Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽፍርን ፀጉርን

ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ፡ ኣካል ወዲሰባት ብተፈጥሮ ካብ ዝተፈላለየ ውሽጣዊ መተሓንቲን፣ ደጋዊ ክፍሊ ኣካላት ተዋዋሂዱ ዝተሃንጸን ዝቖመን ብምኻኑ ከም ሐደ ጥርኑፍ ኣካል ዝሰርሕ ፍጡር ይገብሮ። ንሰብ ከአ ፉሉይ ባህራዊ ኮነ ደጋዊ ገጽታ ረኺቡ ክልለ የኽእሎ። እንተኾነ

ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ፡ ኣካል ወዲሰባት ብተፈጥሮ ካብ ዝተፈላለየ ውሽጣዊ መተሓንቲን፣ ደጋዊ ክፍሊ ኣካላት ተዋዋሂዱ ዝተሃንጸን ዝቖመን ብምኻኑ ከም ሐደ ጥርኑፍ ኣካል ዝሰርሕ ፍጡር ይገብሮ። ንሰብ ከአ ፉሉይ ባህራዊ ኮነ ደጋዊ ገጽታ ረኺቡ ክልለ የኽእሎ። እንተኾነ ብዘይ ፈሳሳዊ ደምን ማይን፣ ከም’ውን ኣየር ብውሽጡ ምንቅስቃስ ንሙሉ ኣካል ዘስርሕን፣ ኣእምሮ ክሓስብን፣ ሕልና ከመዛዝንን ዘኽእል ቀንዲ ኣድለይቲ ህዋሳት እንተጎዲሉዎ እቱ ኣካል ክሰርሕ ስለዘይክእል ስብ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። በድን ግን ክሳብ እቲ ተሪፉ ዝነበረ ኣካል ሥጋ ዝፈርስ ክኸውን ይኽእል። እቲ ምንታይሲ እቲ ካልኣዊ ኣካላት ተሪር ከም ዕጽምትን፣ ልስሉስ ኣካል ከም ስጋን ክፈላለ ጊዜ ስለዘድልዮን፡ እቲ ቅርሲ ሰብ ንምኻን ዘምስሎ ዝነበረ ናብ ዘይነበረ ምስሊ ዝቕይሮ በድን ኮይኑ ይጸንሕ። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ከአ፣ እንዳረኣዩ ዘየስተብዕሉ፣ እንዳሰምዑ ዘየድምጹ ካብ ኮኑ ግና ነይሩ ጥራይ ከብሎም ዘኽእል ቅርሲ ግና ምዕቃቡ ኣይተርፎን።

ንአብነት ምሁራት ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግር ጠንቁ እንታይ ምኻኑ እንዳፈለጡ፣ ብዛዕባ እቲ ሽግር ክዛረቡ ከለዉ ዝህብዎ ምኽንያት ግን፣ ብሰንኪ ወጻእተኛታት ሸራን ተንኮልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክትንትኑ ጽውጽዋይ ይምህዙ። ንኩሉ ዝሓርስን ዝሰርሕን ጎበዝ ኣብ ባርነት ህግድፍ ሃጊርካ፣ ንዝተረፉ ናብ ስደት ኣንፊጽካ ብሰንኪ ብልሽው ምምሕዳርን ኣተሓሕዛ ህዝቢ ዘይምኽኣል ጠንቂ ሽግር ሃገርና ዝዛረቡ፣ ናብ ካልኦት ነብሰን ኪለን ዝመሓደራን ንኻልኦት ዘማሕድራ ነጢርካ ምውንጃል ሳዕቤኑ ዘይፈልጥዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ተማሂሩ ነይሩ ማለት ካብ ዘይተማህረ ኣተሓሳስባ ኮነ፣ ምዕቡል ዓለም ዝኸፈተሉ ሓፈሻዊ ወጻኣዊ ፍልጠትን ምስ ኣከባቢኡ ዘጥረዮን እቲ ካብ ኣከባቢኡ ዝፈልዮ ዝነበረ እኩብ ፍልጠት ባዕሉ ቀንጢጡ ከም ዘይተማህረን ናይ ምዕብልና ጮራ ከምዘይራኣየ ኣብ ድቕድቕ ጽልማት ክነብር ስለዝመረጸ ክኸውን ከሎ፣ ሽዑ ዘሕዝን ወርቃዊ ጊዜ ከምዘባኸነ ይቑጸር።

ሰባት ከአ በታ ዘላቶም ዓቕሚ ገምጊሞም ብጠጠዉ ዝሞተ ገይሮም ይቖጽሩዎ። ንሱ ወይ ንሳ ከአ ነቲ ናይ ንቡር በድን ሬሳ ኣካላቶም እንዳጎተቱ፡ ኣለኹ ኣይሞትኩን፡ ረኣዩኒ ስምዑኒ ክብሉ ናይ ግድን ቀብጻዊ ድምጺ ከስምዑ እንከለዉ ዘድህበሎም’ን ኣይረኽቡን። ምሁራን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዕሽነት ባሕሪ ዝሕምብሱ ኮይኖም፣ ነቲ ሓቂ ብሓሶት ክቕይሩ ዘይሓፍሩ ድሑራት ኢዮም። እንታይ ደኣ ቀበዝበዝ ክብሉን ነይረ ኮይኮነ ኣለኹ እንተበሉ፣ እቲ መልሲ ካብ ካልኦት ዝረኽብዎ ብልክዕ በታ ኣንጻር ግብሮም ከይኮነ ብማዕረ ታሪኾምን ስርሖምን ስለዝኸውን፣ ቀደም ኣይነበርካን፡ ሕጂ’ውን የለኻን ይኸውን። ከም ፓሎ ተገቲሮም ከለው ረጊጽዎም ዝሓልፍ እምበር ቁሊሕ ኢሉ ክርእዮም ወይ ከዛርቦም ጊዚኡ ከጥፍእ ዝመርጽ ኣይህሉን። ኩሉ ከም ከም ኢዱ ስለዝረክብ ኣብ እዋን ጽልግልግ ነፍሶም ወይ ታሪኾም ከመሓይሹ እንተተጋየዩ፣ ቅንዕና ዘይብሉ ዘብዘብ ኣፍ ኣርክቡ ናይ ተበለጽቲ ክረኣይን ክስማዕን ናይ ግድን ኢዩ። ከም ጽፍርን ፀጉርን ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ኮይኑዎ ምዕባይ ዘየቃርጽ፡ እቶም ህያው ግን ሙታት ከአ ምልፍላፎም ኣይከቃሩጹን ኢዮም ክሳብ እታ ፍርዲ ተፈጥሮ ተርክቦም ወይ ፍርዲ ናይቲ ዝበደልዎ ህዝቢ።

ወዲ ሰብ እቲ ብደጋዊ ዝረአ ኣካል ሰብነቶም ተኸናኺኖም ብጽሬትን ብልክዕ ኣተሓሕዛ እንተዘይተቖጻጺሮሞ ከክፍእን ከፈንፍንን ምኻኑ ስለዝፈልጥ፣ በብእዋኑ ንነብሱ ይሕጸቦ፣ ንጸጉሩ ይምቀሶ፣ ንጽፍሩ ይቖርጾ። ደሓር ኩሉ ሰብነተይ ምስ ደግደገ ብርስሓት፣ ጸጉረይ ምስ ዘገፈን ሰብነተይ ምሽካሙ ምስ ከቦዶ ወንጨርጨር ኢሉ ምስተጎተተ፣ ኣጻፍረይ እሾኽ ኮይኑ ንኹሉ ምስ ባሕጨረን ምስሓንኮለን የርክበሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ንኹሉ እዋኑን ስዓቱን ስለዘለዎ፣ ዘጸብቕን ዘኽፍእን ከአ ኩሉ እዋን አለዎ፣ ኣይረአኹን ኣይሰማዕኹን እትብለሉ እዋንም ገደብ አለዎ። እንተኾነ ተበላጻይን ተንኮለኛን ሰብ ግና ንምልሓሱ ክሓጽባ፣ ክምቅሳ፣ ወይ ክቆርጻ ስለዘይክእል፣ ነቲ ብኣተሓሳስብኡን ኣእምርኡ ዝወሰኖን፣ ኣሚኑ ብሕልንኡ ዘስተንተኖን፣ ቅኑዑን ዘይቅኑዕን፣ ሕማቅን ጽቡቕን ኩሉ ብቓላት ክትፍልፍል (ከተውጽእ) ዝተፈጥረት ምልሓስ ቀንዲ ናይቲ ሰብ መንነት ትገልጽ ህዋሳት ኣካል ኣዝዩ ይጥቀመላ። ከምቲ ካብ በዓል ጣፍ በዓል ኣፍ ዝበሃል።

ብድዐኛ ብምልሓሱ ይፍለጥ፣ ሓሳውን ቀጣፍን ብእኣ ይልፍልፍ፣ ቅኑዑን የዋህን ብኣንደበቱ ይልለ፣ ኣደናጋርን ተበላጽን ብምልሓሱ ነገር ከላግዕ ይልለ፣ ተንኮለኛን ክፉኡን ነገር ብምላሕሱ ክዕጻጽፍ ከሎ፣ እቲ ዓሻን ግሩሁን ከአ ብምልሓሱ ኩሉ ይድርጉሖ። እቲ ጎራሕን ሓደገኛን ከአ ንምልሓሱ ቆሊፉ ነታ ጥቕሙ ጥራይ ይጥቀመላ።

ስለዚ ምልሓስ መግለጺ መንነትና ጥራይ ከይኮነት፣ ዘይምስልና መቕቢኢ፡ ዘይወዓልናዮን ዘይንፈልጦን መጋነኒ፡ ዘይበጻሕናዮን ንዘይፍረናዮን ዑምቀት ፍልጠት ኮነ ንብረት መጃሃሪት፡ ብሓፈሹ ንምንነትና መሕቢኢ ንጥቀመላ ሕዋሳት ኣካልናን፡ ንጽቡቑን ሕማቕን ብድሌትና ንቆጻጸራ፡ ንደጋዊን ውሽጣዊን ስሚዒትና ተንጸባርቕን ትገልጽን ኮይና፣ ግናስ ካብ ኣፍደገ ኣፍና ሪሒቓ ዘይትወጽእን ሙሉእ ንሙሉእ ዘይትርአ፣ ወሳኒት መግለጺ ወዲሰብ ብቐዳምነት ቦታ ትሕዝ። ኣብ ዓለም ንወዲሰብ ወላ ግብርና ይኹን እቲ ቀንዲ መለለይናን መግለጺናን፣ ምልሓስ እታ ኣንጸባራቒት ንንፉዕ ሕማቕ እንተላ፣ ንጻዕዳ ጸሊም እንተምሲላ፣ ነቲ ዕረ ምዓር ኣምሲላ እንተቕሪባን፣ ንሓሶት ሓቂ እንተምሲላ፣ ክሳብ እቲ ግብራዊ ሓቂ ዝረጋገጽ ብዙሕ ጸበባን ሽግርን ከምዘስዕብን፣ ሐደ ሐደ እዋን ህይወት ከማን ከምትሕልፍ እቶም ንዋጋ ሓሶት ብዙሕ ዝኸፈሉ ይፈልጥዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ከአ ንኢሳያስ ኣፍወርቂ ብምልሓስ ኮራኹሩን፣ ኣጫፈርቲ እከይ ግብሩን ንጥቕሞም ብዝቐመምዎ ናይ ሓሶት ብሮፓጋንዳ ጥራይ ፈሊጢዎን ኣሚንዎን ንብዙሕ ዓመታት መንነቱ ብዕሊ ከይፈለጠ ሲዒብዎን ምስኡ ተጓዒዙ ኣብዚ እዋን ኣብ ድቕድቕ ደልሃመት ጸበባ ይርከብ። ሎሚ ግና ኩሉ ግብሩ ኣብ ምጽናት ህዝብናን ዓድናን ተዋፊሩ ከምዝነበረን፣ ሕጂ’ውን ከምዘሎን ንህዝብና ጥራይ ከይኮነስ ንዓለም ከም ፀሓይ ቀትሪ ወገግ ኢሉ ዝጸልዎ፣ ግብሪ ኢሳያስ ኣፈውርቅን ናይ ጥፍኣት መሻርኽቱን ዓለም ብዓለማ እኩይ ግብሮም ተጋሂዱላ እንከሎ፣ ምልሓስ ተሓባበርቱን ተበለጽትን ግና ኣይትሕጸብ፡ ኣይትቅምቀም፡ ኣይትቑረጽ ፍሉይ ስራሕ ስለዘለዋ ካብ ምድንጋር ስርሓ ኣያቃረጸትን።

