Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቀዲመ ነቲ 05፡ ግንቦት 2008 እተካይድዎ ጉባኤ ዓወትን ኣሳልጦን ብዓብይኡ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ፍናንን ተስፋን፡ ንህግደፋውያንን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ከኣ ራዕድን ሰለሎን ኣመዝጊቡ ንክወጽእ ሰናይ ትምኒተይ እገልጸልኩም።

ብመጀመርያ ተጋዳላይ መሓመድ ስዒድ ባርህ ኣብ ዝሞተሉ መዓልቲ ነቲ መርድእ ተቐላጢፍኩም ምዝርጋሕኩም ምስጋና ይግብኣኩም። የግዳስ ዝወዓለ ይንገርካ እዩ ‘ሞ ከም’ቲ ዝበልኩሞ ወዲባርህ ብሕማም ዘይኮነ ብትእዛዝ ኢሳይያስ እዩ ጠፊኡ።

barhኣባል መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ መሓመድ ስዒድ ባርህ ብሕማም ነዊሕ ድሕሪ ምስቓይ ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ከምዝዓረፈ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣፍሊጣ።

 

ሰልፊኣብ ሸፊልድ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ብምቅዋም ብ5 ሚያዝያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ብወገነይ፡ መበገሲ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ጕባኤ ናይ ኪዳን፡ ክርስትያን ክዕብሉሉና ይደልዩ ኣለዉ ብዝብል ምፍርራሕ፡ ናይ እስላማውያን ውድባት ደገፍ ረኺቡ፡ ንውድቡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ንምስራዕ ከይኰነ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ኣሎኒ። እዚ ግምት ጥራሕ ኢዩ። ነፍስወከፍኩም ድሕር’ዚ ሓተታ’ዚ ምንባብ ከም ናተይ ይኹን ካብ ናተይ ዝተፈልየ ግምታት ክህልወኩም ከምዝኽእል ኣይስሕቶን ኢየ።

ዓርከተይ ዓርከተይ ኢሎምላ፡ ብማሕላ
      ከይትድፈር ብጓና ብጕሒላ
 ጻሐይ ከይትህረም ክትራ ሰሪሖምላ
ንስለ ክብሪ-ቃልኪዳን ይሕልውዋ በቢታራ
 ኮይኖም አብታ ዋላ!
ሕጂ ተፈከርካ እንታይ ከዓብሰላ
ንሳስ ሐዳራ ክትወጽእያ ትጽዕር ዘላ!
ትም! ግዳ በል ከይትሐናኹላ።

ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ከብቅዕ እንተኾይኑ እቲ ንልኡላውነት ሃገሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ዘኽብርን ዝሕሉን፡ ወጽኢት መሪር ቃልሱ ዝኾነ፡ ሃገራዊ ቅዋሙ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ።
ነዚ ንምትግባር ከኣ ብዘይካ በቲ ብዓል ቤት ናይዚ ሕቶ`ዚ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብካልእ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ዘይፍጸም ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዓለም ተማሂርና ኣሎና።

ሽሕ እኳ ኣውቲስታ ወዲ ኤፍረም ዕጫ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣውቲስታ ‘ሳልሕ’ ይበጽሖ ከምዝኾነ  ይፍለጥ እንተ ነበረ፡ እንሆ ክቡር ሓውና ንሱ በዘይፈልጦ ጉዳይ፡ ጥራሕ ተለኣኣኺ ብምዃኑ ሚስጢራት ንምድምሳስ ፡ ግዳይ ዓመጽቲ ኮይኑ።