Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖለቲካዊ ርእሰማል ኢሳያስን ዶ/ኣብይን ቃልስናን

ፖለቲካዊ ርእሰማል ኢሳያስን ዶ/ኣብይን ቃልስናን ሕዳር 10/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) እዛ እንነብረላ ቍጠባዊት ዓለም ብዕዳጋ እትነባበር ዓለም እያ። ወድ-ሰብ ተበላሓትን ኣፍራይን ስለዝዀነ ፍረ ናይ ምብልሓቱ ዝተፈላለየ ሃላኺ ኣቕሓ (ኮሞዲቲ) ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ሸያጥን ሸማትን ብዃን ናብርኡ ይመርሕ። እዚ

ፖለቲካዊ ርእሰማል

ኢሳያስን ዶ/ኣብይን ቃልስናን

ሕዳር 10/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

እዛ እንነብረላ ቍጠባዊት ዓለም ብዕዳጋ እትነባበር ዓለም እያ። ወድ-ሰብ ተበላሓትን ኣፍራይን ስለዝዀነ ፍረ ናይ ምብልሓቱ ዝተፈላለየ ሃላኺ ኣቕሓ (ኮሞዲቲ) ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ሸያጥን ሸማትን ብዃን ናብርኡ ይመርሕ። እዚ ክገብር ናብርኡ ብሰላም ምእንቲ ከሰላስሎ ከከም ደረጃ ምዕባሊኡ ናይ ምሕደራ መንገድታት ወይ ስልትታት ከም ዝህልዎ ይገብር። እቲ ዝጥቀመሉ ምሕደራ ኣባታዊ ወይ ድማ ዘበናዊ ፖለቲካዊ ክኸውን ይኽእል።

ነቲ ኣባታዊ ብወገኑ ገዲፍና፡ ናብ’ዛ ዘበናዊት ፖለቲካዊት ዓለም ምስ እንኣቱ፡ እቲ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ቀረብ ብዓቐኑ ይኹን ብዓይነቱ ኣዝዩ መጠነ ግዙፍ ስለዝዀነ ብብዙሕ መንገዲ ንምምሕዳሩ ከቢድ ይኸውን። ክንድ’ዚ ክበሃል ዘይክኣል ንብረት ምስ ክንድ’ዚ ክብሃል ዘይክኣል ህዝቢ ኣብ ዕዳጋ ስለዝራኸብ ንምምሕዳሩ ብርቱዕ ዓቕሚ ይሓትት። መሸጣ ናይ ንብረት ጥራይ ዘይኰነስ መሸጣ ናይ ክእለት ደቂ ሰባት ክኣ ናብ ዕዳጋ ይወርድ። ናይ ኣእምሮን ናይ ጒልበትን ዓቕሚ ድማ ናብ ውድድር ከም ዝኣቱ ይኸውን። ብዓል ርእሰማልን (ብዓል ወፍሪ) ብዓል ዓቕምን (ተወፈር) ክኣ ሓደ ንዕኦም ዘካይድ ሕግን ቅርጻን ከምዝህልዎም ይግበር።

እዚ ኹሉ ናይ ቍጠባ ርእሰማል ግን ብዘይ ፖለቲካዊ ርእሰማል (political capital) ብሰላም ክካየድ ዝክኣል ስለዘይኰነ፡ ፖለቲካዊ ርእሰማል ከም ጠለብ ይቐርብ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ትዕበ ትንኣስ ትሃብትም ትድከ ብሰላም ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ክትካየድ እንተድኣ ዕድል ተረኺቡ፡ ደሞክራሲያዊ ትካላት ከም ዝህልዋ ትኸውን’ሞ እቲ ትካላት ንዲሞክራሲያዊ ርእሰማል ንምውናን ዝሻመዉ ወይ ዝወዳደሩ ውልቀ-ሰባት፡ ማሕበራት (ፓረትታት) መንገዲ ይኸፍት።

እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ትካላት እቲ ኩሉ ግዜ እንብሎን እንቃለሰሉን ዘለና ግን ክኣ ዘይተዓወትናሉ ቅዋምን ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዝህሉ ዓንድታትን ማለት ከም ሓጋጊ ኣካል፡ ፈራዲ ኣካል ከምኡ ድማ ፈጻሚ ኣካል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኢዩ። ብተወሳኺ’ውን ካብኡ ዝውለድ ከከም ኣድላይኑቱ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ምምሕዳራትን ከተማታትን ዝህሉ ዝርግሐ ናይ ትካላት የጠቓልል።

ከምቲ ዕዳጋ ናይ ሃላኺ ኣቕሓ ንሸመትቲ ደስ ዝበሎም ክሽምቱ የማን ጸጋም ዘብሎም፡ ናይ ኣመሓደርቲ ዕዳጋ ክኣ ንህዝቢ ዘዋጽኡዎም መራሕቲ ክመርጹ የማን ጸጋም ከምዝብሉ ይገብሮም። መራሕቲ ሓሳባቶም ናብ ህዝቢ ክሸጡ ናብ ዕዳጋ ክቐርቡ ከለዉ ንመሸጣ ዝቐርብ ትሕዝቶኦም ዋጋ ወይ ፖለቲካዊ ርእሰማል ዘምጽኣሎም ክኸውን ኣለዎ። ኣዚ ትሕዝቶ’ዚ ከም ፖለቲካዊ ተአማንነት፡ ጽንዓት፡ ጽፉፍ ሕሉፍ ታሪኽ፡ ትብዓትን ቅንዕናን፡ ናይ ምውሳን ክእለትን ተፈላጥነትን፡ ኣገልግሎትን ጽቡቕ ሽምን ወዘተ…ምስ ዝህልዎም ካብ ህዝቢ ፖለቲካዊ ርእሰ-ማል ኣዋህሊሎም ተመረጽቲ ይዀኑ። ከም ተወሳኺ’ውን ዕድሚኦምን ጥዕንኦምን ከጠቓልል ይኽእል።

እምብኣር ነዚ ኲነታት’ዚ ንምምዛን ወይ ንምግምጋም ናብ ኤርትራ ሃርና ምስ እንርኢ እዚ ዝተባህለ ረቛሒታት፡ ፈጺሙ ሃለዋት ዘይብሉ ኰይኑ ንረኽቦ። ብመሰረቱ እቲ ዝበልናዮ ትካላት ኣብ ዘይህልወሉ ኲነታት ክህሉ’ውን ዕድል የብሉን። ዋላ’ውን ከም ዲክታቶርያዊ ስርዓተ ምሕደራ እንተርኢና፡ ኢሳያስን ጒጅሊኡን ኢዶም ስለ ዝሃቡ ማለት ኢደ-ወነናዊ ስልጣኖም ስለዘረከቡ ኣብ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝኸውን ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዝሽየጥ ወይ ዝግዛእ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ስለ ዘየለ ፐለቲካዊ ርእሰ-ማል’ውን ማዕረ-ማዕሪኡ ቦታ የብሉን።

ሎሚ ኢሳያስ ኣብ ትሕቲ ብዶ/ኣቢይ ትምራሕ እትዮጲያ ተለኣኣኺ ካድር ክኸውን መሪጹ ምህላዉ ብዘይ ሓሳብ ብሃንደበት ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እቲ ንኤርትራ ከምዘየላ ክገብራ መደቡ መንባሩን ምዃኑን ብፖለቲካዊ ርእሰማል’ውን ንህዝቢ ዝሽየጥ ነገር ዘይብሉ ኲይኑ ፈጺሙ ስለ ዝጠፈሽ ኣብ ዓወንወን ዝርከብ ኣካል ኰይኑ ብምህላዉ ኢዩ።

ኢሳያስ ሎሚ ከም’ቲ ዋጣ ጥዑምዝ’ጊ ዝበሃል ብደይ ኣፉ ዘየዋጽኦ ለፍሊፉ ጽንሕ ኢሉ ራእሲ ወልደሚካኤል ኣብ ርእሲ ራእሲ ሃይሉ ምስ ተዓወቱ፡ ኣብ ትሕቲ ብርኮም ተምበርኪኹ እንሀለ ኲርማጅ ግረፉኒ፡ እንሀለ ካራ ሕረዱኒ፡ ከምዚኣዶ ትኸውን መሲሉኒ ኢሉ ኣብ ቀበጥ-በጥ ዝኣተወ’ሞ፡ ኒዮው በልዎ ካብዚ ቅድመይ ርሓቕ ተባሂሉ ሽታትኡ ከም ዝጠፍእ ዝዀነ፡ ኢሳያስ ክኣ አብ ኤርትራ ዝጥምትኦ ኣዒንቲ ስለ ዘየለዋ ፖለቲካዊ ርእሰማሉ ስለዝተጸንቀቐ ፈቖድኡ ኰለል ክብል ሽታትኡ ክጠፍእ ምዃኑ ንታሪኻዊ ትዕዝብቲ ኰኑ ምህላዉ ስለዝተረድአ ኢዩ።

ኢሳያስ ሎሚ ንእተወልደላን ዝዓበየላን ሃገር ኤርትራ ጥራይ ኣይኰነን ሸይጡ፡ ንነብሱን በተሰቡን ከምኡ ድማ ኰራኲሩን’ውን እንዳሰገዱ ከምዝሽየጡ ገይሩ ኣሎ። ንነገስታት ሽዋን በገምድርን ክሰግድ ጥራይ ዘይኰነስ “ትኽስ ድሙ መዘንግዕ ኣንጨዋ” ንበተ-መንግስቲ ሃጸይ የውሃንስ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ መቐለ ከይዱ ክሰግድ ክትርእይዎ ኢኹም። ንሕማቕ ምዓልትስ የለኹን በላ ይብሉ ኣቦታትና፡ ከምኡ ድኣ ዶ/ኣብይ ሕማቕ ምዓልቲ ውዓል ኢሉዎ እምበር፡ ኢሳያስ ናብ ዝኸደ ይኺድ ንዝሰገደ ይስገድ ድሕሪ ደጊም ዝገዝኦ ስለዘይብሉ ንኢትዮጲያ’ውን ጸገም ዝፈጥረላ ኣበይ ከምተቐምጦ ዘሸግር ፍጥረት ክኸውን ኢዩ።

ዶ/ኣብይ ኣብ ኢትዮጲያ ካብቶም ኣብ ዘበንና ከመ-ቅጽበት ፖለቲካዊ ርእሰማል ዝወነነ መራሒ ኢዩ። እቲ ሽግር ግን ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ረቛሒታት ስለ ዘየማልእ ናብ ፖለቲካዊ ጥፈሻ እንተ ኣተወ ዘገርም ኣይኰነን። ተመኲሮ ዘይብሉ ዕሸላዊ ፖለቲካ ዘጥቅዖ ተኣማንነቱ ከም ዝብለል ዝገበረ ምዃኑ ብግስ ከይበለ ብግህዶ ኣፍሊጡ ኣሎ። ርጡባት ተኻታተልቲ ናይ ፖለቲካ ገምገምቲ እንተድኣ ተረኺቦም ንቝልቍል (down hill) ክኸይድ ጀሚሩ ምህላዉ ክበርሃሎም ይኽእል ኢዩ። ድሮ ምሁራት ኢይዮጲያውያን ከይተረፉ ኢትዮጲያ ኣብ ቍጠባ ትሓይሽ እምበር ኣብ ፖለቲካስ ወዲቓ ወይ ኣብ ርሑቕ ከም ዘላ ክሕብሩ ጀሚሮም ኣለዉ። ጅምላዊ መርሓባ ተቓወምቲ ኢትዮጲያውያን ዶ/ኣብይ ስለዘይጠቐመ ተቓወምቲ እንዳተዋህለሉ ክኸዱ ከለዉ ኣብ ትዕዝብቲ ከም ዝኣቱ ኰይኑ ኣሎ።

ዶ/ኣብይ  ፍሕት ከይበለ ንሓንቲ ኣብ መባእታ ናይ ደሞክራሲአዊ መስርሕ ኣትያ ሰለይ ወይ ታተ እትብል ዘላ ሃገር ኣብ ኣዕናዊ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ከእትዋ ኸሎ፡ ብቑዕ መሰረት ዘይነበሮ ፖለቲካዊ ርእሰማል ክፈርስ ከሎ ኢዩ ዝሕብር። ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ነባሪ፡ ክሳዕ ሰብዓ ዝግምገማ ብሄረሰባት ዘለዋ ኢትዮጲያ፡ ኣብ ኰለኛ ናይ መለኽቲ ዝምድና ኣትያ ጥዕና ክትረክብ ማለት ዘበት ኢዩ። ስለ’ዚ ፖለቲካዊ ርእሰማል ናይ ዶ/ኣብይ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ብዙሕ ተጻብኦታት የጋጥሞ ብምህላዉ ናይ ኤርትራ ኲነታት ክውሰኾ ከሎ “ትደልይኦ’ሞ ይዝንግዓክን ኰይኑ ውድቀቱ ርሑቝ ኣይክኸውንን ኢዩ”። ብድሕሪኡ ዝመጽእ ጣዕሳ ክኣ ብቐሊል ሕክምና ዝፍወስ ኣይኰነን።

ብርግጽ ንሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ቅኑዕ ገምጋማይ፡ ፈጋዕ-ጋዕ ናይ ኢይዮጲያ ኣይኰነንዶ ንኤርትራስ ትርሓቕ ትቕረብ ንዝዀነት ትኹን ሃገር ጒድኣት እንተ ዘይኰይኑ ጥቕሚ ኣየምጽኣላን ኢዩ። ናይ ኢትዮጵያ ምብትታን ንኤርትራ ክሳራ’ምበር መኽሰብ ዝርከቦ ኣይኰነን፡፡ እንተዀነ ግን ናይ ኢትዮጲያ “ሓድነት ረብሓ ሰላም ፍቕሪ” ብዋጋ ኤርትራ ክኸውን ከም ዘይብሉ ኢትዮጲያውያንን ኤርትራውያንን ብማዕረ ክርድእዎ ይግባእ። ኣብዚ ጒዳይ’ዚ ደሞክራስያውያን ውልቀ-ሰባት ንቑሓት ምሁራን ከምኡ ድማ ደሞክራስያዊ ውድባትን መራሕቶምን ንናይ ሓባር ረብሓ ናይ ምትሕብባር ወፈራ ከካይዱ ዕንወትን ሕንፍሽፍሽን ከየርከበ ግዜ ይጠልቦም ኣሎ።

 ብፍላይ ንዓና ብዝምልከት ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ዓሚቝን ሰፊሕን ዕማም ዘካይዱ ንህዝቢ ክማርኹ ዝኽእሉ ብቑዓት ብፖለቲካዊ ርእሰማል ክልለዩ ዝኽእሉ ካብዚ ደምበ ናይ ተቓውሞና በሎዂ ኢሎም ክወጹ ስለዘድልዩና ቃልስና ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ክንህር ኣለዎ። ዝምሰገን ኣስተዋጽኦታት ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ የንጸባርቕ ኣሎ፡፡

 ከም ደምበ ተቓውሞ መጠን ንቕድሚት ንኸይድ ከምዘለና ይግሃድ ምህላዉ ኩላትና ንስሕቶ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ብቅርጻ ደረጃ ዘተኣማምኑ ኣካላት ከምዝንጸባርቑ ክንገብር ኣይክኣልናን። እዚ ክንገብር ክሳዕ ዘይክኣልና ኣድማዕነትና ስለዘይማላእ ማደናገርቲ ናይ ምቕጻል ዕድል ስለዘለዎም ንኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ነምሉእ ዞና ቀይሕ ባሕሪ ክርብሽዎ ዕድል ክህልዎም ኢዩ። ድሮ ኣብ የመን ዘሎ ክፉእ ትርኢት ዘስካሕክሕ ኲነታት ንርእዮ ኣለና። ካብ ላሕኲታቱ ከም እንድሕን ክንገብር ከድልየና ኢዩ።

 ኢትዮጲያውያን ንኹን ኤርትራውያን ካብ ምምዝባል ክንድሕን ኣይክኣልናን። ብኣታላሊ ናይ ጥልመት ፍላስፋ ዶ/ኣብይ እትምራሕ ኢትዮጲያን ኣብ ሃዋህው ጠልጠል ኢላ እትርከብ ካብ ድኻ ሃገር ብቍጠባዊ ምጽወታን ብኢድ ኣዙር ፖለቲካዊ ስልጣን እትከላበት ኤርትራን ስግኣት እምበር ርግኣት ክርከብ ከምዘይክእል ብተግባር ይርአ ምህላዉ ክንስሕት የብልናን።

 ነዚ ግሎባላዊ ኣብ ዞናና ዝዝምቢ ዘሎ ሓደጋ ሓያላን መንግስታትን ውሽጣዊ ጥጅእ ህዝባዊ ዘይምቅድዳው ኢትዮጲያን ኤርትራን  ብመገሻታት ብዓል ዶ/ኣብይን ኢሳያስን ጌርካ ንህዝቢ ጠባቢርካ ደው ከተብሎ ዝክኣል ኣይኰነን። እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ክብረት ናይ ነብሲ ወከፍ ሃገር ምሕላው ኢዩ። ኣብ ክውንነትና፡ ዶ/ኣብይ ኢትዮጲያኻ ሒዝካ ኢደ እግርኻ ምእካብ ጠፊኡካ ኣሎ። ንኢሳያስ ብዝምልከት እንተዀይኑ ጒዳይ ኤርትራውያን ስለዝዀነ ባዕልና ኣለናዮ ግዜየኻ እንተዘይኣጥፋእካ ይሓይሽ። መጣፍእቲ ክዀነካ እንተመሪጽካዮ ግን “ጎንደር ኬድካ እንታይ ኣምጻእካ” ትጽበየካ ኣላ።

 ምድረ-ኦሮሞ ይኹን ምድረ ወላሞ ምስ’ዚ ኹሉ ለምለም ቦትኦም ገና ጥራይ ነብሶም ዝኸዱ ዘለዉ መሳኪን ራህዋ ዝጽበዩ’ምበር ከም ግዜ ናይ ዝሓለፉ መንግስታት ኣብ ዘይጒዳዮም ኣትዮም ጠበንጃ ተሰከምቲ ክዀኑ ዝደልዩ ህዝቢ ኣይኰኑን። ቅድሚ ሕጂ ብስርዓት ሃጸይ ሃይለ ስላሴን ደርግን ዝተበደልዎ ይኣኽሎም። እዞም ጭቁናት ህዝቢ ኢዚኣቶም ብዛዕባ ኤርትራ’ውን እዝኒ የብሎምን። ንፈልጦም ኢና፡ ገሊኦም እሞ ኽኣ ኤርትራ ጥቓ ዓዲ ጥልያን ዘላ ኢያ ትመስሎም። ዶ/ኣብይ ነዚኦም ገዲፍካ ዘይዓይንኻ ምጥማት ዕርክነት ናይ ብዓል ኢሳያስ ዕርክነት ደማሙ ጽንሕ ኢልካ ምትሕንፋጥ ዘይተርፍ ምዃኑ ምፍላጥ ከድልየካ ኢዩ። ዕሸላዊ ገነታዊ ፖለቲካዊ ትሕዝቶኻ “ቆልዓስ ይጎይ እምበር ኣይቕድምን”እንዳዀነትካ ትኸይድ ስለ ዘላ ፖለቲካዊ ርእሰማልካ የንቆልቍል ስለ ዘሎ ምውዳቕካ ዘይተርፍ ኢዩ።

 ኣዒንቲ ኤርትራውያን ሎሚ ንዶ/ኣብይ እምበር ንኢሳያስ ምጥማት ብዙሕ ዘድልየን ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ “ቍሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት፡ እቶም ዕሩቓትከ ትሑዛት” ስለ ዝዀነ ሓይሊ ሚዛን ክቕየር ከሎ ፖለቲካዊ ርእሰማል’ውን ስለዝቕየር ምስ ዘይወደቐ ገዲፍና ምስ ረማዕ ዝበለ ኢሳያስ ኰለል ኣይንብልን ኢና።

 ብርግጽ ሎሚ ኣብ ዓለምና ሓያላን መንግሰታት ኣብ ንጹር ናይ ኣይድዮሎጂ ወይ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ኰይነን ይወዳደራ ስለ ዘየለዋ፡ ናይ ደሞክራሲያዊ መሰል ምንቅስቓሳት ኣብ ድንግርግርን ምክልባትን ኣትዩ ኣሎ። ናይ የማን ወይ ናይ ጸጋም ሓይልታት ኢልካ ብንጹር ከተቐምጦ እትኽእል ሓይልታት የለን። ዓለም ኣብ ተመሳሳሊ ስነሓሳብ ናይ ሞኖፖል ወይ ገበተ ርእሰማልነት ተንከባልል ኣላ። በዚ ምኽንያት እዚ ክኣ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ናይ ጠላዕ ባህሪ ሒዙ ብምህላዉ ዋላ ኣብ ውሽጢ ዓበይቲ ናይ ዓለም ፓርትታት ፖለተካዊ ዕግበት ተሳኢንሉ ዘሎ ግዜ ኰይኑ ኣሎ።

 ምብራቓውን ምዕራባውን ዝምድናታት ኣታውን ወጻእን እንዳዀነ ይኸይድ ኣሎ። ሃገራት ስሉስ ዓለም ነዚ ኲነታት’ዚ ዘለልዩ መራሕቲ ስኢነን ህዝበን ናብ ዘብሎ ጠፊኡዎ ዳርጋ ብምልኡ ብማዕበል ናይ ስደት ይገላታዕ ኣሎ። ንሃገራዊ ርግኣት ዘውሕስ ፖለቲካዊ ርእሰማል ስለዘየለ፡ ይትረፍ ድኻታት ሃገራት ሃብታማትን ሓያላትን ሃገራት’ውን በቲ ባዕለን ዝፈጠርኦ ናይ ስደት ማዕበል ንፖለቲካዊ መርገጻተን ኣብ ምግልባጥ ከምዝኣቱ ገይርዎ ይርከብ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰላ ኲነታት ብኣካያይዳ ዶ/ኣብይን ዝምድና ኢሳያስን ኣብ ኢትዮጲያ ይኹን ኣብ ኤርትርራ ርግኣትን ሰላምን ክርከብ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራይ ኢዩ ዝኸውን።

 ሎሚ ኢትዮጲያን ኤርትራን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኤርትራውያንን ተጋሩን ኣብ ምጒብባጥ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ሰላምፖለቲካዊ መርሓ መንገዲ (road map) ምህንዳስ ክተሓባበሩ ኣለዎም። ዝምድና ኢሳያስን ዶ/ኣብይን መርድእ ናይ ዓቢ ሓደጋ ካብ ምኻን ሓሊፉ ካልእ ትርጒም የብሉን። ተመሊስካ ትረድኦስ ሓዲክካዮ ኣይትእቶ ዝብል ምስላ ቀዳሞት ክንጥቀመሉ ከድልየና ኢዩ። እዚ ንኽኸውን ክኣ እቲ መልሲ “ለባም ተወከስ ባላ ተመርኰስ” ስለ ዝዀነ፡ ወይ ለባማት ንኸውን ወይ ክኣ ለባማት ሃሰስ ኢልና ንመሃር።

 ንሕና ኤርትራውያን ካብዞም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ናይ ሓደጋ መልእኽተኛታት ኰይኖም ዘለዉ ኢሳያስን ኣቢይን ሓራ ንምውጻእ ዝክኣለና ብምግባር ነቲ ተሪር ዓቐብ ንድይቦ ኣለና ጥራይ ዘይኰነስ ባና ናይ ዓወት’ውን ይርኣየና ኣሎ። መንእሰያትና እንዳተበራበሩ ኣቓልብኦም ጥራይ ዘይኰነስ ተሳትፍኦምን ተወፋይነቶም ብሓሳብ ይኹን ብንብረት እንዳበርከተ ይኸይድ ኣሎ። ምኩራት ቀዳሞት’ውን ብምርኩስ ከይተረፈ ዝከኣሎም ክገብሩ ከለዉ ብግልጺ ይርአ ኣሎ።

 ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ደምበ ቤት ማእሰርቲ ኢሳያስ ናብ ደምበ ናይ መሰል ቃልሲ ይሰጋገሩ ኣለዉ። ቃልስና ብመሬት ጥራይ ዘይኰነስ ብኣየር ክወናጨፍ ስለዝጀመረ፡ እዚ ኩሉ ንዓወትና ናይ ግድን ዝገብር መረዳእታ ኢዩ። ይኹን እምበር ተጋሩ እንተ ተሓዊስኩሞ ንናይ ሓባር ረብሓ ስለዝዀነ ኣዚዩ ክቀላጠፍ ስለ ዝኽእል ኣመቱ ምግባር ከድልየኩም ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ካብ ዝተቐበረ ዕድል ዝተቐብረ ሬሳ ምውጻእ ዝቐልል ምዃኑ ኩላትና ክንርድኦ ይግበኣና። ምኽንያቱ ዕድል ዝጭበጥ ኣይኰንን፡ ሬሳ ወይ ኣሰር ሬሳ ግን መቓብር ክትቅይረሉ ትኽእል ኢኻ።

 ሎሚ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ግዜ ሰውራ ናይ ሕብእብእ ተዋስኦ ዘዋጽእ ኣይኰን። ንሱ’ሞ እቲ ውጽኢቱ ርኢናዮ ስለዘለና ካብኡ ክንመሃር ይግባእ። ግዴና ንገብር ኣለና፡ ግዴኹም ብግህዶ ኣንጸባርቕዎ።

 ፖለቲካዊ ርእሰማል ኤርትራውያን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክውለድ ኢዩ!!!

 ረድኢ ክፍለ (በሻይ)  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT