፧ ወይስ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ዝምልከት፧ እቲ መትከል ንህዝቢ ዝምልከት እንተዝኸውን ነይሩ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ሊዕሊ ሚእቲ ሽሕ ዝኸውን ዘህለቀ ውግእ ከይለዓል ብሓላፍነት ምሰርሑ ነይሮም። መን ዓብለለ፧ ዝብል ነናይውልቆም መትከል ስለዝነበረ ግን ምጥፋእ ናይ ህዝቦም ቅጭጭ ከይበሎም ነቲ ውግእ ኣበጊሶም ህዝቢ ኣህሊቆም። እዚ ኩሉ ህዝቢ ሃሊቁ እልቢ ዘይብሉ ንብረትን ቁጠባን ዓንዩ። እቲ ውግእ ድሒሩ ብዘስዓቦ ሕሰም ከኣ ብፍላይ ኤርትራውያን ንስደትን ሓሳረ መከራን ትቃሊዖም።

 

ኣብዚ ክሊቲኦም መንግስታት ተሓተቲ እዮም። ብፍላይ ኢሳይያስን ነፍሲሄር መለስን ካብ ተሓታትነት ነጻ ክኾኑ ኣይክእሉን። ነፍሲሂር መለስ ከም ኢሳይያስ ሙሉእ መንግስታዊ ምቁጽጻር ኣይነበሮን ንዝብሉ ለዋሃት፡ ክሊቲኦም መዓረ ሙሉእ ስልጣን ከምዝነበሮም እዩ እቲ ናይ ስልጣን ጽፍሖም ዝዛረብ። እተን ሚድያታት ነቲ ሓቂ ዓቢጠን ክፋእ ተግባራቱ ክሽፍናሉ ይፍትና። ነቲ ምኽንያት ውግእ ኢሎም ዘቕረብዎ ብቑዕ ኣይበረን። መትከል ዝብል። ክንዲዚ ዝኣክል ህዝቢ ክሃልቕ ኣይነበሮን። ድሕሪ ውግእ እኮ ኣብ መወዳእታ ናብ ቤት ፍርዲ እዮም ቀሪቦም። ድሕሪ ውግእ ኣብ ቤት ፍርዲ ካብ ምቅራብ ቅድሚ ውግእ ኣብ ክቢ ጥረጰዛ ቀሪባክ ዘይምዝርራብ እንታዩ ኣበስኡ? እዘን ሜድያታት ንኢሳይያስ ገበኑ ክሽፍና ከለዋ “ናብ ዝርርብ እንተቐሪቡ ሽንፈቱ ኣሜን ኢሉ ተቀቢሉ ክም ማለት ስለዝኾነ እዩ ኢሳይያስ ንምዝርራብ ዝኣበየ” ኢለን ወረ ይነዝሓሉ። ሓደ ሓቀኛ ጋዜጤኛ ተጻሒፉ ዝተዋህቦ ጽሑፍ ጥራይ ኣየንብብን እዩ። ሓቅነቱ ኣብ ባይታ ከይዱ ከረጋግጽ ሞያዊ ግዴትኡ እዩ። ዲሒሩም ነፍሲሄር መለስም እንተኾነ በቲ ኣብ ኣልጀሪያ ዝፈረመሉ ውዕል ክግዛእ ኣይመረጸን። ስለምንታይ? እቲ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራውያን ንኽቅጽል ዝኣለሞ ሽርሒ ዶ ኣይኮነን እቲ ሚስጢር? እሞ እዚ ሰብ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ይሓልይ ነይሩ ክንብሎ ንኽእል ዶ? በደኡስ ኤርትራዊ ዶ ኣይኮነን፧ ውሉድ ንምዃኑ ጭብጢ እንተተደልዩ፡ ነፍሱ ይምሓር መምህር ሃብተማርያም ወዲ ኣኮኡ ንመለስ ኣብ 1999 ምሳይ ኣብ ሳዋ ነይሩ። ነፍሲሄር መለስ እቲ ውግእ ሂይወቱ ዝሓትት መስዋእቲ እንተነሪዎ ‘ውን ክስየፍ ነይርዎ። ብመትከል ኣመኽንዩ የሕዋቱ ዝጠለመ መዓረ ኢሳይያስ ክሕተት ዘለዎ ጨካን ሰብ እዩ።

 

