Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

mesfnንዕለት ሰንበት 17 ጥቅምቲ 2010 (October Sunday 17, 2010)

ክቡር አቶ መስፉን ሐጎስ ላዕላዋይ አባል መሰጋገሪ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ አብ ከተማ ሳን ድየጎ ሰፊሕ ህዝባዊ አኼባ ከካይድ ኢዩ።

ማርሕበረኮም ኤርትራውያን አብ ሳንታ ክላራ ካውንቲ አብ ክፍለ ግዝኣተ ካሊፎረንያ ትማሊ 03 ጥቅምቲ 2010 ናይ’ቲ አብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝኸፈቶ ሓዲሽ  ኮማዊ ማእከል (ኮሚኒቲ ሰንተር ) ናይ ምምራቕ ስነ ስራዓት ብዓቢ ደምቀት አካይዱ።

asmeraኣስመራ ቅርጥውትንን ጽብቕትን ብምዃና ተፈታዊት፡ ደቃ ገያሾ ብምዃና ከኣ ተናፋቒት እያ። ዘይውዳእ መገሻ ‘ወ፡ ትማሊ ንሜዳ፡ ሎሚ ኸኣ ንስደት። ፍቕራ ግን ወትሩ ኣብ ልብና ‘ሎ። ትማሊ ከነድሕና ንሜዳ ክንወፍር ከለና ተማሊእናዮ፡ ሎሚ ኣብ ጉዕዞ ስደት ‘ውን ኣይሓደግናዮን፡ ምሳና ‘ሎ።

ኣማኑኤል ሳህለሓቂ ክብርትን ብቐሊሉ ዘይትርከብን ጥሪት ስለ ዝኾነት፡ ብቝጠባ ክንጥቀመላ ይግበኣና። ስለዚ ኣብ ሓደ ብሓሶት እተጋዕተ ምግቢ፡ ቅሩብ ጨው ሓቂ ፈይ ኣቢልካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሓቂ ብኹላ ብሓደ ግዜ እንተ ደኣ ተጠቒምካላ፡ ቀልጢፋ ኢያ እትውዳእ።

ሓው ፍስሓ ናይር በቲ ዘይብልና ዲና ንሓስብ ዘለና። ዋላስ በቲ ዘሎና ኢና ንሓስብ ዘለና። ወይ ‘ውን ብኽልቲኡ፣ ኣስተብህል’ሞ ለይትን መዓልትን በቲ ዘይብልና ነገር ስለ ዘማረርና እንታይ ከነተግብር ንኽእል?

Hopitalsዓብላሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ዝጀመሮ ዕማም ምዕጻው ብሕታዊ ኣብያተ ሕክምና ከም ዝፈጸሞ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩለን እተን ብገንዘብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ኣብያተ ጥዕና ደው ኢለን ኣለዋ።

ዝሓለፈ ሰንበት 26 መስከረም አብ ከተማ ከሎን ዕቱብ ኣኼባ ንተቐማጦ ምምሕዳር ቨስቲፋልያ ተኻይዱ፡፡ ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐት ሽማግለ እታ ዝነበረት ናይቲ ቦታ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ዋዕላ ነይራ፡፡

Bay Areaክቡራትን ክቡራንን ነበርቲ በይ-ኤያን ከባቢኡን ብመጀመርያ ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ነመሓላልፍ። ኣስዒብና ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ህዝባዊ ጸዋዒትና ኣኽቢርኩም ኣብ ኦክላንድ በይ-ኤርያ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ኣድራሻን ዕለትን ኣብ ዝግበር ህዝባዊ ኣኼባ ንክትርከቡ ብኽብሪ ንጽውዕ።

መእተዊ፡

ሃገር ኣሎና፡ ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ምሕደራ’ሎ፡ ክብል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን፤ እንተሎ ከኣ ክንሰምዖ ድልዋት ኢና። እዚ ስለ ዝሰኣና ግን፡ ንቃለስ ኣሎና፤ እኻድኣ ከም ኣሕዛብ፡ ብሰንኪ’ቲ ርእሱ ዝተዘናበሎ መራሕን፡ ኣሳእኑን ኣእዳውን ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ዓያሹ መጥፋእቲ ዓደቦኦምን፡ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ንርከብ። ሓቀኛ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ፡ ህጹጽ ጠለብና እዩ።

ብ27 መስከረም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣስናን ካልኦት መርበባትን፡ ሕጂውን መሪሕነት (ኪዳን) ሓደራ! ከይትህመሉ፡ ብምስምስ ዕርቂ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጽሑፍ ኣንቢብናዮ።