Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽንዓትን ተሪር መርገጽን ደቂ ዓዲ ጋዕቤን ዝነኣድ’ዩ።

ነበርቲ ጋዕቤን ነጻነት ካብ ዝርከብ ጀሚርኩም በቲ ከፋፊልን ጨቋንን ጨፍላቕን ስርዓት መሰል ኤርትራዊነትኩም ተነፊግኩም በዚ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ን25 ዓመታት ከም ዝተሳቐኹም ኩሉ’ቲ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ህዝቢ ዝርዶኦ ሓቂ ኢዩ። ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ

ነበርቲ ጋዕቤን ነጻነት ካብ ዝርከብ ጀሚርኩም በቲ ከፋፊልን ጨቋንን ጨፍላቕን ስርዓት መሰል ኤርትራዊነትኩም ተነፊግኩም በዚ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ን25 ዓመታት ከም ዝተሳቐኹም ኩሉ’ቲ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ህዝቢ ዝርዶኦ ሓቂ ኢዩ።

ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ብሩህ ክኸውን፣እቲ ጠንቂ ናይዞም ክሳብ ደቂ 80 ዓመት ከይተረፉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ፣ኣብ መንጎ ጋዕቤንን፣ኣብ መንጎ ሓንቲ ቁሸት፣ካብ ኩሉ ቦታታት ካብ ትግራይ ከይተረፈ፣ብሳዕሪ ብላዕ መጺኦም ዝሰፈሩዋ ቁሸትን ዝነበረ ባእሲ ክኸውን ከሎ፣ብግዜ ንጉስ ሃይለ ሥላሴ፣እቶም ኣብ ርስቲ ጋዕቤን ብሳዕሪ ብላዕ ሰፊሮም ዝነበሩ ዘይደቀባት ነቲ ቦታ ለቒቖም ነናብ ዓዶም ክኸዱ ተፈሪዱ ነይሩ።ፍርዲ ኣስፈጻሚ ንደቀባት ዓዲ ጋዕቤን መሬቶም ምስ ኣረከቦም፣ክሓርሱ ክኸዱ ከለዉ፣ እቶም ክለቁ ዝተፈርዱ ዘይደቀባት ድፋዕ ሒዞም ጸኒሖም 5 (ሓሙሽተ) ሰብኡት ካብ ዓዲ ጋዕቤን ቀቲሎሙሎም።እምበኣር ኣብዚ ግዜ ነጻነት እቲ ብቀዳምነት ክረአ ዝነበሮ፣ እቲ ናይ 5 (ሓሙሽተ) ደቂ ዓዲ ጋዕቤን ዝፈሰሰ ንጹህ ደም ብከመይ ይደቅስ ኢዩ ነይሩ፣እንተኾነ እዚ ዘሎ ስርዓት ህዝብና እናተቓተለን ነንሓድሕዱ እናተባላለዐን ክነብር ድኣ’ምበር ሰላም ረኺቡ ቀሲኑ ክነብር ስለ ዘይደሊ፣ሓደ ካብቶም የማናይ ኢድ ናይቲ ስርዓት ዝነበረ ሙስጠፋ ኑርሑሴን፣ኣብ ክንዲ እቲ ደም ክድቅሰሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ዝገብር፣ነቲ ዘባኣሰ መሬት ጥራይ ዘይኮነ ኮሎ ነቲ ኣብ ኢድ ደቂ ዓዲ ጋዕቤን ዝነበረ ናይ ጥንቲ ርስቶም ወሲኹ ነዞም ማእከላይ ዓሌት ብሳዕሪ ብላዕ ሰፊሮም ዝጸንሑ ሂቡዎም።ናይዚ ውጽኢት ድማ ከምቲ ኣብ ኣሰና ኣብ 13 ሰነ 2017 ዝተቓልሐ ደቂ ዓዲ ጋዕቤን ሰማዒ መንግስቲ ስኢኖም ብወይጦታት ናይቲ ስርዓት ብበዓል ተኽለብርሃን ምሕረታኣብ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲዃላ፣ብበዓል ኤፍሬም ገብረታትዮስ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ከቢድ ስቅያት ይርከቡ ኣለዉ።እቲ ቀንዲ ነቲ ጠንቂ ዘባርዕ ዘሎ ሃሱስ ናይቲ ስርዓት መብራህቶም በላይ ዝተባህለ መበቆሉ ትግራዋይ ዝኾነ ኣባል ህዝባዊ ድሕንነት ኣብ ከተማ ዓዲዃላ ካብቶም ብሳዕሪ ብላዕ መጺኦም ዝሰፈሩ ኮይኑ፣በቲ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ሓለፍቲ ብጉቦን ብዝተፋለለዩ ዝንባሌታትን ብምሓዝ ኣብ ዓዲ ጋዕቤን ገዛ ክሰርሕ ስለ ዝደለየ፣ደቀባት ጋዕቤን ኣይግባኣከን’ዩ ምኽንያቱ ዋላ’ኳ መሬት ናይ መንግስቲ እንተ ተባህለ ኩሉ ሰብ ኣብ ዓዓዱ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ውሱን ስለ ዝኾነ፣ኣብ ዓድኻ ስራሕ ስለ ዝበልዎ “ንበዓል ነጎዳ ሓዊ ደብሶ” ከም ዝበሃል ደቂ እቶም ብወለዲ መብርህቶም ዝተቐትሉ ከም በዓል ሓዲሽ ኣበራ፣ ተስፋዝጊ በየነ ኢዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ።

እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ርስትኹም ትሳቐዩ ዘለኹም፣ማለት ሓቅነት ኣብ ዘይብሉ እወ ኢልና ኣይንፍርምን ኢልኩም ተሪር መርገጽ ምውሳድኩም ክትነኣዱ ይግባኣኩም።እንተ ካብዚ ብሕጊ ኣልቦነት ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ግን ፍትሒ ክትረኽቡ ማለት “ካብ ከውሒ ፈሊጽካ ማይ ምውጻእ ኢዩ”። እቶም ኣብ ትሕቲ’ቲ ዝቆንቆነን ውድቀቱ ዝጽበ ዘሎን ናይ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ተዓቝብኩም ሰብ እተሳቕዩ ዘለኹም ኣገልገልቲ ናይቲ ስርዓት ግን “ዘይወግሕ መሲሉዋ ኣብ ቡኽራ …….” ከም ዝኾነ ይረዳኣዮም።

ኣብ ዓዲ ጋዕቤን እትነብሩ ዘለኹም ህዝቢ ግን ነዚ ዘሎ ስርዓት ከተስምዑ’ኳ እንተ ዘይከኣልኩም ከምቲ ደቂ ነነዌ ኣብ ርእሲኦም ኣንጠልጢሉ ንዝነበረ መዓት ብምህልላ ዘቑረሩ፣ንስኻትኩም ድማ ሰብኣይኩም ሰበይትኹም ሕጻናትኩምን ሽግር ነባሪ ከም ዘይኮነ ብምእማን ተስፋ ከይቆረጽኩም ዕድመ ናይዚ ጨቋኒ ስርዓት ንኽሓጽር ኣውያትኩምን ገዓርኩምን ንልዑል ኣምላኽ ንገርዎ፣ምኽንያቱ ነዚ ኣብ ራዕድን ኣብ ፍርሕን ኣብ ሽበራን ተሸቕሪሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ኣምላኽ ክረድኦ ዝግበኦ ግዜ ሕጂ’ዩ።

ሓደ ብስቅያት ደቂ ዓዲ ጋዕቤን ዝግደስ ካብ ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT