Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይካ ክልተ ኩሎም ነጻ ተለቒቖም፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዘካይደሉ ሰነዳት ብጭብጢ ተታሒዙ።

ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይካ ክልተ ኩሎም ነጻ ተለቒቖም፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዘካይደሉ ሰነዳት ብጭብጢ ተታሒዙ። ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ትማሊ ቐዳም

ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብዘይካ ክልተ ኩሎም ነጻ ተለቒቖም፣ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዘካይደሉ ሰነዳት ብጭብጢ ተታሒዙ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ትማሊ ቐዳም 21 ታሕሳስ ኣብ ገሊላ ዝተኻየደ ግጭት ፖሊስ እስራኤል ኣሲሮሞም ዝነበሩ ልዕሊ 50 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብዘይካ ክልተ፣ ኩሎም ነጻ ክልቀቑ ከለዉ፣ ካልኦት ክልተ ብመውቃዕቲ ዝተሃሰዩ መንእሰያት ገና ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ እስራኤል ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ እቶም ኣብቲ ግጭት ዝተገብረሉ ኣጋጣሚ ዝወዓሉ መንእሰያት፣ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ኣብቲ ኣኼባ ዘካይደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ገዲፉዎ ዝሃደመ ሰነዳት ሎሚ ኣብ ዝገበሩዎ መደበራት ቴለቭዥን እስራኤል ዝተረኽባሉ ጋዜጣዊ ዋዕላ ብጭብጢ ብምቕራብ፣ እቲ ስርዓት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዘካይደሉ ሜላታት ኣቃሊዖም።

Housing_formመንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ብቐጥታ ናብ ኤርትራ ዝልእኩዎ ገንዘብ ደረት ገይሩሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣባይቲ ንምግዛእ ክብ ዝበለ ገንዘብ ናብ ኤርትራ ክሰዱ ኣብ ዝደልዩሉ ግዜ ብመንገዲ ፍራንክፈርት (ጀርመን)፣ ነቲ ናይ እስራኤል ሕጊ ብምድንጋር ከመይ ኣቢሎም ብዙሕ ገንዘብ ከምዝልእኩ ዝሕብር ናይ ባንክ ሕሳብ፣  ምስቲ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ወዲ ባሻይ ገዲፉዎ ዝሃደመ ሰነዳት ከምዝተረኽበ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ኣብቲ ኣኼባ ክዛረበሉ ዘዳለዎ ኣጀንዳ ዝሓዘ ደብተር ከይተረፈ ኣብቲ ኣዳራሽ ገዲፉዎ ክስወር ከሎ፣ እቶም ሰዓብቱ ‘ውን ሰለስተ ኮምፒተራትን ሞባልይላትን ገዲፎም ከምዝተበተኑ ተፈሊጡ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ነተን ዝረኸቡወን ሞባይላት ቆጺሮም ንፖሊስ እስራኤል ከምዝረከቡዎም ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብቲ ሎሚ ዘካየዱዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንስርዓት ህግደፍ ወቒሶም ኣብ እስራኤል ኢዶም ሂቦም ክንሶም ተመሊሶም ናይ ዝድግፉዎ ኤርትራውያን ዝርዝራዊ ጸብጻብ ረኺቦም ከምዘለዉ ብምምልካት፣ መንግስቲ እስራኤል ብሓቂ ነቶም ብሓሶት ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ተገዳስነት እንተልዩዎ ኮይኑ፣ ብጭብጥታት ክተሓባበሩዎ ከምዝኽእሉ ኣዘኻኺሮም።

505131210971797490522no

ብዝኻልእ ወገን፣ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘካየዱዎ፣ ነቲ ናይ ትማሊ ኩነታት ዝግምግም ርክብ፣ ኣብቲ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ዝተኻየደ ምንቅስቓስ፣ ሰራዊት ሕድሪ፣ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር፣ ከምኡ ‘ውን ነጻ ደለይቲ ፍትሒ ብዘይኣፈላላይ ብሓድነት ደው ኢሎም ደሞም ብሓባር ከምዘፍሰሱ ብምግንዛብ፣ ነዚ ኣብ ስራሕ ዝተጓናጸፉዎ ስምረት ዓቂቦም ብዘይኣፈላላይ ሓደ ኣካል ኮይኖም ክንቀሳቐሱ ከምዝወሰኑ ኣረጋጊጾም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • selemawit December 23, 2013

    dear Assenna,
    what they are doing is criminal!!! everybody who knows that is firmly bound to report it if he does not want to be a co-perpetrater.
    please pass this data to the police!!!

    • Yonas December 24, 2013

      It’s not criminal because I’m sure they’ll have to transfer their money through Israeli banks, which will check their citizenship. If they’re legal, no laws will have been broken. Do we really think the new refugees have the funds to invest? Think people.

  • selemawit December 23, 2013

    …of course i mean the gofer of the regime who are acting criminal!

  • solomon December 23, 2013

    MIALKA HEDERKA ABREMEY ENTATIE NIZERIE ALONA ??

    Solomon… hakika nerka 2 melahs etezyhliwokum etom hateti ekuba emo..degefti tibehalu.. kaliay kea wegawi entekoinu..police nayti etinebrelu..adi afkidka sile tigebro police kea wihsinet yihbeka..gin kab mafiya mengisti higawi zitsibe seb gena ab 18kiflezeben zinebir tirayeyu. dehar kea..embasy malet wekil nay hager ember felalayi degefitin tekawemtin malet eykonen..gin kab ti ab megzaeti zelo seb etom ab nazinet etinebru tidhru.

  • Self reliance December 23, 2013

    Hay this documents are in the internet,they print it from the internet and said secret document

    • GOJAM December 23, 2013

      SELFISHE WAHID WHAT ABOUT TEH PICTRE THEY PRINTED FROM INTRNET TO ASOHOL TEWELIJI.

  • Wedihzbi December 23, 2013

    Well don deki hzbi Eritrea, HGDF fiera keribu’yu admi’au kebk’a. Azom Aeklabat hgdef zfredlu gzie rhuk aeykonen.

  • ER ITRAWIT December 23, 2013

    Yes deki hager well done good job people they support this devil man they should go back I ‘m sure they don’t belong to Eritrean people they will pay the price!!!!!!!!!!!!!!!
    HADNET DEKI HAGER AB HADE AJOKUM!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

  • Diana da Bologna December 23, 2013

    ሰራዊት ሕድሪ፡ ስምረት ንለውጢ፡ ብሓደ ደሞም ኣፍሲሶም ይብሃል ኣሎ። አሞኸ ገለ ዝተቖጻጸርወን ከተማታት ይህልዋዶ ይኾና? ወይውን ገለ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘውረድዎ ናይ ሰብን ንዋትን ክሳራታት ዘውረድዎ አንተሎ ኾይኑ?

  • ክፍለየ ሱስ December 23, 2013

    dIANA DA BOLOGNA YOU ARE REALLY STUPIUD

  • thige December 23, 2013

    serawit hidrie simret nilewti kulukum deleytie fthi teawetu anabis

    Diana hayltat miklkal gugile higdef do walas serawit hidrie lobowa suwaatina zetergum iyu
    sileziy miklkal haylitat eri kaa akal serawit hidri mukanu aytiresiei ikie ab eritrea serawitien hizbien bigugiele higdef tetelimu iyu

  • karkasa December 23, 2013

    All eritrean refuges which supporting HIGIDEF and collect money for dictator regime we have a list name address and TEF.Soon the secret inteligency of Israel mosad are in process. They diserve weyalat tewelijetata.
    Smerrrrrrrrr beynika keytikorir

    • Mike December 24, 2013

      What a snitch? Crying to the white man will not get you no where especially since he doesn’t respect you.

POST A COMMENT