Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ፡ ግዳይ ሕሰም፡ ማእሰርትን ሞትን ገይሩ ይቕረ ዘይብሃል በደል ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ኣብ ክንዲ ምባል፡ ምስ’ቲ ዓማጺ ስርዓት ብምውጋን መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም፡ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሑ ዘለዉ ስነጥበበኛታት፡ ኣብ ወጻኢ  ገይሾም ምርኢት

READ MORE

The very famous Eritrean musicians Geremay &Temesgen will visit us in Trondheim, Saturday 14/1-2012. Join us for a fantastic evening at: St. Olav Domkirke Schirmers gt. 1 Trondheim More information on tel: +4745058934. Youth For Change, Trondheim, Norway. እዞምብጣዕሚፉሉጣትኤረትራዉያንደረፍቲግርማይከምኡዉንተመስገንከጻዉቱናተዳሊዬምሰለዘለዉደበክንበልናብቲዱሙቅምሸትቀዳም 14/1-2012, St. Olavs Kirke Schirmers gt. 1 Trondheim, Norway. አዳለውቲሽማግለመንእሰይንለዉጢ (Tel:+4745058934).

READ MORE

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ይህውኸኩም ይህሉ ኢየ። ዘረባ እንተበዚሑ መዓስ ጽቡቕ! ግን መታን ክትከታተሉ ምስቲ ስቕለት ናይ ፈነውቲ ስለዝጓየ ዘለኹ ኢዩ። ከምቲ መደብና እምበኣር ሎሚ መወዳእታ ክፋል ሳልሳይ ምዕራፍ ቅዋ ም ኢዩ። እዚ ማለት ንኩሉ ምዕራፋት ክንዛረበሉ ስለዘይመረጽኩ ብዛዕባ ሓንቲ ምዕራፍ ጥራይ ብምጽሓፈይ ኢዩ። ከምሓሳብ ግና ከምቲ

READ MORE

ደሃይ ዋዕላ ናይ ኣዋሳ መቸም፣ ናይ ውድባት ወረ ገዲፍካስ ይበል’ዩ። እንተ’ዚ ብዛዕባ ናይ ውድባት ብዝሒ ዝስማዕ ስሓቦ-ጉተቶ ግን ኣዝዩ ዘፍርሕ’ዩ። ነዛ ንእሽቶን ዉልዶን ኤርትራስ ክሳብ 20-30 ዝኾና ውድባት ‘ኣለና’ ክብላ ይፍትና’ለዋ እንተኾይኑ ክበሃል ዝድለ ዘሎ ምእማኑ’ውን ከጸግም’ዩ። ምናልባት እዚ ዝምባሌ’ዚ ክቕጽል ዝድለ እንተኾይኑ ድማ ንታሪኽ

READ MORE

      እቲ ብዘቤታዊ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ብኣህጉራዊ ጸቕጥን ኣብ ወጥሪ ዝርከብ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመድሓኒ ገጽን ፖለቲካዊ ሃልክን ክጥቀመሉ፡ ካብ ደገን ውሽጥን ልዕሊ 600 መንእሰያት ኣኪቡ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ንሓደ ሰሙን ኣብ ናቕፋ ዘካየዶ ‘ዋዕላ መንእሰያት፡ በንጻር ድሌትን ትጽቢትን እቲ ስርዓት፡ እቶም መንእሰያት፡ እዋናውያን ኣገደስቲ

READ MORE

ነዚ በዳህን ዕዙዝን ሕቶ'ዚ፡ ብዕግበትን ብብቕዓትን ንምምላስ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ብውሕዱ ንክልተ ዓበይቲ ነንሓድሕዶም ዝተወሳሰቡ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣድቂቕካ ምምርማር የድሊ። ንሳቶም ከኣ፥ ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራን፣ ንባህሪ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ዝሓዘ ሓይልን (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ)) ዝምልከቱ ኢዮም።  ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እትምርምረሉ፡

READ MORE

ኣብ ካሊፎርንያ ዝመደበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ (eyc) ኣብ ድሮ ሓዳስ ዓመት 2012 ብተሳታፍነት ስነጥበባውያን መንእሰያት ድሙቕ ጽምብል ከምዘዳለወ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝነበረ ብዝሒ ተሳታፍነት መንእሰያት፡ እቲ ሕዛእቲ መንእሰያት ኮይኑ ዝጸንሐ ስርዓት ህግደፍ እናተባሕጎገ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ግዱሳት ደለይቲ

READ MORE

ናይ ኤርትራውያን ሽግርና እንታዩ ኢልና እንተሐቲትና እቲ ቀንዲ መልሲ ኣብ ካልእ ከይረሓቕና ተመሊስና ንነብስና ምውካስ ከድሊ ኢዩ። ነቲ ሓቂ ጎሲና ኩሉ ንገብሮን ንሓስቦን ካልኦት እንታይ ክብሉና ኣብ ዝብል ሓሳባት ተመርኩስና ስለዝበዝሕ፣ ባዕልናን ወኒናን ካብ ድሌት ዘመንጨዎ ሓሳባት ወጻኢ ከይፈተና ኣንጻሩ ንሰርሖ ምኻኑ ዘሕዝን ኢዩ። እዚ

READ MORE

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ራእይናን ዓቕምታትናን ነስምር!!! እዚ መርሓ ጭረሖ ፈላሚ ጉባኤ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኢዩ፡፡ እቲ ካብ 21 ክሳብ 30 ሕዳር 2011 አብ ከተማ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ፈላሚ ታሪካዊ ጉባኤ ኤርትራውያን ኣብ ስሚዒት ተጋባእቲ ዘንተ እለት ዝሕደስ ዝኽርን ጦብላሕታን ገዲፉ’ዩ፡፡ ብዙሐት ብዓይኒ ከቢድ ስግኣት ንመንግስቲ

READ MORE

2012 ብዳሓ ትእቶ ይግበረልና ዓመት ምጥርናፍ ዓመት   እቶ እቶ ኢሳያስ    ቢቲቢቶ፡ ሰላምን ቅሳኔትን ዘይፈቱ    ዘራጊቶ፡ ሕብሩ ዝቃያየር       ነፋሒቶ፡ ዓለም ፈሊጣቶ      ከመይ ድሓን ትእቶ፡ ብዙሕ እዃድአ       ደንጉያቶ። ኣዚና ኣኽቢርናዮ     ኣዚዩ ኣሕሲሩና፡ ጠዋሪ       መራሒ ሲኢና፡ ናብ ስደት ብብዝሒ      ዉሒዚ ህዝብና፡ ተደፈፊረና     ተዋሪድና፡ ተሸይጡ       ኩሊትና ልብና፡ ካብ’ዚ ዝኸፍእ    እንታይ’ዩ ክመጻና። ኣካለ ስንኩላት     ዝርሽና፡ ቖልዑ ኣብጋህሲ    ዝደፍን፡ ብጾቱ ኣሲሩ      ዘማስን፡ ህዝቢ ዘጽንት   መንእሰይ ዘምክን፡ ከምኡ’ዉን    ዝዓጥን  ዝዝምር 

READ MORE

ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ክትከታተሉ ዝቐነኹም፡ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ እንታይነት ቅዋም፡/Constitution/ ምስ ሕግታትን /Laws/ ኣገባባትን፡/Rules/ ብፍላይ ከኣ ገለ ኣምር ግቡኣትን መሰላትን ዜጋ ሒዝኩም ክትኮኑ እትስፎ። ከምቲ ዝተበሃሃልናዮ እምበኣር ምስ ተመኩሮታትኩም ብምዝማድ እዛ ቅዋም ተተግቢራ እንተትነብርን፡ ብዘይምትግባራ ዝ ሰዓበ ክሳራን መኽሰባትን ብፍላይ ከኣ ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋን ከተገማድሑ ክኢልኩም

READ MORE