Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣመሪካ ን ዮርሳለም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ብወግዒ ከምዝፈለጠታ ሎሚ ምሸት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ካብ ዋይት ሃውስ ብቴለቭዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሻማዊ ስጉምቱ ዕንቅፋት መስርሕ ሰላም እስራኤልን ፍሊስጤምን ክኸውን `ዩ ተባሂሉ ካብ መላእ ዓለም ንዝገጠሞ ተቓውሞ ዕሽሽ ብምባል፡ ኣመሪካ ን ዮርሳለም ከም ዋና ከተማ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ ካብ ዋይት ሃውስ ብቴለቭዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣሻማዊ ስጉምቱ ዕንቅፋት መስርሕ ሰላም እስራኤልን ፍሊስጤምን ክኸውን `ዩ ተባሂሉ ካብ መላእ ዓለም ንዝገጠሞ ተቓውሞ ዕሽሽ ብምባል፡ ኣመሪካ ን ዮርሳለም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ብወግዒ ከምዝፈለጠታ ብምርግጋጽ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ቴላቪቭ ናብ ዮርሳሌም ክግዕዝ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ትራምፕ ነቲ ሎሚ ዝወሰዶ ውሳኔ፡ ኣቐዲሙ ክውሰድ ዝነበሮ ዝተደናጎየ ስጉምቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንመስርሕ ሰላም እስራኤልን ፍሊስጤምን ከምዘቀላጥፎ እምነቱ ገሊጹ።

ንሱ፡ ዝቐደሙ ፕረዚደንትታት ኣመሪካ ነዚ ጉዳይ `ዚ ከም መብጽዓ ምርጭኦም `ኳ እንተጎስጎሱሉ ኣብ ግብሪ ከውዕሉዎ ከምዘይከኣሉ ብምምልካት፡ እዚ ወሲዱዎ ዘሎ ውሳኔ ንብድሆታት ሓድሽ ኣተሓሕዛ ከምዘድልዮም ዘርኢ ግብራዊ ስጉምቲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ይኹን`ምበር እቲ ትራምፕ ሎሚ ዝወሰዶ ውሳኔ፡ ኣብ ኣብ ዮርሳሌም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ኪኖ ምዕንቃፍ መስርሕ ሰላም ፍሊስጠማውያንን እስራኤልን ናዕቢ ከላዓዕል እዩ ዝብል ከቢድ ስግኣት ኣሕዲሩ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ይገልጻ ኣለዋ።

ውሳኔ ትራምፕ ብመላእ ዓለም እንተላይ ብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ውጡር ዞባ ዘሻቕል ሓደገኛ ስጉምቲ ተባሂሉ ክንጸግ ከሎ፡ ፖፕ ፍራንሰስ፡ ዮርሳለም፡ ወጻኢ ካብ ናይ ዝኾነ ወገን ማንም ሃገራዊ ልዑላውነት፡ ከምቲ ዘላቶ ፍልይቲ ግዝኣት ኮይና ክትጸንሕ ተማሕጺኑ።

ብኻልእ ወገን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ን ፕረዚደንት ትራምፕ ብኡንብኡ ኣብ ቴለቭዥን ቀሪቡ ብትብዓቱ ክምጉሶ ከሎ፡ ወኪል ፍሊስዬብ በንጻሩ፡ ኣዋጅ ኲናት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኩሎም ዞባታት ፍሊስጤም ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣፈኛ ናይቲ ሓማስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ውድብ ፍሊስጤም ድማ፡ እቲ ስጉምቲ `ኣፋፌት ግሃንብ ምኽፋት እዩ` ኢሉ ብቑጥዐ ኮኒኑዎ።

እስራኤላውያንን ፍሊስጤማውያንን ነቲ ብ ትራምፕ ዝተዋህበ መግለጺ ከከም ረብሓኦም ምኹናኖምን ምንኣዶምን ዘገርም ኳ እንተዘይብሉ፡ ነጻ ዝኾኑ ተንተንትን ጋዜጠኛታት ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ዝወሰዶ ስጉምቲ ንኣመሪካ ኣብ መስርሕ ሰላም እስራኤልን ፍሊስጤምን ከም ፍትሓዊት መንጎኛ ከምዘየርእያ ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ኣመሪካ ንገዛእ ርእሱ ምሉእ ስምምዕ ከምዘይብሉ ጋዜጣታት ይእምቱ።

ዮርሳሌም ኣብ መንጎ ማእከላይ ባሕርን ምዉት ባሕርን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ፡ ጥንታዊት ማእከል ኩሎም ሃይማኖታት ኮይና፡ እስራኤላውያንን ፍሊስጤማውያንን ከም ዋና ከተማኦም እጀታይ ዝብሉዋ ኣከራኻሪት ከተማ እያ።

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Hatati December 7, 2017

    Jerusalem will be there for the next millennia, neither dummy Trump nor will the imbecile Jihadis snatch it away like a poor black African’s kidney – kulit.
    Where are the Arab Muslims and their trusted Abeeds hiding on the issue of the black African Muslims and Eritreans kidnapped and enslaved by the Arabs in Libya, Egypt and Sudan? Will they talk about the Arab’s slave market?
    Will the Arab Muslims go to the streets of Cairo, Tripoli, Aman, Riyadh, Beirut, Khartoum, Tunis, Algiers, Dubai, Lahore and Karachi? Will their slaves bark back to defend their Arab masters with out any shame? or, will they condemn the actual Arab slavery?

    • k.tewolde December 7, 2017

      Hatati,hito abzihka. Before answering your questions,let me ask you one,why and how did the slaves got to the market? markets are driven by supply and demand,who is supplying the slaves and at what cost? why are you falling short criticizing the source instead of the aftermath. Would you drop off your young son or daughter in a known sexual predators house and zoom to work with no worry? A country recently broken apart,run by renegade militias who nobody can hold accountable and looking for a source of income and they see these lost souls out of nowhere trekking through their territory……Hatati,hito aleni! what do you think this sons of anarchy will do????

Post a Reply to Hatati Cancel Reply