Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ – ተበገስ ንቕድሚት አይትርአ ንድሕሪት

ሃግራዊ ዋዕላ መን ኣሎ ዘይደልዮ? ብዘይካ ሓደክልተ ህግደፋዊ ዋህዮ ትጽቢት ጭኩናትዩ ሰላማዊ ዕዮ ዝደለየ የርክብ ንመዓስ ክንጽበዮ?   ብድሆ ከይበልካ የለን ዝስዕበካ ሕምዬት ሰሙን ዕጅብ ኣይበልካ ድሕሪት ኣይትርኣ ከይዓናቕፉኻ ጌጋ እንተሎ መጺኦም ይኣርምኻ   ሕልሚ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላዩ ኣርእስቲ ምቕያር ኣይግዜኡንዩ ሓንሳብ ዝዳቐቑ ሓንሳብ ዝፋረዩ ሓድነት ከም ሰለስተ

ሃግራዊ ዋዕላ መን ኣሎ ዘይደልዮ?

ብዘይካ ሓደክልተ ህግደፋዊ ዋህዮ

ትጽቢት ጭኩናትዩ ሰላማዊ ዕዮ

ዝደለየ የርክብ ንመዓስ ክንጽበዮ?

 

ብድሆ ከይበልካ የለን ዝስዕበካ

ሕምዬት ሰሙን ዕጅብ ኣይበልካ

ድሕሪት ኣይትርኣ ከይዓናቕፉኻ

ጌጋ እንተሎ መጺኦም ይኣርምኻ

 

ሕልሚ ህዝቢ ሃገራዊ ዋዕላዩ

ኣርእስቲ ምቕያር ኣይግዜኡንዩ

ሓንሳብ ዝዳቐቑ ሓንሳብ ዝፋረዩ

ሓድነት ከም ሰለስተ ኣይቁጸርንዩ

 

ፈላጥየ ዝብል ንዓይ ጥራይ ስምዑ

ዘይተባህለ ዘንብብ ንህዝቢ ጸዊዑ

ንዓኹም ኣናኢሱ ከምዘይትበቕዑ

ጸላዕላዕ ዝብሎ ሃ.ዋዕላ ተሰሚዑ

 

ምስ ጀመርኩሞ ብዙሕ ተቖጢዑ

ብሰናይ ተግባራትኩም ኣጉባዕቢዑ

ወጊድ ንመሳናኸልቲ ነገር ዝጽውዑ

ጠለብና ዘናእሱ ንሕቶና ዘይሰምዑ

 

ንሶም ቅድም ህግድፍ ድሕሪኦም

ክሳብ ማዓስዮም ከታልሉ ደልዮም

ህዝቢ ነቒሑዩ ቀደም ኣይምሰሎም

ተዓዚቡዩ ከም ዘይጠዐ መንገዶም

 

ብሎሚ ጽባሕ ግዜ ንኮንቱ ተቓጺሉ

ንሃገራዊ ዋዕላ ኣይበቓዕናን እናበሉ

ንጸላኢ ዕድል ክፈጥሩ ግዜ ኽገዝእሉ

ስልጣን ተረኺቦም ምስኡ ሸይ ክብሉ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

18/04/2010. N0rway

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT