Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍንጫሕ መሰንገለይ፡ 2ይ ክፋል፡

ፍንጫሕ መሰንገለይ፡    2ይ ክፋል፡                            08-03-14፡ “ኣብ ድሮ ዝኽሪ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ እዝን መሰሉን ምጽሓፍን ምዝራብንሲ ምስምንታይ ይቑጸር”? ዝብል ብድሆዶ መጺእኒ ሓቀይ? አእ፡ ዝነደየ ድኣ’ሞ እንታይከ ዘይሓስብን ዘይብልን? ካባይ ካብ ቃና ስዑራት የድሕንኩም ከሲረ  ………….     ብዝብል መሳገሪ ሃሳብ

ፍንጫሕ መሰንገለይ፡    2ይ ክፋል፡                            08-03-14፡

“ኣብ ድሮ ዝኽሪ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ እዝን መሰሉን ምጽሓፍን ምዝራብንሲ ምስምንታይ ይቑጸር”? ዝብል ብድሆዶ መጺእኒ ሓቀይ? አእ፡ ዝነደየ ድኣ’ሞ እንታይከ ዘይሓስብን ዘይብልን? ካባይ ካብ ቃና ስዑራት የድሕንኩም ከሲረ  ………….     ብዝብል መሳገሪ ሃሳብ ኢና ተፈላሊና ቀኒና።

ሓቝፈያ ዝጸናሕኩ ጓለይ ድንገት ኣምሪራ ስለዝበኸየት ብኸመይ ከምዝእብዳ ሓርቢትኒ ምስኣ ክውጭጭ እናደለኹ ንበዓል ቲ-ቤተይ ደጋጊመ ብዓውታ ተዳሃኹዋ’ሞ እናኣቑረምረመት መጸኣ ቆልዓ ምስተቐበለትኒ ከምቲ ዝሓይሽ ገይራ ድሕሪ ምእባ ድ ኣብጎድነይ ተኾድጫ ንምንታይ ኣብ መንኩበይ ሰቒለ ዘይረረኹዋ እንዳገንሐትኒ ጡባ ወተፈትላ።

ዘንጊዐ ኢየ’ምበር ጓለይ ቀጸጽ ዝበሃል ቅርጸት ከብዲ ጠዋውይዋ ከምዝኸውንሲ ክግምት ነይርኒ። ደጋጊመ ተዓሊመ ካብዘየ ጽናዕኩግና ግድን ክመሳሰል ነይርኒ። ገለ ንምባል ድማ እንተ ብናይ ደፋር እንተ ብፈራህ ከይተፈለጠኒ ኣተዂረ ጠመትኩዋ።

ዳሕረወይቲ ሰብተይ ከምሽማ ብሓቂ ብሪ!  ቅርጡው ዝኣካላታ፡ ነቲ ኣብ ክልተ ገርዛም ክፋላት ዝተዳዕበለ ጸጉራ ብመሃረም ርእሲ ሸፊና ክሽነ-ክሽነ እዳሃገገት ኣብ ጐድነይ ምኹዳማ ኪኖኡ ዝምቅረኒ ብዘይምንባሩ ኣልቦ ተደናናዕኩ። እንታይ’ሞ ይኹ ን፡ ዋዕን ቅጥኒ ጠባይን ዘይትዕድልተይ ግዲኮይኑ ንተባዕታያዊ ተበግሶይ ስለዘምከኖ ብሒም ክብል ዝኽእል ኣይነበርኩን። እ ሞ ቀጺልና ሓደክልተ ምብህሃል ስለዘይንገድፍ ኩሉ ነገር ክተርፈኒ ነይርዎ። ቅድም’ውን’ኮ ልዕሊ በትሪ ዝከራተም ቃላት እን ተዘየውርደላ ካብ ክሽነ ኣይምመጸትንን።

ጓለይ ብዕንጋለን ሕቕፎን ወላዲታ ተነሲዓ ይመስገን ሽዑስ ክትፍሸኽ ጀመረት። ብሪ ድማ ኣብከብዳን ቱሽቱሻን እናተናኸፈት “ኪዱን ሓብቲ ኮኾብ፡ ኣቦኺ ንወዶም ኢዮም ዝፈትዉ ኢለሞም”……… እናበለት ክትጓጠ ኣብሃጋ። ማለታ እናተረዳእኩ ስለዘ ይመለስኩ ከኣ ፍጹም ነብሰይ ኣይከናግፋን ኢየ። ዳግማይ ቆልዓይ ኣሕቝፋትኒ ድማ ከደት።

“………..ኣቦኺ ንኮኾብ ኢዮም ዝፈትዉ ኢለሞም”። ነገር እንተዘይተጻዊርካዮ ነገር’ዩ ዝወልድ። ቅድሚ ሳልስቲ ነቲ ኣብ መንደ ቕ ዝነበረ ናይ ቤሎ ስእሊ ቀዳማይ መርዓና ኣውሪዳ ናታ ብምስቃላ ዝተሰማኣኒ ሓዘን መዳርግቲ ኣይነበሮን። ዳግማይ ብናይ ደቀይ ሌላን ጉሌላን ኣሽሙር ክትወቕሰኒ ጸኒሓ። ንሳ ብገርሃ እንተነይራ ንዓይ ግና ኩሉ ነገራት ናብ ካልእ ኣንፈት ኣንፈጸኒ።

“ኮኾብ ወደይ ደጊምስ ጎቢዙ ኢዩ። ካብ ዝስደድ’ዃ ድሮ ኣርባዕተ ዓመቱ ኮይኑ” ኢሉ ጀመረኒ። ሒማይ ‘ኮኾብ’ ኢላ ምሕራ  ያስ ምርጫ ስም ጥራይዶ ይነብር? ኮኾብ ጽባሕ፡ ኮኾብ ሰሜንዶ ኮኾብ ድራር ነበረ ምርጫኣ?  ወደይ ዘሚታትኒኸ ናበየናይ ኣንፈት’ዛ ዓለም ተሸርበት? ንሱ ከይኣክል ድማ ወያ ካልኣይቲ ንጓለይ “ኪዳን” ኢላ ምስማያ እንታይ ማለታ ኢዩ? “ኪዳን ኣፍ ሪስና” ድዩ ኪዳን ሰሪትና? ክብል ምሒር ተረበጽኩ። ተርባጸይ ግና ተራ ናጤባ ኣይነበረን። እንተደለኹም ብምስሊ ሓድሽ ኪ ዳን ዝህቦ ትርጉም ይሳነ እንተኾይኑ “ኦሪት” ኢልኩም ልሓጹኒ’ምበር ከምኣረዳድኣይ ባህሪያዊ ፍቕሪ ምስ ድንግልና ጥራይ ከ ምትጸንዕ ኮይኑ ስለዝስማዓኒ ናይ እምነተይ ግዳይ ከምዝኾንኩ ምንም ዘጠራጥር ኣይነበሮን። እሞ “ክልተ ሓያማት ሓድሽ ኪ ዳን ክንሰርሕ ንኽእል ዲና ወይስ ከምእንደነገሩ ተለማዲ ኮይኑ? እዛ ናይ ሕጂ ኣብ ሓደ ብሑት መጻብቦ ምስ ሒማኣ ወዝቢ ጎፈጎፍ እንተትራኽብሲ እንታይ ምተሰምዖም? ኣነኸ ምስቀዳመይተይ ኣብ ከምኡ እንተንራኸብ ከመይ”? ክብል መንፈሰይ ረ በሽኩዎ። ንከምእኒ ኪዳን፡ ዳናይት….. ዝኣመሰልወን ኣስማት ቆልዑ ከኣ መናገድያ ኣምስሉ መጸውዒ ጸብጺበ ምሒር ጸላእኩ ወን። ነገር መናገድያ ካብ ኣልዓልኩ ድማ ረኽቢ ቀዳመይተይ ፍጹም ኣይክርስዖን ኢየ።

እዋኑ ብርግጽ ካብምትራኹ ይትረፍኩም፡ ኣነ ከኣ ካብ ስራሕ መንግስቲ ደስኪለ ዓዲ-ውዕል ምስኮንኩ ነቲ ናብራይ ዝኾኖ ዝነበረ ኣጸቢቐ ከስተብህለሉ ከኣልኩ። ኣጀማምራኡ ከምዋዛ ዝመሰለኒ ምሕዝነት ሒማይን ረኸብታን ኣብ ናይ’ታ ዓመት በ ዓል ሸሞንተ መጋቢት ተጋህደለይ። ሽዑ ናብቲ ኣኼባ ዓርከይ ኢዩ ለኪምኒ ዝኸደ። ኣብቲ መዓልቲ ከምገባሪትን ሓዳጊትን ትመስል ትነሳነስ ንዝነበረት ቀንዲ ተዋሳኢት እኽልቲ ሰበይቲ ብዙሓት ኣብ ኣእዛና ሕሹኽ ክብላኣ ኣምዕድየ እርኢ ነበርኩ። ዓርከይ ድማ “ትፈልጣዶ” ክብል ተወከሰኒ። ኣይተሓወሰትንን። ጸኒሑ’ውን “ቁሩብ ኣይትዝክራን” ደገመኒ። ዋላኸ…….

ምእንቲ ነብሱ እቲ ኣቐዲሙ ኩለን ንሳ ጥራይ መሲለን ዝራኣያኦ ዝነበራ ኣዒንተይ ካብዘዋድቖ ዓመታቱ ኣቑጺሩ ስለዝገበረ እንታይ ኢለኸ ሓሲበዮ። ብናይማዕዶ ቆላሕታ ብኣከዳድናኣን ኩሉነገራታን ፍጹም ጓና ዝኾነትኒ ሰበይቲ ሓጠቕታኣ’ኳ ነይገ ደፈትለይ። ሽዑ ንሱ ምህማለይ ግዲ ደኒቕዎ ‘ቲዝኾኖ ክርኢ ከምዘብሃጎ ድፍረት ኣኻኺቡ መንነታ ደርዂሑለይ ኣዘመ።

ንእለታ ልበይ ፍግእ፡ መንፈሰይ ድንቁር! ባቃ። ትም መረጽኩ። ዓርከይ ድማ ክነፍሰለይ ኢሉ ግዲ ኣጽቂጡ ብምጽናሕ ንርእ ሱ’ውን ስለዝፈኾሶ፡ ዝኾነ ነገር ከውጋዓኒ ጀመረ።

“ዓርከይ” ክብል እንከለኹ መቸም ክሳብ ሎሚ ዘየብራህኩዋ ነገር ኣላትኒ። ግዚኡ ምስኣኸለ ዘይግለጽ ስለዘየለ ሓቂ ንምዝራ ብ ንሱ ኪኖ ምሕዝነት፡ ኣብ መርዓና ዝዋዓለ፡ ዝመሓለ ሓቀኛ ባህላዊ ዓርኪ ርእስና ኢዩ። ንክልቴና ማዕረ ስለዝብጻሓና ድ ማ ዕንወት ሓዳርና ከይከውን ኩሉ ዝካኣሎ ከምዝገበረ ኣጸቢቐ እፈልጥ። ኩሉ ክገብሮ ዝኽእል ገይሩ ማይሓቒኑ ምስተረፈ ድሕሪ ውግዓዊ ፍትሕ ምስእንዳሓሞይ ዝነበሮ ሕውነት ከይተረፈ ከምዝተደረተ’ዃ እንተፈለጥኩ ቀንዲ ጠንቂ’ቲ ፍትሕሲ እ ቲ ሽዑ ዝራአኹዎ ትራጀዲ ሽሞንተ መጋቢት ከምዝነበረ ተዓዚበ ክበትኽ ሓለንኩ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ረጊሓትኒ ዝኸደት መርዓተይ ነበር ለካ ዱልዱል ትሕዞ ስለዝኣመነት ሽዑ ድሮ ካልእ ፍጥረት፡ ካልእ ደርቢ ስለትመስል በየናይ መሳልል ተራኺ ብና ከምዝነበርና ዓጃይብ ከይኮነኒ ኣይተረፈን። ምናልባሽ ተጋዳላይ ምንባረይ ዶኾን ተፈትየ ነይረ? ድሕሪ’ቲ ሽዑ መቸም ዳግማይ ዘራኽበና ነገር ስለዘይህሉ ጭራሽ ቅብጸት ኮይኑ ልበይ ከምትደርቕ እናመሰለትኒ ወጻእና።

ዕድመ ንሸሞንተ መጋቢት!

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Bokre March 14, 2014

    I wish if the two great minds: Yosief Ghebrehiwet and Amanuel Eyassu can meet face to face on the subject below. The Kebesa Eritrea is collapsing and its ramifications. I am its recent witness to the condition of the Kebesa people in Sudan.

    PalTalk Presentation: Kebessa Eritrea’s demographic collapse and its national and regional ramifications

    Smerrr PalTalk

    By whom: by Yosief Ghebrehiwet

    When: on Saturday, March 15, at 8:00 PM Berlin Time, 2:00 PM New York Time, 11:00 AM Los Angeles Time

    Where: Smerr Paltalk

    Subject matter:

    (1) Kebessa Eritrea’s demographic collapse and its national and regional ramifications:

    What is the cause and nature of this demographic collapse in the making?
    What are its present and future consequences to the nation?
    How will it affect the region, in general, and Ethiopia, in particular?

    (2) Eritrea’s place in the region: the need for a larger space.

    (3) Response to Saleh Gadi: on the Eritrean-Ethiopian relations.

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 14, 2014

    “ኤርትራዊት መንእሰይ መነንያ ኣብነትኪ ??? Eritrean young girls ,who is your role model ???”

    My respect for females & specially Habesha females is bound less. I am not here trying to bash the ex -Tegadelti females through no fault of their own ,being forcibly recruited from peasant life & school ,mostly in our countries country side/villages .These decent & strong girls, some of them snatched by EPLF bandits/outlaws in the middle of their Hagere seb honey-moon ,where turned from decent family girls in to revolutionary whores ,under the influence of Dimu Dimu ,or by philosophy that undermined the Eritrean family values!!! A good number of these female vistioms of EPLF ,many had different kids from different tribes /ethnic..that their middle name should be DIMU-DIMU.
    To praise these former tegadelti victims & to indoctirinate young Eritrean girls that these date raped tegadelti are their role models is equivalent to telling them WHETHER THROUGH RAPE OR LOVING MARRIAGE ,WHAT MATTERS IS THE OUTCOME ,,,,ie..A FAMILY ,CHILDREN.THE END JUSTIFIES THE MEANS !!! NO,NO,NO I SAY !!!
    These is an insult to young Eritrean girls .As the good book says ,”you shall know them by their fruits”..these female “tegadelti” VICTIMS brought about shame and degradetion to Eritrean girls.
    ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፣ከም ዓቢ ኣቦን እንኮ ኤርትራዊ ለባምን፣እታ ኣርኣያ ትኾነክን ጓል ኣንስተይቲ፣እታ ብሓይሊ ተጎቲታ ናብ ናይ ድሙ ድሙ ኣመንዝራ ዝቐየርዋ ግፍዕቲ ተጋዳሊት ኣይኮነትን።
    ፡፡ እታ ሰብኡት፣ ንክሳድ ፋሽሽቲ ክቖርጹ ኣወዳት ጉራዴ ሒዞም ከዝግቡ፣ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኮይና ፣ዓይኒ ፋሽሽቲ ብበርበረ ተዔውር፣እሞ እቲ ሰብኣይ ብጉራደ ንኽሳድ ዓስከር ጣልያን ይጎምድ።ንሳኸ ኣበይ ከይዳ ???
    እታ ፕሮ ኢታልያን፣ራቢጣ ኢስላሚያን ብፍረነብሶም ጸሚቛ ዓይኖም እተንጥር፣ መታን ኤርትራኣ ምስ ኣዲኣ ተጸምቢራ ክትምዕብልከ።ኣበይ ከይዳ ???
    እታ ደቃ መታን መጻወቲ ሸፋቱ ከይኮና ብሱዳን ሰጊራ ስድርኣ ሒዛ ንወጻኢ መጺኣ ፣ደቃ ኣብ ክንዲ ብድሙ ድሙ ሰኺረን ተዓሚጸን ካብ 9 ሰብኡት 9 ቆልዑ ሒዘን ኣስመራ ኣትየን ከም ቅራፍ ባናና ዝድርበያ፣ዶካትርን ነርስታትኒ ፣ኮምፕዩተር ፕሮግራመርስኒ ኮይነን ዝኽበራ ።ንሳኸ ኣበይ ከይዳ ???
    እዘን ኣዴታት እዚኤን እየን ጀጋኑን ለባማትን ኣርኣያኽን።
    ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ንወዲ ተባዕታይ ለዘይዘይ ከየበለትን ኣብ ኢዳ ወርቂ ቀለቤት ከይርኣየትኒ ኣንኳይዶ እግራስ ሪጂቦቲኣ እውን ኣይትኸፍትን እያ። እዚኤን እየን ኣዴታትክንን ዓባያትክንን__….ኖን እተን ገና ቅርብ ኢልካ ክስዕመኪ ዶ እዛ ሓፍተይ ኦልካ ዓረፍተ ነገር ከይወዳእካ ከለኻ ምታንተን ምውጻእ ዝጅምራ፣ኣብ ማንም ጣሻ መዝሓል ሸፋቱ ዝነበራ መሳኪን ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ኣይኮናን !!!
    ስለዚ መነን እያ ኣርኣያኽን ፧ እታ ብዘይረብሕ ቃልሳ ፣ናይ ሓሶት ነጻነት ኣምጺኣ፣ደቀንስትዮ ኣብ ድፋዕን ሳዋን ቤት ማእሰርቲኒ ሲናይኒ መጻወቲ ኣወዳትን በደዊን ኣዕራብኒ ዝገበረትክን ወይሲ እታ ለባም ኣሜሪካ ካናዳ ኤውሪጳ ኣውስትራልያ ሓዛትክን ኣትያ ተስፋኒ መጻእኒ ዘለዎ ዝሃበትክን ??????????

    መልሲ ናባኻትክን ይገድፎ።

    ዘፍቅረክንን ዝሓልየልክንን ሓወቦኽን SAVING YOUNG ERITREAN GIRLS & BOYS

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 14, 2014

    ወያነ ንዕቀት ኣይበዝሔንዶ ???? Senza Sale/ጨው ዘይብሎም ኴንኩም”

    I Partially quote Business weekly….

    “Reykjavik to Start Drilling on $2 Billion Ethiopia Power Project”
    Source: Business Week

    Reykjavik Geothermal, the Icelandic power-plant builder, plans to begin drilling in Ethiopia by July as part of a $2 billion project to develop the renewable energy source, Chief Operating Officer Gunnar Orn Gunnarsson said.

    Ethiopia’s government signed a deal with the Reykjavik-based company in October to build a power plant on an imploded volcano in the Rift Valley that will generate 500 megawatts of electricity by 2020. The licensing of a large-scale private power-generation project marks a shift from the Horn of Africa state’s previous reliance on domestic investment and Chinese loans to finance infrastructure development…END OF QUOTE

    2)I also partially quote Reuters…..

    “Tesco emphasises ethics as plans to buy clothes from Ethiopia”

    Source; Reuters

    (Reuters) – Tesco, the world’s third-largest retailer, expects to source more clothes from Ethiopia, but wants the nascent industry there to uphold high ethical standards as global chains seek to prevent factory disasters like those seen in Bangladesh.

    “Ethiopia is a very exciting potential country to grow a supply chain but needs to grow up to be a well regulated, ethical new industry,” Giles Bolton, ethical trading director at Tesco, told the Retail Week Live conference on Wednesday. END OF QUOTE

    ወያነ ንዕቀት ኣይበዝሔንዶ፣ንሕና እኮ ወደብ ዘይብልኩም ክትደኽዩን ከተልቅሱን ንርእየኩም መሲሉና እዩ እምበር እዚ ተንኮልኩም እዚ ጠጠው ኣብልዎ።መሬት ሃገር ጥራይ ዘይኮነስ ካምፓኒታት ዶ ክትጥርሩ ክኣ ጀሚርኩም፧ ጠራሮ

POST A COMMENT