Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Libyaውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

Sanfranciscoመጸዋዕታ ንኤርትራዊያን ዜጋታት ብዘይ ጾታን ዕድመን ፍልልይ ነዚ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ንዕለት 18/4/2011 ዝጽዋዕ ዘሎ ነቲ ድምጹ ከይ ስማዕ ተዓቢሱ ዘሎ ጭኩን ህዝብና ድምጹ ከነስምዓሉ

The Washington branch of the Eritrean national Commission for Democratic change congratulates Eritrean Youth Global Movement – EYGM for its 2nd congress, held on March 11th, 2011 – Las Vegas, USA.

EDCሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብ15 መጋቢት 2011 ሰዓት 8:30 ቅድሚ ቀትሪ ብወግዒ ተኸፊቱን ዕማማቱ ጀሚሩን።

ከምቲ እዚ አረእስቲ ዝሕብሮ እዚ ማሕበር እዚ ንመንእሰያት ኤርትራ  አብትሕቲ አርዑት ህግደፍ ዝጥርንፍ ማሕበር ኢዩ። ንውዳቢኡ ዝምልከት  ብሃማመተኤ( ሃገራዊ ማሕበር ተመሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ) አቢሉ ክሓብር ይፍትን፡ ነቲ ማሕበር ከምሽፋን ይጥቀመሉ።

ኣብ 21 ክፍለ ዘመን እንተሎ ዝዕሹ

እሞ ኮምፒተር ተተርኢሶም ዝድቅሱ

ኣብ ጫካ ዝነብሩ ብ10.ኢድ ይሕሹ

ብዘይካ ምምእራር ካልእ ዘይፈላፈሱ

ከም ብዓል ማንኪ ዘይብሎም ዝሕሱ

Womenሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን  ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።

ኢሳይያስመራሒ ስርዓት ህግደፍ ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብጽኑዕ ሓሚሙ ብምስጢር ናብ ቀጠር ከምዝገሸ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

genevaመርበብ ምትሕግጋዝ መንእሰያት ኤርትራውያን ስዊዘርላንድ

genevaኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊስን፣ ጀርመንን፣ ጣልያንን፣ ፈረንሳን፣ከምኡውን ካልኦት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዕለት 25.03.2011 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምኻኖም ክንሕበር ንፈቱ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊስን ምሕደራን ትምህርቲ፡ ዓውዲ ትምህርቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት ፍረ-ኣልቦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ካሪክለምን ምስትምሃርን ዝነጥፉ ዝነበሩ ክኢላታት፡ መማህራን ዩኒቨርሲትን ተሳተፍትን ትማሊ 13 መጋቢት ኣብ ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣያን ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

Conferenceመቐጸልታ ኣኼባና ንሰንበት ዕለት 27 መጋቢት 2011 ኣብ ሽታይን ስትራስሰ 23 ንሰዓት 15፡00 ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኣኼባና ብዛዕባ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብኡ ዝተበጽሐ ስምምዕን ተመርኲሱ ንዝቐርብ ካልእ ኣድላዪ ዝበሃል ጉዳያት ዝምልከት ሕቶታትን ክበርህ እዩ።

isu

እቶም ሽዑ ኣብ ሳዋ ዝነበርና ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ንኣሰራርሓ መንግስቲተ ተቓዊምኩም፡ ፍትሒ ደሊኹም፡ መሰልኩም ሓቲትኩም ብዝብል ምኽንያት ናብታ ሃናጺት መንእሰይ እትብሃል ሳዋ ብድሌትና ዘይኮነ ብሻምብቆ ብረት ተገዲድና ወሪድና።

isu

እቶም ሽዑ ኣብ ሳዋ ዝነበርና ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ንኣሰራርሓ መንግስቲተ ተቓዊምኩም፡ ፍትሒ ደሊኹም፡ መሰልኩም ሓቲትኩም ብዝብል ምኽንያት ናብታ ሃናጺት መንእሰይ እትብሃል ሳዋ ብድሌትና ዘይኮነ ብሻምብቆ ብረት ተገዲድና ወሪድና።

EGSእቲ ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ዝጀመረ፡ 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚውን ብርሱን ሃዋሁ ቀጺሉ ውዒሉ።

ቀዳማይ ክፋል

gerahtuብመሰረት ዝኣተናልኩም ቃል ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና እቲ ንብዙሓት እንኮላይ ንብሪጣንያውያን ኣገሪምዎም ዘሎ ክሳብ ሕጂ “ምኽንያት ምምልላስ ወዲ ገራህቱ ንከተማ ሸፊልድ እንታይ ምዃኑ? ከም ነቕርበልኩም ኢዩ።

egmሎም መዓልቲ መጋቢት 11 2011፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ካልኣይ ዓመታዊ  ጉባኤኡ ኣብ ትሕቲ “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ላስ ቬጋስ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸፊቱ።

Hanti Alemእንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም?

norwayመጸዋዕታ ንሰለማዊ ሰልፊ ፡ንኩሉ ጉዱስ ኤረትራዊ፣  ነዞም አብ ሲናይ ሊብያን ሰሃራን፣  አብ ከቢድ ናይ ሂወት ሐደጋ  ወዲቆም ዘለዉ ኤረትራውያን፣  ዝምልከት ሰለማዊ ሰልፊ፣  አብ ኖርወይ ኦስሎ፣  ንዕለት 17 .3.2011 ሰዓት 16:30-18:30 አብ ቂዲሚት  Stortinget.

Girmayኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ግርማይ ሳንቲም፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምስጓጉ ካብ ዋሺንግተን ዲሲ ክወጽእ ርዑኡ ጠቕሊሉ ተዳልዩ ከምዘሎ  እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣሰናኣሰና፡ መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፡ እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ድሕረ- ናጽነት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ በብዓውዱ ብሓባራዊ ዘተ ንምድህሳስ መደብ ኣውጺኣ ኣላ።

Miriam Meronተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት፣ ጋዜጠኛ፣ ዋና ጸሓፊት ናይ ኤርትራውያን  ጋዜጠኛታት ማሕበር ኣብ ስደት፣ኣባል ኤምዲሰመ፣ ኣባል ስድሪ፣ ኣባል ኤትራውያን ንሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ኣባል ጉጅለ ተሓባበርቲ ምድላው ናይ ብራስልስ ኮንፈረንስ (Reference Group)፣ ኣባል ነበር ናይ Eritrean Room for A Strong and United Opposition (መጸውዒ ስም ኒግሮ)፣ ወዘተ…

alenaመደምደምታ ዘይብሉ ጉዳይ የለን’ሞ፣ እዚ መበል 20 ክፋል ጽሑፍ’ዚ መደምደምታ ‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ ክኸውን ኢዩ። ምስ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ጉያ ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ ወሳኒ ናይ ለውጢ ግዜ፣ ዝቕጽሉ ጽሑፋት ኣለና፦ “ዋዜማ፣ ዘመነ- ቅብጸት ኢሳይያስ!” ብዝብል ኣርእስቲ ክትክኡ ኢዮም።

 

ብሪጋደር ጀነራል ተኸስተ ሃይለ 3ይ ክፋል

ኣቐዲመ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታይ የቐድም። ብዙሓት ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ፡ መሰል ውልቓዊ ናጽነተይ ብምግሃሱ፡ ንመሰለይ ምክልኻል ዓገብ ምባል ቕሬታይ ምግላጽጽ፡ ከም ቕኑዕ ሕጋዊ ሕቶ`ዩ ኣሚንኩም ኣብ ጎንካ ኣለና ኢልኩም ብኢመይል ሕልናዊ ደገፍ ሞራላዊ ምትብባዕ ዝገበርኩሙለይ፡ የቐንየለይ ክብረት ይሃበለይ ክብለኩም ኩርዓት ሓበን ይስማዓኒ።

asenaዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እንርከብ ኣዓሩኽ ኣሰና፣ እታ ተስፋ ህዝቢ ኮይና ዘላ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዝነበረን ዘሎን ፋይናንሳዊ ጸገም ንምፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለየ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።