Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት፣ ክልተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ኣባ ተስፋይ ደባስ፣ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ዘ ማሕበረ ካፑቺኒ፣ ከምኡ 'ውን ኣባ ኢዮብ ገሬሱስ፣ ሓላፊ ቤትማሕተም ፍራንቸስካና፣ ካብ ኣባይቶም እናጋፍዐ ብምውሳድ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ከምዝሓየሮም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ማእሰርቲ ናይዞም ክልተ ካህናት ካቶሊካዊት

READ MORE

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ካብ ተዋህዶ ኦርግ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። ነቲ ብመራሕቲ ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ዝተወሰነ ውግዘት፥ ንስኻትኩም ኢኹም ኣለዓዒልኩሞ ብዝብል ምኽንያት መንግስቲ ኤርትራ ንኽኣስሮም ይደናደን ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጹ ናብ ኢትዮጵያ

READ MORE

ደሃይ ካብ ኤርትራ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ክሳብ’ዚ እዋን ‘ዚ መንቀሳቐሲ ወረቐት ብሓለፍቶም ክወሃቦም ድሕሪ ምጽንሑ፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ግን እቶም ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓለፍቶም ‘ውን ኣብቲ ዝወሃቦም መንቀሳቐሲ ኢድ ክህልዎም ኣለዎ ተባሂሉ መምርሒ ስለዝተዋህበ፣ ነዚ ብዝምልክት ጽባሕ ሓሙስ ኣኼባ ክገብሩ እዮም። ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብህዝቢ

READ MORE

ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ ምስጢራዊ ስራሓቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ቀስ ብቀስ ይጋለጽ ኣሎ፡። ድሕሪ ምእላይ እቶም ክልተ ካድራት ህግደፍ ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ሃብቶም ርእሶምን፥ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ዝተረከቡ ክልተ ጳጳሳት ኣባ ጴጥሮስን ኣባ ባስልዮስን፥ብስም ቤተ ክርስትያን ዘሎ፥ ሕሳብ ናብኣቶም ከመሓላልፉ ምስ ሓተቱ፥ ባንኪ ኤርትራ ዘይተጸበይዎ ድቡላ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገረ ንዝተባህለ ሓላፊ ናይቲ ኣብ ኣስመራ፣ ሰንበል ዝርከብ ትካል ሓጺንን ዕንጨይትን ከምዝኣሰሮ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ልኡኻት ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ሓላፊ ካብ ቤትጽሕፈቱ ኣብ ቅድሚ ሰራሕተኛታት እናጋፍዑ ናብ ቤትማእሰርቲ ከምዝወሰዱዎ፣ እንተኾነ ምኽንያት መእሰሪኡ ዝጊት ብንጹር ከምዘይፍለጥ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣንዚቦም።

READ MORE

ኅልና ፍሥፍሐየ መብራህቱ ኅልና- ተጸኒሳ እትሕረስ ተወሊዳ እትዓቢ ተዀስኵሳ እትፈሪ ከም ዓይኒ-ማይ እትዛሪ ምስ ኣኸለት እትናቢ ብርግጽያ ህያብ ረቢ። ህላዌኣ - ረቃቕ እያ ዘይትርአ ዓቲርካያ ዘይትጭበጥ ስኢንካያ ዘይትቕበጽ ተቐቢራ ዘይተጽቅጥ ርሻን ኮይና ዘተቕበጥብጥ እርንብቲ’ያ ረዛን ቀጥዐ ዘይትውሓጥ ብስስዐ። ብባህረታ- ነእምሮና ዝተመኖ ከም ወርቂ’ያ እትመዝኖ ካብ ልሳንና ዚዛረየ መትረብ እያ ሰልኵ መስኖ ኣብ ልባትና ዝተኣልከ ተዓብዒቡ ዚጠጀአ ዓፍዓፍ ኢሉ ዝገንፈለ መዅባዕቲ’ያ ጸባብ መንፊት ጸጸሚቛ ትዕቅኖ ዕሽነትና ዚበተኖ ትእክቦ ኣብ ማዕከና’ያ ትኸድኖ። ግንከ - ቀናእ እያ ተኣናፊት ረኻሲት’ያ

READ MORE

ማሕጸን ኣደ ፍሥሓየ መብራህቱ ማሕጸን ኣደ - ዝጸገየት ዝፈረየት ዝወለደት ዝዘመደት ዘውሰበት ዝተዋሰበት ሓሪሳ ዝዓለለት ወሊዳ ዝሰዓመት ኣዕብያ ዝልኣኸት ብሂጋ ዝተኸልአት ሓዚና ዝበኸየት ብዙሕ ርእያ ብዙሕ ዝጸረት መን ይንገሮ ናትኪ ተረት? ኣደ ብዙሓት እኖይ ኤርትራ እታ ማሕጸንኪ ጕራምራ ኣወዳትኪ - “ነዋሕትን ሓጸርትን ከም መሽላ ቀያሕትን ጸለምትን ከምሽምብራ” ሐደ ደጋ ሐደ ቆላ ሐደ ዓሰብ ሐደ ቃሮራ ሐደ ባጽዕ ሐደ ኣሥመራ ሐደ ‘ቅርደት ሐደ መንደፈራ ሐደ ባረንቱ ሐደ ዙላ ሐደ

READ MORE

ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን 24 ጥቅምቲ 2014     ኣቐድም ኣቢለ ንኹሉኹም ደላይ ፍትሒ፡  እንኳዕ ብሰላም ናኣብዚ ኣገዳስን፡ ህጹጽን፡ ዝኾነ ሃገራዊ ጻዋዒት ንኽንእከብ ብሰላም ኣኻኸበና። ኩነታት ህዝብናን፡ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ቅልውላው፡ ንክንፈልጥ፡ መፍትሒ ንምድላይን ዝግበር ጻዋዒት፡ ዝምስገንን ታሪኻውን እዩ። ኣስዕብ ኣቢለ፡ ነዚ ጉባኤ ንኽግበር ዝሓለኑን፡ ዝሓሰቡን፡

READ MORE

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን 'ዩ ስለዚ ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ! እዚ ጽሑፍ'ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ "ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ "ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን" ብዝብል ኣርእስቲ ኣቐዲሙ ኣብ 17 ክፋላት ኣቕሪቡዎ

READ MORE

ኣብ 1987 ብዕልዋ ስልጣን ድሕሪ ምጭባጥ፣ ን27 ዓመታት ፕረዚደንት ቡርኪና ፋሶ ኮይኑ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ብሌዝ ኮምፓወረ ብብርቱዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ትማሊ ዓርቢ ስልጣኑ ክለቅቕ ከምዝተገደደ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን። እቲ ወዲ 63 ዓመት ኮምፓወረ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ክወዳደር ክፍቀደሉ መታን፣ ፓርላማ ቡርኪና

READ MORE

                                          እዋናዊ ዛዕባ                ኣሽንኳይ ፋሕፋሕ ኢልና ተኣኪብናʼኳ ንጋዶ! እዚ ጽሑፍ ምስቲ ንርእዮን ንሰምዖን ዘጋጥምን እዋናዊ ጉዳያት ብምትእስሳር ዝጸሓፍ ውልቃዊ ርእይቶ ናይ ጸሓፊኡ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ንዝኾነ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ኣይውክልን፡፡ ማዕሪኡ ንሓደ ውድብ ምንቅስቓስ ማሕበር ዕላማ ገይሩ ዝነቅፍን ዘወግዝን ኣይኮነን፡፡ ንኹልና ብሓባር እንታይ ኢና ንገብር ዘለና፡

READ MORE