Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሜላ ፈላሊኻ ግዛእ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ክልብመሉ ‘ለዎ

አብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ይኹን እንግሊዝ ኮታ ክሳብ እቲ ናይ መጨረሻ ባዕዳዊ ገዛኢና ዝነበረ መራሒ ኢትዮጲያ ኃይለሥላሴ ይኹን ፋሽሽታዊ ደርጊ(መንግስቱ ኃ/ማርያም)

አብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ይኹን እንግሊዝ ኮታ ክሳብ እቲ ናይ መጨረሻ ባዕዳዊ ገዛኢና ዝነበረ መራሒ ኢትዮጲያ ኃይለሥላሴ ይኹን ፋሽሽታዊ ደርጊ(መንግስቱ ኃ/ማርያም) ህዝብና ኣንጻሮም ዝገብሮ ቃልሲ ክሓንን ከሎ ንምዝሓሉ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ሰራም ሜላ ንህዝብና ብሃይማኖት ብኣውራጃን ዓሌትን ፈላልዩም ሕድሕድና ክንተፋንን ብዓይኒ ምጥርጣር ክንረእኤአ ምግባር እዮ ነይሩ። ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከምዝባሃል እዚ ሕጂ ብሓይሉ ብዘይድልይት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሥልጣን ኩድጭ ኢሉ ዘሎ ጉጅለ ህግድፍ ዕደመ ሥልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቅመሉ ሜላ ልክዕ እቶም ቀዳሞት ገዛእቲ ዝተጠቐሙሉ አረጊትን ድሑርን ሜላ መቓቒልካ ግዛእ እዩ።
መራሒ ናይዚ ገዛኢ ጉጅለ ኢሰይያስ አፈወርቂ በዚ ዱሑር ሰራም ሙያ ገና ብጊሓቱ ኢዩ ተኻሂኑዎ (specialize ገይሩ)። አብ መዋእል ቃልሲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እውን እንተኾነ ብመንጽሩ ካብኡ ዘይንእስ ካልእ ሃይማኖታውን ወገናውን ዝንባሌታት ዝሳወር ኣኳ እንተነበረ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግን ርቕቕ ብዝበለ ሜላ ሃይማኖት፡ ወገን፡ ኣውራጃ ከምኡውን ደረጃ ትምህርቲ ከይተረፈ ምሁርን ጨጓር ዳንጋን እናበለ እውን ከይተረፈ ንምፍልላይ ክጠቕሞ ዝኽእል ዘበለ ኩሉ ሜላታት ተጠቒሙሉ እዩ።
እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ምፍልላይ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ዘይብሉ ህዝብና ደጋጊሙ ኣብቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ይኹን ሕጂውን ህግደፍ ዘጻውድዎ መጻወድያ እናኣተወ ግዳይ (victims) ናይዚ መልክዑ እናቐያየረ ዝኽሰት ንረብሓ ገዛእቲ ሓይልታት ጥራሕ ዘገልግል ውዲት ዝወድቕ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ እውን ካብኡ ፈሊኻ ዝረኤ ኣይኮነን። ሕጂ ጎሊሑ ዝረኤ ዘሎ ሓደገኛ ዝንባሌታት ግን ኣብ ክልተ ከፊልካ ክረኤ ዝከኣል እዩ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝሳወር ዘሎ ሃይማኖታዊ ወፍሪ ክኽውን ከሎ እቲ ካላኣይ ድማ ብስርዓት ህግደፍ ዝሳወር ናይ ኣወራጃውነት ወፍሪ እዩ። ክልቲኡ ከኣ ከካብ ናይ ውሽጡ ፍርሕን ዕርቃንን ዝብገስ እዩ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንእትደልዮ ዕላማ ንምትግባር ፖለቲካዊ ብቕዓት ዘይብልካ እንተኮንካ ንነገራት ቀልጢፍካ ሃይማኖታዊ መልክዕ እናኣትሓዝካ ዝሰፍሔ ተቐባልነት ክትረክብ ምጽዓር ልሙድ ኣሰራርሓ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። እዚ ሕጂውን ዝበለየ ኣይኮነን። የግዳስ ሕጂውን ኣብቲ ዝኸፍኤ ደረጅኡ እዩ ዘሎ ክበሃል ይከኣል። ኣብዚ ሓደ ጉዳይ ኢልና ጥራሕ ክንሓልፍ ንደሊ። ጸረ ኣስላም እናተቓለስካን ንተራ እስላም እናኣናኣኣስካን ንኤርትራ እሰርሕ ኣለኹ ክበሃል ኣይከኣልን። ልክዕ ከምኡ ድማ ጸረ ክርስትያን እናተቓለስካን ንተራ ክርስትያን እናኣናኣኣስካን እውን ምእንቲ ኤርትራ እሰርሕ ኣለኹ ክበሃል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ኤርትራ ብዘይ ኣስላም ወይ ኤርትራ ብዘይ ክርስትያን ካልእ ደኣ ትኸውን እምበር እታ ንፈልጣ ኤርትራ ክትከውን ኣይትኽእልን። ስለዚ ምእንቲ ኤርትራ እቃለስ እየ ዝብል ኩሉ ብጉዳይ ሃይማኖት ሓዊ እንተዘይወለዔ ወይ እሾኽ እንተዘይዘርኤ ይሓይሽ ንብል። ከመይሲ እታ ዝተወለዔት ይኹን እታ ዝተዘርኤት ክፍኣት ንወላዒኣን ንዘራኢኣን እውን እያ ትልክም።
ብጸላኢና ህግደፍ ዝሳወር ዘሎ ሓደገኛ ኣውርጃዊ ኲናት እውን ኣብ ቅድሜና እነሆለ። መንቀሊኡ ከኣ ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ካብቲ ብገዳይም ተቓወምቲ ክሻቐሎ ዝጸንሔ በቶም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ መሬት ሽባና ዝገበርዋ መንእሰያት እዩ ዝያዳ ሸበድበድ ክብልን ክሻቐልን ዝጀመረ። ሻቕሎት ህደፍ ግን ሻቕሎት ኮይኑ ኣይተርፍን እዩ። ኩሉ ግዜ ንስልጣኑን መጻኢ ዕድሉን ዝፈታተን ዘበለ ቅልጡፍ በዳህን በታትንን ስጉምቲ ወይ ውዲት ምፍሓስ ንህግደፍ ዘርክብ የለን። ነዚ ናይ ሕጂ ሰፊሕ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ከተፍሽል እትኽእል ውዲት ከኣ ኣውራጃውነት ኮይና ተረኺባ ኣላ። ህግደፍ ነዛ ውዲት ንምዕዋት ብዙሓት ካድራት ኣዋፊሩን ብዙሕ ገንዘብ ኣፍሲሱን ምህላው ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኦም ደቂ ከበሳን ኣብ መብዛሕትኦም ክርስትያንን ዝኾኑ መንእሰያት ሃይማኖታዊ ይኹን ወገናዊ ፍልልይ ኣይሰርሕን። ስለዚ ከኣዩ ህግደፍ ኣውራጃዊ ፍልልይ ክመርጽ ዝኾነ። እዚ ሕጂ ኣብ ኣውሮጳ ጀሚሩ ናብ ኣሜሪካ ቀስ እናበለ እውን ናብ ካልእ መኣዝናት ዓለም ዝልሑኽ ዘሎ ኣውራጃዊ ፍልልይ መንቀሊኡ ህግደፍ እዩ – ንረብሓና ኣይኮነን። ብኣውራጃኻ ክትኮርዕ ጽቡቕ ብኣውራጃነት ክትፈላለን ክትበኣስን ግን ድሕረትን ክሳራን እዩ።
