Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍሉይ መደብ ኣሰና ብምኽንያት ምብጻሕ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ

ክቡራት ተኸታታልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ከምዚ ልኡኽና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጋዜጠኛ ዓይነታ ኣብ ከባቢ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ተረኺቡ ከምዘረጋገጾ፡ ልኡኽ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርኻብ ሎሚ ድሮ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ `ሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡

ክቡራት ተኸታታልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ከምዚ ልኡኽና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጋዜጠኛ ዓይነታ ኣብ ከባቢ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ተረኺቡ ከምዘረጋገጾ፡ ልኡኽ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርኻብ ሎሚ ድሮ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ `ሎ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ጠለብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግሉጽ ኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውከል ባይቶ ኮነ ካልእ ህዝብና ርእይቶኡ ክህበሉ ዝኽእል መድረኻት ስለዘየለ፡  እቲ ብኢሳይያስ ተላኢኹ ዘሎ ጉጅለ ከመይ ዝኣመሰለ ዛዕባ ሒዙ ከይዱ ከምዘሎ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሕቶ ዘልዕል ጉዳይ ምዃኑ ርዱእ እዩ።  ነዚ ሕቶ `ዚ ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ ዝገብሮ ግን፡ ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ሳልስቱ፡ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ንምምሕያሽ ከም ሎቢ ኮይና ኣብ ምስራሕ ዝተዋፈረት ሚስ ብሮንዊን ብራተን ዝተባህለት ኣብቲ ኣትላንቲክ ክውንስል ዝተባህለ ትካል ብሓላፍነት እትሰርሕ ብዓልቲ ሞያ ብ 22 ሰነ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝጸሓፈቶ ምድንጓዩ ዘይጽላእ ሰላም ዝብል ዓንቀጽ፡ ኣማኸርቲ ኢሳይያስ ከምዝነገሩኒ፡ ቅድሚ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ምፍታሕ ዘገድሶም ምርግጋእ ኢትዮጵያ ምዃኑ ምግላጻ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብዶብ ኣመኽንዩ ን 20 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኲናትን ተጻብኦን ሸሚሙዎ፡ ንውሽጣዊ ጉዳዩ `ውን ጅሆ ሒዙዎ ጸኒሑ ክንሱ፡ ሕጂ ኢትዮጵያ ቅሩባት ኢና ብዘይ ቅድመ ኩነት ውሳኔ ዶብ ከነተግበር ኣብ ዝበለትሉ እዋን፡ ኣይፋልን ቀዳምነትና ንሱ ኣይኮነን ምባሉ ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ብምዃኑ

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ተልእኾ ልኡኽ ኤርትራ ኣመልኪትና ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ምሁራትን ዜጋታትን ሓሳቦም ከካፍሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ዓዲምናዮም ኣለና።

ምክትታልኩም ድማ ነመስግን።

ኣብዚ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘተኮረ እዋናዊ ዜናን፡ ምስ መራሕቲ ተቓውሞን ግዱሳት ዜጋታትን፡ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ካብ ሽወደን፡ ዶ/ር ገብረ ገብረማርያም፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ  ካብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣቶ በረኸት ካሕሳይ ካብ ሸፊልድ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቕመጥ ኤርትራዊ ሓው ቴድሮስ ከምኡ `ውን ስነጥበበኛ ኢትዮጵያዊ ሓው ተስፋይ ዝገበርናዮ ሓጸርቲ ዝርርባት።

ኣብ ሓድሽ ቻነል ASSENNA NEWS ክትረኽቡዎ ከምእትኽእሉ ነዘኻኽረኩም፡ ምእንቲ `ዚ ኮነ ንቐጻሊ እዋናዊ ሓበሬታ ክትረኽቡ ኣብ ASSENNA NEWS ቻነል Subscribe ክትገብሩ `ውን ነዘኻኽረኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Haben Zeray June 27, 2018

    If the border dispute is over. If there is reconciliation between Ethiopia and Eritrea. Then the process of reconciliation within Eritrea must be allowed. You cannot have peace with your neighbor if you don;t have peace within yourself. To achieve this my thoughts are:
    1. All Eritreans must be ready to forgive and the leadership must be ready to let go and offer the Olive branch to all factions..
    2. Releasing all political prisoners.
    3… Implementation of the constitution.
    4. Inviting the opposition into Eritrea and reconcile differences.

    I may be dreaming but who said it is wrong to be hopeful.

    • Wedi Hagher June 27, 2018

      Reconciliation is possible only if the regime is ready for that.
      If history is a guide to look into the future, these people, throughout the years, have used every opportunity, to completely annihilate those who disagree with them, as if they were insects. There isn’t a single in stance in history, in which they were ready to show mercy, forgive and forget. They were making call for unity, peace and understanding, only to make more victims.
      In their culture there is no forgiveness and love for the other, there is no a win-win solution to any problem, there are only winners and losers. They are experts of zero sum game.
      No decent person in his/her right mind thinks they can make peace with anyone. If devil personifies evil, they are much worse than that.

  • Amanuel June 27, 2018

    Giziom halifu expire kab zigebru ametat halifu eyu. Amaxaxioom, atehasasibom kem weyane silezikonu kabomwin silezikefu nihna neti zeyterif nidalo. Kiliwetu aykielun eyom. Zeyterif maebel dima kerkibom eyu.
    Nisoms esurat ayfethu, siltanu ayerekibu, hige mengistina ayetegbru, eti nay egziabher zihabena meselna ayfekdu kemzelewuwa mikniat endafeteru kinebru kiftunu mukanom gilxi eyu.
    Abiy tewaridu bmurkus zinkesakesu husurat gahafat aregewti kab airport kikibeln kimelisn. Day care misrah mihasheto.

Post a Reply to Amanuel Cancel Reply