Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ እንጦንዮስ ብጽኑዕ ሕማም ወዲቖም ኣለዉ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ 7 ግንቦት 2017 ብሕክምናን ኣድላዪ ጉዳይን ተባሂሎም፥ ብዘይድላዮም ካብ ቤት ማእሰርቶም ተወሲዶም። በቲ ዕለት ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝርከብ ሕክምና ሰብ ኣብ ዘይብሉ ጻንያ ቦታ ወሲዶም፥ መርፍእ

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ 7 ግንቦት 2017 ብሕክምናን ኣድላዪ ጉዳይን ተባሂሎም፥ ብዘይድላዮም ካብ ቤት ማእሰርቶም ተወሲዶም። በቲ ዕለት ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ዝርከብ ሕክምና ሰብ ኣብ ዘይብሉ ጻንያ ቦታ ወሲዶም፥ መርፍእ ድሕሪ ምውግኦም፥ ኣብ ህይወቶም ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ ፍሉይ ናይ ሕቖ ሕማንን ውጽኣት ቃንዛን ገይሩሎም፥ ኣብ ከቢድ ዝኾነ ስቓይ ኣብታ ተኣሲሮሙላ ዘለዉ ቤት ይርከቡ ኣለዉ።

ብተደጋጋሚ ክንሕብሮ ከም ዝጸናሕና፥ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ተዋህዶ ኣደናጊሩ፥ ሓሚሞም ሞይቶም ክብል ዝተፈላለየ ናይ ክፍኣት ውዲታት፥ ከካይድ ምጽንሑ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።

ድሕሪ ትንሳኤውን፥ እቶም ንስልጣን ጭንን ዝብሉ ዘለዉ፥ ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ዝበሃሉ ክልተ ጳጳሳት ዝመርሕዎም ስልጣን ጵጵስና ዝጸናጸኑ ሒደት ፈለስቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ከይዶም፥ ክሳብ መዓስ ኢና ብዘይፓትርያርክ ክንነብር ሹሙልና። ኢሎም ጥርዓን ከም ዘቕረቡን፥ ወከልቲ ህግደፍ ድማ  ደሓን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ውሕሉል ብኾነ መገዲ ኩሉ ክንውግኖ ኢና፥ ብቕልጢፍ ድማ ክንሸመልኩም ኢና።  ዝብል ተስፋ ከም ዝተዋህቦም ኣብ መላእ ከተማ ክዕለል ቀንዩ እዩ። ኣባ ሉቃስውን ዓው ኢሎም እንተ ኾነ በዓለ መንፈስ ቅዱስ እንተዘይኮነ ድማ ፍልሰታ ውድእ ኣቢልና ክንሸይም ኢና ኢሎም የዕልሉ ከም ዘለዉ ካብ ቃሎም ዝሰምዕዎ ይዛረቡሉ ኣለዉ።

ድሕሪ እዚ ወረ እዚ ድማ ኣማኒ ተዋህዶ ብፍላይ ከኣ እቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሎ፥ ሕጂሲ ንኣቡነ እንጦንዮስ ገለ ክገብርዎም ኢዮም ዝብል ስክፍታ ጸኒሕዎ እዩ። ካብቲ ስክፍታን ፍርህን ጥርጣረን ከይወጻእና ድማ፥ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣቦና ዘይፈልጥዎ መድሓኒት ተወጊኦም ተመሪዞም ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡ ኣለዉ። እቲ ሳዕቤን ከይፍለጥ ድማ ዝኾነ ሰብ ከይኣትዎምን መድሓኒት ከይወሃቦምን፥ ብኸቢድ ሓለዋ ይሕለዉ ኣለዉ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ርእሲ ኣባ ሉቃስ ዘሎ ናይ ህዝቢ ጽልኣት መኣዝኑ ንምቕያር፥ ብፍሉያ ሓዱሽ ፍቕሪ ምስ ኣባ ባስልዮስ እዩ ጀሚሩ ዘሎ። ኣባ ባስልዮስ ምንም እንዶ ዘይብሎም፥ ዝበልካዮም ዝኾኑ ብምዃኖም፥ ስርዓት ህግደፍ ዓይኑ የዝብል ኣሎ ካብ ኣባ ሉቃስ።

ኦርቶዶክሳውያን ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Aron Fist May 16, 2017

    እዝግሄር ኢዱ የንብረላ ተዋህዶ ቤትክርስትያና
    ዩሁዳ እስቆሮጣዊ ከም ኣሰለት ተጠቅሊልዋ ኣሎ
    ህግደፍ ከም Nazi ኢሰያስ ከም Adolf Hitler።

  • Daniel Tesfazion May 16, 2017

    ካብ’ዚ ኣረሜን ስርዓት እንታይ ክጽበ ይከኣል እንትርፎ ሕማቅ ነገር። መቸም ኣምላኽ ኩሉ ይከኣሎ እዩ’ሞ ነቦና ኢዱ የንብረሎም።

  • andom May 17, 2017

    After failing the exams and without adequate financial support to repeat the whole year, he headed to sudan to join jebha. After mastering the art of deception and back stubbing in china, he has not learn anything useful to his life or others. This he can do.

  • Nahon May 17, 2017

    May God extend the life of His Holiness to see the end of the criminal Junta.

  • Tesfa May 18, 2017

    ክሳብ ህጂዉን ብሃይሊ እግዚያብሄር እዪም ዘለዉ: ህግደፍ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብአምላኽ ናይ ኢዶም ክረኽቡ እዮም:እግዚያብሄርዉን ይኣክል ክብሎም ስለለዝዀነ: ንኣቦና ግን ንምንታይ ብዓለም ዘለና ምእምን ሱባኤ ዘይን ዘይንሕዘሎም።።

  • Sol May 18, 2017

    ኣየ ሕጊግደፍ ደንጒዩኩም ሞት ኣቡነ እንጦንዮስ መቐላጠፊት መርፍእ ወጊእኩሞም ግን መሕጸሪት ዕምርኹም ክትከውን ሙኻና ኣይትረስዑ።

  • k.tewolde May 18, 2017

    BORTHODOX KAL IMNET TEWAHDOKA,KAB DINGLE ZITEWERSE ITI KIDUS SIGAKA,BA’ELKA MRHAYO MENFESKA BFKADKA,NPAULOS ZIWEREDE BRHAN KAL ZERGIHKA. AB KERANYO BIMSKAL AB GOLGOTA TEKEBERKA. Someday soon,those who are inflicting pain and suffering to his divinity Antonios and the rest of the innocent victims will be struck by the blinding light from the heavens that jolted Paul to submission.That day is not far away and I hope the patriarch will be around to see it.

    • k.tewolde May 18, 2017

      My decent,God/Allah fearing,generous,hard working,conscientious,loving,big hearted people that I knew,where are thou,what are you waiting for?

  • Wediselam May 19, 2017

    I am as a chatolic follower, if all Eritrean Christian didn’t take this crimes seriously then we are not Christian. This not only eritrean orthodox business but also to every and single of christians. Our great religious leader should not be treated that way, perpetrators should be brought to justice.
    THIS A WAR BETWEEN CHRIST FAMILY AND DEVAL FAMILY WHO ARE MANUFACTURED BY WEACHCRAFT

  • Wediselam May 19, 2017

    As a chatolic follower, this is a fight between Christ Family and Devil Family.

  • Hamid Ibrahim May 20, 2017

    “This not only eritrean orthodox business but also to every and single of christians.”

    I would rather say this is an issue that concerns every Eritrean. Whether they are Muslims or Christians we should all know that Abune Antonios is a symbol of our national resistance. He is suffering because he said ‘No’ to a godless dictator.
    Defending the sanctity of own church/mosque from the interferences of a mafia clique is not different from standing for basic human rights.

    May Allah/God protect him from the bloody Gestapo of the regime.

Post a Reply to andom Cancel Reply