እዚ ግን ቀንዲ መሃዚኡ ህግደፍ እኳ እንተኾነ እቶም ንክልተ ሰለስተ መራሕቲ ህግደፍ ጥራሕ ብምእላይ መሓውራት ህግደፍ ከምቲ ዘለዎ ክቕጽለሎም ዝደልዩ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኣካላትውን እንተኾነ ነቲ ኣብ ደገ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምጥርናፍ ብጽቡቕ ዝርእይዎ ኣይኮኑን። ስለዝኾነ ኣቱም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ኣውራጃዊ ቁርቁስ ኣቲኹም ዘለኹም መንእሰያት ኩሉኹም፡ ህግደፍ ብናትኩም ምልዕዓል ሰንቢዱን ኣንቀጥቂጡን ንክፈላልይአኩም ኢሉ ዘተኣታተዎ ሰራም ሕማም ምኻኑ ክትፈልጡ ይግባእ። እምበር ንስኹምሲ እታ ኤርትራ እኳ እናነኣሰትኩም ታሕቲ ወሪድኩም ብኣውራጃነት ትጨማለቑሉ ምኽንያት የብልኩምን። እዚ ንታሪኽኩምን ንክውንነትኩምን ዘየንጸባርቕ ድሑር ዝንባሌ ስለ ዝኾነ ባዕልኹም ንባዕልኹም ለባማት ሓዊስኩም ፍትሕዎ። ኣብዚ ጉዳይዚካብ ኩሉ ቂምን ቅርሕንትን ነጻ ኮይኖም ሰናይ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ዝወስዱ ዘለኣለም ኣብ ታሪኽ ብጽቡቕ እናተዘከሩ ክነብሩ እዮም።
ዝኾነ ስርዓት ኣብ እዋን ምዳቑ ኣሎ ዝበሃል ኩሉ ናይ ድሕረትን ናይ ምፍልላይን ሜላታት እናተጠቕመ ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ስራሕ ከምዝሰርሕ ኣይጠፍኣናን እዩ። ህግደፍ ኣብ ውሽጡ እናዓበየ ብዝመጸ ምፍሕፋሕ ይሰሓግ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣለና። ብርግጽ ለውጢ ዝደሊ ኣካል ካብ ውሽጢ ቦሎኽ እሉ ንቕድሚት ይመጽእ ምህላዉ ብኣዎንታ ንርእዮ ጉዳይ እዩ። ግን ሕጂውን ከምቲ ናይ ቀደም ብሓደ ሸነኽ ጥራሕ ዝመጽእ ለውጢ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ከርዊ ስለዘይክእልን ዘየድሊ ምጉታትን ደም ምፍሳስን ከነወግድ ምእንቲ ንኹሉ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ደላይ ለውጢ ዝሕውስ መሰረታውን ኩሉ መዳያውን ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ቃልሲ ክኽውን ንርኢ። እዚ ንሰምዖ ዘለና ናይ ለውጢ ንፋስ ብመን ነቒሉ ብዘየገድስ ናይ ምስፍሑን ናይ ምምዕባሉን ጉዳይ ናይ ኩላትና ደለይቲ ለውጢ ስለ ዝኾነ ንድቅሰሉ ጉዳይ ኣይኮነን።
ውልዶ ስምረት ሓሙሽተ ውድባት ዝኾነ ውድብና -ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንሓድነትን ምቅርራብን ውድባት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ብናህሪ ተበጊሱ ኣሎ። ንቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ድማ ካልእ ካብዚ ንላዕሊ ከይለኻኸመ ከሎ ንዘለኣለም ከብቅዕ መታን ክኽእል ኩሉ መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ተጠቒሙ ንምእላዩ በርቲዑ ክቃለስ እዩ።
ክፍሊ ዜናን ባህልን
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • Berhe Tensea February 9, 2013

    Isais is on his final days, as he is the worst enemy of the Eritrean people he is trying to create division.
    I wish we had Jihadis who can blow up this dictator and his blood thristy generals.

  • GULLIBLE PEOPLE February 9, 2013

    “ንወዲ ነብሪዶ ዝላ ተላምዶ ፧ ኢሳያስ ምፍልላይ ኣውራጃ ዝምህረና ፣ንሕና ካብኡ ዘይንገድድን፣ንሕና ንምህሮ”!!!!!!!!!!!!!!!!!

    ኣሕዋት ወይ እቲ ጉዳይ ኣብ መድረኽ ኣውሪድና ብግልጺ ንምሃረሉ ንራዳድኣሉ፣ ወይ ክኣ ኣቋሲልና ጫፍ ጫፍ ኢልና ኣይንግደፎ።እቲ ጉዳይ ኣብ ኤድመንተን ፣ካናዳ ብብርጭቆ ዝተወቓዕኩሉ ስለ ዝኾነ ብዘይምረት ክገልጾ እየ።ኣብ ገገዛኹም ኴንኩም ትሒምትሒም ስለ ትብሉሉ ኣይትዋራዘዩ፣ኣነ እቲ ተሞክሮይ ክነግረኩም።
    ፩)ኣከለጉዛይ ፣ብሕልፊ ድማ ጸንዓድግለ፣ኣሕዋቶም (ደቂ ጎዶብኦም)ዝፈትዉ ተሓጋጊዞም ዝምዕብሉ ኣርኣያ ዝኾኑ ህዝቢ እዮም።ኣብ ሕማቕ ምዓልቲ ተኣማንነቶም ምስ ወዲ ግራቶም እዩ ።ቅድሚ ሕጂ ብናይ ቃኘው ፣ደቂ ዓዶም እንተዘይኮይኑ ሓደ ወዲ ካልእ ኣውራጃ ከየእተዉ……ዝብሃል ክሲ እነ ኣይቅበሎን።ቃኘውስቴሽን ብሕታዊ (ፕራይቨት/non governmental ስራሕ ስለ ዝነበረ ከም ድላዮም !!! ጽቡቕ ገበሩ!!! ይብል።እቲ ጸገም, እቲ ናይ ወዲ ዓድኻ ኣብሊጽካ ምርኣይን ሕሉፍ ብጻይነትን ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ውን እናርኣኻ፣ጸሊም ታሪኽ ምጽዋትን እቲ ንኢሳያስ ዕድመ ዘናውሖ ዘሎ ቀንዲ እዩ።ኢሳያስ ንህዝቢ ኣከለጉዛይ እናመስገነ ዝነብር ዘሎ መላኺ እዩ።እዚ ጠባይ እዚ ካብቶም ኣብ ህግደፍ ዘለዉ ሃይካ ፣ኣብ ተቓውሞ ዘለዉ ከይገደደ ኣይተርፍን።ምኽንያቱ ኣብ CULTURAL DNA____ናቶም ዝተሰርጸ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፣መዕበያኦም ክገድፉ ኣይደልዩን እዮም።እቶም ድሓን ዝብሃሉ ምሳና ዝቐረቡ ድማ ጉዳይ ክልዓል ከሎ ነቲ ጉዳይ ሸፊኖም ወገንነት ኣብ ኩሉ ዘሎ እዩ ኢሎም ክሓልፍዎ ይደልዩ ።ብተዛዋዋሪ ነቶም ፈላለይቲ ደቂ ግራቶም ይካላኸሉሎም።ወዲ ካልእ ኣውራጃ ብሕሜት ክሕየኽ እናስሓቑ ጸኒሖም፣ ናይቲ ነውራም ወዲ ኣውራጅኦም ስም ክትልዓል ከላ ግን ምሳና ዘየለ ሰብ ኣይነልዕል ይብሉ፣ወይ ገጾም ፈሲ ክመስል ትርእዮ።እቲ ዝኸፍኤ ነዚ ጠባዮም ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ከጫማልቝዎ ከለዉ ክትርኢ እዩ።
    እቶም ደቂ ኣርብዓ (ደቂ ግራተይ)ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ዘይብሎም፣ኣከለጉዛይ ዝፋን(ዘውዲ)ከይወስድዋ ጥራይ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ፣ካብቲ ከባቢ ዝሸጥዎ ሓተላ ግለት ዝገለተ ቃላቶም….ደግነቱ ግን እቶም ምስ ህግደፍ ዘለዉ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ዘርእይዎ ጠባይ እዩ።እቶም ምስ ተቓወምቲ ዘለዉ “ሓሻካ” ንኢሳያስ ካብ ልቦም ዝጸልእዎ ክኾኑ እንከለዉ ፣ካብ ኣከለጉዛይ ግን መታሕት ይኣምኑ።
    ብኡ ምኽንያት እዩ ፣ህግደፍ ፣ኣስላም ኢሉ ሑሕ ክብለና ኸሎ ፣ዋላ እቶም ናቱ እውን ዘይ ኣምንዎ።ምኽንያቱ ኣስላም ሃገርና ናይ ከምቲ ኢሳያስ ዝኸሶም ጠባይ ፍንጫል ውን የብሎምን።ኣከለጉዛይ ክብለና ከሎ ግን ብውሑድ 55% ኣማኒ ወይ ክክውን ይኽእልዩ ዝብል ተዳናጋጺ ዝረክብ።ኢሳያስ ብኣውራጃነት ኣይሕመንዩ፣ዘይውዕሎ ኮይኑ ዘይኮነስ ኣብ ውቅያኖስ እዩ ጥፍጣፍግ ዝውስኽ ዘሎ ፣ኣብ ጎንና ዘለዉ ሰባት ክነግረና ኣይንደልን ኢና፣ነውራውነቶም ኣብ ዓድና፣ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ካናዳን ኣሜሪካን ዝትዓዘብናዮም ኣለና።ድሓር ብጠቕላላ ክዝረብ ስለ ዘይክኣል፣ከምዚ ዓይነት ጠባይ ዝርኣኹሎም ኣከለጉዛውያን ካብ 98.6____ኣይበልጹን እዮም።
    ሕጂ እዚ ካብ ኮነ እቲ ህሉው ኩነታት ብኸመይ ንፈትሖ ፧ሶማል ዝተዋድኡ ደቂ ሓንቲ ኣደን ሃይማኖትን ከለዉ እዮም።ስለዚ ወይ እቲ ጉዳይ ዳሕዲሕን ነምጽኣዮ እሞ ድኽመታትና ኣሪምና ንቐይር ወይ ክኣ ከምቲ ናይ ሓሶት ነጻነት ዝተዋህበና፣ናይ ሓሶት ሕውነት ሒዝና ኮለል ክንብል ኢና።

