Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ምድማር ዘይብሉ

ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ምድማር ዘይብሉ ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ኣስመራ ከሎኹ፡ ኣብ ገለ ዱኳናት ዚርእዮ ዝነበርኩ፡ ኣብ ነኣሽቱ ታቤላታት ተጻሒፉ ዚንጥልጠል ዝነበረ ምልክታታት ትዝ ይብለኒ፥ ''ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ልቓሕ ዘይብሉ'' ዚብል እዩ ነይሩ። እቶም ንኸምዚ ዝዓይነቱ ታቤላታት

ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ምድማር ዘይብሉ

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ኣስመራ ከሎኹ፡ ኣብ ገለ ዱኳናት ዚርእዮ ዝነበርኩ፡ ኣብ ነኣሽቱ ታቤላታት ተጻሒፉ ዚንጥልጠል ዝነበረ ምልክታታት ትዝ ይብለኒ፥ ”ፍቕሪ ምስ ኩሉ፡ ልቓሕ ዘይብሉ” ዚብል እዩ ነይሩ። እቶም ንኸምዚ ዝዓይነቱ ታቤላታት ኣብ ድኳናቶም ዘንጠልጥሉ ዝነበሩ ነጋዶ፡ እቶም ብልቓሕ ዝደንገሉ ሰባት እዮም ነይሮም። ዚልቃሕን ዘይመልስን ሰብ ምስ በዝሖም ድማ፡ ነዚ ምልክታ’ዚ ኪጥቀሙሉ ተገዲዶም። ገሊኦም ድማ ድኳናውቶም ዓጽዮም ዓዲ ቀዪሮም።

ንሕና ኤርትራውያን፡ ብምድማርን ቀጺሉ ብዚመጽእ ምትላልን ምዕማጽን ዝላደና ሰባት ኢና። ስለምንታይ እዮም ጎረባብትናን፡ እቶም ናይ ህዝቢ ስቓይ ዘይግድሶም ኢምፐርያሊስትታትን  ብሰላም ዘይገድፉና? ንሳቶም ድዮም ዘይሰምዑ ኮይኖም ወይስ ንሕና ኢና ዘይንስክሕ ኴንና። ኣብ ህይወትና ብዙሕ ግዜ ተደሚርናን ተደማሚርናን ኢና፡ ግን ካብዚ ምድምማር እዚ እንትርፎ ንዕቀትን ውርደትን ምንም ዝረኸብናዮ ረብሓ የልቦን።

ምስዚ ኹሉ ግን፡ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ሃገራዊ ድኳኑ፡ ነቲ ከም ኣርእስቲ ቀሪቡ ዘሎ ታቤላ ከንጠልጥሎ ዚደሊ ኣይመስልን፡ ዚግድሶ እውን ኮይኑ ኣይረአን። ከመይሲ፡ የለቅሕ ግን ከም ዘይምለሰሉ እናፈለጠ የጽቅጥ። ይድመር፡ ውጽኢቱ ድማ ንዕቀትን ውርደትን ምዃኑ እናተገንዘበ ኸሎ፡ ገለ ከም ዘይኮነ ስቕ ይብል። ህዝብና ይታለል ምህላዉ መኣስ ከም ዚስቆሮ ጠፊኡና ኣሎ።

ንኹሉ ብጓይላን ብኸበሮን ምቕባል ኮይኑ። ጣልያን ኪኣቱ ኸሎ ብኸበሮ፡ ኪወጽእ ከሎ ብኸበሮ። ሃይለ ስላሴ ኪኣቱ ብኸበሮን ብደወልን፡ ኪግልበጥ ብኸበሮን ብጸርፍን። ደርጊ፡ ህግደፋውያን ወዘተ. እውን ከምኡ። ኩሉ ብኸበሮ ኾይኑ። ኣቕሽሽቲ’ውን ብወገኖም ኣይሓመቑን። ብታቦትን ጸናጽልን ገይሮም ብዙሓት ጸላእትን ገዛእትን ኣእትዮምልና  እዮም።

ትማሊ ትማሊ እውን ዝረኣናዮ ናይ ከበሮ ምርኢትን ድራማን ኣስደሚሙና እዩ። እዚ ናይ ረፈረንዱም ባህርያትን ተንኮልን ዝሓዘለ ህዝባዊ ኦርከስትራዚ ሽሕኳ ብህግደፋውያን እተቐናበረን እተመርሐን ተዋስኦ እንተ ነበረ፡ እቶም ሰብ ኦርከስትራ ግን ግርም ገይሮም እዮም ነቲ ዕዮ ዝፈጸሙዎ።  ኣትን ሰብ ከበሮ፡ አረ ብኸበሮ ጌርክን ገለ ከይተእትዋልና!!  ከምቲ ንበዓል ኢንፍሉወንዛን ንኣተግበርቱ ዝኾና ደቂሕድርትናን ብኸበሮ ጌርክን ተፋንዋ ዝነበርክን፡ ነቶም ከም ሽላ መንነትና ኪምንጥሉ ዝደልዩ ደኣ እንታይ ኴንክን ኢኽን ብኸበሮ ጌርክን ዘይተፋንዋልና!!

ፍቕሪ ኣብ ፖለቲካ ቦታ የብሉን፥ ከመይሲ ፈቲና ጸሊእና፡ ፖለቲካ ናይ ረብሓን ስትራተጅን ሳየንስ እዩ። ፍቕሪ ምናልባት ከም ስትራተጂ ይስርሓሉ ይኸውን። ከም ስትራተጂ ዚዝውተር ፍቕሪ ግን ቅጥፈትን ውልፍስናን እምበር ካልእ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ጽውጽዋያት እኮ ተዅላ ስትራተጅያዊ ፍቕሪ ገይሩ ንበጊዕ ቀቲሉ በሊዑዋ እዩ። እታ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ግን፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚብሎ፡ ይትረፍዶ ናይ እንዳማታ፡ ነቲ ናታ እውን ኣይትደልን እያ።

ብፍቕሪ ኪምራሕ ዚደሊ ህዝቢ፡ ንኣቡን ከም ጠቅላይ ሚኒስተር ወይ ከም ፕረሲደንት ኪመርጾ ጥራይ እዩ ዘለዎ። ውጽኢቱ ግን ኣድማዒ ኪኸውን ኣይክእልን። ይኹንምበር፡ ወላ እቲ ኣቡን እውን፡ ብፍቕሪ ኪመርሕ ከም ዘይክእል እናወዓለ እናሓደረ ኪስቘሮ ይኽእል እዩ። ሽዑ ድማ ኣነስ ናይቲ መንፈሳዊ እምበር ናይቲ ስጋዊ መንግስቲ መራሒ ኣይኮንኩን ብምባል ስልጣኑ የረክብ። ገለ ኣቡናት ግን፡ ከምቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኤውሮጳ ዚረአ ዝነበረ፡ ነቲ መንፈሳውን ስጋውን ምምሕዳር ብምሕዋስ፡ ንሃገሮምን ንቤተክስርትያኖምን ሓማሚሶም ሓሊፎም እዮም።

እቲ ኣብ ፖለቲካን ምሕደራን ኪዝውተር ዚኽእል  ብተዛማዲ ናብ መንፈሳውነት ዝቐረበ  ኣገባብ፡ ፍቕሪ ዘይኮነስ ፍትሒ እዩ። ፍቕሪ ኣብ መንጎ ውልቃውያን ሰባት ኪሰርሕ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳያት ግን፡ ፍትሒ ጥራይ እዩ ከድምዕ ዚኽእል።

ኣነ ነቲ ንሓወይ ዝቐተለለይ ሰብ ብፍቕሪ ተደሪኸ ይቕረ ክብለሉ እኽእል እየ። መንግስቲ ግን ይቕረ ኪብለሉ ኣይክእልን፡ ከመይሲ  ቀታል ሰብ ኣብቲ ብመንግስቲ ዚሕሎን ብመንግስቲ ውሕስነቱ ዚረጋገጽን ህዝቢ ከም ድላዩ ከሽኮንድር ኣይግባእን። ከምኡ ምስ ዚኸውን እሞ፡ እቲ ሕብረተሰብ ናይ ቀተልትን ዓመጽትን መፍረይን መራብሕን ኪኸውን እዩ ማለት እዩ። ብቐተልቲ እተሃንጸ ሕብረተሰብ ድማ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ምውራርን ምዝራፍን ሓሊፉ ዚገብሮ የብሉን። ከምዚ ንኸይከውን ብማለት ድማ፡ ሓደ መንግስቲ ብፍትሒ እምበር ብፍቕሪ ኬመሓድር ኣይግባኦን። እንተ ፈተነውን ኪሰርሓሉ ኣይክእልን።

ንኹሉ ከተሐጉስ ምድላይ፡ መወዳእታኡ ምስ ኩሉ ምጽላእን ምብኣስን ምዃኑ ኪዝንጋዕ ኣይግባእን። ብስም ፍቕሪ ኢልካ፡ ንኹሉ ደስ ከተብሎ ምፍታን፡ ጸላእቲ ምብዛሕ ከም ዝኾነ ተመክሮ ዚምስክሮ ሓቂ እዩ። ወድሰብ ካብ ፍቕሪ ንላዕሊ፡ ፍትሒ እዩ ዚደሊ። ብፍትሒ ገይሩ ኸኣዩ መሰሉን ግዴታኡን ኪፈልጥን ከተግብርን ዚኽእል። ፍቕሪ ዕዉርቲ ብምዃና ነቲ ቀጣፍን ነቲ ቅኑዕን ክትፈልዮም ኣይይትኽእልን። ፍትሒ ግን ኣዒንታ ነጺረን ስለ ዚርእያ፡ ነቲ ወልፋስ ካብቲ ረዚን፡ ነቲ ህግደፋዊ ካብቲ ሃገራዊ፡ ነቲ ማፍያ ካብቲ ጭዋ፡ ነቲ ፈሽኳል ካብቲ ውርዙይ፡ ክትፈልዮን ግቡኡ ክትህቦን ትኽእል።

ክንደይ መራሕቲ ሃገር እዮም ከበድትን ልቢ ዚነኽኡን ቃላት እናኣዘውተሩ ንህዝቦም ዘይተጻወቱሉ። ሂትለር፡ ናይ ዓሌት መንግስተሰማያት ብምስባኽ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ጀርመናውያን ኣብ ናይ ኵናት ገሃነምእሳት ኣእትዩዎም ዓሪቡ። ናስር፡ ናይ ዓረብ ሓድነት ብምስባኽን፡ ካሊፋዊ ሕልሚ ከም ስትራተጂኡ ብምውሳድን፡ ንሃገሩን ንኻልኦት ሃገራት ኣዕራብን ኣብ ናይ ውርደትን ሕፍረትን ዓዘቕቲ ሸሚሙዎም ተዓዚሩ። ለኒን ድማ ምጽኣት ናይ ሰራሕተኛታት መንግስተሰማያዊ ሃገር ብምስባኽ ኣብ ሃገሩ ምስ ባርነት ዚመሳሰል ምሕደራ ተኺሉ ተፋንዩ። ገሃነምእሳት ዚጥዕም መንግስተሰማይ ዝተመክሩ ሩስያውያን ድማ፡ ነቲ ዚትምነዩዎ ዝነበሩ ካፒታላዊ ምሕድራን ንሱ ዘምጽኦ ሃብትን ብልጽግናን ብርሑቕ ብምርኣይ፡ ከምቲ ዝብእስ ብስጋ እተሰርሐት ከተማ ኣላ ምስ በሉዎ፡ ኣበይ ከይበለ ሃፍ በለ እተባህለ፡ ኣብቲ ናይ ህርፋንን ሃርጎምጎምን ዓለም ከዕነውንዉ ይረኣዩ ኣለዉ።

ሓደ ነገር ንኪድኰን ግዜ ይወስድ እዩ። ብፍላይ ጽፉፍን ድልዱልን ኣቕሓ ወይ ቅርጺ ንምስራሕ ብዙሕ ግዜን ጉልበትን ተመክሮን ገንዘብን ይወስድ እዩ። ብታህዋኽ ዚስራሕ ነገራት፡ ወይ ኪስበር፡ ወይ ጉድኣት ከስዕብ፡ ወይ ንርእሱ ተባላሽዩ ንኻልእ ከባላሹ እዩ ዚረአ። ስለዚ ንኹሉ ነገር ቀስ ኢልካ ክትሰርሖ ከሎኻ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎን፡ ነቲ ኣብ ድልዳለኡ መሰረታዊ ዝኾነ ዝርዝራውን ደቂቕን ነገራት ክትምልከትን ከተዐርን ግዜ ስለ ዚህበካ፡ ውጽኢቱ ኣድማዒ እዩ። ብጉያን ብስምዒትን ሕልማዊ ተስፋን (delusion) ሰንኮፍ ራእይን ዚትግበር ዝኾነ ይኹን መስርሕ ግን ኣብ መወዳእታ ስቓይን ጓህን ጣዕሳን ጥራይ እዩ ዘኸተል።

ሓንቲ ሃገር፡ ጥራይ ብጎቦታትን ለሰታትን ወሓይዛትን ዱርን ወደባትን ገጠራትን ከተማታትን እተሃንጸት ኣይኮነትን። ንሓንቲ ሃገር፡ ሃገር ዚገብራ፡ እቲ ህዝባ እዩ። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ኣብ መንጎ ሃገራት ዚግበር ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ውዕላትን ስምምዓትን፡ እቲ ተረባሒ ብቐዳምነት እቲ ህዝቢ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ከምዚ ዘይገብር ውዕላት ወይ ስምምዓት ድማ ይጋገ ጥራይ እዩ ዘሎ። እቲ ነዚ ጌጋዚ ዚኽፈሎ ዋጋ ድማ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ።

ህዝቢ ግን፡ ካልእ ኣካል ኪዋገየሉ ከሎ፡ ከም ከብቲ፡ ስቕ ኢሉ ኪርኢ ኣይግባእን። ኣብ ዓለምና ብመራሕቶም እተሸጡ ኣህዛብ ብዙሓት እዮም። ብኣካል ተሸይጦም ዘይኮነስ፡ መሬቶም ወይ ባህሎም ወይ ቁጠባኦም ወይ ማሕበራዊ መሰሎም ኣብ ዕዳጋ ኪወርድ ኸሎ፡ ተሸይጦም ማለት እዩ። ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ መሸጣ ባረዩ ብኻልእ መልክዑ ከይመጸና ክንጥንቀቕ ከም ዘሎና ክሕብር እፈቱ።

ይኹንምበር ምሉእ ዘበንካ ካብ ሓደ ዓይነት ባርነት ናብ ካልእ ዓይነት ባርነት ክትሓልፍ ምንባርካ፡ ነቲ ባርነት ከም እትለምዶ ኪገብረካ ስለ ዚኽእል፡ ነቲ ኣስጋኢ ዝኾነ ብድሕረኻ ዚካየድ ናይ መሸጣን ጥልመትን ናይ ምድማርን ጥርጣረታት ካብ ርሑቕ ብምሽታት፡ ተዳሊኻን ጎሪሕካን ምጽናሕን እምቢ ምባልን ናይ ኩሉ ብኣርኣያ ስላሰ እተፈጥረ ሰብ ግዴታ እኳ እንተ ኾነ፡ ኣብዚ ግዜዚ ግን ብፍላይ ንኤርትራውያን ዚምልከት ከቢድ ጉዳይ እዩ!!

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • ስለ ፍትሒ ብሓባር ንቑም! August 10, 2018

    ክቡር ሓው ኣማኑኤል
    ከም ወትሩ ጽሑፍካ ጽፉፍን ንእዋናዊ ጉዳይና ብትኽክል ዝገልጽን ኢዩ፡፡ ጸማም ኣይትጸውዕ ታህሳስ ኣይትቐውዕ ድኣ ኮይኑምበር ብዙሕ ጊዜ ካብ ምምዓድ ኣይበኾርካን። ይኹንምበር ውዒሉ ሓዲሩ ክስቆረና ስለዝኽእል ካብ ስራሕካ ኣይተቋርጽ።
    ንስኻን ውሑዳት ከማኻ ዝመስሉን (ኣማኑኤል እያሱ፡ ወዘተ) እትገብርዎ ዘለኹም ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ድርኺት ይፈጥር ስለዘሎ ሓደ መዓልቲ ከም ቅጽበት ንሚልዮናት ብሓባር ስለ ፍትሒ ደው ክብሉ ከምዝገብሮም ዘጠራጥር ኣይኮነን።
    መልእኽትኻ ንጹርን ዝኾነ ሰብ ብዝርድኦ ልዙብ ቋንቋ ስለተቕርቦ ብቐሊሉ ዝወሓጥ ልምሉም መግቢ ብምዃኑ ተወሳኺ ብልጫ ኣለዎ።
    በዚ ኣጋጣሚ ምስጋናይን ኣኽብሮተይን ልዑል ምዃኑ ክገልጸካ እፈቱ።

  • Grar August 10, 2018

    “ምድማር ዘይብሉ” እንታይ ማለትካ እዩ?
    ምድማር ማለት እንታይ እዩ? ምድማር ፥ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሱዳን ሶማልያ ጂቡቲ ኤርትራ ፡ በዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስቴር ናይ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣቢይ ኣሕመድን ስነ ሓሳብ ጎደባዊ ፖለቲካኡን ማለት ንሰላም ልምዓት ፍትሒ ደሞክራሲ ብሓደ ንሰጉም ንመርሽ ፤ ብሓደ ተማላላኢ ምዕባለ ብሰላም ንመላለስ፤
    ውግእ ተጻይነት ኢፍትሓውነት ዕንወት ጽልኢ ንዕቐት ውርደት ስደት ጥምየት ወጊድ ንበል ፡ ድሕረት ካብ መንነትናን ፖለትካናን ንቕረፍ ማለት እዩ።
    ምድማር ማለት ቋንቋታትካ ትግረ ትግርኛ ፣ ሶማል ዓፋር ፣ ኦሮሞ ኣምሓርኛ ፣ ኩናማ ጉራጌ ወዘተ ምንዓቕ ምፍንፋን ኣይኮነነ። እንታይ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ብናቱ ታሪኽ ፣ ቋንቋ ፣ ውርሻ ፣ መንነት ፣ እምነት ፣ ልምዲ ፣ ስርዓት ፣ ክኾርዕን ክኽብርን እዩ።
    ብሓጺሩ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምድማር ማለት ብስኒትን ሰላምን ብሓባራዊ ተማላላኢ ቑጠባ ፡ ንድኽነትን ውርደትን ውግእን ዕንወትን ኣሊኻ ንልምዓት ምስራሕ ማለት እዩ።
    ኣነስ “ሰላም ስኒት ሓባራዊ ተማላላኢ ቑጠባ ኣየድልየንን እዩ” ፡ ዝብል ኣፈጨለ ተበላጺ እንተሎ ግና ኣብ ክንዲ ብኮምፒተር ተሓቢኡ ዝድብል ፣ ካብቲ ምስ ደቁን ሰበይቱን ተሓቢእሉን ተዓቒብሉን ዘሎ ሃገር ተመሊሱ ፤ ነቶም ኣብ ጎዳጉዲ ወኻርያ ንዕስራ ዓመት ዝበለዩ መንእሰያትን ሽማግለታትን ተጋደልትን ዋርሳይን ኣብ ግንባራት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያ ከይዱ የብርዮም።

    ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ ፍትሒ ደሞክራሲ ናጻፕረስ ወጽዓን ረግጽን፡ ስደትን ጥምየትን ድኽነትን ገደብ ኣልቦ ኣገልግሎትን ኣሎ ፤ ንዕቀትን ነብሰጽልእን ኣብ መንነት ቋንቋታት ኣሎ። ናይ” ምድማር” ዝበሃል ጸገም ግን የለን። ብተዛማዲ ምድማር ዝፈጠሮ ጽቡቕ ናይ ሰላም ሃዋሁ እዩ ዘሎ። ስለምንታይ እዮም ጀብሃን ተረፍመረፍ ናይ ጀብሃን ንልዕሊ ሱሳ ዓመታት ቋንቋታት ትግረ ትግርኛ ፈንፊኖም ንዒቖም ወረ ብሓዊ ኣንዲዶም “ምስ ዓረብ እንተዘይተደመርና” ዝብሉ ዘለዉ? እንታይ ደኣ ምስ ሶማል ወይ ወሃቢ-ስዑድያ ኣይንድመርን ዘይትብሉ? ብዛዕባ ኢትዮጵያ ጥራይ ትግዕሩን ብኮምፒተር ተሐቢእኩም እትድብሉን?

    ሰላም ፍቕሪ ስኒት ልምዓት ንኢትዮጵያ ኤርትራ።

  • Paradiso August 11, 2018

    I had never expected such a low blow, weak and emotionally laden poor article, devoid of any reason by the former teacher and university professor.
    ato Amanuel Sahle, the educated and the educator, whom I had known since his teaching days at Luul Mekonen Secondary School, should not stoop this low to write a complete none sense.
    Is this how he understands Eritrea, Ethiopia and the concurrent political and historical themes of the region and its future?
    I am a glad I had known the better Amanuel who could read, think and write critically.
    As the commentator above alluded, I wish ato Amanuel and his weakling and wimpy generation had created a better Eritrea than the imperial Ethiopia that educated him. He just needs to compare his current Eritrea after 27 years of “independence” with the Emperor’s Ethiopia – Eritrea of the 1960s and the mid 1970s.

  • Habte August 11, 2018

    Alewuna alewana!

    Bravo memhr Amanuel. You have hit them where it hurts most. You bared the typical honey-laced nDemer poison. That is why they are throwing garbage at you. Their garbage is no match to your mighty pen, which they all inadvertently admitted.
    We are where we are after they failed miserably to anihilate us and keep the land. That is the bitter truth and let them gargle it_ irrrrrre yetAmom.-ayndMern.

    Wuh wuh ilom iterfu. Ajoka memhrey!

  • tesfazy August 11, 2018

    ምድማር ብፊቅሪ ብስኒት ዘይሕጉሰኩም ተኮይኑ ኹናት ትናፍቁ ተኮይንኩም ብዐል መምሕር አማኒኤል እታ ናይ ዐርኩኩም መምሕር ቀለመወርቅ ናይ ቲግራይ ትግርኚ ከመይ ትራኢይዋ መቸም ፖሎትካ ገዲፍኩም እንተትቆርቡ ምሓሸ .Game over ኾርኩር ወያነ

  • theland August 11, 2018

    ምድማር ማለት ምትሕውዋስ፣ ምሕባር፣ ሓደ ምኾን፥ ማለት እዩ፥፥ Grar, ፈቲኻ ጸሊእካ እዚ ናሕጂ ዘሎ ካልኣይ ገጽ ናይ ኣንድነት እዩ፤፤ ኣሳያስ መሰረት ናይ ሓንቲ ኢትዮጵያ የንብር ኣሎ፥፥ እቲ ምጽንባር ግዜ ክወስድ እዩ፤፤ ታሪኽ ናይ 50 ታት ብኻልእ መልክዑ ይድገም ኣሎ፤፤ ንሕና ድማ ናይ ታሪኽ ዕድል ኮይኑ ንዕዘቦ ኣሎና፥፥በዓል Grar ከብዚ ምጽንባር ረበሓ ዘለዎ ሰባት እዮም፥፥
    ኣማኑኤል ሳህለ ጽሑፍ ኣዝዩ ዝምስገን እዩ፤፤ ኣሰና ድማ ኣብ መትከልካ ርገጽ በርትዕ

    • Danilo August 11, 2018

      Theland,እንገራ ዓለም ብላዕ።እታ ብጽውጽዋይ ጥራሕ ተደማሚራ ወይ ብሓይሊ ዝተጠፍጠፈት ኢትዮጲያ ( ንባዕላ ግሃነብ ) ሓንቲ ድያ ? ንዓይ ፡ፖለቲካዊ ምድማር ፡ሓቢርኩም ምሳና ጥፍኡ ማለት እዩ።ምዓል grar/gezae ንምድማር ከም ኣነቋቃር ( match ) እዮም ዝቆጽርዎ።they are hardly working for the sum of zero too.

  • Gezae August 11, 2018

    Brother Amanuel we all are Asmarino and we know what true love mean, because we exercised a lot when we were teenagers. So as we all know and exercised a lot I believe love is always the absence of fear. .You/we can put all emotions on a continuum. On one end, you/we have love. Then appreciation. After that, it’s joy, happiness, contentment and satisfaction. On the opposite end of the continuum of love is fear. Other fear-based emotions include, hatred, insecurity, jealousy or greed. Thus, there is not love if you do not come closer contact
    .
    Let come to main point. 1+2=3 Or 1U3=[1,3] simple arithmetical process of increase; accumulation, and enlarging in number not coming to the minimum number one; the same way in politics sounds the in same way association with an organization, alliance; participation. In Chemistry is like a mixture, combining without reacting. Hence, what is the problem if Eritrea associates, makes alliance, or participated with the current democratic reforms in our neighboring country Ethiopia?
    I understand political can mean different things in different contexts, and can be either good or bad, to different people, based on both the context and their prejudgments. People can argue because politics are basically a question of opinion. There is no factual right or wrong. Your political views come with a lot of implicit about your way to conceive other people. So that is not a problem people argue about politics for the same reason that they argue about anything else: they have a opinion and they want it to be aired. Whether they have the power to implement their stances is another matter entirely. But why are all the anger, desparation, frustration coming on?

  • Kidane August 11, 2018

    ቅድሚ ኩሉ: ብናይ ብርዒ ስም ምጽሓፍኩም መንነትኩምን ድኹም ሕልናኹምን ንጹር ይገብሮ።ከም’ቲ ኤርትራውያን ንብሎ “ክንዳኽን ዘይኣኽላስ……….)ስለዝኾነ ምስ መምህር ኣማኑኤል ክትመላለሱ ከም’ዘይትኽእሉ ብጽሑፍኩም ኣነጺርኩሞ ኣለኹም።ብሕማም ትሑት ርእሰ ምትእምማን ስለትሳቐዩ ዝፈኹሰኩም መሲሉኩም ንርእስኹም ከተታልሉ ካብ ምፍታን ናብ ናይ ስነኣእምሮ ፈላጣት ኬድኩም ተፈወሱ።ንኤርትራውያን ብድኹም ናይ ስነኣእምሮኣዊ ኩናት ምንብርካኽ ፍጹም ዘይከኣል ፍሹል ፈተነ ከም ዝኾነ ፍለጡ።ከም’ቲ ንስኻትኩም ትሓልምዎ ብመደብ ዝተሰርሓሉ ከፊኡኩም ስለዘሎ ምስ ኢትዮጽያ ተደመሩ ትብልዎ ዘይኮነ ታሪኽና ስለትፈልጥዎ ስግኣት ከም ዘለኩም ጽሑፍኩም የነጽሮ ኣሎ።ነዚ ዘለናዮ ጸልማት ከኣ ኤርትራውያን ከም ቀደምና ክንቅንጥጦ ከም ዝኾና ትፈልጡ ኢኹም።ሃጸያዊት ኢትዮጽያ ዝነበረና ከነማዕብል ስለኸልኣትናን ዓድና ናብ ዓውደ ውግእ ብምግባር ምስኣ ንድሕሪት ክንጉተት ግድን ነይሩ።ነቲ ብሓያላት ተሓንጺጹ ዝተዋህባ ውጥን ንከተተግብር እንተኣምሃረትና ካባና ዝረብሓቶ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።እዚ ግን ሰብ ባዶ ርእሲ ዝርድእዎ ኣይኮነን።ከም ቀደምና በቲ ትፈልጥዎ ክቡር ባህልና ነቲ ገባር ጽቡቕና ክንፈድዮ ኢና።ንስኻትኩም ግን ካብ ናይ ኤርትራውያን ፍናን ንምድኻም ግዜኹም ከንቱ ተባኽኑ ነቲ ዝመጻኩም ዘሎ: ካብ’ቲ ዝነበርኩሞ ብዝኸፍኤ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእኩም: ባርዕ ከተጥፍኡ ኪዱ ማይ ወረዱ።ኤርትራውያን ሕማምና ፈሊጥናዮ ስለዘለና ባዕልና ክንፍውሶ ተዳሊና ከም ዘለና እናሓበርኩ ግዜኹም ኣብ ዘርብሓኩም ጉዳይ: እንተ ማዕቢልኩም ሓቢርና ክንረብሕ ስለንኽእል: ከተሕልፍዎ ኣጥቢቐ ይምሕጸን።

  • Hara August 11, 2018

    ግራር
    ዛዕባ ቅትለት ዕንወት ኩሉ ስቃይ ገዛኢት ኢትዮፕያ ግን ኣይንታይካን ኢዩ ወይ ጉድ ሎምስ ንቀተልትና ዝጣበቁ ውጥም ውጥም ይብሉ ኣለዉ ኣይንድመር ኣይንጎድል፡። ሰላም ምስ ጎረባብቲ ልዕሊ ኩሉ ንደልያ ኢና።

  • Tesmin August 11, 2018

    Grar,ሕርር ጭምርር በል ዳምበር ሎሚ ኣይንድመር ጽባሕ ኣይንድመር።

POST A COMMENT