Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍንጫሕ መሰንገለይ…….

ፍንጫሕ መሰንገለይ…….                                     04-03-14 መጋቢት ሸሞንተ፡ ጭኮናና ተቐንጠጠ፡                                                                                     መጋቢት ሰላሳ፡ ጭኮናና ተመሊሳ፡ ……………… ናይዚ እዋን ፖለቲካ ሸሞንተ መጋቢት!!!!!!!!!!!!!! ………………….፡ ኣነ ድማ እንድዕለይ፡ መፈጠረይ ግዲ ፈቃር ኮይናስ ከምዛ ብፍሉይ ትብጻሓኒ፡ ነገር ናይዛ ትመጸና ዘላ ክፋል ዓመታዊት ኣህጉራዊት በዓል እንክለዓል

ፍንጫሕ መሰንገለይ…….                                     04-03-14

መጋቢት ሸሞንተ፡ ጭኮናና ተቐንጠጠ፡                                                                                     መጋቢት ሰላሳ፡ ጭኮናና ተመሊሳ፡ ……………… ናይዚ እዋን ፖለቲካ ሸሞንተ መጋቢት!!!!!!!!!!!!!!

………………….፡ ኣነ ድማ እንድዕለይ፡ መፈጠረይ ግዲ ፈቃር ኮይናስ ከምዛ ብፍሉይ ትብጻሓኒ፡ ነገር ናይዛ ትመጸና ዘላ ክፋል ዓመታዊት ኣህጉራዊት በዓል እንክለዓል ምሒር ኢያ ተቕለውልወኒ። ውራይ ጓለንስተይቲ ክሳብ ዝኾነስ ወራይ ወላዲተይ፡ ጓለይን በዓልቲ-ቤተይን ምዃኑ ተሰዊጥኒ እንተኾይኑስ በለጸ። ሓቀይ ኢየ ድማ። ኣብ ምናት ናይታ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተ መካሕኩላ መጻምድተየይ ተተርኢሰ ስብእነተይ ዝፈተንኩላ መዓልቲ ኩሉሳዕ ከምዛ ሕጂ ኮይና ኢያ ትስማዓኒ። ከምዚ ሕጂ ንበይነይ ከይዘኽተምኩ ሽዑስ ንሳ ንዓይ ኩሉ ነገረይ ኢያ ትመስለኒ ዝነበረት። ዋላ ንብሕተይ ኣብ ዘዕነንወሉ እዋን ከምዛ ጽ ላሎተይ ኩሉ ግዜ ምሳይ ነይራ። እንተገሽኩ ምሳይ፡ እንተደቀስኩ ምሳይ፡ እንተሃጠርኩ ምሳይ እንተዓበርኩ ምሳይ። ብትርኢ ታ ይተብዕ ብምዕዶኣ ይጸንዕ…….. ናተይ፡ ሰበይተይ ማዓረይ!!!!

ሰበይቲ ዝለኣኸቶ ግዲ ሞት ዘይፈርህ ኮይኑስ ብዝጠቕም ዘይተቅም ብኣኣ ምምሓል ምጭዳር ድማ ጀመርኩልኩም። ቀስ እና በለ ጭራሽ ሳዕሪርኒ ሓንቲ ሒዘ “ሓው ለቲት” (ናይ ቅብጥሮሽ ኢዩ) ኢለ ምጭዳር ጭራሽ ቃል መኽፈት ኣፈይ ኮነት። እዝጊ ተኸወል ግዲ ኢልኒ ሓብተይን ሰበይተይን መኹሲ ነበራ’ሞ ውሽጠይ እናሓቐየኒ ፈኸራይ ብሓብተይ ከመሳምሶ ይፍትነልኩ ም ነበርኩ። እናሓደርኩ’ሞ ግደፍዶ ከምቲ ድሓር ዝሰማዕኩዎስ ከምገለ ዋላ ብወዝቢ ሕቖ ሰበይተይ እናተናኸፈ ዝዋዘየኒ”ዃ ኣይብራሃንን ዝነበረ። ዘመን ከፊኡ ከምዚሎሚ ኣብ ግዳም ከይተሰጥሐት ብዓንተቦኡ ብጓለንስተይቲ’ኮ ላግጺ ኣይነበረን።

እታ ዝኾንኩዋ ክብል ኢለ እንድየ፡ ከምገለ ንዝኾነት ጓለንስተይቲ ከድሂ እንተደልየ ስማ ይስዕረኒ፡ ኣዒንተይ ብውቃበኣ ከም ተደፍና ኩለን ንሳ ኮይነን ይራኣያኒ። ምኡዝ ትንፋሳ ክቑሕም ሓዲረ ከምቲ ዃዕናን ኣንበሳ ብንጉህኡ ክንዲ ናይ ዓሰርተ ኣጓብ ዝ ፍናን ገቢተ ከምሕሱም ይእንተር። ጸጸኒሑ ድማ መንፈሳ ብሱሩ ንትምክሕተይ ኮነ ንያተይ ብሒቱ የለፋልፈኒ’ሞ በይነይ ይግየጽ። ካብቲ ኣዝዩ ዘሕንኸኒ ዝነበረ ከኣ ምስሰበይ እንከለኹ’ውን ብሓሳበይ ምስኣ ይፍሸኽ ምንባረይ ኢዩ። ዘርአይ ኣብነ ብሳ ምስኣዋሰበቶ ዝነበረ ጃህራን ኡፍኡፍን ክነግረኩም ኣይክእልን። ኣብ ትሽዓተ ወርሓ ክልተ ምስገበረትኒ ከምኣ ዝኣመሰለ ት ተኣምራታዊት ፈጣሪት ፍጥረት ከምተፈጥረት ይመስለኒ ኣይነበረን። ንሳ’ውን ሽዑስ በቲ ቁርጺ ምስለይ ዝወሰደ በኹራ ኣመና ኮርዐት። ንሕሉፍ ፍጥረታ “ኮኾብ” ኢላ ስም ምስሓረየትሉ ሓማት ሰበይተይ ግና ክትወራዘ እናመሰለት ኣፋ ጎማጺጻ ዝበሃገቶ ስም ዱብ ኣበለት። ብወገነይ ትርፎ ኮኾብ ድራርዶ ኮኾብ ጽባሕ ምሕታት ክኒኡ ምንም ምርጫ ኣይነበረንን። ሓቂ ንምዝራብ ከምኣደይ ዝፈትዎ ፍጡር ኣይነበረንን። ንሳ መጺኣ ግና ንኩሉ ብሑት መንደቕ ፍቕሪ ወላዲተይ’ዃ እንተኣዕነወቶ ንሓዋሩስ ንሳ እንዳይ ከምትጥውረለይ ብኣካላን ብዕንዱን ስለዝቐለመት ኣነድማ እንታይ ክኾነላኸ ዘይፈተነፋነፍኩ። ኣደይ ድማ ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ኩነታተይ ግዲ ኣስተብሂላ ተሻቒላስ ኣብ ልዕሊ’ታ ባዕላ ዝሓረየታ መጻም ድተይ ማዕቀብ ከተርኢ ይርእያ’ሞ ፍቕረይ ንክልቲአን ምክፋል ኣብዩኒ ኣብሞንጎአን ከምዘይተቐርቀርኩ ነብሰይ ብፍታዋ ናብ መርዓተይ ተሻሩ። ሽዑ ወላዲተይ እቲ ነገር ከምዚ ብኣኣ ዘይሓለፈ፡-

“ኣንታ ቆልዓ”…… መቸም በኹራ ክንሰይ ብኣኣስ ኩሉግዜ ቆልዓ እንድየ፡ ”ኣንታ ቆልዓ፡ካን ዲኻ ምስቲ ህጻን ክትጠቧ ደሊኻ!” ኢላ ትግረጨለይ’ሞ፡ ስብእነተይ ተማሪኹ ከይሰንፍ ግዲ ትሰግእ ነይራስ ከምልስልስን ትሕትን ኢላ ርእሰይ እናሸሓሓረት ከ ተትባዓኒ “ልቢ ግበር፡ ኣብ ኣፍልብኻ ከይተተንፍሰልካ ተጠንቀቕዶ ከየልኩኻ”! ትብለኒ ምስናይ ምጉጣጡን ካልእማልኡን።

አእ! ዛራ ዝኽርታተይ ድኣ’ሞ ንዘንተ-እለተይሲ መዓስ ይነጽፍ። ብእግራ ኣይትምጻእ’ንዶ’ሞ ሰንፈላል ዝተሰራሕኩላ መዓልቲ ደበኽ በለትኒ። ወሊደ ከቢደ እንዳይ ክስስን እናተመነኹ ወያ ናተይ ኢለ ዝበሓትኩዋ ዝመሰለትኒ ሓደ ወለድ መጻምድተይ ኣይከምማሕላኣን። ኣብ ቁናኖኣ ዝዓስከረ ሃዳይ ከሽከርክራን ንእለቱ ክትነፍጽን ከምዛ ሓንቲ!! ነፍሰይ ድማ ፍጹም’ዃ ንከም ኣ ትጋለጽ መሲላትኒ ኣይትፈልጥን። እቲ ነገር ቀሊል’ዃ እንተነበረ፡ ሰማዕ ሰብ ብነብሱ ሰንኮፍ ኢዩ’ሞ ዘረባ ወለዳን ኣሕዋታ ን ክንዲ ምስማዕ ምስ እዋኑ ስለዝሃለለት መመሊሱ ዘግፋሓላ ጥራይ በዚሕዋ ኣጸምያ ስለዝነፈጸት፡ ኣነ’ውን ብድሕሪኣስ ካን ተጸልጺለ ክንሰይ መታን ባህ ከይብላ እናተዓበኹን ትም ድማ ስለዘይባሃልን ከይተበራሃኒ ዳግማይ ፈተንኩልኩም።

ሓንሳብ ዝቖሓምኩዎ ምኡዝ ትንፋስ ቀዳመይቲ ብኸመይ ብዳሕረወይቲ ይደበስ? ናይ ውሽጣዊ ስምዒተይ ድማ ደለ ምኾነ። ቆርበተይ’ንዶ’ሞ ንዳግማዊት ሄዋነይቲ ርዒሙ ምልዛብ ኣብይኒ። ብሓቂ ዳግማይ ተፈቲሐ ተዓዘብቲ ከይስሕቁኒ ሰጊአ ክቱር ክጽመም ፈተንኩ። ኣይኮነለይን፡ ከመይ ኣቢሉኸ ነፍሰይ ክረግእ። እናሳዕ ፍጹም ተስፋ ከምዝቖረጽኩ “ባቃ እምበኣር ድሕሪ ደጊም ሓዳር ድሓን ዓሊ” ኢለ ቶባእ ክብል ይሕልን። ነገር ዕንኪላሎ መሊሰ ከይብሉኒ ክብል ንዳግማይ ሓዳር ብመስገደልነ ቱ ክመስሎ ምሒር ሓርኮትኩልኩምት።

ከምትስ ኣየርኢኹም!! መቸም ድሮ ሓይመ እንድየ፡ ንወያ ሓያመይ ብምንታያ ከምዝተቐየምኩዋ እንድዕለይ ግናኸ ብኣካል ምስ ሓዳስ ካልኣይቲ መጻምደይ እንከለኹ ሒማይ ድማ ከምቲ ዝኾንኩዎ ግዲ ትኸውን ነይራስ ከምዛ ክትዘርገለይ ዝሃቀነት  ብመንፈስ ስለትቕጀለኒ ካብክልቲአን ብዘይቅንጣብ እምንቶን ርውየትን ሓዲግ ይተርፍልኩም።

ለካ ሒማስ ሕማም ትገድፍ ኢያ!!

በሉ ሓቀኛ ታሪኽ ይምሰልኩም ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝተመርኮሰ ዛንታ ወይ ብን ዝበለ ሃለውለው ከይተገደስኩ ዕጫይ’ሞ ብር ግጽ ከምኣ ኢያ። እቶም ከምዛ ናተይ ዝረከበትኩምስ’ዃ ነገር ደቂ-ኣንስትዮ ጠቀስ እንክለዓል እቲ ራኢ ከህለውልወኩም ኢዩ ። እቶም ዘይጠዓምኩሞ ግና ካባይ የድሕንኩም፡ ናተይ ተመኩሮ እንተዘይመሪጽኩሞ ከኣ ይትረፍኩም። ዝግበር እንተዘይሃ ልዩ ምስ ግዜኹም ተሰማምዑ። እንተ ኣነ ብመንጽር ናይቲ ዝተመካሕኩሉን ኣንዊሐ ዝተመነኽዎን ሓዳረይ ብሰበብ ኢደ-ሰብ ብምኹላፉ ንኩሉ ግዜይ ዝኾነኒ ስቅያት ተሰኪመ ኣለኩ። እቲ ኩሉ ብጽሒተይ ከናድያ ብልበይ ንነፍሲ ወከፍ ጎርዞ ኣትኲረ እናጠመትኩ “ፍንጫሕ መሰንገለይሲ እዚኣዶ ትኸውን” ብማለት ፍቐዶ መገድን ካልእ ኣጋጣምን ዝዛወንኩዎ መዋእል ከይኣ ክል፡ ኣማስያይ ናተይ ተረኺባ መሲልኒ ንውሳነ ወለዲ  ከምዘይተማእዘዝኩ ማይ ሓቝነ ተሪፈ ክንሰይ ዝፈሰሰ ንዘይሕፈስ ነ ገር ርእሰይ ኣድኒነ ከይቀብጽ “ፍንጫሕ መሰንገለይ ዝረአ” እናበልኩ ዳግማይ ኣብ ዝነጠበቶ ክእልሻ ኣይምጸላእኩን። መርዓ ተይ ነበር’ውን ሽዑስ “ንሂወታ ሓራ ዘውጻኣታ መሲልዋ’ምበር ኣብዝባና ዝተሰከመቶ ናይ ኣዴታታ ርዖ ዛሕዚሓ ዘፍረሰቶ እን ዳኣ ካብ ክልተ ምስወለደት ኣይከቕስናን ኢዩ” እብል ብልበይ። ንምዃኑኸ ኣየናይ ረኽቢ’ዩኾን ረኺብለይ?…… እንድዕሉ።

ካብዘይቀበጽኩስ ናብ ሕማም ከምዘድሃበለይ እናሓንሳብ ክልቴና ውጻእ ብርኪ እምብዛ ከይተማራሳሕና ጌታ መዓቱ ከቑርረ ልና ኣኽቢደ እልምኖ። ካብ ተመኩሮይ ብምብጋስ ቃልኪዳንና ብኣባት ነብስናን ቤተ-ክርስትያንናን ከምዘይጸደቐ ንምንታይ ውሳነ ሃይማኖትና ኮነ ዕድልና ነታ መናድቕ ሒማ ዝደኩዐት መጻምደይ ኣብ ሓዳራ ክትጸንዕ ከምዘይቀሰባ ከይሓሰብኩሉ ሓ ሊፈ ኣይፈልጥን። ማለተይሲ ሃይማኖትና ኣካል ዘፍጥረትና እንተዘይኮይኑ ግን ድማ ከምዝለዓለ ክፋል ማሕበራዊ ህላወና መ ጠን ተመሊሱ ተራኺ መፈጠርናን ቀላሲ ማሕበራዊ ህላወናን ከምዝኾነ ይኣምነሉ ኮይነስ፡ እሞ ኦሪት ከምዝትርኾ ኣምላኽ  ንኣዳም ብተምሳሉ ከም ቀዳማይ ሰብ ድሕሪ ምፍጣሩ ድሓር በይኑ ዓወን-ዓወን ክብል ግዲ ርኢዎ ኮይኑስ ካብ ጸጋማይ ጐ ድኒ መሰናግለኡ ለሓሒጹ ካልኣይቱ ከምዝፈጠረሉ ተነጊርና ኣዩ። ክልቲኦም ሕሩያት ፈጣሪ መስረትቲ እንዳ  ክኾኑ ከምተ መዘዙን፡ እንዳ እታ ብክልተን ካብክልቲኡ ጾታን ትቐውም ዝተሓተት ጥርናፈ ሕ/ሰብ ክንሳ ግን ድማ ብሓቂ መፈጠር ክብረ ትን እምነ-ሰረት ሃገር ምዃናን ከየቕለብናሉ ኣይንህሉን። ኩሉ’ዚ ዝተጠቕሰ እሙን እነንተኾይኑ ድሕሪኡ ናይ ስራሕ ምክፍፋ ል ናይዞም ክልተ ሰብ-ሓዳር ኢዩ ዝሰዓበ። ካብጥንቱ ካብጥቅምቱ ብሃይማኖታዊ፡ ያታዊ ኮነ ማሕበራዊን ካልእን መዐቀንታ ት ክትውደን እንከላ እንዳ ብሰብኣይ ትስመ፡ ትማሓደርን ንወለዶታት ትሰጋገርን’ዃ እንተመሰለና እቲ ሓቁ ግን ኣይከምኡን።

እናሓንሳብ በይነይ ኣብ ሓሸውየ ክድቕደቕ እንከለኹ መመሊሱ ዝዓጠኒ ነገር ኣሎ። ነቲ ጠርኒፍና ዝጸንሐ (ብውልቀይ ዝመስ ለኒ) ተመራሚርካ’ውን ኣብ ዝብጻሕ ብዘይምህላዉ “ኣይትመራመር” ዝብል ትእዛዝ ገዲም እምነት ቅዱስ መጽሓፍ ክምክቱ ዝመስሉኒ ከም ሕሱም ዝምድሩ ክኢላታት ዘመናዊ ሃይማኖት ብዝገበርዎ ቃልሲ ትሕድስቲ ቡሉይ ኮነ ሓድሽ ኪዳናት ንደቂ ኣንስትዮ ግቡእ ጾታዊ ሃይማኖታዊ ማዕርነት ከምዘጓናጸፉወን ዘውግዓ ተበራኺተን ኣለዋ። ንሱ’ሞ ቀቀሊሉ፡ ጓለንስተይቲ ነ ቲ ቀንዲ ዓንቃጺ ምዕባለ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ትጠቕሶ ነባር ሃይማኖታ ጠጥሒሳ ምስብጾታ ኣብ ሕምብርቲ ቤተ-ክርስትያን ክትነሳነስ እንከላ ምውት ከተተንስእ ተኽእሎ ከምዘለዋ ክውረየላ ከምዝጀመረ እርኢ እሰምዕ’ውን። ሽዑ ኣነድማ እጥርጥር። “እዛ ናተይከ ከምኡታት ዶኾን ሰሪጽዋ”? እናበልኩ።

መቸም በዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ኩነታት በቲ ‘ኣረጊት’ መዐቀንስ ንሳተን (እተን ዝምልከተን) ቀይዲ በቲኸን ንግዳም ከምዝተቓልዓ ይውቀሳ ኣለዋ። እዚ ማለት ናብቲ “ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ” ዝብል ኣባታዊ ብሂል ከምዝተሳጥሓ ኢዩ ዝትረኽ ዘሎ። ግ ዳም ምውጻእ ድማ (ትርጉሙ ብልክዕ ተረድኡለይ) ንግራት ፈረቓነት (እዚ’ውን ከምኡ) እንድዩ ዘቃልዕ፡ ‘ሰበይተይ፡ ደቀይ’ ምባል ከኣ ‘ብውሕሉል ዘመናዊ’ ኣገላልጻ ብሕትው እጀታ ደቂ-ተባዕትዮ ስለዝኾነ፡ ምስቲ ሹብሹብ ነጻሉ ብዝተፈጥረ ሓድሽ ብድሆ ደቂ-ኣንስትዮ ንሳተን ንድንግል ማርያም ብመልክዕ መሪሕነት ሃማደኤ ኮነ ብእምነተ-እመቤታችን ኣሚነን ዝዕድማ ወ ይ ዝግልላ ከይፈላለና እጅገአን ሰብሲበን ዝምጉታ ወናማት ይርኣያ ከምዘለዋ ኢዩ’ቲ መግለጺ።

