Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብፈጻሚት ሽማግለ ሰ.ደ.ህ.ኤ ዝተወስደ ናይ “ኤ.ህ.ም” ምስጓግ ስጉምቲ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ  መስከረምነት ኣብ ዓንሰባ ኮምን ኣብ  ሓርነት ኦርግን ተዘርጊሑ ኣንቢብና።ትሕዝቶ ውሳኔን ባህሪ ናይቲ ዝወሰኖ ኣካልን ንግንዛበ ኣንባቢ ንገድፎ።

‘ኣለና’ እንቋዕ’ኳ ድሃይኩም ረኸብና። ድሃይኩም ስለ ዝጠፍኣና፡ ስለ ዝረሓቐና ኢንዲና ንሻቐል ዘለና! ሕጂ ከኣ ነቶም ንህግደፍ ከቃልዑ፡ ንህዝቢ ክምህሩ፡ ከበራብሩ፡ ክመርሑን ዝቃለሱ ዘለዉ እንቋዕ ኣርከብኩሞም። ሳላኹምን ሳላቶም ሓሓሊፎም ንህግደፍ ከቃልዑ ዝደፍሩ ዘለዉ ተባዓት ደቂ ህዝብን፣ ጉድ ህግደፍ ብዙሕ ሰብ ክሰምዖን፡ ክንብቦን፡ ክፈልጦን ዕድል ይረክብ ኣሎ።

Sawaኣብ መዓስከር ወተሃደራዊት ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝርከብ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብዕስክርናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብካል ዝነጥፍ ቤትምህርቲ ከገልግሉ ዝጸንሑ መማህራን ብብዝሒ ናብ ስደት ስለዘምለጡ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጥሞ ሕጽረት መማህራን ንምትካእ፡ ኣብቲ ቤትምህርቲ ክማሃሩ ካብ ዝጸንሑ ሓያለ ተማሃሮ መንእሰያት ብሕርያ ኣትሪፉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ንኣተሓሳስባኻ ዘንጸባርቕ ጽሑፍካ ብምንባበይ ‘’ መን መርዓት ኢሉክን ትኩሓላ’’ ኢለ ከህዳኣካን ንመንነትካ ከይተገደስኩ ኣደብካ ከትሕዘካን ስለዝደለኹ ንታሪኽን ወነንቲ ታሪኽን ትዳረግ ኢለ ስለዘይግምተካ  ካብታ ወረ መስነቒትካ ፋርማሲኻ ክብገስ መሪጸ ።