Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ንምጥፋእ ዝተማህዘ ሓድሽ ውዲት

እቲ ብስም ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝወጸ መግለጺ ናይቶም ሃይማኖታዊ ጉዳያት ከም መተካእታ ዮፍታሀቀሺ ዲመጥሮስ ገይሩ ኣብ መንበረ ጵጵስና ዘቐመጦም መንሽሮ ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም ዘለዉ ብኣባ ሉቃስዝምርሑ ኣቶ ካሕሳይን ኣቶ ግርማይን መግለጺ እዩ። እዚ በቲ ልሙድ ተንኰልን

እቲ ብስም ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝወጸ መግለጺ ናይቶም ሃይማኖታዊ ጉዳያት ከም መተካእታ ዮፍታሀቀሺ ዲመጥሮስ ገይሩ ኣብ መንበረ ጵጵስና ዘቐመጦም መንሽሮ ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም ዘለዉ ብኣባ ሉቃስዝምርሑ ኣቶ ካሕሳይን ኣቶ ግርማይን መግለጺ እዩ። እዚ በቲ ልሙድ ተንኰልን ድፍረትን ዚመልኦ ንፓትርያርክኣንጦንዮስን ንብዙሓት ወሉደ ክህነት ዜነውርሉ ዘለዉ ቃሎም ክትፈልጦ ዘጸግም ኣይኰነን። እዚ ድማ ድሌትናይቲ ንኸምዚ ዓይነት ድፍረትን ቤተ ክርስቲያን ጅሆ ሒዝዋ ዘሎ ስርዓት ዝዓሰቦም እዩ። ስለምንታይሲ፥ እቲብስም ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝወጸ መግለጺ ገና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ምስ ሲኖዶስ እተራኸብሉ ሰዓትከይተዛዘመ ዝወጸ መግለጺ ብምዃኑ ንኣቦና ቅዱስ ኣንጦንዮስ ንምውንጃልን ዳግማይ ግዳይ ንምግባሮምኣቐዲሞም ዝመሃዝዎ ፈጠራ እዩ። ኣቦና ቅዱስ ኣንጦንዮስ ተበዲሎም እምበር በደል ኣይፈጸሙን ዝበደልዎኣካልውን የለን፥ በደል ዘይገበረ ሰብ ድማ ይቕሬታ ዝሓተሉ ምኽንያት የለን። ስለምንታይ ድኣሉ ብስም ሲኖዶስዝወጸ መግለጺ “ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ይቕሬታ ስለዝሓተቱ ብበደሎም’ውን ስለዝኣመኑ ሲኖዶስ ምሕረትጌርሎም” ዝተባህለ? ኣድላይነቱኸ እንታይ እዩ? ንመን ሓራ ንምግባርከ እዩ?
 
ቀንዲ ተልእኮኦም ኣብቲ ጕዳይ ሲኖዶስ እምበር መንግስቲ ኢድ ከም ዘይብሉ ንምግላጽ እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ጊዜእቲ ኢድ መንግስቲ ኰይኑ ዚዓዪ ዝነበረ ኣቶ ዮፍታሄ፡ መምርሒ ሲኖዶስ ኣወጊዱ ብናቱ መምርሒ ኣማሓዳሪልዕሊ ጳጳሳት ኰይኑ ጳጳሳት ድማ ተሓታትነቶም ንኣማሓዳሪ ከም ዝገበረ ይዝከር። ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስድማ ነቲ መምርሒ ዮፍታሄ ብዕሊ ነጺጎም ስለ ዘውገዝዎ፡ ንስኻ ንቤተ ክርስቲያን ኣይትመርሓን፡ ንኣይውንኣይትመርሓንን ኢኻ ስለ ዝበልዎ፡ ነቶም ኣቦታት ከካብ ዝነበርዎ ጸዊዑ ብምእዳም ስልጣን ኣቦና ከም ዚቐንጠጠ፡ነዚውን መራሕቱን ተግበርቱን እቶም ተንዀልን ሽጣራን ፖለቲከኛታት ከላልዩ ዚኸብዶም ውሑዳት ግሩሃትኣቦታት ኣብቲ ናይ ዮፍታሄ ሰሚሮም ኣንጻር ኣቦና ተላዒሎም። ብግዲ ፈርሙ እናተባህሉ፡ ብግዲ ዚፈረሙን ክሳብሕጂ ዘይፈረሙን ከም ዘለዉ እቶም ኣቦታት ባዕሎም ዚምስክርዎ፥ ሰነዳትውን ዘረጋግጽዎ ሓቂ እዩ።
 
ሕጂውን ገመል ሰሪቕኻ ጕንብሕ ጕንብሕ ምባል ኢና እንርእዮ ዘሎና። ብውዲትን ክፍኣትን ኣብ መንበርፓትርያርክ ክሳብ ዘለዉ ቤተ ክርስቲያን ክትጥዒ እያ ምባል ይኸብድ እዩ። ምኽንያቱ ተልእኮኦም ኣንጻር ሰላምንሓድነትን ቤተ ክርስቲያንን ኰይኑ፡ የማናይ ኢድ ናይቲ ፖለቲካዊ ሓይልን ኣባ ሉቃስን ብምዃን፥ ንዕኦምዘስግእ ምጽላም፥ ምስጓጕ፥ ምእሳርን ምንዋርን እዩ ዓላማኦም።
 
እዞም ጳጳሳት ኣቦታት፡ ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ናብ መንበረ ጵጵስና ምስ መጹ ብንብዓትን ብኽያትን ብሓጐስንከም እተቐበልዎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ርእዮምዎ ብቃሎም ዝምስክርዎ ዘለዉ ሓቂ  እዩ። በዓል ካሕሳይበዓል ግርማይ ግና ምስ ሃገራዊ ድሕነት ተመሳጢሮም ነፍሶም ኣጥፊኦም፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣንጦንዮስዘይበልዎን ዘይተዛረብዎን ቃላት ምሂዞም ብኢንተርነት ምዝርጋሖም ኣምላኽ ርእይዎ ኣሎ። ነፍስኹምኣጥፊእኹም ብስም ሱባኤን እግዝእትነ ማርያምን ክትጥብሩ ምፍታንኹም፡ “ሰይጣን ንርእሱ መልኣኽ ብርሃንእንተ ኣምሰለ” ህዝቢ ኣምላኽን እግዚኣብሄር ባዕሉን ኣይዕሾን እዩ፡ ብህይወት ኰለኹም እንተ ትንስሑሉ መንምሃበኩም። እንተ ዘይኰነ ግና ከም ግብርኹም ኪወሃበኩም እዩ።
እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣቦታትውን ኣብኣቶም ክወድቕ ዝኽእል ኣደራዕን በትርን ተራእይዎም እምበር፥ሕልንኦምሲ እቲ ሓቂ ይምስክር ኣሎ።
 
ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ነገራት ሓቅነቱ ኣውጺእካ፥ ንኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ናብ ቦታ መዓርጎም ምምላስመን ይጸልኦ፡ ብጀኻ እቶም ጉዶም ከይቅላዕ ንብርሃን ጸልማት፡ ንሓሶት ሓቂ ፡ ንጥዑም መሪር እትብሉ ብስምሲኖዶስ እትጻወቱ ዘሎኹም መንሽሮ ቤተ ክርስቲያን ዄንኩም ዘሎኹም፡ ክዳን ኣባጊዕ እትኽደኑ ተዃሉ። ሓቅነትክሳብ ዘይሓዝኩምን ክሳብ ዘይተነሳሕኩምን፡ “ኣታ እትጠልም ንስኻውን ምጥላምካ ምስ ወዳእኻ ክትጥለም ኢኻእሞ ወይልኻ” ዚብል ቃል ዘክርዎ፡ ኪመጸኩም እዩ። ኣይኪድንጕን’ውን እዩ። 
 
ህሉው ኩነታት ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ
1.      እቲ ዕርቂ ኢሎም ዚሰመይዎ ገና እዩ። ተጀሚሩ እምበር ኣይተወድአን።
2.      ኣብዚ እዋንዚ ኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ዘለዉ። ኣብ ዝኸረረ ናይማእሰርቲ ኩነታት’ውን ይርከቡ።
3.      እቲ ሓለዋ መሊሱ ስለ ዝኸረረ፥ ኣብዚ እዋንዚ ዝኾነ ሰብ ንፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ክበጽሖም ይኹንክርእዮም ኣይፍቀድን እዩ።
4.      ኣብ ስእሊ ድኣ ይረኣዩ እምበር፥ ካብ ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ብቓል ይኹን ብጽሑፍ ዝተዋህበ ዝኾነወግዓዊ መግለጺ የለን።
5.      እቲ ብስም ሲኖዶስ ዝወጸ መግለጺ ብዘይ ኣፍልጦ ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ፥ ብዘይ ኣፍልጦ እቶም ንዕርቂዝተኣከቡ ጳጳሳት ከምዝወጸ፥ እቲ ክታም ይኹን ኣስማትውን ሰንዓ ምዃኑ ህዝቢ ስለዝፈለጦ መዛረቢ ኮይኑኣሎ።
6.      ቀንዲ ሃንደስቲ ናይዚ ፈጠራ’ዚ ኣቶ ኣብርሃ ካሳ ካብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ካብ ቤተ ክርስቲያትን ተዋህዶድማ ኣባ ሉቃስ ምስ ሰዓብቶም ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፥ ኣቶ ግርማይን ኣቶ ካሕሳይን ምዃኖም ክፍለጥይግባእ።
 
ክመጽእ ዝኽእል ነገራት
ክልተ ቃራና መገዲ ኣሎ።
1.      ክሳብ ሕጂ ዝተኣሰርክሞ ይቕረታ ስለ ዝሓተትኩም ምሕረት ተጌርልኩም ናጻ ወጺእኩም ኣለኹም፥ንምባል ዝዓለመ ይመስል
2.      እቲ ካልኣይ መገዲ ናብ መንበርኩም ተመለሱ ግን ስራሕኩም ቡራኬ ምሃብ ጥራይ እዩ ኣብ ካልእጉዳይ ቤተክርስቲያን ከይትኣትዉ ዝብል እዩ። እዚ ካልኣይ ኣማራጺ ተጽዕኖ ህዝቢ በርቲዕዎም ኣሎ እሞተገዲዶም ክኣትውዎ ይኽእሉ’ዮም ብዝብል ምኽንያት እዩ።
 
ኣብዚ ዘለና ነቲ ዝግበር ዘሎ ውዲት ንርእዮን ንሰምዖን ስለዘለና  ኩነታት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣዝዩ የሻቕለና፥ብህይወት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝሕተት ድማ እቲ ን10 ዓመታት ምሉእ ዝኣሰሮም ስርዓት ህግደፍ ምዃኑክፈልጥ ይግባእ። ዓለም ከም ሓደ ደምበ ኣብ ዝኾነትሉ ዘመን፥ ኣባ ሉቃስ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፥ ይኹኑ ሰዓብቶምኣቶ ግርማይን ኣቶ ካሕሳይን ድማ ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ከምዘይክእሉ ብዕሊ ነዘኻኽሮም። ከመይሲ ድሕሪጸልማት ብርሃን ኣሎ።
 
ነቲ ዘይቅበር ሓቂ ኣምላኽ ከይደንጎየ ክገልጾ ናብ ኣምላኽ ንጸሊ።
 
ሕቡኣን ዘእም-ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Ghezae August 20, 2016

    Assenna don’t let the moslems commenting or making a fun of our Patriarch as this is a sad Eritrea’s Christian issue.

    • AHMED SALEH!!! August 21, 2016

      Ghezae , is that you contribute for your ABUN defense ?
      Nobody made a fun about this holy man . In fact you better feel the
      pain your Patriarch endure than poking in our comments . And we
      are Eritreans who stand for justice for all ( DELEYTI FITHI ) .
      Take your rubbish mentality somewhere else . In all past topics of
      his case most of you prefer silence than give voices of support .

      • AHMED SALEH!!! August 21, 2016

        Sometimes I feel helpless to figure out some people mind set .
        Unless they come here purposely to provoke . But it doesn’t
        make a sense to make fun on others sufferings .
        MAY GOD FORGIVE US .

  • ኣሃዱ ምእመን August 21, 2016

    ብመሰረቱ ኣሰና ፖለቲካዊን ናይ እምነትን ጉዳይ ክትፈልዩ ዘይምኽኣልኩም እሞ መጋበርያ ምዃንኩምን ኢዩ። ንሕና ክሳብ ዝርድኣና get it firesr and get it right ዝብል ናይ ጋዜጠኛታት መርህ ምዝንጋዕኹም ኢዩ። እዚ ጉዳይ ንኩልና ኣገዳሲ ስለዝኾነን ኩልና ድማ ንስዕቦ ስለዘሎናን ክተስተውዕሉ ምተገብእ፡ ዝተጻሕፈልኩም ነገር ናብ ሓሳብኩም ስለዝቐረበ ትኽክል ኢዩ ማለት ኣይኮነን። ብምእሳር ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝሕጎስ የልቦን ግን ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ምትዕራቖም ዘየሕጎሠኩም ሰባት ምብዛሕኩም ኢዩ፡ እዞም ኣቦ እዚኦም 10 ዓመት ክእሰሩ ኮለዉ እንተኾነ ብሰላማዊን ሕጋዊን መንገዲ ክወጹ ካብኡ ዝተረፈ ከኣ ንስኹም(ተቓወምቲ) መንግስቲ ከተውድቑ ኢሎም ተጸብዮም ግን ወይከ እሶም ናይ ኣቦነት ናይ ክርስትናን ናይ መንፈሳዊነትን ፍረ ኣርኢዮምና እሞ ንስኩም ከኣ ናይ ጋዜጠኛ ባህሪ ኣርእዩና።
    N.B ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ
    ዲያቆን ግርማይን
    ዲያቆን ግርማይ ብምባል ናይ በዓል ምያ ጸሓፍ

    • AHMED SALEH !!! August 21, 2016

      If you are truly religious person I feel sorry for you to mix spiritual
      beliefs with politics . Shame on you to call yourself DIACON . You
      seem a church member who support HGDF regime to undermine
      the imprisonment of your PATRIARCH .
      But I suspect you are phony commentator in disguise of religious
      Christian as usual as we observe in this forum with funny pen names.

  • Muslem August 21, 2016

    GHezae,,,, Moslems are sad as sad as their Christian brothers. Abune Antonios is an examplary symbol of all Eritreans. His Excellency The patriarch has given his voice instead of the voiceless Eritreans against the dictator not only for the sake of Christians but also for the sake of all Eritreans irrespective of their faiths.

    • AHMED SALEH !!! August 21, 2016

      Assenna moderators must step up to stop these suspicious comments
      with sinister agenda . Unless we confronted them to watch their language
      they will not stop from promoting hatred and mistrust among Eritreans .
      And I keep warning that we are dealing with worst Eritrean people enemies than HGDF cronies . I don’t know if they are true Eritreans or not
      regardless their spoken Tigrigna common language but their mouth piece
      has been venomous .
      Learn from current situation in Ethiopia and Ruanda to understand how some corrupted officials can easily destroy the well being of a nation . We will not allow anybody to sow hatred in Eritrean society . So far they
      tried but for no avail but we know we have big challenges ahead of us .
      And it will not be difficult to resolve minor differences among ourselves .

POST A COMMENT