መዓስ ንሱ ጥራይ። ብኣስማቱ ናይ’ዛ ዓለም ነገር’ኮ ኩሉ ፈተና ኢዩ። እንታይ ምዃን? ነየናይ ምእማን? ንዝብል ሕቶ ፍታሕ ንዘምጽእ ምቁማት ድማ የግዲ ብምዃኑ፡ ብፍላይ ‘ኣምላኽ ዝለኣኾ ዘበለ’ ድማ ከልካሊ ዘይብሉ እንድዩ ኮይኑ፡ ወየን ዘንቀ ዳ ኣሕዋትና’ውን ንልኡኻት ፈጣሪ ከአንግዳኦም ድሕር ከምዘይብላ ብጹኑዕ እምነተን ይምጉታን ይዋስኣን ከምዘለዋ ይስማ ዕ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝኾነ ወዲ-ተባዕታይ (ወላዲአን ሓወን በዓል-እንዳኣን) ‘ብሒም ክብል የብሉን’ ይብል ሕልናአን። ግደፍዶ ፍጡራት ደቂ-ሰብስ እዝጊ ብዓቢኡ’ውን’ኮ ነቲ “ፍቕሪ ናይ ሓባር’ምበር ብሕታዊ ኣይኮነን” ዝብል ናይዚ ዘመን ፍል ስፍና ተኾልዂለን ነቲ ኣቐዲሙ ንዝወገዞ ማዕቀብ ግራት ፈረቓነት ዳግመ-ግምት ገይሩ ከምብሓድሽ ክምርቕ ከማኽራኦ ከረ ድኣኦ፡ እንተዘይሰሚዑ’ውን ከስገድዳኦ ዝዓለማ ዝመስላ ሓያለይ ወናማት ተቐላቒለን ኣለዋ ይበሃል።

እዝግዮ ሰሃሊነነ !!!!!!!!!!

“ኣብ ድሮ ዝኽሪ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ እዝን መሰሉን ምጽሓፍን ምዝራብንሲ ምስምንታይ ይቑጸር”? ዝብል ብድሆዶ መጺእኒ ሓቀይ? አእ፡ ዝነደየ ድኣ’ሞ እንታይከ ዘይሓስብን ዘይብልን? ካባይ ካብ ቃና ስዑራት የድሕንኩም ከሲረ  ………….

ኣብ መፈጸምታኡ የራኽበና።

ግደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Tesfu Kbrom March 3, 2014

    Bravo Godefa! keep it!

  • Zufana March 3, 2014

    Godeffa Anbessa, Kemakha “yibzhu yibzhu” bhaki.
    Long live Eritrea, good years will definitely come, it is just taking a bit longer
    Unity is our foundation, equality is our destination.

  • Zufana March 3, 2014

    “aqebet wedieyo, qulqulet terifuni
    ayaregkun gena zterefa alewani”.

  • SAVING YOUNG ERITREANS March 3, 2014

    ኣንቲ ነጻነት ኤርትራ ኮይኑስ ፣
    _ኣብ ድፋዕ ትርከቢ፣እሞ፣እቶም ካብ በረኻ ጀሚሮም ባህሊ ኣድጊ በረኻ ዘለዎም ይክኣሎታት፣ጓዕጺጾም ዝዕምጹኺ ዘለዉ፣ሓደ ክልተ ዋርሳይ እውን፣ይክኣሎ ምስ ጸገቡልኪ፣ ተረፎም ዝዕምጹኺ_፡ሓደራ ፣ጸጋ ገድልኽን፣ በዓል ደቀንስትዮን ምብዓል ከይትርስዕዮ።
    _ ኣንቲ ብመልክዕኪ ሓለፋ ስለ ዘለኪ እንዳ ኮሮኔል ከተገልግሊ ዝተመደብኪ ዋርሳይ፣ኮሮኔላት ሻዕብያ ምስ ዓመጹኺ ቅድሚ ሽቓቕ ኬድኪ ምብካይኪ__ሓደራ ጻማ ገድልኽን ፣በዓል ደቀንስትዮን ከይትርስዒ።
    _ ኣንቲ መታን ይክኣሎ ነበር ሸፋቱ ፣ገዛኺ ብሓይሊ ወሲዶም፣ ምስ ስድራኺ ደገ ከየሕድሩኺ፣ ከም ጉቦ፣ንጽህናኽን ድንግልናኽን ተወፍዪ ዘለኺ፣ ነጻነት ኤርትራ ናብ ኣመንዝራ ዝቐየረኪ__ምንም እንተኾነ ምእንቲ ገዛኻን ፣ስድራኻን ዓድኻን ዘይግበር የለን ኣዴታትክን ኣብሻታትክን ድሙ ድሙ ሰትየን ዘወፈይኣ ሰውራዊ ዝሙት ፣ናትኪ ግን ኣብ ዶፕዮ ዓራት ስለ ዝኾነ ከሔጉሰኪ ይግባእ።ናይ ንጽህና ደምኪ እናሓበስክን ነብስኺ እናጸላእክን፣ ንገድሊ ኤርትራን ብዓል ደቀንስትዮን ምብዓል ከይትርስዒ።
    _ ኣንቲ፣ሻዕብያ ብገንዘብ ናብ ራሻይዳ ሸይጦምኺ፣ካብኡ ድማ ናብ በደዊን ዝተሸጥኪ ጓል ኣንስተይቲ___እቶም በደዊን ማሕረሻ ኣርሲኖም፣ ኣጥባትኪ ከሕርርዎ ከለዉን ፣ኣብ መሸኒትኪ ጓህሪ እናሸልበቡ ዘሳቕይኹን__ኣብ ሞንጎ ኣውያትኪ፣ ንገድልኽን፣ብዓል ደቀንስትዮን ከይትርስዒ ።
    __ ኣንቲ መንግስቲ ሻዕብያ ጥራይ ከተምልኺ እናተገብኣኪ፣ ንክርስቶስ ስለ ዝወደስክን ዝዘመርክን ብገበን ቤት ማእሰርቲ ሸጕሮም___ብቕድሚትን ብድሕሪትን ተቓባቢሎም እናዓመጹኺ___ኣበይ ኣሎ እቲ የሱስኪ ፧ ሕጂ ድ ኣ ወሪዱ ካብዚ ዘየጋላግለኪ እናበሉ ዝገፍዑኺ ፣ምእንቲ እዛ ሓዳስ ኤርትራን ምእንቲ ብዓል ደቀንስትዮን ክትብሊ ብመዝሙር ክትውድሲ ከይትርስዒ።

    ወጻኢ ዝርከቡ፣ ኤርትራውያን ደቂ ሃገረይ ድማ ፣ኣብ ጊዜ ውግእ ባድመ ገንዘብ ኣዋጺኦም___ንወያነ ክሳዕ ባረንቱን ዓዲቀይሕን ማይድማን ዘጓየይዎም ___ሎሚ ድማ ዝበዝሔ ገንዘብ ኣዋጺኦም ፣ንወያነ፣ ክሳዕ ኣስመራን ከሰላን ከም ዘጓይይዎም ኣይጠራጠርን።ኣነ እንተኾነ ከም ኣመለይ ጌጋ ክብል እየ፣ካብ ድምበዛን ኣውጺኦም ዓጋመ ክብሉኒ እዮም። ነ ጨበል በየናይ ዕድለይ ዓጋመ ምዃን ክረኽቦ !!!!!!

    With Unspeakable Sorrow

    Uncle SYE (Saving Young Eritreans)

  • Semhar March 3, 2014

    As long as Isayas , ባህሊ ኣድጊ በረኻ ዘለዎ his son ዋርሳይand HIGDEF ሸፋቱ ዋርሳይ፣ኮሮኔላት ሻዕብያrule Eritrea this ባህሊ ኣድጊ በረኻ will continue.
    The only solution is to get reed of Isayas the leader of ባህሊ ኣድጊ በረኻ, the leader of ዋርሳይ፣ኮሮኔላት ሻዕብያ , his son ኣድጊ በረኻand his blind followers HIGDEF ሸፋቱ just like the Libyans did to Gadafi and his sons.
    Eritreans should unite and get reed the tyrant Isayas ኣድጊ በረኻ , his son ይክኣሎ ነበር ኣድጊ በረኻ and his blind followers HIGDEF ሸፋቱ .

Post a Reply to Zufana Cancel Reply