Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ብፈረንሳ ምስ እትሕተም መጺሐት ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኣቃሊዑ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ብፈረንሳ ምስ እትሕተም መጺሐት ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኣቃሊዑ። ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ብፈረንሳ ምስ እትሕተም ዠን ኣፍሪክ ዝተባህለት መጺሐት፡

ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ብፈረንሳ ምስ እትሕተም መጺሐት ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኣቃሊዑ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ብፈረንሳ ምስ እትሕተም ዠን ኣፍሪክ ዝተባህለት መጺሐት፡ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ኣቃሊዑ።

ብጋዜጠኛ `ታ መጺሐት፡ `ፕረዚደንት ኤማንወል ማክሮን፡ ፈረንሳ፡ ሃገራዊ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ክትተሓጋገዝ ምዃና ተመባጺዑ ኣሎ። እንተኾነ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ የብላን። እቲ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ጅቡቲ ዲዩ ክኸውን` ክብል ንዘቕረበሉ ሕቶ፡ ፕረዚደንት ጅቡቲ ዑመር ገለ፡ “ኖኖ፡ ኣይፋሉን። ኣብ ባጽዕ፣ ኣብ ኤርትራ እምበር። ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ኣብ ዘበን ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝነበረሉ ቦታ እዩ ክምስረት። ንኢትዮጵያ፣ ናይ ሃገራዊ ክብሪ ሕቶ እዩ። ይኹን`ምበር፡ ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኣዝዩ ክቡር’ዩ። ካብ ሓይሊ ኣየር ንላዕሊ ኳ ይኸብር።” ክብል መሊሱ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ውዕል ድሕሪ ምግባሩ፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ጀነራላቱን ብተደጋጋሚ ግዜ፡ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ምዃና ኳ እንተገለጹ፡ ነቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ኣበየነይቲ ሃገር ከምዝድኩኑዎ ብጋህዲ ኣይገለጹን።

መራሕቲ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ ክዝርግሑዎ ዝጸንሑ መግለጺታት ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ`ቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተፈራረሞ ዘይግሉጽ ስምምዓት ብምስዓቡ፡ ኤርትራውያን፡ ኢሳይያስ ንወደባት ኤርትራ ኣሕሊፉ ይህበን ምህላዉ ተገንዚቦም ጽዑቕ ተቓውሞ ስለዘስምዑ፡ እቲ ዝሕሰብ ዘሎ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ `ውን ክኸውን ከምዝኽእል ዘምስል ወረ ብገለ ማዕከናት ዜና ክናፈስ ኳ እንተጸንሐ፡ መራሒ ናይታ ምስ ፈረንሳ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ጅቡቲ ነዚ ሓቂ`ዚ ምግላጹ ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስግኣት ዘረጋግጽ እዩ።

ንተኣፋፍነት ናይቲ ስምጢር ብምስትብሃል ፈረንሳ `ውን ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ክትተሓባበር ምዃና ካብ ምግላጽ ሓሊፋ ኣበይ ከምዝድኮን ኣይገለጸትን።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብርጋዴር ጀነራል ክንዱ ገዙ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መደበራት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳን ጅቡቲን ዑደት ከካይድ ከሎ፡ ብዕለት 22 መጋቢት ብመርበብ ሓበሬታ (ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ) africaintelligence ተዘርጊሑ ከምዘሎ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ኣድሚራል ጀምስ ጂ ፎጎ (Adm. James G foggo, commander of naval forces Africa) `ውን ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብ/ጀ ‘ክንዱ ገዙ’ ብምርኻብ ኣብ ምምዕባል ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዘተኮረ ዝርርብ ምክያዱ ይፍለጥ።

እዚ ጉዳይ`ዚ፡ ኣብ ትዊተር ብኣካውንት ናይ U.S. naval forces Europe-Africa `ውን ብኸፊሉ ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብ3 ሚያዝያ ምክትል ተሓጋጋዚ ኣዛዚ ሰራዊት ኪዳን ሰሜናዊ ኣትላንቲክ “NATO” ዝኾነ ጆናታን ፓሪሽ ምስ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዴኤታ ዶክተር ማርቆስ ተክሌ ብምርኻብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምትሕግጋዝ ጉዳያት ዘትዮም።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሕልፊ ድማ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብወደባት ኤርትራ ብስምጢር ዘካይዶ ዘሎ ዋጋ ዕዳጋ ኮነ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘርእዩዎ ዘለዉ ጸደፍደፍ ብንቕሓት ብምክትታል ከፍሽሉዎ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ትኩርነቶም ከብልሑ ከምዘለዎም ክዝንግዑ ኣይግባእን።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Gezai Tedros April 8, 2019

    Azi ghset Eritrea zgber zelo hzbi zeyfelto smma ms Ethiopa kbret wedebatna Eritrea mghas malet ayu azi dma bhji wun hiwetna knkefl dluwat aina qedem mantn naxnet teqalise hji wun nqalsi dagmay kaetwu aye bwegeney.

  • Bereke April 8, 2019

    ብዜና ገርና ክንለማመዶ ስለ ዝደልዩ እምበር ብኣዋጅ ምንጋር ጠፊኡዎም ኣይኮነን። የግዳስ እቲ ቀንዲ ጸገም ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘሎ፡ ናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ትግራይን ዘይምስናይ ጥራይ ኢዩ፡፡ ካብ ቀደሙ ውን ዘይንቡር ዲክታተርነት ዘድሊየሉ ምኽንያት ሓደ ዘይንቡር ስራሕ ክስራሕ ስለ ዝተደልየ ኢዩ ነሩ፡፡ ኤርትራ ብባርኾት ኣመሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ናብ ኢትዮጲያ ክትምለስ ዪደልዩን ሰሪሖምሉን ዮም። ነዚ ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልሞም ዘምክን ካኣ እምቢታ ህዝቢ ኤርትራን ምምቕቓል ኢትዮጵያን ጥራይ ኢዩ፡፡ ካብ ኩሉ ዝኸፌአ ግን ነቲ ዝተረፈ ህዝብና ውን ህግደፍ ነዛ ዝበልዓን ዝሰትያን ሲኢኑ ንኽስደድ ዘይ ገብሩዎ የለን። ስለዚ ካኣ ሕግደፍ ማለት ብስም ኤርትራውያን ዝተሰርሐ ኢትዮጵያዊ ውድብ ምዃኑ ፍሉጥ ዩ።

  • Uran April 8, 2019

    Xegem yelen neta hager hade malti alewuwa wAga zkeflula ajokum aytcheneku

  • Hagherawi April 9, 2019

    እዚ ብህግደፍ ተጎልቢቡ ፥ ኣንጻር ልኡላውነት ኤሪትራ ዝሰርሕ ዘሎ ጉጂለ እሰያስ፥ ስርሑ ጨሪሹ ፥ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ፥ በሉ እነሆ ኣብ ኢትዮጵያ መሊስናኩም ፣ ክሳብ ዝብለና ድና ብጽበ ዘለና ?
    ንሰራዊት ኢትዮጵያ ንኤሪትራ ዝዕድም፥ ጸላኢ እዪ። ንህዝቢ ኤሪትራ በቲኖ ፥ ክቃወም ዝኽእል ዓቅሚ ሰብ የለን እሉ ፥ ልኡላዊነት ሃገርና ኣብ ምፍራስ ዝርከብ ጉጂለ እሰያስ ፥ ጸላኢ እዪ ፥ ብዝኾነ ኣገባብ ምእላዪ ፥ ሃገራዊ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ እዪ።
    ኤሪትራዊ ኣስተውዕል ፥ ተጠንቀቅ ፥ ሃገርካ ትጠፍእ ኣላ ፥ ቀልጢፍካ ተሰራዕ ፥ ዘረባ ይእክል ፥ ንስራሕ ተበገስ ።

Post a Reply to Gezai Tedros Cancel Reply