Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

03 ጥቅምቲ፡ ንዝኽሪ ግዳያት ስደት

03 ጥቅምቲ፡ ንዝኽሪ ግዳያት ስደት ኣብ’ዛ እንነብረላ ዓለም ብዙሓት ህዝባውያን፡ ሃገራውያንን ዓለምለኻውያንን ባዓላት ክባዓሉ ንዕዘብ። እቶም ባዓላት ናይ ገዛእ ርእሶም መንቀሊ ታሪኽ ዘለዎም ኮይኖም፡ ገሊኦም መሰልን ክብርን ናይ ገለ ኣካላት ናይ ሕብረተሰብ (መሰል ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን) ንኽረጋገጽ

03 ጥቅምቲ፡ ንዝኽሪ ግዳያት ስደት

ኣብ’ዛ እንነብረላ ዓለም ብዙሓት ህዝባውያን፡ ሃገራውያንን ዓለምለኻውያንን ባዓላት ክባዓሉ ንዕዘብ። እቶም ባዓላት ናይ ገዛእ ርእሶም መንቀሊ ታሪኽ ዘለዎም ኮይኖም፡ ገሊኦም መሰልን ክብርን ናይ ገለ ኣካላት ናይ ሕብረተሰብ (መሰል ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን) ንኽረጋገጽ መጸዋዕታ ዝቐረበሎም ክኾኑ እንከለው፡ ገለ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰባት ኣሰቃቒ ጃምላዊ ህልቂት ዝተፈጸመሎም ኢዮም ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ማዓልቲ ከባቢ፡ ማዓልቲ ቲቢ..ወዘተ እናተባህለ፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ህይወቱ ተጽዕኖ ንዝፈጥርሉ ከባብያውን ጥዕናውን ጉዳያት ብንቕሓት ንኽብድህ ምእንቲ ከም መዘኻኸሪ ተባሂሉ ዓመታዊ ዝባዓሉ ባዓላት’ውን ኣለው።

ኣብ ናይ ሃገርና ኩነታት ምስ እንርኢ’ውን፡ ዋላኳ ከምቲ ዝድለ ምሉእን ኣሳታፍን ኣይኹን እምበር፡ ምስ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተኣሳሲሮም ዓመታዊ ዝባዓሉ ባዓላት ከምዘለዉ ካብ ኩልና ስውር ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ሓደ መስከረም፡ 24 ግንቦት፡ ማዓልቲ ሰማእታት….ወዘተ።

ሎሚ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ክንጽሕፍ እንከለና እምባኣር፡ ንታሪኽን ኣመዓባብላን ናይ ባዓላት ንምትንታን ዘይኮነስ፡ ነዚ መበገሲ ብምግባር፡ ብዛዕባ’ታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣሰቃቒ ጃምላዊ ህልቂት ናይ የሕዋትና፡ ኣሓትናን  ህጻናት ደቅናን ዝተራእየላ’ሞ፡ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ድማ ዳርጋ ብነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተዘኪራ ዝዋዓለት 03 ጥቅምቲ ኣመልኪትና ገለ ክንብል ስለዝደላና ኢዩ። ኩላትና ከምእንሰማማዓሉ ተረኽቦ ናይ 03 ጥቅምቲ 2013 ሓደ ካብ ብዙሓት ከምኡ ዝኣመሰሉ ተረኽቦታት ኢዩ። ስለዚ ኢና ድማ ነታ ዕለት ኣብ ዝዘከርናሉ እዋን፡ ንኹሎም ህይወቶም ካብ ስርዓት ኢሰያስ ከዕቁቡ ክብሉ ህይወቶም ንዝሳኣኑ ኤርትራውያን  ብኣጠቓላሊ ዝዘከርና። ስለዚ’ምባኣር፡ እቲ ዝኽሪ ሓንሳብ ወይ’ውን ክልተ እዋን ጥራይ ተዘኪሩ ከይርሳዕ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ’ውን ከም ሓደ ሃገራዊ ዝኽሪ ኮይኑ ክነብር ምእንቲ፡ 03 ጥቅምቲ፡ ብሰንኪ ስርዓት ኢሰያስ ናብ ስደት ከምርሑ ህይወቶም ንዝሳኣኑ ኤርትራውያን ንዝክረላ ዕለት ተባሂላ ኣካል ናይ ባዓላትና ክትከውንን ዓመታዊ ክንዝክራን ከምሓሳብ ነቕርብ።

ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካ ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT