Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖሊቲካን ሃይማኖትን- ናይ ኤርትራ ቅልውላው – ብፍስሃ ናይር

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እንተረኤና ካብ ፖሊካዊ ቃልሲ ክሳብ ብረታዊ ቃልሲ ቀጺሉ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ምንጪ ክሳብ ሕጂ እውን ክፍታሕ ዘይተኻእለ ፖሊቲካዊ ምሕደራን ሃይማኖትን ፈሊኻ ዘይምርኣይ ኢዩ፣ምንጪ ናይ ግርጭት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እንተረኤና ካብ ፖሊካዊ ቃልሲ ክሳብ ብረታዊ ቃልሲ ቀጺሉ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ምንጪ ክሳብ ሕጂ እውን ክፍታሕ ዘይተኻእለ ፖሊቲካዊ ምሕደራን ሃይማኖትን ፈሊኻ ዘይምርኣይ ኢዩ፣ምንጪ ናይ ግርጭት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ መንነት ወይ ድማ ካብ ስነ-ሓሳብ ዝመንጨወ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መንነታት ከም ሃይማኖት፣ ዓለት ቋንቋ፣ ኣውራጃ ኢዩ፣ እቲ ቀንዲ መሃንድስ ናይዚ መንነታት እቲ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኢዩ፡ ስዒቡ ድማ እቲ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝርኤ ዘሎ ኣሰዃኹዓ ኣብ ፖሊቲካዊ ይኹን በርገሳዊ ኣብ ሃገራዊ መንነት ዘይኮነ ኣብ ሃይማኖታውን፣ብሄራውን፣ ኣውራጃዉን ዝተወደበ ኢዩ፡፤ ልክዕ ኢዩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ መንነት ወይ ሃገረ ኤርትራ ብዙሓት ሕዝብታትን ቋንቋታትን ሃይማኖትን ከምዘሎ ፍሉጥ ኢዩ፣ እቲ ተሳኢኑ ዘሎ ጥበብን ኣፍልጦን ነዚ መንንታት እዚ ከመይ ተመሓድሮ እዪ። እቶም ፖሊቲካ ፈሊጣውያን ኤርትራ ነዚ መንንታት እዚ እናመዝመዙ ሕዝቢ ኣብ ሓድሕዱ እምነት ከይሕድርን ብሓንሳብ ብሰላም ዝነብረሉ ክንዲ ዘናዲ ኣብ ናይ ሓድሕድ ጽልእን ባእስን ይኣቱ እታ ሃገር ከም ሃገር ዘይኮነትስ ናይ ውግእ ጎይቶት/ War-Lords/ ዝዕንድሩላ ቦታ ኮይና ትተርፍ፣ እዚ ከይከውን እዩ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዘገድሶም ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምእትታው ዘይኮነስ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብታ ሃገር ጸጥታን ሰላምን/ stability and security/ ንኦም ብዘገልግል ከመሓድር ዝኽእል ሓይሊ ዝመርጹ።

ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ኤርትራዊ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ገኒኑ ዝርከብ ናይ ቃላት ውግእ ዝሕፍርን ዘሕንኽን ኣብ ሓቅነትን ወድዕነትን ኤርትራን ሕዝባን ኣተሓሳስባን እምነታትን ዘየሎ ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ውልቀ ሰባት ዝምንጩ ሓደገኛን ሰራምን ጸረ-ሰላምን ደምክራስያን ኣብ ኤርትራ ኢዩ። ብወገን ዓለም- ለኸ እንተረኤና እውን ፣ ሕሉፍ – ኢስላማውያንን ፣ሕሉፍ የማናውያን ሃገራውያን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንርኢ ኣሎና ክሊቲኦም ድማ ዕላማኦም ሓደ ኢዩ፡፤

ሕሉፍ ኢስላማውያን ይኹኑ  ሕሉፍ-ሃገራውያን ክልቲኦም ተጻረርቲ ክነሶም ናይ ሓባር ዕላማኦም ግን ኣንጻር ደሞክራስያን ኣብ ዓለም ደሞክራስያዊ ስርዓታት ንምፍራስን፣ ብኣንጻሩ ምልክነት ንምንጋስ ኢዩ፡፤ ዕላማ ናይ ኤርትራ ኣግኣዝያውያንን ናይ ኤርትራ ኢስላማውያንን እውን ዕላማኦም ንመስርሕ ደሞክራስያን ኣብ ኤርትራ ሰላምን ደሞክራስያን ከይህሉ ንምልክነት ናይ ሓደ- ውልቀ ኣብ ሃይማኖትን ዓለታትን ዝተመስረት ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ንኽህሉ ዝንቀሳቀሱ ባእታት ኢዮም።

