Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

10 ኣባላት ምክልኻል ናብ ሱዳን ከምልጡ እናተጓዕዙ ከለዉ ኣብ ከባቢ ማህሚመት፡ ከምእተታሕዙ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ 15 ኣባላት ምክልኻል ካብ ባጽዕ ተበጊሶም ናብ ሱዳን ከምልጡ እናተጓዕዙ ከለዉ፡ 10 ካብኣቶም ብ ሓሙስ 10 ግንቦት ኣብ ከባቢ ማህሚመት፡ እስራይ ዝብሃል ቦታ ከምእተታሕዙ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ 15 ኣባላት ምክልኻል ካብ ባጽዕ ተበጊሶም ናብ ሱዳን ከምልጡ እናተጓዕዙ ከለዉ፡ 10 ካብኣቶም ብ ሓሙስ 10 ግንቦት ኣብ ከባቢ ማህሚመት፡ እስራይ ዝብሃል ቦታ ከምእተታሕዙ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ስለያ ምስ ተኮሱሎም በብወገኖም ከምልጡ ኳ እንተፈተኑ 5 ክሃድሙ ከለዉ 10 ካብኣቶም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ኣለዉ።

ዝርዝር ኣስማር ናይቶም ተታሒዞም ዘለው ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

1,ዶ/ር መሓሪ መኮነን ኣባል ሕክምና ሓይሊ ባሕሪ ገደም

2, ተስፋይ ኢዮብ – ፐርሰናል ክ/ሰ 84.

3, ሙልጌታ ዮውሃንስ – ኦርጋኒትስ ጉጅልቭ ባህሊ መረብ ሰቲት

4, ዮናታን ተኽሉ – ምልክት

5, ዮስፍ ዑመር – ፋይናንስ ሓይሊ በሕሪ

6, በረኸት ተኽሉ –  ወኪል ክ/ሰ 33

7, ዶ/ር አሚር ሳልሕ

8, ሮቢል መኮነን – ኣባል ጸጥታ

9, ያስር ዓሊ – ኣባል ጸጥታ

10,ደሳለ በረኸት – ኣባል ጸጥታ እዮም።

እዞም ዝተጠቕሱ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ሂዞሞ ዝነበሩ ኣሽሓት ገንዘብ በቶም ኣባላት ስለያ ድሕሪ ምግፋፉ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስለያ ማህሚመት ተኣሲሮም ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde May 14, 2018

    Escapees with thousands of dollars? and what did it take them this long to make the decision?

  • Alex May 16, 2018

    Very sad news.

POST A COMMENT