Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈዳይ ሕነ

ፈዳይ ሕነ ረድኢ ክፍለ(ባሻይ)መስከረም 20-2013 ኣንታ ፈዳይ ሕነ ኩላ ተርክበላ ነቶም ጸላእትኻ ትዓጽዶም ብጅምላ በቲንካዮ’ምብኣር መዓስር ዕዋላ   ታሕቲ ዝወረደ ደኒንካ ትስሕቦ ንላዕሊ ዝኸደ ደይብካ ተርክቦ ንስኻ ትኽእሎ ወዮ ሳምቦ-ሳምቦ   ርገጽ ንቕድሜኻ ኣለና ምሳኻ ከውሒ ዝነበረ ክትቅይሮ ሸኻ ጅግና ፈዳይ-ሕነ ትፈትሕ ማሕለኻ   ዝቝለብ ትቘልብ ዝድርበ ትድርቢ ሓረግ ወለዶና

ፈዳይ ሕነ

ረድኢ ክፍለ(ባሻይ)መስከረም 20-2013

ኣንታ ፈዳይ ሕነ ኩላ ተርክበላ

ነቶም ጸላእትኻ ትዓጽዶም ብጅምላ

በቲንካዮ’ምብኣር መዓስር ዕዋላ

 

ታሕቲ ዝወረደ ደኒንካ ትስሕቦ

ንላዕሊ ዝኸደ ደይብካ ተርክቦ

ንስኻ ትኽእሎ ወዮ ሳምቦ-ሳምቦ

 

ርገጽ ንቕድሜኻ ኣለና ምሳኻ

ከውሒ ዝነበረ ክትቅይሮ ሸኻ

ጅግና ፈዳይ-ሕነ ትፈትሕ ማሕለኻ

 

ዝቝለብ ትቘልብ ዝድርበ ትድርቢ

ሓረግ ወለዶና ምዓንጣ ሽም ንህቢ

መርዚ ንጸላእቱ ደቒቕ ዘየጸቢ

 

ምኽኣል ስኢንናዮ እንተተሰደድና

እንታይ’ሞ ’ለዎ ንዓኻ ወሊድና

እምም በል ኣጆኻ ዋሕስ ዕገተልና

 

ከምቲ ናይ ዓንተቦ ሰምበል ምሰ ጸጸራት

ከም ናይ ዓዲ ዃላ ጒዳም ትኣምራት

ብተኮ ማሕለኻ ፍትሓዮም እሱራት

 

ኣይኰነንዶ ህግደፍ ንእሽቶይ ጽልቓ

ደርጊ ደምሲስናዮ ምስ ሓያል ጠበቓ

ናይ እንዳመን ዓቕሊ ሃገር ተሰሪቓ

 

ሕጂ’ውን ኣይጠፍኡን ኣለዉ ደማሙ

ኣመልያ ምስ መግነዝ ምሒሎም ዝጠልሙ

ህግደፍ ጻሕሊ ’ስኽትት ንሳቶም ቀመሙ

 

ኣለልዮም ድኣ ብዓል ክናምና

ፈርከሽከሽ አመሎም ትሕዝቶኦም ኳና

ብዓል ጸያቕ ማዕጺድ ተፋሊጥና ’ለና

 

ንፈር ድአ ንፈር ብረረ-ብረረ

ቀረባ ክትገብሮ ርሑቕ ዝነበረ

ኣንታ ብዓል ግርማ ደበና ዕምብረ

 

ምድረ ሽማግለ ደጊም ንበል ሕራይ

ለምለም ዳስ ሃገርና ተጀሚሩ ውራይ

ዝራብዕ ዝጸሪ ዕረፍቲ ንተስታይ

 

ደብሱወን በሉ ነዴታት ኤርትራ

ሰብሰብቲ እጅገ ደቂ ማእከል ኣውራ

ሕጻበን ዝስተ ውሕጅ ሩባ ዛራ

 

ፈጥፈጥ ኣበልካዮም ትሕዝትኦም ዓመጽ

ብተዂሲ ሃንደበት ኣርገጽካዮም ረመጽ

ኣንታ ትወላወል ድሕሪ ደጊም ቅበጽ

 

እዚ’ሞ ዝብጣዩ ዓውድስ ኣሎ ገና

ቀማሚጦ ዓወት ኣሎ ናብ ቅድሜና

ወዲ ሰባር ማዕጺድ በረኻ ገደና

 

ቃሕ እንተበለካ ዋሽንቶን ትጥሕስስ

ለጠቕ ኢልካ ድማ ቻርሎት ተረማስስ

ሕሳብ ከይተዓጸወ ወድ-መን ክድቅስ

 

ዓነውነው ተብሎ ድፋዕ በብሓደ

ብሕጂ’ውን ኣሎ ካልእ ተዋደደ

እሙን ወራስ ዓራት ነዊሕ ዝዓረደ

 

ህግደፍ ጸላእትኻ እምብዛ ፈሊሎም

ማህጸን ኣዴታትካ ዕጅብከ ተዝብሎም

ጅግና ፈዳይ ሕነ ይኣኽለኩም በሎም

 

ትፈትዋ ሓብትኻ ሕጻ ተደፊና

ፍንጫሕ መስንገልካ ተደፊኡ ’ብ ጎና

ኰርዒዳ ተልዓል ዓጽመ ስጋ ዋና

 

ወደ’ምበሳ እንዲኻ ኣንታ ፈዳይ ሕነ

ወዲ’ቶም ዳኛታት ወድ’ቶም ምስሌነ

ብህግደፍ ክትድፈር ዋርድያ ኽሽነ!

 

ዳዕሮ ናይ ዓድኻ ሕጊ ዝጸድቀሉ

ሽባኻ ሃገርካ ሰብ ዝማጐተሉ

ዘንጊ ዝድርብዩ ነጊሶም ዓዋሉ

 

ይትረፍ ጠበንጃኻ ጭራኳ ትኣኽሎም

እሽ ኢልካ ዝኸዱ ጽንጽያ ’ንድኣሎም

ተሃሚልካ እንዲኻ ድንን ኣብዚሕካሎም

 

ዓድኻ ኤርትራ ምግዳል አመላ

ለምለም ባንዴርኣ ኣውሊዕ ዝጽላላ

ኣይትውዕሎን ግዲ ብወላዲት ሻላ!

 

ተፍቅሮ ህዝብኻ ደም ሰሪቡ ዓይኑ

ግዜ ’ንድዩ በሊዑ ደንጒኹም ጀጋኑ

ደምቤና ባዲሙ ገበላ መኺኑ

 

ኣንበሳ ንስኻ መሰንገልካ ዋዕሮ

ዝፍታሕ ፈቲሕካ ዝእሰር እሰሮ

ኣብ ቅርዓት ዓደ’ቦ ክህረም ኮቦሮ

 

ኣንታ ውዲ ጽዕዲት ጓጒድ ዝትርኣሱ

ወዲ ሰጋር በቕሊ ኣምበላይ ፈረሱ

ንስኻ ከለኻስ ጠላማት ክነግሱ!

 

ወዲ ገርሂ ልባ ተዓኒድካ ’ብ ሳዋ

ሕንቅልሕንቅሊተይ ዘይነበረ ጽዋ

ለካ ትኽስ ድሙስ መዘንግዕ ኣንጭዋ

 

ብሰላም ዝመጸ ዓጸፋ ትኸፍሎ

ተጋግየ ዝበለ ይቕረ ’ኹንካ ትብሎ

ንምብለይ ዝበለስ ድሎ ከይትዕሎ!

 

ብኢደ ወነኑ እንድሕሪ ተሸይሙ

እዝኒ ተዓዲሉ እንድሕሪ ጸሚሙ

ብጺሕቱ ’ወስድ ከምቶም ዝቐደሙ

 

ምድናኑ ኣይተርፎን’ዩ ተደፊኡ ፍግም

ቆራይ ኢደ እገሪ ናበይ ከይሃድም

ናይ ህግደፍ ማራቶን ብሸበጥ ቅድድም

 

ዋዛ መሲሉዎም መንእሰይ ወራሲ

ወዲ መጋርያ ’ሓ ወዲ ጻዕዳ ማእሲ

እታ ሓንቲ መላእ እታ ሓንቲ ሕርሲ

 

መንእሰይ ሃገረይ አንበሳ በረኻ

ሽበት ምልክቱ ኣለኹ ምላኻ

ኣርኪቡ’ንድዩ ግዜ መን ድኣ ደሊኻ!

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Genet September 24, 2013

    Well done brother! Well done!
    Genet

  • COW FACE September 24, 2013

    ኣቤት ግጥሚ ኣቤት ኣዋዳድቓ ቃላት! ንኢሳያስዶ ሓንኲሉ ኣየውድቖን!!! ይግበረልናኸ ዓድና… ከም ኣፈይ ይግበሮ።ብድሕሪዛ ግጥሚ እዚኣ ኢሳያስ ሓንቲ ለይትሪ ኣብ ስልጣን እንተጸኒሑ ክንርኢ ኢና.

    ወይ ጉድ ፣ወደን ከይሓምያስ ወዲ ወደን ይብሉ ዓድና

  • ERITRAWIT September 25, 2013

    AJOKA ,AJOKA ,AJOKA. ALENA FEDAI HENE OUR BROTHER!!!

  • Meretse Asmelash September 25, 2013

    ዮውሃንሰ መስቀለ
    እንቛዕ ተቀልቀለ

POST A COMMENT