Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Assenna News: ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብህዝባዊ ምልዕዓል ህዝቢ ሱዳን ተዋጢሩ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰራዊት ሱዳን ካብ ስልጣን ክወርድ ተገዲዱ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

  ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን፡ ነቲ ናይ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ናይ ምውራዱ ዜና ብ ቀጥታ ብቴለቭዥን ኣረጋጊጹዎ።   ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ሱዳን ህጹጽ ኣዋጅ ተኣዊጁ ኣሎ።   ህዝቢ ሱዳን፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ወሪዱ ዝብል ወረ ድሕሪ ምስምዑ ኣቐዲሙ

 

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን፡ ነቲ ናይ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ናይ ምውራዱ ዜና ብ ቀጥታ ብቴለቭዥን ኣረጋጊጹዎ።

 

ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ሱዳን ህጹጽ ኣዋጅ ተኣዊጁ ኣሎ።

 

ህዝቢ ሱዳን፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ወሪዱ ዝብል ወረ ድሕሪ ምስምዑ ኣቐዲሙ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ሓጎሱ ክገልጽ ከሎ ዘርኢ ናይዚ ሰዓት `ዚ ስእልታት።

 

ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ኣብቲ ንኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ሰልፍታት ብዘርኣያኦ ሰፊሕን ተባዕን ተሳታፍነት ኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ኮይነን ኣለዋ።

 

ሰራዊት ሱዳን፡ ናብቲ በሽር ክወርድ ጽዑቕን ቀጻልን ሰላማዊ ሰልፍታት ዘካይድ ዝነበረ ህዝቢ ብዘይምትኳሶም፡ ናይ ህዝቢ ሰራዊት ብምዃኖም፡ ህዝቢ ኣድናቖቱ ይገልጸሎም ኣሎ።

 

እቲ ጉዳይ ኣብዚ እዋን ዚ ዝምዕብል ዘሎ ብምዃኑ፡ ምዕባለታቱ ተኸታቲልና ከነቕርበልኩም ኢና።

 

እዚ እዋን ኣዝመራ ሓርነት ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ ዝመስል ዘሎ `ሞ፡ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ `ውን ንሓው ህዝቢ ሱዳን የማስሎ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Hagherawi April 11, 2019

    ብጣዕሚ ዘሕጒስ ዜና እዪ።
    ካብኦም ንማሃሮ ገለ ነገራት ኣሎ።

    1. ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ልገስ እዪ ዝበሎ።
    እንተ ዘይሓብሩ ፥ ነንሕድሕዶም ከም ዝቃተሉ ምገበረ ፥ ግን በሊሕምላ ጸኒሖም። ስለዚ ሓድነት ኣብ ዓወት ኣብጺሑዎም።

    2. ሰራዊት ሱዳን ሃገራዊ ትካል እዩ።
    ንሓደ ፖሊቲካዊ ኣካል ዝሕለቅ ኣይነበረን።
    ግን ዑመር ኣልባሺር ፥ ብማለሽያ ተኪኡዎ ጸኒሑ። ብሰንኩ ለውጢ ዶንጊዩ።

    3. ምልካዊ ስርዓት ፥ መተካእትኡ ዝኾዉን ፥ፖሊቲካዊ ሓይሊ ከም ዘይህሉ እዩ ዝገብር።
    ሱዳናውያን ነዚ ኣዕናዊ ተግባር መፍትሒ ንምርካብ ፥ ሲቪላዊ ስርዕስት እዩ ዘድሊየና ፥ ሓቢርና ክንሰሪሕ እና ይብሉ ኣለዉ።

    እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ናዓና ዓብይ ትምህርቲ እዪ ። ጉድይ ሱዳን ገና ኣይተጨረሰን ፥ ግን ካብኦም ተማሂርና ሃገርና ነድሕን።

    • Negash April 12, 2019

      Unlike you toothless opportunists the Sudanese are REAL people with guts.

POST A COMMENT