ሎሚ እቶም የማናውያን ሃገራውያን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኽተልዎ ስትራተጂ እቲ ኩሉ ፖሊቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ዝመጽእ ዘሎ በዞም ስደተኛታትን ኢስላምን  ኢዩ ኢሎም ኣንጻሮም ይንቀሳቀሱ። ብወገን በቶም ኣግኣዝያንን ሕሉፍ- ኢስላማውያን ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ምንቅቃሳት እውን፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖሊቲካዊ ፣ቁጠባዊ ፣ ማሕበራዊ ጸገማት ብሰንኪ ምሕደራ ክርስትያን ኢዩ ይብሉ፣ እቶም  ኣግኣዝያን ድማ  ናይ ኤርትራ ጸገም ኢስላማውያን ኢዮም፣ ካብ ኤርትራ ክወጹ ኣለዎም ይብሉ፣ ክልቲኦም ኣግኣዝያውያንን ይኹኑ ኢስላማውያን ኣብ ኤርትራ ዕልመናዊ መንግስቲ ዘይኮነ ናይ ሃይምኖት መንግስቲ ክተኽሉ ኢዩ ናይ ርሑቅ ዕላማኦም።ኣብ ታሪኽ ከምዝረኤናዮ እዚ ክልተ እምነታት ኣብ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ኣሉታውን ኣዋንታውን ግደ ነርዎን ኣለዎን፣ ኣብ ታሪኽ ክርስትናዊ ኣተሓሳስባ ዘለወን ሃገራት በብግዜኡ ብዙሕ ውግኣትን ግርጭታትን ተኻዪዱ ኢዩ፣ ንኣብነት እቲ ካብ 1618-1648 ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን፣ ፕሮተስታንትን ዝተኻየደ ክሳብ ሕጂ እውን ኣሰሩ ዝርኤ ዘሎ ሓደ ምስክር ሃይሞኖት ክሳብ ክንደይ ኣብ ፖሊቲካዊ ሕይወት ኣትዩ ከምዝነበረን፣ እዚ ድማ ድሕሪ ብዙሕ ቃልስን ጻዕርታትን ሃይምኖት ካብ መንግስትን ፖሊቲካን ክፍለ ከምዘለዎ፣ሎሚ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፣ዝመሓደሩሉ ኣገባብ ምሕደራ ኢዩ።

ኣብተን ዓረባውን ኢስላማውን ሃገራት ግን ገና ኣብዚ ደረጃ እዚ ሰለዘይተበጽሔ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ውግእ ሓድሕድ- ሱኒ ኣንጻር ሺዓ ይካየድ ኣሎ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ገለ ሓይልታት ኣብቲ ናይ መበል 16 ክፍለ ዘመን ናይ ካሊፋታት ምሕደራ ክምለሱ ዝደልዩ ሓይልታት ኢስልምና ሎሚ ንመላእ ዓለም ኣብ ኢስላምና ንምቅያር ዝቃለሱ ( ISIL-ISIS)ኣለዉ፡፤ ገለ ፈለጣትን መራሕትን ሃይማኖት ኢስልምናን ሃገራትን ደሞክራስያን ዕልማናዊ መንግስታት ኣንጻር ሃይሞኖት ኢስልምናን ኣተሓሳስባን ሰለዝኾና፣ ከምዚ ዓይነት ምሕደራ በቶም ኣብ ኢስልምና ዝኣምኑ ሕዝብታት ቅቡል ጥራሕ ዘይኮነ ሓራም- ገበን እውን ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። ዕልመናዊ መንግስቲ ማለት ግን ኣንጻር እምነታት ዘይኮነስ፣ እምነትን፣ መንግስትን ዝፈሊ፣ ኣብ ናጽነት ናይ እምነታት ኢድ ዘየኤቱ ስርዓታት ምሕደራ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ዝኽተልኦ ዕልመናዊ  ምሕደራ ኢዩ።

ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ዝሓላፈ ዘመን ናይ ካሊፋታት ክንምለስ ኣሎና ደሞክራስያን ሰብኣዊ መሰላትን ብሕጊ ኢስልምና ክኸውን ኣለዎ፣ ሃይማኖትን መንግስትን ክፍለ የብሉን ዝብሉ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ፖሊቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብን ኣብ ኢስልምና ዝኣምና ሃገራትን መሰል ውልቀ-ሰብ፣ ይኹን ሰብኣዊ መስላት ብሓፈሻ ቅቡል ኣይኮነን፣ እሞ እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም ሃይምኖት ኢስልምናዶ ደሞክራስያዊ ፍልስፍና፣ ኣብ ኤርትራኸ ብኸምዚ ኣረዳድኣ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ኣይፍለን ዝብልን ክፍለ ኣለዎ ዝብልን ብሓንሳብ ከናብር ይኽእልዶ፣ እስከ ምሁራትና ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ብዛዕባዚ ኣረኣእያ አጽንዑልና

ኣብ ታሪኽ ከምዝረኤናዮ እዚ ክልተ እምነታት ኣብ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ኣሉታውን ኣዋንታውን ግደ ነርዎን ኣለዎን፣ ኣብ ታሪኽ ክርስትናዊ ኣተሓሳስባ ዘለወን ሃገራት በብግዜኡ ብዙሕ ውግኣትን ግርጭታትን ተኻዪዱ ኢዩ፣ ንኣብነት እቲ ካብ 1618-1648 ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን፣ ፕሮተስታንትን ዝተኻየደ ክሳብ ሕጂ እውን ኣሰሩ ዝርኤ ዘሎ ሓደ ምስክር ሃይሞኖት ክሳብ ክንደይ ኣብ ፖሊቲካዊ ሕይወት ኣትዩ ከምዝነበረን፣ እዚ ድማ ድሕሪ ብዙሕ ቃልስን ጻዕርታትን ሃይምኖት ካብ መንግስትን ፖሊቲካን ክፍለ ከምዘለዎ፣ሎሚ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፣ዝመሓደሩሉ ኣገባብ ምሕደራ ኢዩ፣ ኣብተን ዓረባውን ኢስላማውን ሃገራት ግን ገና ኣብዚ ደርጃ እዚ ሰለዘይተበጽሔ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ውግእ ሓድሕድ- ሱኒ ኣንጻር ሺዓ ይካየድ ኣሎ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ገለ ሓይልታት ኣብቲ ናይ መበል 16 ክፍለ ዘመን ናይ ካሊፋታት ምሕደራ ክምለሱ ዝደልዩ ሓይልታት ኢስልምና ሎሚ ንመላእ ዓለም ኣብ ኢስላምና ንምቅያር ዝቃለሱ ( ISIL-ISIS)ኣለዉ፡፤ ገለ ፈለጣትን መራሕትን ሃይማኖት ኢስልምናን ሃገራትን ደሞክራስያን ዕልማናዊ መንግስታት ኣንጻር ሃይሞኖት ኢስልምናን ኣተሓሳስባን ሰለዝኾና፣ ከምዚ ዓይነት ምሕደራ በቶም ኣብ ኢስልምና ዝኣምኑ ሕዝብታት ቅቡል ጥራሕ ዘይኮነ ሓራም- ገበን እውን ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። ዕልመናዊ መንግስቲ ማለት ግን ኣንጻር እምነታት ዘይኮነስ፣ እምነትን፣ መንግስትን ዝፈሊ፣ ኣብ ናጽነት ናይ እምነታት ኢድ ዘየኤቱ ስርዓታት ምሕደራ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ዝኽተልኦ ዓለማዊ ምሕደራ ኢዩ።

ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ኣብ ዝሓላፈ ዘመን ናይ ካሊፋታት ክንምለስ ኣሎና ደሞክራስያን ሰብኣዊ መሰላትን ብሕጊ ኢስልምና ክኸውን ኣለዎ፣ ሃይማኖትን መንግስትን ክፍለ የብሉን ዝብሉ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ኤርትራ ፖሊቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ኣለዉ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብን ኣብ ኢስልምና ዝኣምና ሃገራትን መሰል ውልቀ-ሰብ፣ ይኹን ሰብኣዊ መስላት ብሓፈሻ ቅቡል ኣይኮነን፣ እሞ እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም ሃይምኖት ኢስልምናዶ ክርስትና ደሞክራስያዊ ፍልስፍና፣ ኣብ ኤርትራኸ ብኸምዚ ኣረዳድኣ ኣብ መንጎ መንግስትን ሃይማኖትን ኣይፍለን ዝብል ኣምር ኣብተን ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ ደንበ ተቃውሞ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ይርከቡ።

ትፈልጥዎዶ………….ቅድሚ ሃይማኖት፣ ቋንቋ ብሄር ሰብኣውነት ኢዩ ዝቅድም፣ ንሕና ደቂ /ሰባት ክሳብ ክንደይ ኢና ምቆምያታት እምነታት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣህጉራዊ ውዕል ብዛዕባ ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን መሰላት፣ ከምኡ ድማ ኣህጉራዊ ውዕል ብዛዕባ ሲቪላውን ፖሊቲካውን መሰላት ማእከል ገርና ምስ ሰብ ንነበር ኢዩ እቲ ስኢናዮ ዘሎና ኣፍልጦን፣

ኩልና ደቂ ሰባት ሓራ ኮና ማዕረ ክብርን መሰልን ዘሎና ኢና፣ ኣእምሮን ሕልናን ዝተዓደልና ብምዃና ድማ ኣብ ነንሕድሕድና ብመንፈሳዊ ሕውነት ክንቀራረብን ክንነበርን ንኸእለሉ ጥበብ ፍልጠትን ንድለ እምበር ኣነባ ካብዚ ብሔር …………ኣነባ ቋንቋይ ካብ ናትካ ይስልጥን……………. ናተይ ሃይማኖት ኢዩ ንመንግስተ ሰማይ ዘእቱ……………………እዚ ኹሉ ጃህራ ኣብዛ እነነብረላ ፕላነት ዓለምና ምትፍናንን ጽልእን እንተዘኮይኑ ምንም ረብሓ የብሉን፣  ናይ ወዲ ሰብ እምነት ብሕታዊ ኮይኑ፣ ኩልና ብሰላም ክንነብር ስራሕናን ምስ ሰብ ዝምድናናን ሰብኣውነት/ Humanity ማእከል ዝገብረ ክኸውን ኣለዎ እምበር ኣብ ንሕናን ……ንሳቶምን ኣብ ዝብል መርገጽ ክህሉ የብሉን።

ዝተወከስክዎም ጽሑፋት

  1. Universal Human Rights/ UN Dokuments
  2. International Conventions
  3. EGDI, Learning in Development Co-operation
  4. EGDI, Dialogue in Pursuit of Development
  5. Terry Eagleton, The Idea of Culture
  6. Thomas Hammerberg, Social Rättvisa

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • ተወልደመድህን May 28, 2017

    ስማዕ ሃውና።እዚ ትብሎ ዘሎኻ ዓለማዊ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል’ዩ።ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ግን እዚ ዘሎናዮ ኩነታት ጠንቑ ሃይማኖት ክብሎ ኣይካልን።ብርግጽ ኣብቲ ፈላጥን ኪኢላን ዝተሳእነሉ ኣብ 60ታትን 70ታትን ብሽም ሃይማኖታዊ ኣገባብ ተጸልዩ ሳዕቤን ዘምጸአ ፖለቲካ ኣሎ።ግድን’ዩ።እቲ እዋን ብቑዕ ኣፍልጦ ሃገራውነት ኣይነበረን።ዝንበረ ምንቅስቃስ ናይ ሃይማኖት ሰባት ጽልዋ ዝነበሮም ኢዮም።ብሰንኩ ኩናት ሕድሕድ ኮይኑ ተ.ሓ.ኤ. ሜዳ ኤርትራ ገዲፋ ምስ ወጸት ህ.ግ ሜዳ ኤርትራ ብሒታቶ’ያ።ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ሃይማኖት ሕቶ ኔሩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይከኣልን።እቲ ኩነታት ማዕረ ዕድል ይህቦም ስለዝነበረ ናብ ሃይማኖት ኣቢሉ ዘድሃበ ኔሩ ክትብል ኣይከኣልን።
    ድሕሪ ናጽነት ዝተፈጥረ ኩነታት እንተሎ ናይ ውሑዳት ሰባት ምንቅስቃስ’ምበር ንኩነታት ሃገር ኣብ ድርብሽብሽ ዘእቱ ምንቅስቃስ ኣይነበረን።ኣብ ውሽጥ’ቲ ህ.ግ ከኣ ናይ ሃይማኖት ምግምማዕ ኣይመጸን፡ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝትመሰረተ ፖለቲካዊ ምግምማዕ መጽ’ዩ።እዚ ምግምማዕ’ዩ ከኣ ሃገር ናብ ዕንወት ዝመርሀ።ነዚ ጉዳይ’ዚ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ቀልጡፎም ክበጽሕዎን ምላሽ ክህብሉ ስለዘይከኣሉ ኩነታት ባዕሉ ምላሽ ሂቡ።ድሕሪ’ዚ መንእሰያትን ገለ ኣብ ስደት ዘለዎ ሰባት ናይ ተቃውሞ ምንቅስቃስ ኣካይዶም።ምንቅስቃሶም ከኣ ብዘየገድስ ብሃይማኖት፡ብዓዲ፡ባውራጃ ይኹን ሃገር ንዘብርስ ዘሎ ስርዓኣት ንምውዳቕ’ዩ።እቲ ምንቅስቃስ ብከምዚ ስለዝኾነ ከኣ ንህግደፍ ምብላጽ ከሊኡዎ’ዩ።ህግደፍ ኣብቲ ማእከላይ፡ኤርትራ ብምባል ጥራይ’ምበር ካልእ ክህሉ ከምዘይብሉ ሚሂሩ ብዙሃት ነዚ ተቀቢሎም’ዮም።ስለዚ ብሰንኪ’ዚ ዝተገብረ ናይ ሃባር ምትእኽካብ፡ቅድም ነቲ ምትእኽካብ ድሮ ስሩዓቱ ኣትዮሞ’ለው፥ቀጺሉ ከኣ ኣብታ ምንቅስቃስ ዝተመርጹ ብዝገበረ ገይሩ ብገንዘብ፡ብ ኣባላትቱ ድዩ ብካልእ ሕድገታት ነቲ ምንቅስቃስ ጨውዩዎ’ዩ ኣብ ገሊኡ።ን ኣብነት ብመዓል ኣድሓኖም ዝተጀመረ ኤርትራዊ ምንቅስቃስ፡መናኣሰያት ዝፈጠሩዎ ምንቅስቃስ ቅድም ኣብ ክልተ ሎሚ’ሞ ኣብ ዓሰርተ ተመቒሉ’ሎ ይቕጽል

  • ተወልደመድህን May 28, 2017

    ይቕጽል ተወልደመድህን
    ድሕሪ’ዚ ተመኩሮ’ዚ ግን ሰባት ፋሕፋሕ ኣብዝበሉ ናእሽቱ ጥርናፈታት ምስኮኑ ኣጸቢቖም ስለዝፋለጡ ነቲ ስሮኣት ሰሊኹ መእተዊ ጨኒቑዎ ጥራይ ዘይኮነ በዚሖሞ፡ነየናይ ክህዝ፡ኩሉ በብዘለዎ ንህግደፍ ምልብላብን ጉዱ ምውጻእ ኮይኑ።ስለዚ ኣብዚ ዓፋኒ ስርዓት ኣብዘለወሉ።ዝተኦኣፈኑ ሰባት ዝስመዖም መስመር ሒዞም ክጓዓዙ ሓላል’ዩ። ኣዚ ግን እቲ ዕላማ ኣየናይ’ዩ።እቲ ዕላማ ዓፋኒ ስርዓት ንምውዳቕን ፍትሓዊት ኤርትራ ትምስረተሉ ኩነታት ንምብጻሕ’ዩ።
    ሎሚ ናይ ኣግኣዚያን’ዶ ናይ ጥርኑፍ ምንቅስቃስ’ዶ ትብል ኣሎካ።ኣይትፍራህ።ከምቲ ህግደፍ ክንፈርህ ዘስደምም መልእክቲ ዘመሃላልፎ ኣይተመሓላልፍ።ጸገምና ንሱ ኣይኮነን።ህግደፍ ንባዕሉ ኣብ ናይ ፕሮፖጋንዳ መልእክቱ፡ክርስቲያን ኣስላምን ተሳንዮም ዝነበሩላ ኡንኮ ሃገር ኤርትራ’ያ እናበለ’ዩ ዘዳኽር።እቲ ሃቂ ከኣ ንሱ’ዩ።ዘሎ ናይ ገለ ሰባት በጨቕ ዝብል ቃልን ርእይቶን ኖኣታቶም ዝውክል’ዩ።ከም ኡ ዓይነት ሰባት ከይህሉው ከኣ ገዛ ገዛ ዘይርካ ክተጽርዮ ዝከኣል ኣይኮነን።ንሳቶም በቲ ዝትፈጥረ ኩነታት’ዮም ትኽ ዝብሉ።ኩነታት’ዩ ከኣ ቅድም ሰብ ይፈጥር ደሃር ሃሳብ።ስለዚ ኣዚ ኩሉ ትብሎ ዘሎካ፡ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ሪኢኻ ዝፍረድ’ዩ።ሎሚ ግን ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ዝግበር ኣውራጃዊ፡ሃይማኖታዊ ምጥርናፍ ቅዱስ’ዩ።እዚ ብናእሽቱ ኣገባባት ተጠርኒፍካ ምኳድ ጸገም ከምጸኣሉ ስለዝኽእል ካብ ነዊሕ ጀሚሩ’ዩ ህግደፍ ተቃዊሙዎ።ብካላ ኣገባብከኣ፡ብወገንነት ኣጸሊሙ ሰባት ከልምሰሉን ከጸልመሉ ዝኽእል ጽቡቕ ኣገባብ ስለዝኾነ ነዚ ናይ ኣውራጃን ሃይማኖትን ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ከም ነውሪ ተጠቂሙሉ።ሎሚ ሳላ ከምዚ’ዩ ከኣ ህግደፍ መመሊሱ ኣንቆልቁሉ።እቲ ዘሎ ጸገም ከኣ ጸግም ፍትሒ፡ጸገም ዲምክራሲ’ምበር ጸገም ሃይማኖታዊ ፍልልይ ኣይኮነን………………….ይቕጽል

  • ተወልደመድህን May 28, 2017

    ዘይምትእምማን ኣሎ’ዶ።እወ፡ኣብ ሕማቕ ቦታ ስለዝሎና ክህሉ ዝኽእል’ዩ።ግን ሃገር ናብ ሁከት ዝመርህ ኣይኮነን።ሓደ ሓደ ነገራት ዘጋጥሙ ወይ ዝስምዑ ከም ውልቀ ሰብ መጠን ስኽፍታ ዝህብ እንተኾኑ ከም ሃገር መጠን ግን ዋጋ ክወሃቦም ዝግቡ ኣይኮኑንን።ነዚ ንምምዛን ናበይ ገጾም ከቅንዑ ምኳኖም ንምር ኣይ ከኣ ቅድም ስርዓ ኦኣዋሉ ይደምሰስ።ስለዚ ሃውና ብክንደይ ጸግም ሃሊፉ’ዩ ህዝቢ ኤርትራ።ሎሚ ድሕሪ’ዚ ጸገም ናብ ፍሉይ’ምበር ናብቲ ዚነበረ ናይ ቀደም ስኽፍታ ክንምለስ ጽቡቅ ኣይኮነን።ንስካ ንባዕልካ ናይቲ ዝመጽእ ጽቡቕ ክትር ኢ እላበወካ።ስሮኣት ኢሳያስ ወዲቑ፡ብሃይማኖታዊ ጉዳይን ካላን ዝከይድ ሽዑ ይረአ፡እቲ ሽዑ ክወጽእ ዝደሊ ሕጊ ይዓግቶ፡ሰብ ኣይኮነን ነውሪ’ዩ ኢሉ ዝዓግቶ ሕጊ።ኣይትረስዕ ከኣ ዲሞክራሲ ክበሃል፡ኣብ ጥህቲ ሃገራዊ ሕጊ ሰብ ብዝስመዖ መገዲ ምብጋስ ማለት’ዩ።ነቲ ኣተሃሳስባ መን ይፍረዶ ህዝቢ።ስለዚ ኣብ ቅሱን ኩነታት ስቕ ኢካ ትብሎ ንሃደ ሕማቕ ነገር ህዝቢ ምእንቲ ክፈርዶ።ብከምዚ ከኣ ህዝቢ ባዕሉ ይኹኑኖ፡ኣይስዕቦን።

    • k.tewolde May 29, 2017

      ‘ዝንበረ ምንቅስቃስ ናይ ሃይማኖት ሰባት ጽልዋ ዝነበሮም ኢዮም።ብሰንኩ ኩናት ሕድሕድ ኮይኑ ተ.ሓ.ኤ. ሜዳ ኤርትራ ገዲፋ ምስ ወጸት ህ.ግ ሜዳ ኤርትራ ብሒታቶ’ያ።ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ሃይማኖት ሕቶ ኔሩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይከኣልን።እቲ ኩነታት ማዕረ ዕድል ይህቦም ስለዝነበረ ናብ ሃይማኖት ኣቢሉ ዘድሃበ ኔሩ ክትብል ኣይከኣልን።’ It is a very interesting conversation between Mr. Nair and Mr.Tewoldemedhin,they made some valid points from their perspective with the intent to show us where our vulnerabilities are but in the process of doing that look how the quotation in tigrigna exposes our vulnerability.I am not faulting the person who put up the post in any way or shape,but it shows a discerning reader our composition,what we are made of,sometimes we have to get close to mirror and look into our souls and all the answers are there staring back at us,we don’t have to refer to any publications.

  • Gezae May 29, 2017

    I agree with you that politics and religion should be separated. To my knowledge religion is people; people are diverse; there good believers as well as bad. The good people interpret their religion in to constructive ways the bad once distort their scriptures. Fundamentally, the principle of give to Caesar what belong to Caesar and give to God belongs to God is the secular principle of separation of church and state in Christianity.
    Islam contests the notion that mixing religion and politics is appropriate and argues that religion and the state were distinguished from the beginning and that leadership was not part of the fundamentals of religion and put forward the strongest case by stating God/Allah has wanted Islam a religion not to be politics to gather inside Eritrea.
    However, some groups in the diaspora wanted religion to be politics and political programs. As we see the Eritrean Islam opposition group/s are not only societies not individualism but ethnicity. They do not see surviving outside the protection of their ethnics or religions group. A state to them is seen as a lake with various ethnic boats, and their surviving depends on holding onto one of these boats. But inside Eritrea politics and religion are a problem if properly understand the notion of politics and religion.

    In conclusion dear brother, I read you many times writing about democracy, but let me clarify you democracies do not always make societies more civil but they do always mercilessly expose the health of the societies in which they operate. The contradiction in democracy is that although it tries to reach out every one regardless of religion, nationality or any other division that can be devised by man it has a narrow objectives.
    To create a society, environment where all can respect each other right to live and prosper it could be argued that the road to peace or democracy is to moderate behaviors in accordance. Democracy is about tolerance or better say work together [including PFDJ members] to build a better future

  • Gezae May 29, 2017

    correction
    I agree with you that politics and religion should be separated. To my knowledge religion is people; people are diverse; there good believers as well as bad. The good people interpret their religion in to constructive ways the bad once distort their scriptures. Fundamentally, the principle of give to Caesar what belong to Caesar and give to God belongs to God is the secular principle of separation of church and state in Christianity.

    Islam contests the notion that mixing religion and politics is appropriate and argues that religion and the state were distinguished from the beginning and that leadership was not part of the fundamentals of religion and put forward the strongest case by stating God/Allah has wanted Islam a religion not to be politics to gather with Christianity inside Eritrea.

    However, some groups in the diaspora wanted it to be politics and political programs. As we see the Eritrean Islam opposition group/s are not only societies not individualism but ethnicity. They do not see surviving outside the protection of their ethnics or religions group. A state to them is seen as a lake with various ethnic boats, and their surviving depends on holding onto one of these boats.But inside Eritrea politics and religion are not problem if properly understand the notion of politics and religion.

    In conclusion dear brother, I read you many times writing about democracy, but let me clarify you democracies do not always make societies more civil but they do always mercilessly expose the health of the societies in which they operate. The contradiction in democracy is that although it tries to reach out every one regardless of religion, nationality or any other division that can be devised by man it has a narrow objectives.
    To create a society, environment where all can respect each other right to live and prosper it could be argued that the road to peace or democracy is to moderate behaviors in accordance. Democracy is about tolerance or better say work together [including PFDJ members] to build a better future

  • Nahon May 29, 2017

    “ከምኡ ዓይነት ሰባት ከይህሉው ከኣ ገዛ ገዛ ዘይርካ ክተጽርዮ ዝከኣል ኣይኮነን።ንሳቶም በቲ ዝትፈጥረ ኩነታት’ዮም ትኽ ዝብሉ።ኩነታት’ዩ ከኣ ቅድም ሰብ ይፈጥር ደሃር ሃሳብ።ስለዚ ኣዚ ኩሉ ትብሎ ዘሎካ፡ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ሪኢኻ ዝፍረድ’ዩ።ሎሚ ግን ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ዝግበር ኣውራጃዊ፡ሃይማኖታዊ ምጥርናፍ ቅዱስ’ዩ።”

    ተወልደመድህን

    Brother Teweldemedhin

    All sub-national forms of organizations are divisive and inefficient. This is not to say they should be confronted and denied space, but they cannot lead to the required changes at national level.
    (When you have a broken thing that you cannot throw, what you do ?, obviously you try to put all the pieces together. That should a proper way to address this issue.)
    The regime knows that the divisive policies it has being implementing are serving them well, that is why it’s busy dismantling the social fabric of the country, in a way that lets every group feel they are targeted specifically more than the rest, while others are not standing in solidarity with them, thus creating mistrust and mutual suspicion.
    So an all inclusive national organization and a strong spirit of solidarity are the prerequisites of the required change. Anything other than that is in the interest of Higedef. It fits into the regime’s strategy of weakening the opposition by infiltrating it and causing divisions within its ranks, so that nation level organization end up breaking up into smaller, regional, sectarian and tribal groups.
    National unity is the only effective strategy to combat dictatorship and to save Eritrea from disintegration and civil wars instigated by its enemies.

  • Fesseha Nair May 29, 2017

    Dear Commentators,
    I would like to thank you for your critical feedback. My article’s aim was to awaken the democracy activists, what we lack today is to build a strong and united opposition that can be best alternative to the current dictatorship. I am not against the political organizations with different affiliations ( religious, ethnic and regional) but let us work to join together under one umbrella front respecting all the rights of the stakeholders. Do you know the Libyan Experience- transition from dictatorship to democracy, why it failed.

    The struggle from dictatorship is not only to remove the dictatorship but prepare your people for the post-dictatorship. The post dictatorship is more vulnerable than to fight and the win the dictatorship. I know democracy is delicate and needs skills and knowledge. Let us engage and provide our people the skills and knowledge towards democratization at this time. When I write any article I must first read the realities on the ground. What I se e and experience can be different from others but I respect your freedom of speech . Thank you again for the positive and constructive feedback.

  • Nahon May 29, 2017

    “Islam contests the notion that mixing religion and politics is appropriate and argues that religion and the state were distinguished from the beginning and that leadership was not part of the fundamentals of religion and put forward the strongest case by stating God/Allah has wanted Islam a religion not to be politics to gather with Christianity inside Eritrea.”

    Gezae

    Till the advent of modern secular states following the French revolution and various wars on the old continent that ended up replacing feudal monarchies and church authorities, religion was an ideology that kings needed to rule for centuries.The Ethiopian revolution ended a feudal system in which the Orthodox church was a central pillar of state power.
    Hence, secularism historically grew out of the need to keep the church away from it’s traditional role of supporting the feudal powers and justifying their oppression of peasantry, much of it in European context, if not all..
    For some historically diverse reasons this did not happen in Islamic countries. After WWI the newly created States did not embrace secularism and religious authorities retained their influence.
    This makes of secularism an option that can be implemented where people see it necessary.
    Countries where communities follow different religions, remains not an option but mandatory.
    Eritrea is one of them. In main stream politics of the opposition this is a obvious choice.
    Although Higdef and its extremely harsh dictatorship has pushed some to opt for faith based groups, overwhelming majority of Eritreans know that this cannot be a proper solution.
    What we need is a secular, united, egalitarian, strong and free Eritrea.

  • TZ May 30, 2017

    ዝኽበርካ ሓው ፍስሃየ!!

    ጽሑፍካ ኣዝዩ ዓሚቕ ትሕዝቶ ዝሐዘ ብሓጺርን ንኹሉ ክርድኦ ብዝኸእል ዘየሰልቹ ኮይኑ ዘኺበዮ
    ብዙሕ እውን ተማሂረሉ። የቐልንየለይ ድሃይካ ኣይጥፋና

  • Ibrahim Hajj May 31, 2017

    Well said brother Fesseha Nair,
    Separating politics and religion is the way to go as far as our Eritrean is concerned. Mixing them is a recipe for disaster.

POST A COMMENT