Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈስቲቫል ህ.ግ.ድ.ፍን ፍሽለታቱን።

ኣንታ እዛ ጀኔቫስ’ምበር ድሮ ስምብራት ገዲፋ ኣብ መድረኻ ። ፈስቲቫል ህ.ግ.ድ.ፍን ፍሽለታቱን። ኩልና ከምንዝክሮ ህ.ግ.ድ.ፍ ንባህልን ልምድን ክብርታት ሕብረተሰብና ብምብራዝ ብእዉጅን ዘይእዉጅን ኣገባብ ድሕሪ ምእጋዱ ንምሉእ ዓመት ብናቱ ናይ ጥፍኣት ብዓላት ተኪኡ ሓንሳብ ምጅማር ሓንሳብ ምዝዛም ብረታዊ

ኣንታ እዛ ጀኔቫስምበር ድሮ ስምብራት ገዲፋ ኣብ መድረኻ

ፈስቲቫል ...ፍን ፍሽለታቱን።

ኩልና ከምንዝክሮ ህ.ግ.ድ.ፍ ንባህልን ልምድን ክብርታት ሕብረተሰብና ብምብራዝ ብእዉጅን ዘይእዉጅን ኣገባብ ድሕሪ ምእጋዱ ንምሉእ ዓመት ብናቱ ናይ ጥፍኣት ብዓላት ተኪኡ ሓንሳብ ምጅማር ሓንሳብ ምዝዛም ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እናሰመየ ብዓላትን ፌስቲቫላትን ብምድላው ኣሽሓት ዶላራት ዝግሕጠሉ ሕዙእ ቀውዒ ብምስንዳእ ንዓመታት ከም ዝተጠቕመሉ ዝፍለጥ’ዩ። ሕጂ’ውን ኣብ ጽባሕ’ቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኡ ዘቕረቦ ኩሉ ዓይነት ግህሰታት ከም ዝፈጸመ ዘመልክት ርጡብ ጸብጻብ፣ እንሆ ከምቲ ኣመሉ ዝተፈላለዩ ምስምሳት እናተጠቕመ ነቲ ገጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ቁሩብ እንተሕወየን ልዕሊ ኹሉ ክኣ ነጺፍዎ ንዘሎ  ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምግሓጥ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፌስቲቫላት ብምድላው’ኳ እንተተበገሰ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን” ብዝዓይነቱ ብሰንኪ ውጺኢት ጀኔቫን ሓያል ጎስጓስ ደለይቲ ፍትሒን ዳሳት ህ.ግ.ደ.ፍ ናብ ሕልምልምን ንሱ ዝፈጠሮ ክሳራን ከም ዝተቓልዐ ናይ ሎንዶን ዓባይ ብርጣንያ ፌስቲቫል ጥፍኣት ጭቡጥ ኣብነት ኮይኑ’ሎ፣ ናይዚ ጽሟቕ ጸብጻብ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፣-

ብመጀመርታ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ነብሶም ግዲ ነጊርዎም ከምቲ ቀደም ኣብ ኣዳራሻት ወዛሕዛሕ ዘይኮነ፣ ሓደ ብቴንዳ ዝተሰርሐ ዳስ ጌሮምን ኣብ ፓርክን ኢዮም ነቲ  ፌስቲቫሎም ኣዳሊዮሞ፣ ይኹን’ምበር ኣብዚ ዳስ ጥፍኣት ክሳተፍ ዝተጸበይዎ ህዝቢ’ውን ብጊደኡ ኣይግድን፣ ኣይ ከም ቀደምን ኣግዲዕዎም ድኣ። ምኽኒያቱ ብሰንኪ ውጺኢት ናይ ጀኔቫ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ኣዚዩ ውሑድ ኣብ ልዕሊ ምምባሩ፣ እቶም ቀደም ንፈልጦም ንጡፋት ተዓጣቖን ኣባላትን ህ.ግ.ደ.ፍ’ውን እንተኾኑ ሎምስ ግዲ እቲ ናይ ህዝቢ ምረትን ከልበትበትን ብግሁድ እናረኣይዎን እናተዓዘብዎን ስለ ዝመጹን ልቢ ስለ ዘዕበዩን ካብ ተዓዛቦ ምዃን ሓሊፎም ኢዶም’ውን ስለ ዘይሓወሱ ህ.ግ.ደ.ፍ ወጻኢታቱ’ውን ክሽፍን ከም ዘይክኣለ ኢዩ እቲ ርጡብ ሓበሬታ። በዚ ኣጋጣሚ ኣቱም መሲልኩም ነዚ ሃገር ኣባዲሙን ዘርእና ኣጽኒቱን ዝጠፍእ ዘሎ ስርዓት ከም ኤንፊዩጂን ኮይንኩም ትንፋስ ዘሪእኩምሉ ዝጸናሕኩም ኣሕዋት ትርግታ ልብና ሓደ ድሕነት ሃገር ኢዩ’ሞ ንእትወስድዎ ዘለኹም ስጉምቲ እና ኣመጎስና እምቢታኹም ካብኡ ንላዕሊ ክትቅጽልዎን ነታ ናይ ሓባር ርስቲ ዓደቦና ድማ ብሓባር ክንዋደቐላን ደጊመ እጽውዓኩም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ጥፍኣት ፌስቲቫል ካልእ ዝተረኣየ ነገር እንተነይሩ ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ባህርያት ህ.ግ.ደ.ፍ ተተጠቒሙ ስለ ዝድርብን ዝጉሕፍን ነቶም ናይ ቀደም ንጡፋት ዝነበሩ ኣወጊኑ ብኻልኦት ሓደስቲ ደቂ ውሻጠ ዝብሎም ከም ዝምራሕ ብምግባር ከም ቀንዲ ኣዳለውትን ኣጫፈርትን ገይሩ ዝሓረዮም እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ብሰንኪ ሕግታት ህ.ግ.ደ.ፍ ጥሒሱ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብምሕዋል ኣብ ኣስመራ ገዛ ዝገዝአን በታ ተግባሩ ድማ ህ.ግ.ደ.ፍ ከይጻብእዎን ከይወርስሉን ዝቀባጠር ዘሎ ተባሂሉ ዝውረየሉን ዝሕመን ዶ/ር በረኸት ዝተባህለን ከምኡ ድማ እቲ ሓንሳብ ሙዚቀኛ ሓንሳብ ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝዓዪን ንነዊሕ እዋን ኣቦ-ምምበር ብዓላት ሽማግለ ኮይኑ ዝሰርሐን ምስ ሕጂ ወኪል ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ሽወደን ኮይኑ ተመዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ሲራክ ባህልቢ ዝተባህለ ዕሱብ ህ.ግ.ደ.ፍ ብምዃን ናይ ፌስቲቫል ሎንዶን ናይ ኣሽሓት ገንዘብ ኣታዊታት ብምጥፍፋእ ዝፍለጥ ያሬድ ተስፋይ ዝተባህለን ኢዮም።

ካልእ ነዚ ፈስቲቫል ዝኸፈተን ንህልዉ ኩነታት ሃገር ዝምልከት ሰሚናር ዝገበረን ክኣ እቲ ብጋዜጠኛ Channel 4 ተሓቲቱ ወታእታእ ክብል ዝተሰምዐ

https://www.facebook.com/100009687558390/videos/145560785776839/?pnref=story ሓላፊ ፖሎቲካዊ ጉዳያት ህ.ግ.ድ.ፍን ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ተባሂሉ ዝፍለጥ የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ኢዩ ዝነበረ፣ ንሱ ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር ዘልዓለን ነጥብታት እተን ልሙዳት ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ሓሶታት “ መንግስቲ ብኸቢድ ወጻኢታት ሃገር ኣብ ምህናጽን ኣብ ምልማዕን ተጸሚዱ ይሰርሕ ኣሎ” ዝብሎ ግን ክኣ ብተግባር ዘይርአ ነገር ብምጥቃስን ካልእ ክኣ “ኣብ ልዕሌና ክኸይድ ዝጸንሐ ዓለማዊ ተጻብኦታት መኪትና ኣፍሺልናዮ” ዝብልን ነቲ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቱ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመስረተሉን ዝወረዶ ጸቕጥን ክኽሕድ እናፈተነ። ካልእ ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዝነበረ ነገር እንተነይሩ ካብ ተሳተፍቲ ሰሚናር ዝቐረበሉ በዳህቲ ሕቶታት ኢዩ ንሱ ክኣ፣-

  • መንግስቲ ስለምንታይ’ዩ ኣባይቲ ክሰርሕ ዘይክኣለ ክንሱ ንዝተሰርሑ ናይ ህዝቢ ገዛውቲ ዘፍርስ ዘሎ? ተባሂሉ ተሓቲቱ ብቑዕ መልሲ ከይሃበሉ ሓሊፉ።
  • ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ኣብ ክንዲ ሃብቶም ኣብ ሃገር ዘውፍርዎ ስለምንታይ ኣብ ፈቐዶ ዓዲ ሃገር ተበቲኖም ሃብቶምን ፍልጠቶምን ንረብሓ ካልኦት የውዕልዎ ኣለዉ? ከምኡ’ውን ኤርትራውያን መንእሰያት ስለምንታይ ሃገር ገዲፎም ይስደዱ ኣለዉ? ዝብሉን ካልእን ሕቶታት ቀሪበምሉ እኳ እንተነበሩ፣ ብዘይካ እታ ልምድቲ “ መንግስቲ ኣብ ሓያል መደባት ህንጸት ኢዩ ተጸሚዱ ዘሎ እትብል ናይ ሸፈጥ ሓረግን ከምኡ ድማ ነታ“ ንርህዉ ጽባሕ ሎሚ ንስራሕ” እትብል ካብ ሶሻሊስት ዝተቐድሐት ባዶ ዝመብጽዓኡ ከኒና ጥራሕ ኢዩ ኣዚዝሎም። ካልእ ካብቲ ዝገርም ብዛዕባ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ኤርትራ እንክምልስ ኣይ ከም’ቲ ንጋዜጠኛ Channel 4 ክሳዱ ጓዕጺጹ “ሓሶት’ዩ ዝተጋነነ’ዩ” ክብል ወታእታእ ዝበሎ ዘይኮነ ብዘይሕንከት ኣንትዕ ኣቢሉ ናይዚ ጠንቂ እተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ኣዴታቶምን ኣብዚ ዘለኽን ኣዴታት ኣዝማዶምን ብእትህብኦም ዘየሎ ተስፋ ኢዮም ገነት መሲልዎም ኣብዚ ኹሉ ሽግር ዝወድቁ ዘለዉ፣ ናይ’ዚ ተሓተቲ ድማ ንስኽን ኢኽን ክብል ተሰልቢጡ ምምላሱ ኢዩ። ብድሕርዚ ኩሉ ተሳታፋይ ሰሚናር ብኣመላልሳኡ ብምግራም ቅጭ ስለ ዝመጾ ኣቓልቦ ኣይሃቦን ጥራሕ ዘይኮነ   ኣስደሚምዎን ክዒብዎን ኢዩ ዝወዓለ።

 

ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ህግደፍ ብድሕሪ’ዚ ዝገበሮ ፍሹል ፈስቲቫል ሎንዶን ነቶም ቀንዲ ወይጦታቱ ኣኽቲቱ ያእዪ ንሱስ ነቲ ብጽጋቡን ብሕጊ ኣልቦ ኣከያይድኡን ዕንደራኡን ዝተበየነሉ እገዳ ንኽልዓለሉ ዝጽውዕ ኣብ Downing Street ኣረግቶት ኣንስቲ ከይተረፋ ብሓሶት እናደናጊሩ፣ ሃገርና ክሸጥዋ ደልዮም ናብ U.N ዶ ዶብና ምሕንጻጽ ኣብዮምና’ባ እናበለ ኣብ ጽርጊያ ከሕድረን ድሕሪ ምቕናይ ሕጂ ኽኣ ንጽባሕ ዓርቢ ዕለት 07/08/2015 ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታ ሰለማዊ ሰልፊ ንኽገብሩ ትእዛዙ ኣመሓላሊፉ’ሎ። በዚ ኣጋጣሚ ኩልኹም ኤርትራውያን ኣሕዋት ብፍላይ ክኣ እቶም መሲልኩም ክትድግፍዎ ዝጸናሕኩም እዚ ኣረሜን ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ብኡ ኣቢሉ ክኣ ስቅያት ህዝብና ንምስፋሕን ዝጽውዖ ዘሎ ሰልፊ ስለ ዝኾነ ካብ ምስታፍ ክትቁጠቡን ልቢ ከተዕብዩን ብስም እቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና ኮይነ እምሕጸነኩም።

መደምደምታ፣- ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ሕጂ’ውን ገና ሞትናን ከርተትናን ስለ ዘይጸገበልና ንዓና ብኣና ኢዩ ዝነብር ዘሎ፣ እወ! ከም ንፈልጦ እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ሓሶትን ምድንጋርን ዝነብር ስርዓት ምዃኑ ኩሉ ሃገራዊ ዜጋ ዘይስሕቶ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ግን ሎሚ እዚ ኣረሜን ስርዓት ብውሽጥን ብግዳምን ባዕሉ ብዝፈጠሮ ሽግራት ኣብ ሓያል ነውጽን ዓቕሊ ጽበትን  ኢዩ ዝርከብ ዘሎ፣ እዚ ድማ ስቕ ኢሉ ዝመጸ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማት ሓያል ጻዕሪ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ተወሲኽዎ እታ መሸንቆቓ እናጸበበቶ ትመጽእ ንርእያ ኣለና’ሞ ደጊም ይእኸሎ፣ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝፈጸሞ ዕንወት ሃገርን ብርሰት ሂወትን ክቕጽል እንተፈቒድናሉ ግን ከም ህዝብን ሃገርን ኣይክንህሉን ኢና’ሞ ሃየ! ብሐድነት ነቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ሳቦያ! ኢልና ንስራሕ ቅያ።

ንውድቀት ህግደፍ ብሓድነት ንሰለፍ!

ኣብ ዕናኡ ፈልሲ ደሞክራሲ ክዕንብብ’ዩ!

ግዱስ ዜጋ ካብ ውሽጢ ፈስቲቫል ህግደፍ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • ertra n ertrawyan August 6, 2015

    we have reached at the last point of the game. The regime is to be end shortly. The signal is the words of the messenger of the dictator which insulted for those who came to his festival.

  • hara August 6, 2015

    Thank you gdus zega sgab kemaka zibelu zigdesu zegatat zihlwu ERE GENA bzuh AWET. KinriE ina

  • gerimuna August 6, 2015

    Yemane Hibey, I feel sorry that you are selling out your soul to save your ### from the mad dictator. He is laughing behind your back that you mimicking his whim for the last fifteen years since the demise of G-15, who really are the children of Eritrea and liberated the country, not guys like you and Kisha. You were eating hot dog in America.
    It is an oxymoron that you decide on those who liberated you to jail them forever. You are responsible at the top of the list for it including the suffering and jailing the entire nation.
    You never even shot like your master a single bullet that you acting absurdly. You better adjust to the situation and time.
    Did you get that. Our people are now in different mode in how they look at a bunch of guys like you. No more respect or fear. The stage and actors have changed.

  • ERITRAWIT August 6, 2015

    ኩቡር ሃው ሃፍቲይ፡
    ኣብ uk ዝነብር አርትራዊ ሞክሰሪ የብለን ዘገርም ኢዪ ክንድምንታይ ተፈንፊኑ ከምዘሎ ኢዚይ ስራት ምስ መጋበሪያቶ። ነቲይ ሎክማስ ከዳ ተላም( ቶፎኖ )ዳ ኣደምዎ ካብ ኣመሪካ ከም ከደም ይመስለከን ውህጅ ይወስደከን ህዝቢይ ሰማም ኢውር ኣይኮነን ወዮ ሃለን መለስ ካ ብ 10 ህግደፋውያን ዳ ታጀበት።

  • ኣርዓዶም August 6, 2015

    ክቡር ጽሓፊ ግዱስ ኤርትራዊ
    ንስኻ ሓደ ካብ ጀጋኑ ኣናብስ ክብለካ ይደሊ፡ ኣብ ዘለኻያ ኮይንካ ጥራይ ነዚ ክፉእ ስርዓት በሎ ደክሮ።
    ክቡራት ነበርቲ ዓባይ ብርጣንያ ወይ ነበርቲ ለንደን፡ ህግደፍ ኣዳልይዎ ዘሎ ናይ ሓሶት ዳንኬራ ከነምክኖን እንተኾይና፡ ኣብ ልዕሊኦም ሰላማዊ ሰልፊ ጎኒጎኖም ነቲ ሓሶቶም ዝኽሽሕ ከነካይድ ይግባኣና ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ብዝተኻእለ ኣብ`ቲ ማዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክንወጽእ ኣለና።

    ህግደፍ ሓተላ ታሪኽ ገዲፉ ክጠፍእ ምዅኑ ይራኣየኒ ኣሎ። እዚ ኹሉ ከልበትበትን ጽምእን ጥምየትን ስደትን ማእሰርትን ቕትለትን ከብቕዕ ኢዩ። ድሕሪ ህግደፍ ሰላማዊት ሕጋዊት ሃገር ክንገብራ ኢና።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ፡ ደላይ ሰላም።

  • k.tewolde August 6, 2015

    The blame game , that’s HGDEF’S famous defense mechanism. They don’t take responsibility. It is always somebody else’s fault. The monkey is just monkeying around.

  • hh August 7, 2015

    Haki dyu ezi Abraha Kasa teasiru zbil zena ab Ze Habesha zbil website b amharigna tezergihu zelo

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply