Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

asህግደፍ ክገፍፍ ኢዩ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ መንእሰያት ካብ መጻወድያ ከምልጡ ሸበድበድ ክብሉ፡ ህዝቢ ‘ውን ተረቢሹ ውራዩ ገዲፉ ካብ ሹቕ ንገዝኡ ክኸይድ ሃታ ሃታ ክብል ከሎ ዘርኢ እዩ።

ዘርሓበን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾነ ጅግና ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኡዳይን (ጥልያን) ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ተወዳዲሩ ወርቂ ማዳልያ ብምዕታር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓወቱ ዓቂቡ።

ዛጊት ሰላም ረኺብካ ሩፍ ኣይበልካን። እቲ ብ “ኣይሰላም ኣይኵናት” እናተገልጸ ንዓመታት ላሕ ዘበለካ ሰንፈላል ዝበዝሖ ዘይቅሱን ኩነታት ሕጂ መመሊሱ እናኸፍአ ብምኻድ ብግህዶ ናብ ኵናት ክዘዙ ይርአ ኣሎ። ንስኻ ገበነኛ ወይ ሓጥያተኛ ስለዝኾንካ ኣይኮነን ደበና ኵናት ኣብ ሰማያትካ ዳግም ሰሪቡ። ዘይወዓልካዮ ዕዳ ዕቡዳት ምኽፋል፡ ግዳይነትካ ስለዝለመደ ደኣ ‘ምበር።

Aመታዕቢተይ፡ እዛ ሃገር ናብ ምንታይ ተመርሕ ከምዘላ ትዕዘቡ ዶ ኣለኹም? ዝተዳህከ ቁጠብኣ ከይተበራበረ፡ ዝተዘርገ ጸጥትኣ ከይተመልሰ፡ ዝተመዛበለ ህዝባ ከይተጣየሰ፡ ዝተጎድአ ቁስላ ከይሓወየ ካልእ ሓደጋ ከንጸላልዋ ጀሚሩ።