Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ምድማር ዘይብሉ

ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ምድማር ዘይብሉ ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ኣስመራ ከሎኹ፡ ኣብ ገለ ዱኳናት ዚርእዮ ዝነበርኩ፡ ኣብ ነኣሽቱ ታቤላታት ተጻሒፉ ዚንጥልጠል ዝነበረ ምልክታታት ትዝ ይብለኒ፥ ''ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ልቓሕ ዘይብሉ'' ዚብል እዩ ነይሩ። እቶም ንኸምዚ ዝዓይነቱ ታቤላታት

ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ምድማር ዘይብሉ

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ኣስመራ ከሎኹ፡ ኣብ ገለ ዱኳናት ዚርእዮ ዝነበርኩ፡ ኣብ ነኣሽቱ ታቤላታት ተጻሒፉ ዚንጥልጠል ዝነበረ ምልክታታት ትዝ ይብለኒ፥ ”ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ልቓሕ ዘይብሉ” ዚብል እዩ ነይሩ። እቶም ንኸምዚ ዝዓይነቱ ታቤላታት ኣብ ድኳናቶም ዘንጠልጥሉ ዝነበሩ ነጋዶ፡ እቶም ብልቓሕ ዝደንገሉ ሰባት እዮም ነይሮም። ዚልቃሕን ዘይመልስን ሰብ ምስ በዝሖም ድማ፡ ነዚ ምልክታ’ዚ ኪጥቀሙሉ ተገዲዶም። ገሊኦም ድማ ድኳናውቶም ዓጽዮም ዓዲ ቀዪሮም።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ብምድማርን ቀጺሉ ብዚመጽእ ምትላልን ምዕማጽን ዝላደና ሰባት ኢና። ስለምንታይ እዮም ጎረባብትናን፡ እቶም ናይ ህዝቢ ስቓይ ዘይግድሶም ኢምፐርያሊስትታትን  ብሰላም ዘይገድፉና? ንሳቶም ድዮም ዘይሰምዑ ኮይኖም ወይስ ንሕና ኢና ዘይንስክሕ ኴንና። ኣብ ህይወትና ብዙሕ ግዜ ተደሚርናን ተደማሚርናን ኢና፡ ግን ካብዚ ምድምማር እዚ እንትርፎ ንዕቀትን ውርደትን ምንም ዝረኸብናዮ ረብሓ የልቦን።

ምስዚ ኹሉ ግን፡ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ሃገራዊ ድኳኑ፡ ነቲ ከም ኣርእስቲ ቀሪቡ ዘሎ ታቤላ ከንጠልጥሎ ዚደሊ ኣይመስልን፡ ዚግድሶ እውን ኮይኑ ኣይረአን። ከመይሲ፡ የለቅሕ ግን ከም ዘይምለሰሉ እናፈለጠ የጽቅጥ። ይድመር፡ ውጽኢቱ ድማ ንዕቀትን ውርደትን ምዃኑ እናተገንዘበ ኸሎ፡ ገለ ከም ዘይኮነ ስቕ ይብል። ህዝብና ይታለል ምህላዉ መኣስ ከም ዚስቆሮ ጠፊኡና ኣሎ።

ንኹሉ ብጓይላን ብኸበሮን ምቕባል ኮይኑ። ጣልያን ኪኣቱ ኸሎ ብኸበሮ፡ ኪወጽእ ከሎ ብኸበሮ። ሃይለ ስላሴ ኪኣቱ ብኸበሮን ብደወልን፡ ኪግልበጥ ብኸበሮን ብጸርፍን። ደርጊ፡ ህግደፋውያን ወዘተ. እውን ከምኡ። ኩሉ ብኸበሮ ኾይኑ። ኣቕሽሽቲ’ውን ብወገኖም ኣይሓመቑን። ብታቦትን ጸናጽልን ገይሮም ብዙሓት ጸላእትን ገዛእትን ኣእትዮምልና  እዮም።

ትማሊ ትማሊ እውን ዝረኣናዮ ናይ ከበሮ ምርኢትን ድራማን ኣስደሚሙና እዩ። እዚ ናይ ረፈረንዱም ባህርያትን ተንኮልን ዝሓዘለ ህዝባዊ ኦርከስትራዚ ሽሕኳ ብህግደፋውያን እተቐናበረን እተመርሐን ተዋስኦ እንተ ነበረ፡ እቶም ሰብ ኦርከስትራ ግን ግርም ገይሮም እዮም ነቲ ዕዮ ዝፈጸሙዎ።  ኣትን ሰብ ከበሮ፡ አረ ብኸበሮ ጌርክን ገለ ከይተእትዋልና!!  ከምቲ ንበዓል ኢንፍሉወንዛን ንኣተግበርቱ ዝኾና ደቂሕድርትናን ብኸበሮ ጌርክን ተፋንዋ ዝነበርክን፡ ነቶም ከም ሽላ መንነትና ኪምንጥሉ ዝደልዩ ደኣ እንታይ ኴንክን ኢኽን ብኸበሮ ጌርክን ዘይተፋንዋልና!!

ፍቕሪ ኣብ ፖለቲካ ቦታ የብሉን፥ ከመይሲ ፈቲና ጸሊእና፡ ፖለቲካ ናይ ረብሓን ስትራተጅን ሳየንስ እዩ። ፍቕሪ ምናልባት ከም ስትራተጂ ይስርሓሉ ይኸውን። ከም ስትራተጂ ዚዝውተር ፍቕሪ ግን ቅጥፈትን ውልፍስናን እምበር ካልእ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ጽውጽዋያት እኮ ተዅላ ስትራተጅያዊ ፍቕሪ ገይሩ ንበጊዕ ቀቲሉ በሊዑዋ እዩ። እታ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ግን፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚብሎ፡ ይትረፍዶ ናይ እንዳማታ፡ ነቲ ናታ እውን ኣይትደልን እያ።

ብፍቕሪ ኪምራሕ ዚደሊ ህዝቢ፡ ንኣቡን ከም ጠቅላይ ሚኒስተር ወይ ከም ፕረሲደንት ኪመርጾ ጥራይ እዩ ዘለዎ። ውጽኢቱ ግን ኣድማዒ ኪኸውን ኣይክእልን። ይኹንምበር፡ ወላ እቲ ኣቡን እውን፡ ብፍቕሪ ኪመርሕ ከም ዘይክእል እናወዓለ እናሓደረ ኪስቘሮ ይኽእል እዩ። ሽዑ ድማ ኣነስ ናይቲ መንፈሳዊ እምበር ናይቲ ስጋዊ መንግስቲ መራሒ ኣይኮንኩን ብምባል ስልጣኑ የረክብ። ገለ ኣቡናት ግን፡ ከምቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኤውሮጳ ዚረአ ዝነበረ፡ ነቲ መንፈሳውን ስጋውን ምምሕዳር ብምሕዋስ፡ ንሃገሮምን ንቤተክስርትያኖምን ሓማሚሶም ሓሊፎም እዮም።

እቲ ኣብ ፖለቲካን ምሕደራን ኪዝውተር ዚኽእል  ብተዛማዲ ናብ መንፈሳውነት ዝቐረበ  ኣገባብ፡ ፍቕሪ ዘይኮነስ ፍትሒ እዩ። ፍቕሪ ኣብ መንጎ ውልቃውያን ሰባት ኪሰርሕ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳያት ግን፡ ፍትሒ ጥራይ እዩ ከድምዕ ዚኽእል።

ኣነ ነቲ ንሓወይ ዝቐተለለይ ሰብ ብፍቕሪ ተደሪኸ ይቕረ ክብለሉ እኽእል እየ። መንግስቲ ግን ይቕረ ኪብለሉ ኣይክእልን፡ ከመይሲ  ቀታል ሰብ ኣብቲ ብመንግስቲ ዚሕሎን ብመንግስቲ ውሕስነቱ ዚረጋገጽን ህዝቢ ከም ድላዩ ከሽኮንድር ኣይግባእን። ከምኡ ምስ ዚኸውን እሞ፡ እቲ ሕብረተሰብ ናይ ቀተልትን ዓመጽትን መፍረይን መራብሕን ኪኸውን እዩ ማለት እዩ። ብቐተልቲ እተሃንጸ ሕብረተሰብ ድማ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ምውራርን ምዝራፍን ሓሊፉ ዚገብሮ የብሉን። ከምዚ ንኸይከውን ብማለት ድማ፡ ሓደ መንግስቲ ብፍትሒ እምበር ብፍቕሪ ኬመሓድር ኣይግባኦን። እንተ ፈተነውን ኪሰርሓሉ ኣይክእልን።

ንኹሉ ከተሐጉስ ምድላይ፡ መወዳእታኡ ምስ ኩሉ ምጽላእን ምብኣስን ምዃኑ ኪዝንጋዕ ኣይግባእን። ብስም ፍቕሪ ኢልካ፡ ንኹሉ ደስ ከተብሎ ምፍታን፡ ጸላእቲ ምብዛሕ ከም ዝኾነ ተመክሮ ዚምስክሮ ሓቂ እዩ። ወድሰብ ካብ ፍቕሪ ንላዕሊ፡ ፍትሒ እዩ ዚደሊ። ብፍትሒ ገይሩ ኸኣዩ መሰሉን ግዴታኡን ኪፈልጥን ከተግብርን ዚኽእል። ፍቕሪ ዕዉርቲ ብምዃና ነቲ ቀጣፍን ነቲ ቅኑዕን ክትፈልዮም ኣይይትኽእልን። ፍትሒ ግን ኣዒንታ ነጺረን ስለ ዚርእያ፡ ነቲ ወልፋስ ካብቲ ረዚን፡ ነቲ ህግደፋዊ ካብቲ ሃገራዊ፡ ነቲ ማፍያ ካብቲ ጭዋ፡ ነቲ ፈሽኳል ካብቲ ውርዙይ፡ ክትፈልዮን ግቡኡ ክትህቦን ትኽእል።

ክንደይ መራሕቲ ሃገር እዮም ከበድትን ልቢ ዚነኽኡን ቃላት እናኣዘውተሩ ንህዝቦም ዘይተጻወቱሉ። ሂትለር፡ ናይ ዓሌት መንግስተሰማያት ብምስባኽ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ጀርመናውያን ኣብ ናይ ኵናት ገሃነምእሳት ኣእትዩዎም ዓሪቡ። ናስር፡ ናይ ዓረብ ሓድነት ብምስባኽን፡ ካሊፋዊ ሕልሚ ከም ስትራተጂኡ ብምውሳድን፡ ንሃገሩን ንኻልኦት ሃገራት ኣዕራብን ኣብ ናይ ውርደትን ሕፍረትን ዓዘቕቲ ሸሚሙዎም ተዓዚሩ። ለኒን ድማ ምጽኣት ናይ ሰራሕተኛታት መንግስተሰማያዊ ሃገር ብምስባኽ ኣብ ሃገሩ ምስ ባርነት ዚመሳሰል ምሕደራ ተኺሉ ተፋንዩ። ገሃነምእሳት ዚጥዕም መንግስተሰማይ ዝተመክሩ ሩስያውያን ድማ፡ ነቲ ዚትምነዩዎ ዝነበሩ ካፒታላዊ ምሕድራን ንሱ ዘምጽኦ ሃብትን ብልጽግናን ብርሑቕ ብምርኣይ፡ ከምቲ ዝብእስ ብስጋ እተሰርሐት ከተማ ኣላ ምስ በሉዎ፡ ኣበይ ከይበለ ሃፍ በለ እተባህለ፡ ኣብቲ ናይ ህርፋንን ሃርጎምጎምን ዓለም ከዕነውንዉ ይረኣዩ ኣለዉ።

ሓደ ነገር ንኪድኰን ግዜ ይወስድ እዩ። ብፍላይ ጽፉፍን ድልዱልን ኣቕሓ ወይ ቅርጺ ንምስራሕ ብዙሕ ግዜን ጉልበትን ተመክሮን ገንዘብን ይወስድ እዩ። ብታህዋኽ ዚስራሕ ነገራት፡ ወይ ኪስበር፡ ወይ ጉድኣት ከስዕብ፡ ወይ ንርእሱ ተባላሽዩ ንኻልእ ከባላሹ እዩ ዚረአ። ስለዚ ንኹሉ ነገር ቀስ ኢልካ ክትሰርሖ ከሎኻ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎን፡ ነቲ ኣብ ድልዳለኡ መሰረታዊ ዝኾነ ዝርዝራውን ደቂቕን ነገራት ክትምልከትን ከተዐርን ግዜ ስለ ዚህበካ፡ ውጽኢቱ ኣድማዒ እዩ። ብጉያን ብስምዒትን ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን ዚትግበር ዝኾነ ይኹን መስርሕ ግን ኣብ መወዳእታ ስቓይን ጓህን ጣዕሳን ጥራይ እዩ ዘኸተል።

ሓንቲ ሃገር፡ ጥራይ ብጎቦታትን ለሰታትን ወሓይዛትን ዱርን ወደባትን ገጠራትን ከተማታትን እተሃንጸት ኣይኮነትን። ንሓንቲ ሃገር፡ ሃገር ዚገብራ፡ እቲ ህዝባ እዩ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ኣብ መንጎ ሃገራት ዚግበር ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ውዕላትን ስምምዓትን፡ እቲ ተረባሒ ብቐዳምነት እቲ ህዝቢ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ከምዚ ዘይገብር ውዕላት ወይ ስምምዓት ድማ ይጋገ ጥራይ እዩ ዘሎ። እቲ ነዚ ጌጋዚ ዚኽፈሎ ዋጋ ድማ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ።

ህዝቢ ግን፡ ካልእ ኣካል ኪዋገየሉ ከሎ፡ ከም ከብቲ፡ ስቕ ኢሉ ኪርኢ ኣይግባእን። ኣብ ዓለምና ብመራሕቶም እተሸጡ ኣህዛብ ብዙሓት እዮም። ብኣካል ተሸይጦም ዘይኮነስ፡ መሬቶም ወይ ባህሎም ወይ ቁጠባኦም ወይ ማሕበራዊ መሰሎም ኣብ ዕዳጋ ኪወርድ ኸሎ፡ ተሸይጦም ማለት እዩ። ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ መሸጣ ባረዩ ብኻልእ መልክዑ ከይመጸና ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ክሕብር እፈቱ።

ይኹንምበር ምሉእ ዘበንካ ካብ ሓደ ዓይነት ባርነት ናብ ካልእ ዓይነት ባርነት ክትሓልፍ ምንባርካ፡ ነቲ ባርነት ከም እትለምዶ ኪገብረካ ስለ ዚኽእል፡ ነቲ ኣስጋኢ ዝኾነ ብድሕረኻ ዚካየድ ናይ መሸጣን ጥልመትን ናይ ምድማርን ጥርጣረታት ካብ ርሑቕ ብምሽታት፡ ተዳሊኻን ጎሪሕካን ምጽናሕን እምቢ ምባልን ናይ ኩሉ ብኣርኣያ ስላሰ እተፈጥረ ሰብ ግዴታ እኳ እንተ ኾነ፡ ኣብዚ ግዜዚ ግን ብፍላይ ንኤርትራውያን ዚምልከት ከቢድ ጉዳይ እዩ!!

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • senkam August 11, 2018

    As always memhr Amanuel Sahle hit the nail in the head about the current development under the name of ‘peace’. Eritreans are still under iron fist rule of a despot. The jubilation seen in Asmara was organized by pfdj. How did pfdj did it ? they told the people we are making peace with Ethiopia. Knowing that was the excuse used to suspend normal life, the people exploded in joy when they were told that situation is gone now. They were hoping the time of ‘hires harestay, nged negaday’ has finally come. The one clear indication this was orchestrated by pfdj is the presence of the Ethiopian flag which no one in Eritrea has or has any reason to keep it. pfdj produced and delivered it.

    With in a couple of days the secrete pfdj was brewing under the ‘ peace’ become naked. The meaning of ‘medemer’become clear to every Eritrean that it doesn’t mean to live peacefully as neighbourly soverign states respecting each other as two people and two countries with clearly demarcated border. Instead it was the start of a process that will try to swallow Eritrea into Ethiopia. This would be the most opportune time for Ethiopia because in Eritrea all business is dealt with a single old man .He successfully used the Eritrean case to prepare himself to be emperor in ethiopia by pretending as pro Eritrean and systematically building his image as so throughout Eritrea, believing he can use the people’s unquestionable trust towards him to smoothly unite Eritrea with Ethiopia and become a ruler of that bigger empire for himself. The latest war with woyane was initiated because of this hidden ambition. The outcome of the war seemed to completely erased his dream ( as woyane won the military, political, diplomatic and economic aspect of it). Staying isolated and cornered as pariah. some fortune came to visit him as a wave of domestic protests hit woyane hard which resulted in a political dynamics in Ethiopia. This change left woyane to be kind of sidelined from being the main actor in the politics of Ethiopa but still existent. Reading this ambitious man, isayas jumped to the game. and he accepts the same peace proposal that was there by woyanes albeit no woyane in the main power. isayas move is NOT about peace rather it is about revenge on woyane. Though he has witnessed his ambition to rule larger and bigger empire evaporated before his eyes long a go, the anguish and rage of that fact was dilapidating and degrading him for all these years. So, if he get even the slightest of a chance he would not hesitate to do harm on his enemies. His number one enemy is the Eritrean people, woyane being a distant second enemy. All his maneuvers in this current development is to inflict the heaviest damage on both enemies.

    • Gezae August 11, 2018

      The Game is over- you need to get away
      Pack your bags to no place- in no time no day.

      You and I we used/were each other’s shoulder
      For decades but somehow now we are so much older.

      In in consideration of this chaos and madness
      Can’t help your feeling nothing more than to acquiesce.

      You and I we conveyed each other several story
      Just a page /sprinter you have lost in all its glory.

      At most people have shown you their mood
      I believe the message is well understood.

      As of now progress has been taken by neighboring country
      Sorry albeit you argued aimlessly, you have failed miserably.

  • Haqu August 11, 2018

    መምህረይ ይብሉ፥
    “ብጉያን ብስምዒትን ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን ዚትግበር ዝኾነ ይኹን መስርሕ ግን ኣብ መወዳእታ ስቓይን ጓህን ጣዕሳን ጥራይ እዩ ዘኸተል።”
    ኣንቱም መምህር ፈሪህኩም ዲኹም? እዚ ደኣ ንኣቶ ኢሳያስን ህግደፍን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እዚ ነቲ ናታትኩም መማህርትን መታዕቢትን ወለዶ ዝፈጠሮ ፡ “ብጉያን ብስምዒትን ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን ዚትግበር …” ሓንሳብ ገድሊ ወይ ኣል ሳውራ እትብልዎ “ሕልማዊ ተስፋ” እንዶ ኣይኮነን፧
    ሓንሳብ ንቻይናን ሕበረት ሶቭየትን ዝበዝሔ ድማ ነቶም ድሑራትን ብባርነትን ፋሽሽትነትን ዝምርሑ በዓዝያውያን ኣል ጃማሂራውያን ፡ ወረ ገሊእምሲ ስጋብ ሕጂ ዘይበለየሎም ነቶም ጀሃዳውያን ናይ በዓል ስዑዲ ክመስሉ መንነቶም ታሪኾም ቋንቋታቶም ዝጽልኡን ዝነዓቑን “ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን” እንዶ ኣይኮነን?
    እዛ ኤርትራና ደኣ ኣብ ምድማር ወይ ዘይምድማር ከይብጽሔት ብዓንተቡ በቲ ናይቶም ተማሂርና ኢና ኢልኩም ታሪኽኩም ኣቦታትኩም እኖታትኩም መበቆልኩም ቋንቋታትኩም ዝነዓቕኩም እንድያ ተረሚሳ። ንሕና ተደሚርና ወይ ኣይተደሚርና እነምጽኦ ለውጢ የልቦን። ንሕና ኣሽንኳይ ክንድመር ኩሉ ዓለም ዝፈንፈነና ፡ እዞም ሰሓብቲ ገመል ደናቑር ናይ ዓረብ ራሻይዳ በደዊን ፈቐድኡ ዝሸጡናን ዝልውጡናን ፡ ኮላሊትና መዝሒቖም ዝጉሕፉና ፡ ኣዋልድናን ኣንስትናን ካብ ኢድና መንጢሎም ዝጻወቱለን ፡ ንዓና እውን ከም ኣጣል ዝሸጡና ተደሚርና እነምጽኦ ነገር የልቦን።
    መምህረይ ፡ ሓቂ ብዘይ ሽፍንፍን ዓቕምና ብቕዓትና ፈሊጥና ምዝራብ ይሕሸና ። እንድዒ ንስኹም ኣበየናይ ዓለም ከምእትነብሩ እምበር እዛ ገድልና ሰውራና መስሪትዋ እትበሃል ኤርትራ ፡ ምድማርን ምጉዳልን ይትረፍ ፡ ነታ ካብ ኩሉ ዝዓቕብናያ ሂወትና እውን መዕቆቢ ስኢናላ ከርተት ኢና ንብል ዘለና። ሓንሳብ ከም ኣጣል በድዊን ዓረብ ይኽብኩቡና ፡ ሓንሳብ ይጻወቱልና ፡ ነዛ መቐመጫና ውን ምሕላዋ ዝጨነቐና ህዝቢ ኴና ኣሎና።

    • k.tewolde August 12, 2018

      Haqu,the last paragraph of your post reflects your sadistic soul,you are indeed licking your chops at the misery of the Eritrean people which was perpetrated by the tyrant and his henchmen making you one of them.You keep on with your sarcasm and making fun of the Eritrean people like your boss,by the grace of God your days are numbered.

  • Solomon August 12, 2018

    Thanks Mr. Amanuel,
    This article is full of quotable quotes. The two i like most are :
    ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ምድማር ዘይብሉ and ኣብ ፖለቲካን ምሕደራን ኪዝውተር ዚኽእል ብተዛማዲ ናብ መንፈሳውነት ዝቐረበ ኣገባብ፡ ፍቕሪ ዘይኮነስ ፍትሒ እዩ።
    Justice for Eritreans!!

POST A COMMENT