  • habrom February 9, 2013

    gullible

    i have been waiting for some one to bring the issue frankly and you did without hatred spirit.it is a good idea to discuss it inteligently.
    thank you from my heart

  • Concernd Edmontonian February 9, 2013

    Dear Assena,
    Your website is read, I could say, by a lot of Eritreans, likewise it would wise to cull out responses by such idioits as by “Gullible People”. I lived in Edmonton for thirty years, and my experience is a world different from “”Gullible People”. How on earth did this guy know who is from Akeleguzai and who is not? He has produced a statistical data, of 98.6% of Edmontonians, and 55% from Akeleguzi at large. How on earth does this guy arrive to such numbers. Is he a full time data collector concerning Akeleguzai. He is actually promoting what he is trying to abate. Assenna, I know it is not easy, but dangerous guys with miniscule knowledge should not use your website to spew poison. By the way I am from Akeleguzai and all my friends are ERITREANS.

    • GULLIBLE PEOPLE February 10, 2013

      Concerned Edmontonian,

      I am glad your experience is different than mine.If what I experience was different from yours then I am glad.If what I am writing has no element of truth ,then you do not even need to reply,for the truth needs no clarification. Let alone a “simplton” like me even when EWritrean government makes it´s policy to put moslems on bad light ,nobody believes it.Because ,there is no element of truth in it. People are not as stupid as you think the 55% & 98.6% ,to mean my layman´s based on laymans guessed statistics, it was not to be taken at face value.
      The issue was not Akeleguzai & the issue was not Edmonton in particular.HOW ABOUT THE THINGS I SAID ABOUT HAMASIEN DEQI ARBAAS YOU DID NOT DEFEND THEM.You REALLY made my point.While I believe my eyes & ears all people have the right to ACT THE WAY THEY WANT.LIKE THE AMHARIC SAYING GOES ¨ፈስ ያለው ዝላይ ኣይችልም¨those who want to find the solution do not try to minimize it.You can not be from the Awraja you say I am accusing & evaluate your Awraja. ¨ወጠጦ ንወጠጦ እንተፈረደስ ከይሕረድ ፈረደ¨It is like a father claiming to be a good parent. Let his children & more importantly his neighbours be the judje.I assume while you concentrated to defend only Akeleguzay (surprise,surprise)..I assume you believed what I said about Hamasien.I thought some of your friends where ,supposedlly hamasien. Next time try to get the intended message, god edmontonian.You know why I never went to Sandiego community in 3 years I was tired of my fellow Hamasien DEqi arbaA,being the other side of the akeleguzay coin.

    • GULLIBLE PEOPLE February 10, 2013

      The good book says you shall know them by their fruits. I do not have to check DNA ,just behaviour.

    • Asgedom Abraham February 10, 2013

      Akelinos are brilliant at collecting and analysing statistical data. Who do you think came up with the information which stated that 60% of our martyrs of the liberation struggle era were from Akeleguzay?

      • GULLIBLE PEOPLE February 10, 2013

        I saw the analysis data on Asmarino website, I am not going to say (surprise surprise), because Wedi Meharena does not represent the 98.6 percent in my experience.History backs it up ,and I do not doubt the data’s accuracy. I wish condelence to the family. On top of that I have been hearing it from deqeyay forever that majority of the martyrs were from that area. I applaud their bravery& I hope they will lead us in Eritrea ,where all peoples have the right to their wish .Where Afar can interact with his Afar brothers upto djibouti,where Kunamas & hadendawa,Binamir can have strong ties to fellow people in Sudan..Where “Hizbe Tigrinya”could be termed as special breed and declare non Tigrinya..therefore not Tigrawot.I wqant all peoples to achieve what their wishes are without the heavy hand of Tigrinya singaporians.

        • GULLIBLE PEOPLE February 10, 2013

          I meant to say Sudan & Ethiopia, not only sudan.
          thanx

  • Selamawi February 9, 2013

    The Godless pfdj may try to divide and subdivide. Its aim is to leave a legacy of lasting animosity which would perpetrate its life after death. In this day and age what is needed is:

    Rule of law, the supremacy of Constitution,and the legislative body that we call Bayto. Then you have the independence of the Judiciary…

    pfdj is too scared to implement any form constitution or the independence of a judicial body. It has committed too many crimes. The beastly cruel organization does not belong to Hamasien, Seraye, Semhar, Akeleguzay, Denkel, Barka, Sahel, Senhit, or Gash Barontu. It is too cruel and wild to belong to any of the Eritrean regions or religions.

    If you squeeze pfdj you get venom, merzi, death, hatred, division, violence, war, prisons (not universities!)abuse, coercion, deception, lawlessness, narrow mindedness, destruction, ruined families, exodus, the hell of Sinai, the big prison called Eritrea! That is pfdj. They may try to hide under the mantle of one region, religion… but facts do not support them.
    I cannot imagine any region or religion embracing such archaic and
    beastly organization.

    Let’s shorten its life and save our country from pfdj grip. What we need is Nationalism not narrow divisions made in the factory of pfdj for evil end.

    God bless

  • GULLIBLE PEOPLE February 10, 2013

    ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፣
    ወይ እዚ ጽሓፋይ ናይዛ ዓምዲ ሓደጋ ከምጽእ ዘይክእል ምውቕ ምስ በሎ ዝጽሓፎ እዩ(ብኣውራጃ ምፍልላይ)which I do not think ፣ ወይ ክኣ እቲ ሽግር ናይ ብሓቂ ኣሎ፣ግንከ ጽሓፋይ ከይጋገ ስለ ዝደለየ ጥቕልል ኣቢሉ ኣምጺእዋ ኣሎ።ድሓን ኣነ ኣብ ትንታኔይ ንኣከለ ብዘየድሊ ኣትኲረ ኣጋኒነ ጽሒፈ ንበል ።ግን እቲ ሽግር ከይገንጸልካ (ከይከፈትካ) ክፍታሕ ይኽእል ዶ ፧ኣብ ኡጋንዳ ስደተኛ ከለኹስ ኣብቲ ኤይድስ ገኒንዎ ዝነበረ ጊዜ እዩ፣እታ ዋና ገዛና ዝነበረት ሰበይቲ ¨ስሊሙ¨ (ኤይድስ) ኢልካ እንተልዓልካስ ሱቕ በል ትብለካ፣እንተዘይተዛረብካ እቲ ኤይድስ ባዕሉ ዝጣፍእ ይመስላ።ወይ ብግልጺ እንተተዛረብካሉ እቲ ሕማም ኤይድስ ዝሕዘካ ይመስላ።እቲ ናይ ወገንነት ሽግር ኣብ ኩሉ ዘሎ እዩ፣እቲ ናይ እንዳያይ ምስ እድያቱ ስለ ዝኾነ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ እውን ጸቢብ ሕሉፍ ሃገራውነት እናርኣየ ዕድመ ኢሳያስ የናውሕ ኣሎ እየ ዝበልኩ፣እምበር ኣንኳይ ቃኘው ስቴሽን ፔንታጎንን ሲ ኣይ ኤ ን እነተቛጻጸርዎ ኣይዓኡጅበንን።ተስፋ እገብር ዓተከሌዛን ናይ መጀመርያ ታርጌቶም ከይትኸውን ።እቲ ሽግር ዘየሎ እንተኾይኑ ግን ንኹሎም ኤርትራውያን ይቕረ ይሓትት ።ንመታሕት ሃገርና ዓረብኛ ኣይኮነን ኣካል ናይ ትግርኛ ጃፓንኛ ውን ቋንቋና ክንገብሮ ኢና እንተበሉ ንመሰሎም ተጣባቓይ ኣነ እየ። ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝጥቅኖም እንተዝኾኑ ድማ ¨ምስ ዞም ናይ ሃይማኖት ሕማም ዘለዎም ሃገርን ሃይማኖትን ዝሓዋውሱ ፋናቲክ እዮም ኢለ መቃላዕኩዎም ኔረ።ግን ክሳዕ ሕጂ ክሕረዱን ጠባዮም ክሕረድን እምበር ዘነውር ጠባይ ኣይርኣኽኡሎምን።ኣነ ክርስትያን ፣ከንሻ እየ።ካብ ሰብ ንላዕሊ ይጋገ።ነቶም ብሽም ኣውራጃይ ተላዒሎም ነዚ ነውራም መንግስቲ መመክሒ ክገብርዎ ንዝደልዩ ግን መጀመርያ መካቲኦም ኣነ እየ።ክንዲ እምባሶይራ ዝኣክል ዕንጓል ኣብ ኣፍንጭኡ ገቲሩ ግን ጽሩይ ኣፍንጭኡ ጌርካ ስኣለኒ ዝብለኒ ግና ነቶም ዘዔሽዎም ነቶም ጉምብሕ ጉምብሕ ዝብሉሎም ኣኮታተይ ኣብ ኤድመንተን ይገድፎ።በቲ ዝብሎ ክኣ ይቐውም።ንኢሳያስ ኩናማን ዓፋርን ከጽንት ከሎ ንኣስላም ኣሕዋትና ብዘይፍርዲ ክኣስር ከሎ እየ ተቓዊመዮ።ክሳዕ ድሩዕ ዝአሰር ወይ ሰብ ሰገነይቲን ሰንዓፈን ኣዕዚዙ ምእሳር ምስ ጀመረ ፣ወይ ወዲ ትኹል ምስደስከለ ኣይኮንኩን።ናይ ደረውህ ግራዝማች እየ እሞ ክት ኣይትበሉኒ ኣይሰርሕን እዩ።

  • Asgedom Abraham February 10, 2013

    Akelinos like the late Dr Russom Haile are my people. I love them very much. However we can not hide the fact that some so-called Akeleguzay elites are collaborating with Woyane. They are playing with fire. I urge them to correct their lunatic behaviour.

    • GULLIBLE PEOPLE February 10, 2013

      I wish they were collaborating with Woyane ,like you seem to indicate..then every area will be governed by it’s regional /ethnic habitants..with a loose federation. I will be on my Akeleguzay brothers. Amen

  • Asgedom Abraham February 10, 2013

    Awrajawinet is the invention and the practice of Akelinos. Everybody knows of the Akelino complaint : ” ms Seraye gieromna “. What is wrong with Seraye, adi SaEda Taf ?

    • GULLIBLE PEOPLE February 10, 2013

      Asgedom,

      Allow me to contradict your analysis of the issue.I believe in Eritrea having different peoples.Democracy is not loving all Eritreans but respecting their rights. Yes ,from goat herder to PHD holder Akeleguzay has this complaint, and who is to say what is legitimate. If the people of the area accept it as a legitmate concern ,I will be on their side.My concern is this smart & wise ,to the most part…people have the right to develop their kilil. I share the belief of Hatse Yowhans ,every region is the king of his area .I (central govt.) am the king of kings.Why did Isaias put them with Seraye ,knowing their feeling about it to humulate them.If it helps to bring peace & good neighbourly ,why could not they have Adi Keih as the center instead of Mendefera.why is it by design the PFDJ cadres & inner dogs in Akeleguzay purposely mainly from Seraye ? Our cause should be ultra comradory of wodeyay & wedi sanday to be limited to regional & family issues & not to be manifested on national issues.It should also make your skin peel with ignorance when you hear .”እዘን መንካዕ ነዛ ስልጣን ኣግዲፈን ደቅሸን ድሓድራ መሲልወን እንድዩ ዓይነት ዘረባ”.
      deqeyay maybe expert on it ,but by no means are they the pioneers of regionalism.The issue should be to recognize the weakest link & deal with the situation.But since people refuse to debsate it intelligently ,it givews reason for people like you& I to go falul with it.

  • Asgedom Abraham February 10, 2013

    Kilil?

    • GULLIBLE PEOPLE February 10, 2013

      Bro. Asgedom,

      Brilliant observation, I am slightly weyanized in my views.

      • Asgedom Abraham February 11, 2013

        Weyanized? How did you become Woyanized?

        • GULLIBLE PEOPLE February 11, 2013

          I ate some TiHlo & Shiljo & started sibseba & wuyiyt.Then Pow ..I became weyanized Eritrean.

POST A COMMENT