Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽምብል ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ቀዳማይ ክፋል ከምቲ ኣብ ኩሉ ኣከባቢታት ዓለም ክካየድ ዝቐነየ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲን ከባቢኣን’ውን ጽምብል ንዝኽሪ ነቶም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዕለት 24-25 መጋቢት 2018 ተኻይዱ።

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.)

ቀዳማይ ክፋል

ከምቲ ኣብ ኩሉ ኣከባቢታት ዓለም ክካየድ ዝቐነየ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲን ከባቢኣን’ውን ጽምብል ንዝኽሪ ነቶም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዕለት 24-25 መጋቢት 2018 ተኻይዱ። እቲ ናይ 24 መጋቢት 2018 ጽምብል፡ ብናይ ዲ.ሲን ከባቢኣን ናይ ደምበ ፍትሒ ኣዋሃሃዲት ኮሚቴ ዝተወደበ ኮይኑ፡ ብዙሓት ልሉያት ኤርትራውያን ተቃልስቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ 5፡00 – 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ “ንጀጋኑና ንዘኽር!”፣ “ንመሰልና ንቃለስ”፣ “ኣበይ ኣለዉ/ኣለዋ?”፣ “ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ!”፣ “ጀጋኑና ንዘልኣለም ይዘከሩ!” ኣብ ትሕቲ ዝብሉ ጭርሖታት ኣብ ስፕሪንግፊልድ ክፍለ-ግዝኣት ቨርጂንያ ኢዩ ተኻይዱ። ብዙሓት ተቃለስቲ ነቲ ጽምብል ዘንጸባርቕ ተዝክሮታቶምን ስሚዒታትቶምን ንተኻፈልቲ ጽምብል ከክፍሉ ኣምስዮም። ሓያለ፡ ነቲ ጨካንን ዘሕዝንን ግፍዕታት እቲ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ብምዝካር፡ ስሚዒቶም ክቆጻጸሩ ዘይካኣሉ ነይሮም። ብፍላይ፡ እቲ ሕንቕንቕ እንዳበለ ነቲ ጽምብል ዘንጸባርቕ  ነዊሕ ግጥሚ ዘቕረበ መንእሰይን፡ እታ ስሚዒታ ክትቖጻጸሮ ስለዘይካኣለት፡ መደራኣ ዘቓረጸት፡ ናይ ሃይለ ድሩዕ ጻሓፊት ዝነበረት ሓፍቲ፡ ንኹሉ ተሳታፋይ ኣብ ስሚዒት ብምእታው፡ ሕንቕንቕ ከምዝብል ገይሮም ነይሮም።

ተጋዳይ ኣለም ዮውሃንስ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጽምብል ተረኺቦም ተዝክሮታቶም ዘካፈሉ ኢዩ ነይሩ። ንሱ፡ ንሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ) ኣብ መጀመርታ 1970ታት ኣብ ሰምበል ቤት ማእሰርቲ ብሓደ ታኣሲሮም ከምዝነበሩን፡ ሓቢሮም ካኣ ብናይ ጀብሃ ስሪሒት ኣብ 1975 ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጹን ብምጥቃስ፡ ሕጂ ካኣ ልክዕ ከምቲ ናይ ቀደም ህዝቢ ኤርትራ ተቃሊሱ ንድሩዕን ብጾቱን ካብ ቤት ማእሰርቲ ንከውጽኦም መብጻዓን ተስፋን ከምዝነበሮ ገሊጹ። “ስለዝደንጎና፡ እቲ መብጻዓ ከይተተግበረ ድሩዕን ብጸቱን ካብዛ ዓለም ምፍላዮም ዝስማዓኒ ሓዘን መሪር ኢዩ” ካኣ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መደረ ንምክትታል፡ ኣብዚ ጠውቑ

ተጋዳላይ ኣለም ዮውሃንስ ዘወልዳይ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ጽምብል ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን ተሞኩሮታቱ ንተሳተፍቲ ጽምብል እዳካፈለ ከሎ

ኣብቲ ጽምብል ተሞኩሮታቶም  ካብ ዘካፈሉ ካለኦት ተቓለስቲ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማሪያምን ገዲም ተቓላሳይ ሰንጋል ወልደንስኤ (ሓዉ ንሃይለ ድሩእ) ይርክብዎም። ተጋዳላይ ኣድሓኖም፡ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ነብሲ-ወከፍ ኣባል ጉጅለ 15ን ብዛዕባ ንዕሊ 25 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ታኣሲሩ ዘሎ ተባዕ ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃን ብምቕራብ ተሞክሮታቱን ተዘክሮታቱን ንተሳተፍቲ ጽምብል ኣካፊሉ። ንዝርዝሩ፡ ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ስእሊ ጠውቑ።

ተቓላሳይ ሰንጋል ብወገኑ፡ ሓጺር ግን ካኣ ኣገዳሲ መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ኣማሓላሊፍ። ዝርዝሩ፡ ኣብዚ ጠውቑ።

ካላኣይ ክፋል ይቕጽል —-

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tensea April 1, 2018

    Good job, thank you

Post a Reply to Berhe Tensea Cancel Reply