ኣብ መወዳእታ ካብዚ ውግእ ዝኸሰበ ኸ መን ኣሎ? ዝብል ሕቶ ኢዩ ዝለዓል። ኤርትራን ኢትዮጵያን ከስረን ‘ምበር መኽሰብ ዝበሃል የብለንን። ሰበን ቁጠበአን ጊዜአን ኩሉ ከሲረን። መንግስቲ ኣመሪካ ከሲባ ዶ ትኸውን? ዘ ሄግ ቤት ፍርዲ ከሲቡ ዶ ይኸውን? ናይ ክሊቲኦም ሃገራት ጠበቃታት ከሲቦም ዶ ይኾኑ? እዞም ክልተ ደለይቲ ዕብለላ እቲ ዝበሃግዎ ዓብላልነት ከ ረኺቦም ዶ ይኾኑ? ኩሉ ነገራት ክትግምግሞ ኮለኻ ዝተዓወተ ዘሎ ኣይመስለንን። እዚ ዶ ኣይኮነን እቲ ሓቂ? እዘን ህዝባዊ ሜድያታት ዝበሃል ደኣ እንታይ ኮይነን እየን ነዚ ሓቂ ደጋጊመን ዘይነግራና? ወይስ ካልእ ሓቂ ኣሎ? እስኪ ንገሩና ካልእ ሓቂ እንተሎ ክንሰምዖ።

 

እቲ ዛዕባና ንሶም ተሓተቲ ምኳኖንም ኣይኮነን ዘዛራርበና ዘሎ። ተሓተቲ ምዃኖም ርዱእ እዩ። ብህልቂት ክልቲኦም ህዝብታት ልዕሊኦም ዝሕተት ሰብ የለን። ሒጂ እዚ ህዝቢ ዘለዎ ኩነታት እዩ ዘገደስና። ብፍላይ ኣብ ተሓታዋይ ጽፍሒ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ። እዚ ህዝቢ ሓደጋ ወሪድዎ ኣሎ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ብጥሜት ሓለንጊ ይግረፍ፡ ብሕንፍሽፍሽን ቅሉውላውን ይመሓደር ኣሎ እንዳበልና ነእዊ ኣሎና። እቲ ሕቶ ብኸመይ ሰላሞም ይረኽቡ፧ ብኸመይ ካብዚ ጨካን ኣረመናዊ ኣገዛዝኣ ይውጻኡ፧ ዝብል እዩ። እስኪ ኣብዚ ንዛተ። እንታይ ኢዩ እቲ መፍትሒ፧ እየ ዝብል ዘለኹ። እቲ ነጥቢ ኩሎም እቶም ክህሉ ይኽእሉ እዮም ንብሎም ኣማራጺታት በብሓደ ክንፍትሾምን ናብቲ ንቃልሲ ተቃውሞ ደምበ ከዐውተና ይኽእል እዩ ንብሎ ኣገባብ ቃልሲ ክንመርጽ ክንክእል ኣሎና እየ ዝብል ዘለኹ።

 

ኪኢላ ብኽእለቱ፡ በዓል ጸጋ ብገንዘቡ፡ በዓል ጉልበት ብረሃጹ ሰሪሑ ከይበልዕ ዝተሓረመ ህዝቢ እንታይ እዩ ክገብር ዘልዎ፧ ፋሕተርተር ገዲፉ ተጸባይ ምዃን ዝተፈረደ ዜጋ ናብ መን ክጠርዕ ኣለዎ?፧ ናብ እምላኹ ‘ምበር፡ ንዋላሓደ። እታ ክገብራ ዝኽእላ ካብ ሃገሩ ወጺኡ መጻኢ  ዕድሉ ምፍታን እዩ። ዕድል ዝገበሩ ሰብ ጸጋ ዜጋታት፡ ገንዘቦምን ፍልጠቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከዋፍርዎ ተገዲዶም። ገሊኡ ንኢትዮጵያ ኣምሪሑ። ንግዲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ደው ኣይበለን፡ ብዘይ ወግዒ እንተኮነ ‘ውን ቀጺሉ እዩ። መብዛሕትኦም ወነንቲ ሰብ ጸጋን ሰብ ጥቕምን ኤርትራዊያን ካብን ናብን ኢትዮጵያ ይመላለሱ ከምዘለዉ ንስሕት ኣይመስለንን። መብዛሒቲኦ ‘ምውን ብሽም ገለገለ ሰብ እንዳገበሩ ትካላት ከምዘለዎም ይስማዕ እዩ። ሰብ ኪኢላታትን ጉልበትን ክእለቶም ብሕሱር ዋጋ ንዓዲ ጓና ክሸጡ ተገዲዶም። ወዲ ሃገር ከኣ ስደት ብስደት ኮይኑ። እዚ ብሰሪ ገባቲ ቁጠባዊ ሜላ ስርዓት ኢሳያስ ዝወረደ መርገም ኤርትራዊያን እዩ። እቲ ተቃዋማይ ውድብ ዝበሃል ግን ዛሕቲሉ ወይ ደኺሙ ደሃዩ ላሕቲቱ ኣይስማዕን እዩ ዘሎ። ኣብ ተቃውሞ ደምበ ግሩሃትን ሳኣን ንቅሓቶምን ዝደኽሙ ህንጥዩነት ዝተዓጥቁ ናይ ለውጢ ሃዋርያት ዝቃለሱ ብሓደ ወገን ፈላለይቲ ስልጣን ድሕሪ ለውጢ ዘገድሶም ወገናውያን በቲ ሃደ ወገን  ከምዘለዉ ክንፈልጥ ይግባእ። እቶም ሓቀኛ ተቃለስቲ ካብ ኩሉ ግናይ ናይ ቃልሲ ኣካይዳ ነጻ ዝኾኑ መገዶም ሓርቢትዎም መቃለሲ ባይታ ጸልሚትዎም ዘለዉ ደኣ እንታይ ይግበሩ፧ በዚ ሕጂ ዘለዉዎ ኸ እንታይ ከፍርዩ ይኽእሉ፧ መሰረታዊ ሕቶይ እዚ እዩ።

 

ንዓይ ኣብ ኣውሮፓን ኣመሪካን ኮንካ ብረታዊ ቃልሲ ክትገብር ከምዘይከኣል እዩ ዝርደኣኒ። እቲ ናይ መቃለሲ ማእከል ኣዝዩ ተፈንቲቱ። ከምንሰምዖ ዘሎና ብረታዊ ቃልሲ ክገብሩ ኣይኮነን ኣብ ነፍስ ወከፍ ተስፋ ዝተገብረሉ ኣኼባታት ፋሕ ፊንግጢራሕ ክብሉ ንሰምዕ። ኪዳን ዝበሃል ተመስሪቱ ተባሂሉ ኣይሰርሐን። ሃገራዊ ጉባኤ ዝበሃል መጺኡ እሱ ከኣ ብግዲኡ ሰንከልከል ይብል ኣሎ ይብሉና ኣለዉ። ኣነ ብዛዕባ እዘን ውድባት እዚአን ዝፈልጦ የብለይን። ግን ከኣ ከም ህዝበይ ተስፋ ጌረለን ነይረ። ቃልሲ ደንበ ተቃውሞ ብኸምዚ ዝዕወት ኣይመስለንን። ንዓይ ቃልሲ ደምበ ተቃወምቲ ኣርባዕተ ነገራት ይጠልብ። ቦታ፡ ጊዜን ገንዘብን ከምኡ ‘ውን ውፉይ ሰራዊት። እዘን ኣርባዕተ ነገራት ምስዝወሃሃዳ እየን ቃልሲ ተቃውሞ ክዕወት ዝኽእል ኢለ ይኣምን።
ኣብዚ ከነተኩረሉ ዝግባእ ግን ስለምንታይ እዩ ቃልሲ ኣንጻር ህግድፍ ክሳብ ሕጂ ርኡይ ለውጢ ዘይምጽአ፧ ስለምታይ እዩ ጽቡቅ ክብገስ ዘይክኣለ፧ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ክንረኽበሎም ይግባእ። ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ናይ ሓባር ረቋሒ እቲ ቀንዲ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሳቂ ዘሎን ሰላም ከሊኢዎም ዘሎን ኢሰይያስ ‘ዩ።  እቲ ሕቶ ስለምንታይ እዞም ህዝቢ ክልተ ሃገር ብሓንሳብ ኮይኖም ኣድማዒ ለውጢ ከምጽኡ ዘይከኣሉ፧ ዝብል ‘ዩ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢሳይያስ ብኸመይ ከልግስ ከምዝግባእ ጠፊኢዎም ኣይኮነን። ብወትሃደራዊ ስጉምቲ  ከቅንጽልዎ እንተዘይከኣሉ ኢልና እንተሓሲብና ሓያል ዝኾነ ዕጡቕ ኤርትራዊ ውድብ ክፈጥሩ ምኸኣሉ ኔሮም ኢልናም ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ንተቃዉሞ ደንበ ብምድጋፍ ኣድማዒ ስራሕ ንኽሰርሑ ብኸመይ ተሐይሎም ንመራሕቲ ኤትዮጵያ ኣይጠፍኦምን ‘ዩ። ዝተፈተኑ ፈተነታት ‘ውን ብትብዓት ዝተተሓዙ ስለዘይነበረን እተን ክተሓዛ ዝተፈተና ‘ውን ማእከለን ኣብ ሩሑቕ ሃገራት ኣውሮፓን ኣመሪካን ዘለዋ ስለዝነበራ ይመስል ኣይተዓወተን። ኢሳይያስ ግን ኣይደቀሰን። ኢሳይያስ ብውሱን ዓቅሙ ናይ ተቃወምቲ ሰራዊት ኣደራጂሎም ኣሎ። ደምሂት ዝበሃል ሓያል ሰራዊት ኣቁሙ ንጊዚኡ ‘ኳ ሓለውቱ ጌርዎም ኣሎ። ሓርበኞችን ግንቦት ሰባትን ዝበሃሉ ውድብ ናይ ኣምሓራ ሕብረት ከምዝፈጥሩ ጌርዎም ኣሎ። ወተሃደራዊ ዓቅሞም እውን ሓያል ምዃኑ እዩ ዝንገር ዘሎ።  በዞ ተቃወምቲ ጌሩ ግን ንኢሂወደግ ከጨናንቕ ኣይተራእየን። ኣደራጅዩ ሓለውቲ ኣስመራ ጌርዎም። ስለምንታይ፧

 

ዝኾነ ሃገር ውድብ ውልቀሰብ ረብሓ እዩ ዘገድሶም። ሰብኣውነት ርህራሄ ሓዜነታ መሸፈኒ መሳርሒጥራይ ‘ዩ ዝኸውን። ካልእ ከይሃሰኻ ንናይሓባር ረብሓ ክትሰርሕ ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖለቲካ ‘ዩ። ኢሳይያስ ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኤርትራ ንክደራጀዉ ከፍቅድ ከሎ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓዚኑ ኣይመስለንን። እቶም ተቃወምትን ኢሳይያስን ናይ ሓባር ረብሓ ስለዘለዎም ጥራይ እዩ። ናይ ክሊቲኦም ናይ ሓባር ጸላኢ መንግስቲ ኢህወደግ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝወርድ ሓቢሮም ክሰርሑ እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያም ከምኡ እንተገበረ ምስ ተቃወምቲ ኤርትራ ናይ ሓባር ረብሓ ስለዘለዎም ‘ዩ። እቲ ኣቦታትና ዘመሰልዎ “ናይ ጸላኢኻ ጸላኢስ ፈታዊኻ ‘ዩ” ዝበልዎ ዓይነት ‘ዩ። ሎሚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ኩሎም ዝስራዕ ኢሳይያስን ጉጅሉእን ‘ዮም። ንመንግስቲ ኢህወደግ ካብ ስልጣን ንኸዓልው ተቃወምቲ ወዲቡን ዓቂቡን በትሪ ዘወጣውጥ ዘሎ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ‘ዮም።  መንግስቲ ኢሂወደግ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ብዞም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተቃወምቲ ስልጣን እንተዝበሓት ዕብለላ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተረጋጊጹ ከምማለት ስለዝኾነ ኢሳይያስ ዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ብኣንጻሩ ምእላይ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ንክሊቲኦም ኣካላት ማለት ንደንበ ተቃወምቲ ኤርትራን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ሓባር ረብሓ ክሳብ ዘለዎ ኣብ ኢትዮጵያ ኮንካ ምቅላሱ እንታዩ ጥፍኣቱ?

(ሳልሳይ ክፋል ይቅጽል)

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ደብረ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • brhane March 1, 2015

    Dear debre
    I know you are an eritrea. I am sorry to conneting the Ethiopian dream with you.
    It is better to quiet there because my answer different from that you expected.
    I am sorry again you might write this article honestly.

  • delayi selam March 2, 2015

    Kndm awushtna zelo neger neryo. Dhar ina bzaeba gorebabtna zmdna neryo

POST A COMMENT