Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽዩፍን ኣረሜናውን ተግባራት ህግደፍ፡ ምልክት ስዕረትን ጭንቀትን’ዩ

ኣብ መፋርቅ 70ታት፡ ስርዓት ደርግ ስልጣን ኣብ ዝጨበጠሉ ማለት’ዩ፡ ብጸላኢ ዝተላእኩ ሰባት ኣብ ህዝቢ ዝግልገለሉ ዒላታትን ባስካታትን ስሚ ከእትዉን ንተጋደልቲ ክስልዩን ይዋፈሩ ነይሮም። ዝበዝሑ ካብቶም ብጸላኢ ኣንጻር ተጋደልትን ሰላማዊ ህዝብን እከይ ተግባራት ክፍጽሙ ዝላኣኹ ዝነበሩ

ኣብ መፋርቅ 70ታት፡ ስርዓት ደርግ ስልጣን ኣብ ዝጨበጠሉ ማለት’ዩ፡ ብጸላኢ ዝተላእኩ ሰባት ኣብ ህዝቢ ዝግልገለሉ ዒላታትን ባስካታትን ስሚ ከእትዉን ንተጋደልቲ ክስልዩን ይዋፈሩ ነይሮም። ዝበዝሑ ካብቶም ብጸላኢ ኣንጻር ተጋደልትን ሰላማዊ ህዝብን እከይ ተግባራት ክፍጽሙ ዝላኣኹ ዝነበሩ ሰባት፡ ሳዕቤን ናይቲ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ኣዕናዊ ተግባራት ብዝግባእ ዘይርድእዎን ረብሓ ዘይብሎምን’ዮም ነይሮም። ኢድ ብኢድ ኣብ ዝተሓዝሉ ግን፡ “ጀዋስስ ወይ ሰለይቲ” ተባሂሎም ብተጋደልቲ ግዳይ ማሀረምቲ ወይ ማእሰርቲ ይኾኑ ነይሮም። እቶም ብድሕሪት ኮይኖም ንመሳኪን ትሕቲ ዕድመ ከይተረፈ፡ ብካራሜላን ብሽጋራን ቀሺሾም ዝልእክዎም ዝነበሩ፡ ዋላ’ኳ ዓስቢ ክድዓቶም ጉንዖ ይቅበሉ እንተነበሩ፡ ዘይቅዱስ ተግባራቶም ግን ንዘልኣለም ኣብ ልቦም ዝሰፈረ በሰላ ጥልመት’ዩ።

እዚ ሎሚ ብሓይሉ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ፡ ህዝብና ዘጋፍዕን ንብረትና ዝዘምትን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ፡ ፍትሒ ዝጠለቡን ጉድለታት ክእረም ዝፈተኑን ሃገራውያን ከጽንትን ከሳቅን’ኳ እንተጸንሐ፡ ሰይጣናዊ ተግባራቱ ግን ካብ ዓይኒ ብዙሓት ዝተኸወለ’ዩ ነይሩ። ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ መሬት ኤርትራ ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪቁ፡ ኤርትራውያን ንምስላይን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ንምጭዋይን ንምቅታልን ዝጥቀመሉ ረቂቅ ሜላታት፡ ነቲ ኣብ ዓዱ ህይወት መሪርዎ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና’ውን ድቃስ ይኸልኦ ኣሎ።

ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንስለያዊ ዕላማታትን መኻዕበቲ ገንዘብን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ከፊትዎ ዘሎ ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ጉዳያትን፡ ብሕሱር ስምዒታት፡ ብቁንጣሮ ረብሓን ምትላልን ሓንጎል ሰብ ሰሪቁ ዝኸተቦም ኤርትራውያን፡ ኣንጻር ህዝቦም ግብረ ሽበራዊ ተግባራት ክፍጽሙ ይዋፍሮም ኣሎ። ቀንዲ ዕላማ ስርዓት ህግደፍ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዘየለ ጽልኢ ንምፍጣር፡ ደም ንምፍሳስን ሓዊ ንምስዋርን’ዩ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ብዘይካ ተንኮልን ተጋላባጥን ኣእምሮ፡ ንጽቡቅ ዝሓስብን ርጉእን ሓንጎል ስለዘይብሉ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ናይ ራዕድን ሽበራን ንጥፈታቱ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን’ዩ። ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ ምስ የመን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ ብጉልባብ ዶብ ዝወልዖ ኩናትን፡ ኣንጻር ዝተፈላላያ ሃገራት ዘቅርቦ ምስሉይ ክስታትን ምውርዛይን ድማ፡ ንዕንደራታቱን ተሰልባጢ ፖሊሲታቱን ዘጉልሕ ኣብነት’ዩ።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ግሉጽነት ዝጎደሎን ከይተወልደ ዝቆልዐን ኣብ መንጎ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢ ኣሕመድን ዝተኸተመ ስማዊ ስምምዕ ሰላም፡ ስርዓት ህግደፍ ንዓመታት ተጎልቢብዎ ዝነበረ  ጉብጥሽ ሓሶት ስለዝተቃዐን ህዝቢ ኤርትራ “ይኣክል ምልኪ” ኢሉ ስለዝነደረ ዕብድብድ ኣትዩዎ። ብምንቅስቃስ ይኣክል ኣዝዩ ስለዝርዓደ ድማ፡ ነቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ንምድቋስን ንምጽላምን፡ ብወያነን ካልኦት ሃገራትን ዝምወልን፡ ኣውራጃዊ ምንቅስቃስ ከምዝኾነን ሕሱር ዘመተ ኣካይዱ።

ብተመሳሳሊ፡ ነተን ሕማም ርእሲ ኮይነንኦ ዘለዋን ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘቃልሓን ዘለዋ መራኸቢ ብዙሓንን ኣባላተንን፡ ንጡፋት መራሕቲ ምንቅስቃስ ይኣክልን፡ ጸለሎ ንምቅባእን ንምዕፋንን፡ ሕሱርን ግብረሽበራውን ንጥፈታት ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን።  እቲ ብ26 ሕዳር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ መስራትን ዋና ኣሰናዳእን ራድዮን ተለቭዥን ኣሰና ሓርበኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ብሃሱሳት ስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኢዩ። እዚ ናይ ፈርሓትን ናይ ስዑራትን ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ ዓዲ ፍትሒ ሽርሕታት ምፍጻሙ ግን ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ብፍላይ፡ እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከነስተውዕለሉ ኣለና።

ቀዳማይ፡ ቅንጸላን ጸለመን ኣብ ልዕሊ ፍትሒ ዝጠለቡን እምቢ ንምልኪ ዝበሉን ዜጋታት፡ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈጥረ ሕዱር ሕማም እምበር ሓድሽ ተርእዮ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ዕንደራ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከብቅዕ፡ ብስጡም ሓድነትን ከይተሰናበድናን ክንምክቶ ኣለና፡፡ እንኮስ ክንሰርቅ፡ ገበን ክንፍጽምን ክብሪ ካልኦት ክንግህስን፡ ህይወትና ኣይንስኣን ንሕሰም ኣይንቃላዕ እምበር፡ መሰል ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ከነረጋግጽን መጻኢ ወለዶና ክህሉን በጃ ውጹዓትን ንቃለስ ብምህላውና፡ ብህግደፍ ኣብ ልዕሌና፡ ስቃይ፡ ጸለመን ክሳብ ህይወትና ምስኣን እንተተፈጸመ ሓላልን ዘሕብንን’ዩ።

ካልኣይ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን መንነትናን ይፍጽሞ ብዘሎ ዕንወትን በደልን፡ ካብ ስምዒትን ሕነ ምፍዳይን ናጻ ኮይና፡ ንፈጸምቲ ገበን ብሕጋዊ ኣገባብ ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡን ወረጃ ዝኾነ ግብረ መልሲ ክንህብን ይግባእ። ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዘየድሊ ጽዩፍ ግብረ መልሲ ክንህብን ብሕርቃን ተደፋፊእና ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ክንወስድን መፍቶ ህግደፍ ስለዝኾነን ንዓና ስለዝጎድኣናን ፋይዳ የብሉን። ነቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣኑ መታን ክቅጽል፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዓሌታዊ፡ ግዳማዊ ምትእትታውን ከምዘለዎ ንምምሳልን ካብ ሓላፍነት ንምምላጥን ዝጥቀመሉ ዘሎ ሓደገኛ ተንኮል ክንጥንቀቀሉ ኣለና።

ሳልሳይ፡ እቲ “ሰውራዊ ሰብ ይስዋእ እምበር ቅኑዕ ስነሓሳብን ዕላማን ኣይጠፍእን’ዩ” ዝብል ኒሕ ወትሩ ካብ ጎድንና ከይፈለና፡ ነቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኣገደስቲ መራሕትን ደለይቲ ፍትሕን ዝፍጽሞ፡ ፈተነ ቅትለት፡ ምስማም፡ ምጭዋይን ካልእ እከይ ተግባራትን፡ ምልክት ውድቀትን ስዕረትን ህግደፍ እምበር፡ እቲ ንፍትሕን መንነትናን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ጠጠው ከምዘይብል ከነረጋግጽ ይግብእ።

ራብዓይ፡ ነቶም ብረብሓን ብፍላጥን ወይ ውን ብግርህናን ኣብ መጻወድያ ስርዓት ህግደፍ ኣትዮምን ኣንጻር ህዝቦምን ወገኖምን በደል ዝፍጽሙ ዘለው ሰባት፡ ስርዓት ህግደፍ ተጠቂሙ ከምዝድርብዮምን፡ ንገዛእ ርእሶምን ንስድራቤቶምን ኣብ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ስራሕ ተዋፊሮም ከምዘለውን ካብ ዓሕ ኢልካ ምስ ኮነ ምጥዓስን፡ ካብ መንገዲ ሰይጣን ምጓዓዝ ጠጠው ክብሉን ኣብ ዘምሕረሎም ዕላማ ንወገኖም ክኽሕሱን ከነረድኦም ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለና።

ሓሙሻይ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንግዚኡ ካብ ህዝብና ዝፈገሮ ገንዘብን ጸብለልትነት ዓቅሚ ሰብን ስለዘለዎ፡ ዕሱባት ክገዝእን ሰበስልጣን ናይ ካልኦት ሃገራትን ትካላትን ከእምን ይኽእል’ዩ። ንዝፍጽሞ እከይ ተግባራት ንምጉልባብ ድማ ምስጢራውን ኣሉ ምባልን ክንርዕድ ዘይኮነ፡ ክንጥንቀቕ፡ ሳልሳይ ዓይኒ ክህልወና፡ ስምዒታውያን ከይኮና ብጭብጢ ሓበሬታ ምእካብ ናብ ዝምልከቶ ምቅራብን ኣብ ቅድሚ ዓለም ህግደፍ ፈጣሪ ራዕዲ ምዃኑ ንኽኹነን ምቅላዕን የድልየና፡፡

 ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕዳር 29, 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Woldegabriel December 1, 2019

    Dear Tsilal.
    Gone are the days when isayas and his thugs manipulate through cheap intrigues and disinformation. The imposter knows the game is over and yet working overtime for “let no grass grows after my death”. Your timely and wise advice to not respond in a knee-jerk reaction is the true way forward.. Let their desperation send them to hell!!

POST A COMMENT