እቲ ሕቶ ግና፤ መን ኢዮም ሎሚ ናብቲ ደንበ ህዝቢ ዝመጽኡን ዝደናገጹን ዝመስሉ ዘለዉ?። ብሓቂ ቅኑዓት ንህዝቢ ሓለይቲ ድዮም ወይስ መንድዓት ናይ ለውጢ ክኾኑን ክሕንኩሉን ዝተዋፈሩ? ወይ እቶም ልሙዳት ጎራሕትን ተበለጽትን ጊዜ ጥቕሞም ዝዛረብሉ እዋን ዝበጽሓሎም? ንኣብነት ከምቶም ቀንዲ ናይ ደርግ ደገፍትን ኣገልገልትን ዝነበሩ ድሓር ግን ሃንደበት ኤርትራ አበይ ከምዘላ ኣብ ካርታ ዝተበረሃሎም ተበለጽትን ናይ ስልጣን ህርፋኖም ከርውዩ ዝተጋየዩ ሰብ ነዊሕ ምልሓስ ዘይሓንኩን ዘይሓፍሩን፣ ብጻዕሪ ካልኦትን መስዋትን ንሓንቲ ዕላማ ንዓይ ይጥዓመኒ በሃልቲ ዝተጋየዩ ከይኮኑ። እምበር ሽግር ህዝብናስ ሎሚ ኣይኮነን ተጋሂዱ።

ምልሓስ ካብ ህዋሳት ኣካልና ክተልምዕን ከተጥፍእን ትኽእል ዓይቢ ሓይሊ ዘለዋ ብምኻና ኩሉሳዕ ሰባት ዝብልዎ ክንሰምዕን ክንከታተልን ንግደድ። እቲ ምንታይሲ ንኩሉ ዝሓለፈ ግብርና ደምሲሳ ሓዲስ ምስሊ ክትፈጥረልና ስለትኽእል፣ ኤርትራውያን ከአ ብስሚዒትን ብልምድን እንጋዓዝ እምበር ዘማዕበልናዮ ናይ ኣሰራርሓ ጥርኑፍ ኣገባብ ክነተኣቱ ክሳብ ሕጂ ስለዘይከአልና፤ ኣብ ምትእኽኻብን ምብትታንን ንርከብ። ንነዊሕ ጊዜ ንምታይ ዝተኣኻኸበ ቀልጢፉ ይብተን ነበረ ንዝብል ሕቶ ግና እቲ መልሲ ቀሊል ኢዩ።

ቀዳማይ ምኽንያት እቶም ዝተኣኻከቡ ሰባት ብዕላማ ተበጊሶም ከብቅዑ ዲሒሮም ዝመጽኡ ነቲ ምትእኽኻብ ክጽንበሩ ከለው ሓድሽ ናቶም ዕላማ ከተግብሩ እምበር ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ክድግፉን ከበርትዑን መደብ ስለዘይነበሮም ኣብ ምብትታኑ ዓይቢ ተራ ይጻወቱ። ብሓጺሩ ዕላምኦም ብሕቡእ ኣጀንዳን ድሌትን ስለ ዝብገስ ነቲ ዝተጀመረ ምፍራስ ቀንዲ መበገሲ ይህልዎ። ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ኣብነታትን ጭብጥን ምቕራብ ይከአል እዩ። እንተኾነ ከምቲ ጸጉርን ፅፍርን ተፈጥራዊ ባህራዊኡ ካብ ምዕባይ ጠጠው ዘይተብሎ እዞም ብዕላማ ዝመጽኡ ሰባት ከም ኤርትራዊነቶም መሰሎም ክትዕቅበሎምን፣ ካብ ምጽንባር ነቲ ምትእኽኻብ ፈሪህኻ ብጥርጣሬ ክትነጽጎም ኣይትኽእልን።

ንድሕሪ ሕጂ ግን ንምሕላወም ክጥዕም ዝኾነ ምትእኽኻብ ቅድሚ ካልኦት ክጽንበሩ ብዕሊ ምዕዳሙ፣ ብጽሑፍ ኣገባብ ኣሰራርሑን፣ ዝኽተሎም መምርሒን መቐየዲ ሕግታት ከጽፍፍ አለዎ። ንአብነት ዝኸውን በብአካባቢና ዘጋጠመና ተመኩሮ ክህሊ ስለዝኽእል፣ ንዓል ኣያይ ክስቶ ኣብ New York City ዝገበሩና ክጠቅስ። ኣብ Washington DC ዝደገሙና ስለዘሎ፣ ብሓጺሩ ብዛዕባ ስራሕ ኣደናገርቲ ምግላጽ ሐደ ዓይነት ብምኻኑን ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ከየውጽኣኒን ሕጽር ዝበለ ኣብነት ጥራይ ክህበኩም።

ኣብቲ እዋን ቅልውላው Tri-State(NY,NJ,&CT) ተቐመጥቲ ዝነበርና ኤርትራውያን EPF (Eritrean People Forum) ከነቁም ከለና ተዓዘብቲ ኮይኖም ዝጽንሑ ግለሰባት ክጽንበሩና ነዘን ዝስዕባ ጠለባት ኣቕረቡልና።

ቀዳማይ፤ መጀመሪያ ብውድብ ወይ ከአ ብጥርኑፍ ከም ሐደ ውክልና ክንቅበሎም ሓቲቶምና

ካልኣይ፤  ቅዋም ሕጊ ኤርትራ ስለዘይተሳተፉሉን ስለዘይቅበልዎን ቅዋም ይተግበር ኢልኩሞ ዘለኹም ካብቲ ዓንዲ ሕጊ ኣልግስዎ ዝብል ጠለብ ኣቕረቡ።

መልሲ ንቐዳማይ ጠለብ ዝተዋህቦም ከምዚ ዝብል ነይሩ፤ ንሕና ውድብ ኣይኮናን ከም ውድብ ንቕበለኩምን ንነጽገኩምን። ግዳስ ንህዝብና ንጉዳዩ ናይ መመያየጥን መዛተይን ቦታ ክነጣጥሓሉን ክንፈጥረሉን ዝተኣኻኸብና ግለሰባት ብምኻና፣ ንስኻትኩም ከአ ከም ውልቀሰብ ኣባልነት ክትምዝገቡን ክትነጥፉን ትኽእሉ ነበረ።

መልሲ ንኻልኣይ ጠለብ ዝተዋህቦም ከምዚ ዝብል ነይሩ፤ ፈቲኹም ጸሊእኹም ህዝቢ ኤርትራ ብብዝሒ ዝተቐበሎ ቅዋም ሕጊ ባዕሉ ተመያይጡ ዘድልዮ ለውጢ ክገብረሉ ወይ ከአ ብምሉኡ ጉሒፉ ሓዲስ ቅዋም ሕጊ ክነድፍ መሰል ናቱ ጥራይ ኢዩ። ንሕና ግን ሓሚቑ ጸቢቑ ኣብ ስራሕ ይውዓል በሃልቲ ኢና። ድሕሪኡ ተግባራዊነቱ ተራእዩ ህዝቢ ዝወስዶ ውሳነ ናቱ ይኸውን። ምኽንያቱ እቲ ተጠቃሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ እምበር ንሕና ኣብ ወጻኢ ዘለና ኤርትራውያን ወሰንቲ ክንከውን የብልናን ነይሩ።

ነቲ EPF (Eritrean People Forum) ወኪለ ዝሃብኩዎም መልሲ ከምዘይዕገቦም እንዳፈለጥኩ ክጽንበሩ ከአ መሰሎም ብምኻኑ፣ ንሳቶም እውን ዕጉባት ከምዘይኮኑ እንዳፈለጡ ምስ ሕቡእ ኣጀንዳ ተጽንበሩና። ዓንዲ ሕጊ ብንጹር ዝጸደቐን ኩሉ መምርሒ ዘለዎ ስለ ዝነበረና ብእኡ ክምእዘዙ ተስፋ ነይሩና። እቲ ዓንዲ ሕግና ግን ከም ናይ ሙሴ ጽላት ኣብ እምኒ ዝተጻሕፈ ስለዘይነበረ፤ ነቲ ሕግታት መምሪሕና ዝነበረ ሕድገታት ይገበረሉ እንዳተባህለ ቀስ ብቐስ ናብ ጥቕሞም ክቕይርዎ ከኣሉ። ንሱ ከአ ነቶም ክምዝምዝዎም ዝኽሉ ደቂ ሓንቲ ዕላማ ተንኮል ተጠቒሞም፤ ከምቲ ሕጊ ህግደፍ ብእርሳስ ዝጸሓፍን መዓልታዊ ብላፒስ ዝድምሰስ ገይሮሞ ኣብ መርሒነት ደየቡ።

ምኽንያቱ ሐደ ሰብ ቀንዲ ኣገልጋሊኦም ዝነበረ፣ ከይሓፈረን ነቶም ብድምጺ ዝተመረጽና ሰባት ንኹላህና ሰስራሕና ከም ናቱ ትካል፣ ብኢድ ወነኑ፣ ብድሌቱ ከይኮነስ ከምቲ ግበር ዝተባህሎ ወዚዑና። መጀመሪያ የስሕቐካ፣ ሲዒቡ ግና ዝጻዕርካሉን ዝደኸምካሉን ሰናይ ግብሪ ብተኮል ክፈርስ ከሎ ክትርእይ የሕዝነካ። ካብዚ ንደሓር ታሪኹ ብዙሕ ስለዝኾነ እቶም ምስኦም ተሪፎም ዝነብሩ ኣባላት ይቕጽልዎ ይኾኑ። አነ ግን ሕማቕ ኣመል ኣላትኒ። ንሳ ከአ ኮፍ ኢለ ነብሰይ ከዕሹ ስለዘይፈቱ፣ ነታ ንሳቶም ገንዘብ ተሓዛይ ክኸውን ዝወዙዑለይ ስራሕ የቐነልይ፣  ዘይደምክራሳዊ ኣሰራርሓ ህግደፍ ነጺግና፣ ንደሞክራሳዊ ኣሰራርሕ ክነእታቱ ንቃለስ ዘለና ይመስለኒ ነይሩ ብምባል ሽዓ ንሽዓ መሳርሕተይ ከምዘይኮኑ ገሊጸ ኣባልነተይ ሲሒበ ገዲፈዮም። ድሓር ግና ኣብ ኢትዮፕያ፣ ናይ ፍርቂ ሰብ ሰድያ ይብጽሓና ስለዝኾነ፣ ዘይተዋህበና ኢሎም ኣብክትዕ ከምዘለዉ ምሰማዓኹ፣ መጋዝ ሒዝኩም ንዑ’ሞ ንሕና ከአ ናይ ፍርቂ ሰብ ውክልና ክንህበኩም ንኽል ኢና ዘይበሉዎም ጥራይ ኣተሓሳሲቡኒ።

ህዝብና ኣብ ዓድን ወጻኢን ንሕማቕ ግብሪን ገባሪን ዓገብ ምባል እይተማሃረን። ስለ ዝፈርህ ይኹን ወይ ስለ ልቢ ኣዕቢዩን ይኹን ኣይርደአካን ኢዩ። ገዛኻ እንዳፈረሰ፣ ባህልኻ እንዳዓነወ፣ ስድራኻ እንዳተበታተነ፣ ኣጽቂጥካ ምርኣይ ግን ናይ ጥዕና ኣይኮነን።

ኣብ 2013 ኣብ አለክሳደሪያ ቨርጂንያ (Alexandria, VA) ነፍሰ ብሄር ወዲ ቫካሮ ኣብ ዝገበሮ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ክሳብ 400 ዝኾውን ህዝቢ ካብ ኩሉ ከባቢ መጺኡ። ሽዑ መዓልቲ ብዙሕ ሰብ ክሓትት ዝደለየ ብምንባሩ፣ ንክትሓትት መስርዕ ብሽም ምዝገባ ይኹን ተባሂሉ ብዙሕ ሰብ ተመዝጊቡ። ኣለይቲ ኣኼባ ንኹሉ ዝተመዝገበ ሰብ ዕድል ክሓቱ ክህቡ ጸኒሖም ኣብ ክልተ ሰባት ምስተረፍና ነቲ ውዕል ቢድ ወነኖም ቀይሮም፣ ዘይተመዝገቡ ሰባት ካብቲ እኩብ ገዛ እንዳመርጹ ዕድል ክህቡ ጀመሩ። ነቶም በቲ ውዕል ተቐይድና ተራና ዝተጸበና ግን መሰል ናይምሕታት ከሉእና። እዚ ከአ ከምቲ ዝበልኩዎ ኣብቅድሚ ቪድዮ ካሜራን ኩሉ ኣኼባኛታት ከይሓፈሩ ስለዝገበሩዎ መንነት ረሳሕ ግብሮም ኣመስከሩ። “In the middle of a race you don’t change a horse” ከምዝብልዎ፣ ከይፈተዉ እቲ ዕድል ዝነጸጉና ሳላ ጠጠው ዝበላና ከም ድሌቶም ኣይኮነሎምን። ደሓር ግን እቲ ቀንዲ ምኽንያት በዓል መን ብድሒሪት ዘወርቲ ከምዝነበሩን፣ ስለምንታይ ይገብርዎ ከምዘለውን በጺሕናዮ። እዚ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ህግደፍ ከይተውገደ ህዝብና ሓቢሩ ክጥርነፍ ኣይክእልን’ዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤሬትራ ብሰንኪ ስቕታ ከአ ብውሑዳት ክርገጽን ክጥፍእን ክትርኦ ትሓዝን።  ከምቲ ክንክን ዝጎደሎ ጸጉርን ፅፍርን ምስተበላሸወ ምእካቡ ዘሸግር፣ ሕጂ’ውን ህዝብና ከይገደደ ከሎ፣ ጉዳይ ሃገርካን ነፍስኻን ነቒሕካ ሑሕ ክትብሎም አለካ። ትማሊ ሕጊ ክርገጽ ኣጽቂጡ ዝነበረ ኣካል ሎሚ ሕጊ ከኽብር እመጽእ አለኹ እንተበለካ ከም ቀደምካ ክተጽቕጥ እንተኾይኑ፣ ንመጻኢ ወለዶ ዓይቢ ሽግርን ዕዳን ትገድፈሉ ከምዘለኻ ኣይትዘንግዕ። ብፍላይ እቶም ኣብ ነጻን ደሞክራሲን ሰላም ዝስፈኖ ዓዲ ንቕመጥ ኤርትራውያን ግን ጉዳይ ኮሚኒትናን ሕብረተሰብናን እንዳተበላሽእወ ክንርኢ ከለና ንምታይ ኢና ሱቕ ንብል?። ህግደፍ ከአ ቀንዲ ኣብ ውሽጥና ዘለው ለቕባጣት ተጠቒሙ ክጎዛዝየናን ክብትነናን ዕድል ንህቦ አለና። ካብ ሕሉፍ ጌጋ ዘይመሃር ኢዩ እቲ ሕማቕ ሰብ ዝበሃል እምበር ካብቲ ሕሉፍ ጌጋእኡ ዝመሀር ኣይኮነን። ንሕና እኮ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብውሽጢ ሃገር ለውጢ ከምጽእ ባዕሉ ክንሕግዞን ክንድግፎን እምበር ንሕና ካብ ደጌ ለውጢ ሒዝናሉ ክንኣቱ ኣይኮነን። ቀንዲ ለውጢስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብናይ ህዝቢ ናዕቢ ምልዓል ዝመጽእ’ዩ። እቶም ናብ ስልጣን ብናይ ደጌ ድፊኢት ትጋየዩ ግን፣ ታሪኽ ንጉሰየ ንጉስ እዛ ዓለም ብላሸ ዘክሩ። እቲ ዕድል ህዝብና ባዕሉ ክመርጽን ክምረጽን ክኽእል ከንሕግዞ እምበር ወከልቲ ካልኦት ኮይና ክንገዝኦ ክንሓስብ የብልናን።

እቲ ኣብ ዓዲ ብኣረሜናዊ ስርዓት ተጨፍሊቑ ዘሎ እንተጽቀጠ ፈትዩ ኣይኮነን።ዕሽነት’ውን ኣይኮነን፣ ሳዕቤኑ ሓደገኛን ክሳብ ህይወትካ ንምጥፋእ ድሕር ዘይብል ስርዓት ህግደፍ ኣብ እንግድዕዑ ሸሸ ይብለሉ ስልዘሎ ኢዩ። እንተኾነም ስቕታ ገደብ አለዎ። ኣይትተዓሽእወሉ። ሕተት ንመሰልካ፣ ጠጠው በል ንኽብርኻ፣ ተጠርነፍ ንሓድነትካ፣ ሽዑ ከምድላዮም ብሓይሊ ክጎዛዚኻን ክረግጹኻን ኣይኽእሉን ኢዮም እንዳበልና ክነተባብዖን ክንሕግዞን ጥራይ ኢዩ ናትና ጊደ።

ኣብ መወዳእታ፤ ምሳኻትኩም ክንሰርሕ ንደሊ ንዝብለካ ሃንጎፋይ ኢልካ ትቕበሎ እምበር ንዓ ደአ እንታይ ሕቡእ ኣጀንዳ አሎ ኣብ ውሽጥኻ ኣይትብሎን ስለዝኾነ፣ ድሓር ግን ቀስ ብቀስ ንድቕ ዝቐነኻዮ ገዛ ብሓጺር ጊዜ ክፈርስ ኣብ ቅድሜኻ ሱቕ ኢልካ ክትሪኦ የብልካን። ዝሓለፈ ተመኩሮ መምሃሪ ይኹነና። ምልሓስ እኩያት ጠጥዕሙ ተዛሪባን መዲራን ነቲ እኩብ ኣብ ግብሪ ዘየሎን፣ ገና ከይተረአየ ከሎን፣ ብተስፋ ጥራይ ምስ ውሑዳት ተሓባበርቶም ተሻሪኾም መሪሕነት ይጭውዎ። ድሓር ግን ኩነታት ብሩህ ምስ ኮነ እቲ ዝተኣከበ ካብ ምብትታን ኣይድሕንን። ንሐደ ንጹር ዕላማ ሕቡእ ኣጀንዳ ከዕውቶ ስለ ዘይክእል፣ ከፍርሶ ግን ሽግር ኣይኮነን፣ እንተዘይተጠንቂቕካ። ስለዚ ብዙሓት ተወናጨፍቲ ናይ እዋኑ ለውጢ ኣካል ክኾኑ ክቕልቀሉ ባህራውን ናይ ግድን ዝክሰት ከም መገዲ ውሕጅ ለኻኺሙ  ዝጋዓዝ ኢዩ። ብቅንዕና ዝመጽእ ብዙሕ ስለዘሎ፣ ነዚ’ውን ተረዲኢኻ ብዘይታህዋኽ ናብ ቅልጡፍ መደምደምታ ዘይምብጻሕ የድሊ። ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከም ዝበሃል፣ ንጠንቀቕ እንተበልኩ ዝተጋገኹ ኣይመስለንን።

ሰለማን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 11/12/2015”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde November 13, 2015

    Thank you Suleiman.I wish I can answer you in tigrigna font.It is a timely advice you gave to every justice seeking Eritrean and those individuals who claim they can lead the way. Half a century later, we are still raw, we haven’t matured yet,we can’t identify a friend from foe, the real from the phony, the one that is lying through his teeth, and the one that is speaking the truth, the one who is actually working , and the one that capitalizes on the work of others….even though,some of the individuals are hired hands of the tyrant to intentionally disrupt our unity, some of them simply are conditioned by the tyrant model of governance they don’t know any better. The audience is that kills me, loves a sweet talking, lying, charismatic, empty orator , because it soothes the senses.The audience doesn’t want to hear the truth, because it is boring, dull,mundane, it requires work,but it is the truth.That is why the tyrant captured the hearts and minds of so many for so long.We have work to do.

POST A COMMENT