Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽባሕ ከይከልእዎም!

ሻሙናይ ክፋል፥ “ጸገም የለን ዝወደይ፡ ኣደይ ደኣ በለኒ። ካብ ሓወይ ክብል ወደይ ክብል’ዩ ዝቐለኒ። እንተ’ቲ ‘ምሕናቕ መንግስቲ’ ትብሎ ዘለኻ ግን፡ ንሕና እዚ ክንገብር ዓቕሚ እንተ ዝህልወና ነሩስ ክሳዕ ሎሚውን ገመድ ኣብ ክሳድና ኣንጠልጢልና ዓገግ ኣይምበልናን ነርና

ሻሙናይ ክፋል፥

“ጸገም የለን ዝወደይ፡ ኣደይ ደኣ በለኒ። ካብ ሓወይ ክብል ወደይ ክብል’ዩ ዝቐለኒ። እንተ’ቲ ‘ምሕናቕ መንግስቲ’ ትብሎ ዘለኻ ግን፡ ንሕና እዚ ክንገብር ዓቕሚ እንተ ዝህልወና ነሩስ ክሳዕ ሎሚውን ገመድ ኣብ ክሳድና ኣንጠልጢልና ዓገግ ኣይምበልናን ነርና ዝወደይ! ቀደም ንሽግርና ኣንሂናዮ (ኣርሂናዮ) ምሃለና ነርና! እ? ሎሚ ሓሸአን ኣደታትካ፡ ካብ ሓደ ሓዘን ናብቲ ሓደ እንዳ ሓዘን ዕደት ተኸዲነን ክዞራ’የን ግዜአን ዘሕልፍኦ ዘለዋ። ሞት ቀደም ርኢኻ ዝወደይ፡ ንምስምዑ ዘሰንብድን ዘፍርህን’ዩ ነሩ፡ ሎሚ ግን ከም ጽውጽዋይ ንቡር ኮይኑ ኣሎ!”

“ብዝሓለፍካዮ ዓንዲ መብራህቲ ጐደናታት ከተማ ኣስመራ ከኣ ናይ መርድእ ወረቐት፡ ከም ፈርጊ ዘይተጎልበቦ ዳርጋ የለን! ሰብ ይሃልቕ’ዩ ዘሎ! ብፍላይ ከኣ መንእሰይ! ካብቲ ቀደም ብኲናት ዝጠፍኦ፡ ሎሚ ብሕማምን ስደትን ዝጠፍእ ዘሎ ይበዝሕ! እዚ ኹሉ ግን ትም ኢሉ ዝመጸና ኣይኮነን። ጠንቂ ኣሎዎ ዝወደይ። ነዚ ብርሰት’ዚ ንምግታእ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ክንወስድ ዘይምኽኣልና ዘገርም’ዩ! ትም ኢልና እና ንጠፍእ ዘለና። ሎሚ ግን ኩሉ መዓልቱ ዝኣኸለ ይመስል ኣሎ። ምኽንያቱ፡ እዚ ርጉም ሰብኣይ፡ እታ ኣብ ክሳዱ ዘላ ገመድ፡ ባዕሉ የጽብባ ስለ ዘሎ። ንሕናውን ሕጂ ነዚ ባዕሉ ንኺቕበር ኣብ ገምገም ጋህሲ ዘሎ መንግስቲ፡ ደፊእካ ናብታ ባዕሉ ዝዃዓታ ጉድጓድ ብምእታው፡ መላግቦ ንምኽዳን ክጽግመና የብሉን። ካብ ሞት ተንሲኡ ከይበልዓና ኣይንግባሕ!” ምስ በላኦ፡ እቲ ርእሱ ደፊኡ ክሰምዐን ዝጸንሐ ሓይለእዝጊ፡ ናባይን ናብ ዓርኩን ብምጥማት፡ ምድፋረን ስኢኑ ቀባሕባሕ ጥራይ በለ።
‘እዋይ! እዋን ተቐይሩ!’ በልኩ ሽዑ ኣነ ብልበይ። ነቲ ቀደም ሓደ ንዓሰርተ ኮይኑና፡ ሕማቕ እናረኣና፡ ብደገፍቲ ህግደፍ ተዓብሊልና፡ ከይፈተና እናኣጣቓዕና፡ ንሕማቕ ከም ጽቡቕ ንቕበለሉ ዝነበርና ግዜ ተዘኪሩኒ ኸኣ ነቲ ሽዑ ንበይኑ ኮይኑ ኣዒንቲ ሰለስተ ደለይቲ ፍትሒ  ንኸዕውር በርበረ ኪድርቢ ዝማጣላዕ ዝነበረ ሓይለእዝጊ ምስ ረኣኹ፡ ዋላ’ኳ ንእኡ ጌና ነብሱ ካብ ዓፈና ምልኪ ሓራ ከውጽእ ብዘይምኽኣሉ እንተ ነዓቕክዎ፡ በቲ ሓደ ድማ እንተ ደንገጽኩሉ፡ ብኻልእ ሸነኽ ግን ሓቂ ንሓሶት፡ ትብዓት ንራዕዲ ስዒረን ጸብለል ክብላ ብምርኣየይ፡ ኣመና ኣሐጐሰኒ። ‘ደጊም ንመላኽን ዕሱባቱን ዝኸውን ቦታን ግዜን ኣብ ኤርትራ የለን!’ ድማ በልኩ ብልበይ። ከምዚ ኢለ እናሓሰብኩ ከለኹ ኸኣ እታ ንጓዓዘላ ዝነበርና ባቡር፡ ኣብ ሓደ መዕረፊ ቦታ በጺሓ፡ ደው ስለ ዝበለት፡ ናብቲ ኣብ የማናይ ጎድንና ዝነበረ ስም ናይቲ እታ ባቡር ዘዕረፈትሉ ቦታ ዝሕብር ሰሌዳ እናጠመትኩ፡ ‘በሉ ኣነስ ክገድፈኩም፡ ኣብ ቦታይ በጺሐ’የ’ ኢለ ብድድ በልኩ።
“ኬድካ ዝወደይ? በጺሕካዶ ኣብ ቦታኻ? በል ሰላም ወዓል። ብሰላም የራኽበና።” ድሕሪ ምባል፡ እንደገና ቅልጥፍ ኢለን ኣደይ ወጋሕታ፡ “ወይለይ! ወይለይ! ረሲዐዮ ነረ፡ ንዓ’ሞ እታ ቊጽሪ ተለፎንካ ሃበኒ፡ ካብ ሎሚ ወርሒ፡ ዓመት ዓመት ዝዝክራ ንእሽቶይ ጸበል ናይ ቅዱስ ገብሪኤል ስለ ዘላትኒስ፡ ሽዓ ምሳይ ኪትውዕል እኻ” ምስ በላኒ፡ ‘ጽቡቕ ሕራይ ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ’ ብምባል፡ ቊጽሪ ተሌፎነይ ጽሒፈ ሃብኩወን’ሞ፡ ‘ኣብኡ ከለኽን ከኣ በላ ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ፡ ኣቐድም ኣቢልክን ዝተዛረብክነአን ክልተ ዘይፈልጠን ቃላት ኣለዋ’ሞ ትርጉመን ክትነገራኒ? እእእ… እታ ቀዳመይቲ ሚጨ እያ ትብል ኔራ እመስለኒ። እታ ካልአይቲ ኸኣ ዕደት፡ ሓንቲውን መላግቦ ኢልክን ኔርክን። እንታይ ማለት’የን?’ ምስ በልኩወን፡ ካዕካዕ ኢለን ሰሓቃኒ’ሞ፡ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመታ፡
“ኣየ ተስፊት ወደይ፡ በል ቀልጥፍ ጸሓፍ እዛ ባቡር ሒጃትካ ከይትኸይድ” ብምባል፡ ኣቐዲመን ከም ዝፈልጣኒ እናሰሓቓን ብዓይኒ ፍቕሪ ወላዲት እናጠመታን፡ “ሚጨ ማለት ዉሉድ ወይ  ድማ ዉላድ ማለት’ዩ። ዕደት ማለት ከኣ ሰብኣያ ዝሞታ ሰበይቲ እትኽደኖ ጸሊም ክዳን ሓዘን ማለት’ዩ። መላግቦ ኸኣ ንሬሳ ኣብ ጉድጓድ ምስ ኣተወ ዝኸድን ቀጸላ ወይ መኽደኒ ጉድጓድ ማለት’ዩ ዝወደይ” ኢለን ምስ ገለጻለይ፡ ‘የቐንየለይ ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ፡ በላ ከይደ’ሞ ደሓር ናብቲ ኤምባሲ ህግደፍ ምስ ከድንክንሲ፡ ቀስ ኢልክን ተጠንቂ…’ ምስ በልኩወን፡ ኣብ መንጎ ዘረባይ ብምኹላፍ፥
“ኣጆኻ! ኣይትፍራሕ ዝወደይ! ዝገብሩዎ የብሎምን! ደሓር ከኣ ሕጂ’ኮ ናባኡ ገጸይ ዘኽይድ ምኽንያት የብለይን፡ ከምዚ እዚ ወደይ ኪብሎ ዝጸንሐ’ዩ እቲ ትጽቢትና። በቃ፡ ካብ ሎሚ ንንየው፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ካብ ሚእቲ ክፈል ዝብሃል ነገር የለን! ኣብዛ ትቕጽል ፌርማታ ትነብር ሓንቲ መሓዛ ኣላትኒ፡ ንኣኣ ሰላም ኢለ፡ ብድሕረኡ ንገዛይ ክምለስ’የ። ሎሚ ኣይከፍል ጽባሕ ኣይከፍል!” ምስ በላኒ ገጸን እስር ኣቢለን። እወ ኣይትኽፈላ። ‘ኣጆኽን ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ! ደጊም ቀሪብና ኢና! እዚ ኹሉ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ፡ ከምዚ ከማኽን ዝሸምገለ ወላዲውን እዛ ሃገርና ሰብ ኪነብረላ ዝኽእል ሃገር ምስ ኮነት፡ ኩሉ ከካብ ዝነብረሉ ዘሎ ሃገረ ስደት ተበጊሱ፡ ናብታ ዘፍቅራ ሃገሩ ተመሊሱ፡ ጡረታኡ እናበለዐ ብሰላም ኣብ ዓዱ ማምዩቑን ከቢሩን ኪነብር’ዩ። ድሕሪ ደጊም ናብ መእለዪ ኣረጉቶት ኣቲኻ፡ ብጽሙዋ ኣብ ዓዲ ጓና ምስቓይ ይኹን ኣብ ስደት ሞትካ ሬሳኻ ናብ ሃገርካ ምምላስ ዝብሃል ነገር የለን።’ ምስ በልኩወን፡ ኣደይ ወጋሕታ ኣብ መንጎ ዘረባይ ብምእታው፥
“ይበሎ ፈጠሪ ኩሉ ዓለም! ወዲ ሓላላት እኻ’ሞ ኣፍካ ይስዓር! ዘይንሳ ደኣ ንሕና እንታይ ንደሊ ዝወደይ! ‘ዘይ ከምዚኣ’የ ደልየ ዘይ ከምዚኣ’የ፡ ነዛ ዓደይ ብዓይነይ ክሪኣ’የ’ እልና እናደረፍና፡ ዝሓዝና ሒጅና ንዓድና’ወ ክንምለስ ዝወደይ! ጥራይ እዚ ልዑል ፈጣሪ ከይደንጎየ ነዚ መጥፍእ ህዝቡ ዝኾነ ኣረሜን ሰብ፡ ካብዛ ቅድስቲ ሃገርና ምሕዩ ይደርብየልና! ኢልኩም ጸልዩ እዞም ደቀይ ብሩኻት! ርእኹም፡ ህዝቢ ኤለትርያ ጉድዩ ረኺቡ ዘሎ! ከምቲ ርጉም ረጋማይ ዝበሎ ‘ርጉም ብዕራይ ይሃብካ፡’ እንተ በሎ ‘ይሸጦ፡’ ዝበሎ፡ ‘ርጉም ዉላድ ይሃብካ፡’ ምስ በሎ ጊን ‘ኣታ ብዘይምጻእ መጺእካኒ’ ዝበሎ’ዩ እዞም ደቀይ ኮይኑዎ! ከምቶም ጓኖት ብሓውን ዓረርን ተቓልሹ ከይጉሕፎ፡ መን ንመን ኪቐትል’ሞ፡ ዉላዱ ኮይኑዎ፡ እነሀ ሕማቕ መርገም ኣጋጢሙዎ፡ ዒሕ እናበለ፡ ትም ኢሉ መዓልቱ ይጽበ።” ብምባል ምስ ኣስተንተና፡ ኣነ ቅልጥፍ ኢለ፥
‘ኣጆኽን ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ! ኪሓልፍ’ዩ! ጽባሕ ንግሆ ኣብ ገዛእ ሃገርና ንምንቃቓስ ኮነ ንምስራሕ ፍቓድ ንሓቶ ውልቀ መላኺ ኣይክህልወናን’ዩ! ደሓን ወዓላ ጥራይ፡ ዕላልክን ግን ኣዝዩ ጥዑም ነይሩ ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ። እንተኾነ ናይ ስራሕ ሰዓት ኮሊፋትኒ፡ ክኸይድ ተገዲደ። መን ይፈልጥ ካልእ መዓልቲ ጽቡቕ ጌርና ነዕልል ንኸውን። ኦኬ፡ ቻው እዞም ኣሕዋተይ፡’ ኢለ ንብዓል ሓይለእዝጊን ዓርኩን እውን ኣእዳዎም ምስ ጨበጥኩ፡ ተፈልዮዮም እናጎየኹ ወረድኩ።
ድሕሪ ምውራደይ፡ ብመስኮት ናይታ ድሮ ጉዕዞኣ ዝጀመረት ባቡር ተቐልቂለ፡ ናብተን “ሰናይ መዓልቲ ዝወደይ! ኣብ ጸጽብቑ የራኽበና ፈጣሪ ኩሉ ዓለም! ጽኑዕ ርገጽ! ደሓን ኩን” ኢለን መሪቐን ድሕሪ ምፍናው፡ እንደገና የማነይቲ ኢደን ንላዕሊ ክብ ብምባል፡ ብመስኮት ባቡር ተቐልቂለን ዘዋዛውዛለይ ዝነበራ ለዋህ ኣደ ቀሪበ፡ ልክዕ ከምቲ ጓሳ ብሃንደበት ካብ ኣደኡ ዝፈለዮ ሌማ ክመስል፡ ብጉያ ናብቲ ዝነበረኦ መስኮት ብምጽጋዕ፡ ኢደይ ብዘይዕረፍቲ እናኣወዛወዝኩ፡ ክሳዕ እታ ባቡር ካብ ኣዒንተይ ትስወር፡ ኣብታ ዝነበርኩዋ ቦታ ደው ኢለ፡ ቀዚዘ ኣማዕደኹወን። ናብታ ኣርሒቓ ዝኸደት ባቡር ከማዕዱ ኣዒንተይ ንብዓት ቅጽርጽር ስለ ዝበላኒ ኸኣ፡ ብመዳፍ ኢደይ እናሓሰኹ ብናፍቖት ተፈለኹወን።
ብስም ስውኣትና መባእ ናይ ናጽነት
ሓንሳብ ንሓዋሩ ኪንቀብሮ ባርነት
ሰላም ከነንግስ ራህዋ ምስ ቅሳነት
ስመር ኢልና ንውፈር ብቕልጽም ሓድነት!
ስለዚ ኣሕዋተይ ኣጆኹም ኣጆና
ከምቲ ዝተለምደ ሓድነት ዓጢቕና
*ዓጭቀል ናይዛ ሃገር ካብ ሱሩ ምሒና  *መርዛም ፍረ ዘሎዎ ዓይነት ኦም
ፍትሕን ደሞክራስን ከነንግስ ኢና!
ተፈጸመ።
ካብ ሓውኹም መሲናስ 05/04/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Google_ERI April 5, 2013

    such a boring article it is nonsense i don’t know what the hell you wanted to say you are probably high on substance it is unstoppable fiction you are on number 8 already i can’t stop laughing. please ask yourself what am i contributing to the public as well as what other people are feeling to read this unremarkable words of fiction irrelevant lies and obese ideas it shows your ongoing predicament and profound guilty feeling i hope this will be your last fiction.
    bye for now

  • Mesinas April 7, 2013

    ዝኸበርካ/ኪ ሓው/ሓፍቲ ጉግል ኤሪ (Goole_ERI) ብመጀመርያ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ንጽሑፈይ ኣንቢብካ/ኪ ዝተሰምዓካ/ኪ ዓለቕ(ርእይቶ) ኪትህበኒ/ብኒ ምፍታንካ/ኪ ኣዝየ አመስግነካ/ኪ። ነቲ ጽሑፍ ንኹሉ ዘንበብካዮ/ክዮ ግን ኣይመስለንን። ካብ መጀምርያ ኣንቢብካዮ/ክዮ ኔርካ/ኪ እንተትኸውን/ኾኒ ከምዚ ክትብል/ሊ ኣይምኸኣልካን/ክን። ምኽንያቱ፡ እቲ ዛንታ ልቢ ወለድ ዘይኮነስ ሓቂ ዝተፈጸመ ተግባር’ዩ። እቲ ኣስማት ጥራይ እዩ ናይ ፈጠራ ስም። ነቲ ዕላል ብልቢ ወላዳዊ መልክዕ ስለ ዘቅረብኩዎ ግን ናይ ፈጠራ ዛንታ መሲሉካ/ኪ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ክመስለካ/ኪ እውን ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ዕላላት ብግብሪ ኣብ ሃገርና ይፍጸም ስለ ዘሎ። እንተኾነ ከም ሰብ ብፍላይ ድማ ከም ኤርትራዊ፡ (ኤርትራዊ እንተዄንካ/ኪ ማለተይ እየ) ንሓደ ድርብ ዕላማ ዘሎዎ ስነ ጥበበኛ፡ ብኸምዚ ዓይነት ዘለፋን መግናሕትን ኪትሃሲ/ስዪ ምፍታንካ/ኪ ደረጃ ንቕሓትካ/ኪ ኣዝዩ ድሑር ከም ዘሎ’ዩ ዘመልክት።

    ምኽንያቱ፡ ከምዚ ዓይነት ሰባት ከም ዘለዉ ዘየገናዝብ ገርሂ ወይ ድማ ፈላሚ ስነ ጥበበኛ እንተ ረኺብካ/ኪ ኣብ ፈለማ ፍርያቱ ኣሕሪርካዮ/ክዮ ኔርካ/ኪ ማለት’ዩ። ስነ ጥበበኛ እንተ ሓሪሩ ኸኣ ባህሊ፡ ቋንቋን መንነትን ሓሪሩ ማለት’ዩ። (እዚውን እንታይ ይብል ከም ዘለኹ እንተ ተረዲኡካ/ኪ እዩ) ከምዚ ምዃኑ ዘይትግንዘብ እንተ ኬንካ/ኪ ግን ካብዞም ሕጂ ንህግደፍ ሃገርን ህዝብን እናጥፍአ ዘጣቕዑሉ ዘለዉ ባጊራት (ኣዝዮም ድሑራት፡ ፋራታት) ወይ ድማ ካብዞም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ማለት፡ ብዋጋ ደም ህዝቦም ጥዒሙዎም ዚነብሩ ዘለዉ ሰባት ኢኻ/ኺ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንሳቶም ንዝኾነ ህዝቢ ከንቅሕን ክክሕብርን ዝተበገሰ ሰብ፡ ብሞራልን ካልእ ጠቐነታትን ብምድሃል፡ ኣስተምህሮኡ ከም ዘቋርጽ ምግባር ስለ ዝኾነ ዕላማኦም። እዚ ዕላማ’ዚ እንተልዩካ/ኪ ኸኣ ከም እንስሳ ትሓስብ/ቢ ስለ ዘለኻ/ኺ ንምርዳእካ/ኪ እውን ኣጸጋሚ ኪኸውን’ዩ። ኣብ መወዳእታ ኪብለካ/ኪ ዝደሊ ነገር፡ ዝኾነ ይኹን ጽሑፍ ወይ መልእኽቲ ምርዳእ እንተ ኣብዩካን/ክን ዘይንጹር እንተ ኮይኑካን/ክን ስነ ጥበብ ረቂቕ ስለ ዝኾነ ብትዕግስቲ ምንባብን ንፈላጣት ምሕታትን ከድልየካ/ኪ ምዃኑ’የ ክሕብር ዝደሊ።

    • fithawi April 8, 2013

      Mesinas!
      nezi kemzi zimesele re’Eto melsi nikithib gizie kitetfaalu zedili aymeslenin. enafelete kinesu nay kif’aat “dibet” zitegolbebe medenageri mikuanu zisaHat aykonen.
      “enasem’ea zimote enaraye kibero” eyu zibahal emo, entekone gina “MiHret Yewridelu” elna tselot nigberelu.

  • Mesinas April 8, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ፍትሓዊ፡ ምኽርኻ ተቐቢለዮ ኣለኹ። የቐንየለይ።

POST A COMMENT