Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Asmaraኣብ ዓዋተ ዳት ኮም ሓደ ጽሑፍ The Tears of a Sadist ብዝብል ብኣክሊሉ ዘርአ ብ25 ሰነ 2007 ዝተደርሰ ቀሪቡ። እቲ ጽሑፍ ብቛንቛታት ትግርኛ ይኹን ዓረብ ተዳልዩ እንተዝቐርብ ብዝያዳ ሸትኡ ምወቐዐ ዝብል ግምት ኣሎና።

BBCመንግስቲ ኤርትራ ንብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቦና ኣንጠንዮስ ንዝገብረሎም ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝዅንን ናይ ጸሎት ስነስርዓት ኣብ ለንደን ከምዝተኻየደ ቢቢሲ ኣብ ሰስፈሮ ዓንቀጽ ሓቢሩ።

HREነቦይ ነደይ፡ ንብዓልቲ ኪዳንይ ንሓድገይ ከይበሉ ጀጋኑ ኤርትራ ዝተደፍኡሉ ናይ ደም መሬት፡ ምስ ሓጥያትኩም ትረግጹዎ ዘለኹም ኣዛብእ ኤርትራ፡ ወይልኹም! ኣብ መንጎ ኪወግሓኩም እዩ!

NSመንእሰይ ሞተር ሃገር ተባሂሉ ብክንክን ጥዕናን፣  ብትምህርቲ፣  ብሃናጺ መግቢ፣ ስፓርት ወዘተ፣ ተኾስኪሱ ክዓቢ ዝግባእ ቀንዲ ክፋል ናይ ሕብረተ ሰብ ኣካል እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራና ብግልብጥሽ ኮይኑ፣ ክውዒ ብማንካ ክዝሕልን ብኢድካ ከምዝበሃል፣ ኩናት እንተመጸ ንዕኡ፣ ስራሕ ባርነት እንተሎ ንዕኡ፣ ግፋ እንተመጸ ንዕኡ፣ ስም ምኽፋእ እንተመጸ  ንዕኡ፣ ብዓቢኡ ድማ ግዳይ ናይ ስደትን መከራን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ።

ERI TVኣብ መንግስታዊት መደበር ቴሌቪዥን ኤርትራ “ኤሪ-ቲቪ”፡ ኣገልግሎት ቋንቋ ዓረብ፡ ኣቕራቢት ዝነበረት ጋዜጠኛ ፋትሕያ ኻልድ፡ ካብ ቅድሚ ወርሒ ጀሚራ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም ሳዋ ተኣሲራ ከምዘላ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

GBቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ንዓባይ ብሪጣንያ ን10 ዓመት ዝመርሐ፡ ቶኒ ብሌየር፡ ኣብ መንግስቱ ከም ቻንሰለር ን10 ዓመት ንዘገልገለ ጎርደን ብራውን ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ 27 ሰነ ስልጣኑ ብወለንታ TBኣረኪቡዎ።

ገዲም ተጋዳላይን ደራሳይን ፍስሓጽዮን ገብረ ብጉዳይ ዶብ ኤርትራን-ኢትዮጵያን ትማልን ሎሚን ብዝብል ዛዕባ ንህዝቢ ንምሕባር ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ፓልቶክ (Paltalk), ኣዳራሽ Eritrean room for strong and united opposition ”

ብ23 ሰነ ኣብ ገምገም ባሕሪ ህንዲ ደንደን ተባህለት ናይ ኤርትራ መርከብ ጠሊቓ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ምስ ኣንበብና ብዙሕ ጕሂና። መጀምርታ ሃለዋት ናይቶም ባሕረኛታትና ደሓር ድማ እታ ንብረት ናይ ኤርትራ ከንቱ ምጥፍኣ ተሰሚዑና።

ደንደን

ካፕተን ናይታ ብ23 ሰነ ኣብ ህንዲ ገምገም ባሕሪ ወደብ ማንጋሎር ዝጠሓለት መርከብ “ደንደን “ ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ህይወት ክልተ ባሕረኛታት ዝለከመት ብኮርፖሮሽን ቀይሕባሕሪ (ህግደፍ) እትውነን መርከብ፡ “ናይ ኢንጂነር ጉድለት ምዃኑ” ከምዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ‘ማንጋሎርያን’ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።