Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር፣ ደቡብ ሱዳን ፈተነ ዕልዋ ከምዘፍሸለት ሓቢሩ። ኣብ ጁባ ዝርከቡ ኤርትራውያን በቲ ኩነታት ተሻቒሎም ከምዘለዉ ንኣሰና ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬር፣ እሙናት ወተሃደራት ናይቲ ኣቐዲሙ ካብ ስልጣን ዘባረሮ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ሪክ ማቻር ናብ ሎሚ ኣብ ዝወግሐ ለይቲ ዘካየዱሉ ፈተነ ዕልዋ ከምዘፍሸሎ ቢቢሲ ንጋዜጣዊ መግለጺኡ ብምጥቃስ ሓቢራ። ንሱ፣ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬር፣ እሙናት ወተሃደራት ናይቲ ኣቐዲሙ ካብ ስልጣን ዘባረሮ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ሪክ ማቻር ናብ ሎሚ ኣብ ዝወግሐ ለይቲ ዘካየዱሉ ፈተነ ዕልዋ ከምዘፍሸሎ ቢቢሲ ንጋዜጣዊ መግለጺኡ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ንሱ፣ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን፣ ጁባ፣ ከቢድ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ከምዝሓደረ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ድሕሪ ምቅልሑ እዩ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር፣ መንግስቱ ነቲ ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሩዎ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ንበርጌስ ህዝቢ ዝምልከት ሰዓት እቶእቶ ካብ ኣጋ ምሸት ሰዓት 6፣00 ኣትሒዙ ክሳብ ሰዓት 6፣00 ወጋሕታ ክጸንዕ ምዃኑ ኣዊጁ ‘ሎ።

ኣብቲ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ሓያለ ሰባት ከምዝቖሰሉ፣ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ‘ውን ኣብ ጁባ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ከምዘለዉ እቲ ዜና ብተወሳኺ የመልክት።

ኣብ ጁባ ብዙሓት ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን፣ ነጋዶን ሰራሕተኛታትን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኩነታቶም ንምፍላጥ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ብቴለፎን ደዊልና ከምዘዘራረብናዮም፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራውያን ዝወረደ ጉድኣት ዛጊት ዝተሰምዐ ሓበሬታ የለን። ይኹንምበር፣ በቲ ግጭት ዝተሻቐሉ ኤርትራውያን ኣብ ኣባይቶም ተዓጽዮም ነቲ ኩነታት ይከታተሉዎ ከምዘለዉ ንኣሰና ሓቢሮም።

እቲ ቶኽሲ ካብታ ከተማ እናረሓቐ ይኸይድ ከምዘሎ ኳ እንተጠቐሱ፣ ኣብ ጁባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን፣ ነጋዶን ሰራሕተኛታትን ተጠመቲ ብምዃኖም፣ ነቲ ለይቲ ዝጸንዕ ሰዓት እቶእቶ ከኽብሩዎን ዝያዳ ጥንቃቐ ከዘውትሩን ነተሓሳስብ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ሓድሽ ምዕባሌታት ኣብ ዝረከብናሉ ከነካፍለኩም ምዃና ‘ውን ነዘኻኽር።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Kereny December 16, 2013

    ay gud, one who fight for libration becomes dictator. I wonder how these people could live in peace. South Sudan people need to stop building up dictatorial regime.

  • Yonas okirlo December 16, 2013

    The vice president used an eritrean owned hotel to conspire the coup. Owner is bring searched and investigation is still going on.

  • luna December 17, 2013

    Eritreans who ran away from bad situation back home only to find themselves in new unsettling circumstances like what has just happened in South Sudan. It is an ominous sign of what to expect in the days ahead.

    Can we learn to stand together to fight tyranny, establish law and order in Eritrea to live with peace and security? South Sudan is the newest African state with a troubled past. The new nation needs time before the demons of their past dies down in order to have stability.

    Look, the coup is cooked in a hotel owned by an Eritrean. Greed displayed already in the open! There are many displaced refugees from surrounding countries and it is worrying hearing the recent development in South Sudan. I hope, reason prevails!

  • sharthie December 17, 2013

    That is me sharthie!!!
    Inte qlwa inte thbsi akilom iyom ab indamatom itemotu intay faida alewo hagerom metsiom gda neti zelo dictatoriawi sirat zyqaleswo

  • barakat November 4, 2014

    it is very good new
    pls, continuewe will support you as much as we can

POST A COMMENT