Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽምብል 8 መጋቢት 2014 ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ

እቲ “መዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋጽ ማለት: ግሳጋስ ኩላቶም ኣባላት ሕብረተሰብ ምርግጋጽ ማለት እዩ “ (Equality for women is progress for all )  ኣብ ትሕቲ ዝበል ቴማ ኣብ መላእ ዓለም ዝተኸብረ ማዓልቲ ድቂ ኣንስትዩ  ኣብ ኦክላንድ

እቲ “መዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋጽ ማለት: ግሳጋስ ኩላቶም ኣባላት ሕብረተሰብ ምርግጋጽ ማለት እዩ “ (Equality for women is progress for all )  ኣብ ትሕቲ ዝበል ቴማ ኣብ መላእ ዓለም ዝተኸብረ ማዓልቲ ድቂ ኣንስትዩ  ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ውን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ መደብ በቲ ንኩሎም ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝኾኑ  ነበርቲ በይ ኤርያ ዝውክል  ዳዕሮ በይ ኤርያ ዘተዳለወ  ‘ዩ ነይሩ።

ተሳተፍቲ  ብወሓላሉ  ደልይቲ ፍትሒ  ደቂ ኣንስትዮ በይ ኤርያ ዝተዳለወሎም  ጥዑም ድራድ ድሕሪ ምምጋቦም   እቲ መደብ ብሓንቲ ካብ ኣባላት ቦርድ ዳዕሮ በይ ኤርያ ዝኾነትን ኣዋሃሃዲት መደብ ናይቲ  ምሸት ዝነበረት ወ/ሮ ትዕግስቲ ካሕሳይ  ሰላምታን ዝርዝር መደባትን ብምቐራብ፡  እቲ ናይ በዓል ስነ ስርዓት ብሃገራዊ መዝሙር   ብወግዒ ተኸፊቱ። ካብዚ ተኸቲላ  ኣባል ቦርድ ዳዕሮ በይ ኤርያ ዝኾነት  ወ/ሮ ኣስገደት ሃብተማርያም ንታሪኽን ድሕረ ባይታን 8 መጋቢት፡   ተራን ተሳትፎን  ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ዘንጸባረቕ መደራ ኣቕሪባ።

ካብዚ ቀጺሉ   እቲ  ካብ ኩለን ከተማታት በይ ኤርያ ብዝመጹ  ደለይቲ ለውጢ   መሊኡ ዝነበረ ኣደራሽ ንሳዕሳዒትን ባህላዊ ምዝንጋዕን ኩፉት  ኮነ።  እተን ንኩሉ እንተታት ሰገረን ነቲ ምሸት ብፍሉይ  ኣገባብ ከበልጽግኦ ኩሉ ምድልዋተን ኣዋዲደን ዝቐነያ  ድምጻውያን  ቮሮኒካ ሰሎሙንን ኣዜብ ስዩም ከኣ  ብወናማትን ምኩራትን ሙዚቃኛታት  ኦርጋኒስታ ኣልማዝ በርሀ ፡ ቫዮሊኒስት ኤደን ካሕሳይ፡ በይዝ ጊታሪስት ዮርዳኖስ ሰሎምን፡  ሳክስፎኒስት ሱሃር ሚለር ከምኡ ውን እቲ ንበዓል  ደልይቲ ፍትሒ ፍሉይ ድምቀት ንምውሳኽ ንመሰናኽል ደገፍቲ ህግደፍ ጸማም እዝኒ ብምሃብ  ካብ ሚኖሶታ ዝመጸ  ሓደ ካብ ንፉዓት  ኤርትራውያን ኦርጋኒስት  ወዲ ኣፍሮ ተስንየን   ጣዕሚ ዘለዎም ሙዑዛት ዜማታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብምዝያም ፡  ወኒ ተሳተፍቲ ብምብርባር ነቲ ምሸት ፍሉይ  ሃዋህው  ሂበንኦ ኣምስየን። በዚ ዝተደሰቱ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ነተን ባሃራት ደቂ ኣንስትዮ መደብ ድሕሪ ምዝዛሙ ሓደ ድሕሪ ሓደ ናብ መድረኽ ብምድያብ  ኣድናቖቶም ድሕሪ ምግላጽ ምስኣተን ናይ መዘከርታ ስእሊ ብምውሳድ ንዝመጽእ ዘሎ ሃገራውያን በዓለት  ንምድማቕ ከይተሓለላ ክሳተፋ ኣዘኻኺሮሞን። ንሳተን ውን ነቲ ተቐማጦ በይ ኤርያ ዝሃብወን ዕድል ድሕሪ ምምስጋን በቲ ዝዓቕመን ኣበርክትኦን ካብ ምግባር ከምዘየቑጠባ ኣዘኻኪረን።

 

እዚ ናይ  ዝሓለፈ ቀደም ጸንብል ዘረጋገጾ ነጥቢ  እንተድኣሃልዮ  ድቂ ኣንስትዮ ሃገርና ሎም ‘ውን ከም ትማሊ ተሪኽ ኣብ ምስራሕ ኣብ ቅድሚት ክስለፈ ድልዋት ኮይነን ምህላወን ‘ዩ።  መዛግብቲ ታሪኽ ዓለምን ሃገርናን ከምዘረጋግጾ ታሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘረጋገጸ ህዝባዊ ቃልሲ ከይተዓወተ ከምዘይተርፍ ‘ዩ፡ እዚ ብደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ዝከይደ ዘሎ ናይ ዲሞክራሲ ቃልሲ ውን ብድጋፍን ተሳታፍነትን ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና  ኣብ ቀረባ እዋን እቲ እንደልዮ ዘሎና  ናይ ለውጢ ሸቶ  ክውን ካብ ምግባር ከምዘይንቁጠብ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ  ንኣካየድቲ  ዳዕሮ በይ ኤርያ ስለቲ ነዘን ንፉዓት ስነ-ጥበባውያን  ባይታ ኣብ ምፍጣር ዝወሰዶ ኣወንታዊ ስጉምቲ ከመስግኖም እፈቱ።  ከምዚ ዝዓይነቱ ሰናይ ስራሕ ካብ ምዕያይ ከይትሓለሉ ክሰርሑ ከኣ በዚ ኣግጣሚ ከዘኻኽሮም እፈቱ።

 

ሰላምን ፍትሕን ንህዝቢ ኤርትራ!

ገዛኢ ዘርኢሰናይ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Simerrr2012 March 12, 2014

    When the brave Eritrean women come together , the hell is opening wider for the dictator. The future of Eritrea is on the hand of our women.

  • ERITRAWIT March 12, 2014

    Well done dekey Eri yehwatna hzben mereten Eu nebarey!!!!!!

POST A COMMENT