Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ካርቱም ሓይልታት ጸጥታኡ ኣዋፊሩ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብን ካልኦት ቦታታትን ገፊፉ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣሕሊፉ ዝሃቦም፣ ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ሕጋውያን ስደተኛታት ቅቡላት ኮይኖም ዝነበሩ ዝርከቡዎም ሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ ኣብ ዝተኸፍተ ሓዱሽ ቤትማእሰርቲ ተዳጕኖም

READ MORE

ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንምልቃቕ ናይቶም ከም ጋዜጠኛታት ዝግለጹ ዘለዉ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ግዳያት ብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣመልኪቱ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ከም ኣውንታዊ ዝርእዮ ኳ እንተኾነ፣ ብዓቢኡ ማሕዩር ናይቶም ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ቤትማእስርቲ ዝባኽኑ ዘለዉ ክሳብ 17 ዝበጽሑ ጋዜጠኛታት

READ MORE

ሪም ፍሥሐየ መብራህቱ   ጥሉል ኦም ይዝንብል ኣብ እርጋኑ ዚወድቆ በዓል ነውራም ኣመል መንገዙ ይዓርቆ መንደላይ ኪወዛወዝ የማን ጸጋም ከም ሻምብቆ ቋና ተጠምጢሙ ሰኣን ዚጭፍልቖ ይትረፍ ንረኣዪ ንሰማዒ ይጨንቆ ንመሬት ዓደቦይ ኣነዶ ኪሓምቆ? ሃገር ንመን ቀሪባ ንመንከ ትርሕቆ ሪም የረማርም የብጽሕ ናብ ሕንቆ።   ቆጻር ዓጽመ-ሥጋ ካብ በልኩሞ መስፍናዊ ጽዋ “ወያ እምኒኳ ሓመድ ሱር ዘለዋ ንሓረግ ወለዶይ ንመን ክትህቡዋ?” ወገኑ ዘቃልል ይኽተር

READ MORE

ንሰብ ምንጻል ብስነኣእምሮ ምቕታል ኢዩ::   ሳራ ክልተ ወርሒ ብዝተቐየደት ውነኣ ተዘናበለ:: ንሳ ቅልጡፍ ኣሳጉማ እግሪ ሰምዐትን ብልጭታ ተራእያን::ኣብታ ሸላ ድማ ብኣርባዕተ መሓውራ እናንፈሓኾት እዝና ናብ  ማዕጾ ኣጸጊዐ ትጸናጸን:: ሳራ ኣብ ኣኽራናት ኩርድ ዒራቕ ምስ መሓዙታ እናተንቀሳቐሰት:ከይፈለጣ ዶብ ኢራን ብምጥሓሰን ብስለላ ተኸሲሰን ኣብ ተህራን ኣብ ዝርከብ ኢቪን ዝተባህለ

READ MORE

ከም ሓው ጠዓመ በርሀ “ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ንሰብ ጸጋ ኤርትራ”   ብሓዊ ኣቶ ጠዓመ በርሀ፡ ንሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣባላት ተሓኤ ነበርን ተቓለስቲ ህግሓኤ ዘቅረቦ ጻዊዒት ኣንቢበዮ። ዝድገፍ ጻዊዒት ይብል። ከምቲ ዝበሎ፡ ጊዚያዊ ውልቃዊ ኩራ ኣወጊዶም፡ ንኽጋደሉ ኢሎም ክወጹ ከለዉ ንዝነበሮም ራእይ ኣቐዲሞም፡ ምእንቲ ሃገር ሓደ ኮይኖም ህዝቦም ሓራ ከውጽኡ፡

READ MORE

ካብ ደብረ (መቀጸልታ ጸሊም ታሪኽ)  መግዛእቲ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ካብ ካልእ መግዛእታት ዝፈልዮም እንተሎ ፍሉይ ምስሉይ ጨፍላቂ ጥበባት ምጥቃሞም እዩ። ከይተፈለጥካ፡ መሲልካ፡ ብኸመይ ጨፍሊቕካ ትገዝእ ዝሕግዝ ሜላ ማለት እዩ። ቅልል ብዝበለ ወኻርያስ ቆርበት በጊዕ ተኸዲና ናብ ኣባጊዕ በጊዕ መሲላ ከም ምሕዋስ እዩ።  እዚኤን ጥበባት በሓደ ለይቲ ዝተቀድሓ ዘይኮናስ

READ MORE

መጸዋዕታ ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ኤርትራ ጻውዒተይ ናብ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ እኳ እንተኾነ፡ ዝያዳ ግን ናብቶም፡ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ኣባላት ተሓኤ ነበርን ተቓለስቲ ህግሓኤ ነበርን ዘተኮረ ኢዩ። ክቡራት ገዳይም ሓርበኛታት ተቓለስቲ፡ ድሕሪ እታ ስማዊት ናጽነት ኤርትራ 1991, ውሽጥን ኣካይዳን መራሕቲ ህግደፍ ፈሊጥኩም፡ ኣንጊህኩም ኣብ ምቅዋም ስርዓት ህግደፍ ዝኣተኹም ክቡራት ሓርበኛታት፡  ከምቲ

READ MORE

መንእሰያትን ፖለቲካን ኣእምሮ መንእሰይ ንኹሉ ክፉት እዩ። ንጽቡቕ ይኹን ንሕማቕ። ኣብ ግዜ ደርጊ ትኩስ ሓይሊ ይብሉዎ ነይሮም። ቀልጢፉ ይቕበል፡ ቀልጢፉ ድማ ይድርቢ። ቀልጢፉ ይለዓል፡ ምስ ደኸመ ድማ የጽቅጥ። ኣብ ሜዳ ይዋጋእ፡ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ከይዱ ድማ ውልቃዊ ዋኒኑ የካይድ። ኣብ ሜዳ ማርኪስት፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ድማ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንኣስታት 6 ዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ራድዮ ባናን ድምጺ ሓፋሽን ከምዝፈትሐ Reporters Without Borders ዝተባህለ ማሕበር ሓቢሩ። እቶም ነጻ ተለቒቖም ዘለዉ፣ ባሲልዮስ ዘሞ፣ ይርግኣለም ፍስሃ፣ መለስ ንጉሰ፣ በረኸት ምስግና ኣባላት ሬድዮ ባና፣ ግርማይ ኣብርሃምን ጴጥሮስ ተፈርን ከኣ ካብ ሬድዮ

READ MORE

ካብ ኤርትራ ዝመጹ ዘለው ሓበሬታት ከምዘገንዝቡዎ፣ ስርዓት ኢሳይያስ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምኽላእ ዝተእኾኡ ፖሊሲ መሰረት፣ አብ መላእ ኤርትራ ብቐጻሊ ከቢድ ግፋ የካይድ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ ንጸልማት ጉልባብ ጊርካ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ዕድሜኦም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ዝኸኑ ሰባት ዝቐንዐ ኢዩ። ካብዞም ዝግፈፉ ዘለው ሰባት

READ MORE

ሕቶ   ፍሥሓየ መብራህቱ © Copyright 2003   ሕቶ’ሎኒ ኣቱም ተሓታቶ ሕቶ’ሎኒ ንበዓል ኵስቶ ሕቶ’ሎኒ ዘይምለሽ ብሕቶ ሕቶ’ሎኒ ኣቱም ተሓታቶ? ቅዋም ሃገር ዘይከሰቶ - ባይቶ ‘ቦታት መን በሓቶ? ሕጊ’ንዳባ መን መጎቶ? ዋሕስ ሕዝቢ መን ዓገቶ? ሠራዊትና መን ኣኽተቶ? ጥሪት ድኻ መን ገበቶ? ደፋር ጎርዞ መን ገዘቶ? መን ከታሪኡ እንዳኡ ዘይኣቶ? መልሲ ሃቡ ኣቱም ተሓታቶ ጎቦ ጎቦ ኣይትንፈሩ ከም ባሬቶ እትው ውጽእ ትብሉ ከም

READ MORE

መውጻእቲ ሓራ መውጻእቲ ሓራ ወይ ምንቅስቓስ ዚብሃሉ እንታይ እዮም? ኣስታት 130 ዓመታት ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ሮማውያን ንእስራኤላውያን ብመግዛእትን ጭቆናን ሞኽ ምስ ኣበሉዎም፡ ባር-ኮኽባ እተባህለ ምዑት ሰብ ዝመርሖም ተቓለስቲ ኣንጻር መንግስቲ ሮማ መኪቶም። ከምዚ መግበሪኦም፡ ሃይማኖቶምን ባህሎምን ዓሌቶምን ንምዕቃብ እዩ። እቲ ዕላማኦም ጽቡቕ እዩ ነይሩ፡ ግን ሮማውያን

READ MORE

ብምኽንያት ናይቲ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ከተማ ድርስደን (ጀርመን) ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓታቲ ዑቕባ ካልድ እድሪስ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝተኸሰሰ ስሙ ዛጊት ዘይተረቝሐ ምስኡ ኣብ ሓደ ገዛ ዝነበር ዝነበረ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ካብ መርበብ ሓበሬታ Deutsche Welle ዝረኸብናዮ ዜና ኣገንዚቡ። እቲ ብቕትለት

READ MORE

መኤረምታ እቲ ንዕለት 24-01-2015 ኣብ Frankfurt ብምኽንያት ሓደገኛ ቅትለት ኤርትራዊ መንእሰይ ካልድ እድሪስ ባህራይ ብግዱሳት ጀርመናውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ተበግሶን፤ ኤርትራውያን ማሕበራትን፤ ንጽባሕ ቀዳም ዕለት 24-01-2015 ክግበር ተመዲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ እቲ ተረኽቦ ምሰቲ ተልእኾ ስለ ዘይተቓደወ ሰላማዊ ሰልፊ ተሰሪዙ ኣሎ። ጊዜኣዊት  ኣዋሃሃዲት    ሽማግለ ተቓውምቲ ሓይልታትን  ህዝባውያን ማሕበራትን 

READ MORE

ካብ ጉዪይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ፡ እንተወሓደ ብሰልስተ ነገራት ማለት ብውልቃውነት /ስሰዔ ንዓይ ይጥዓመኒ ናይ ካልእ እንታይ ገደሰኒ ብዝብል ኣተሓሳስባ፡  ብድሑርነት ማለት ዓለም ብግሎብ ደረጃ ኣብ ትወናጨፈሉ ዘላ ህሞት፡ ንሕና ግን ብዓሌትን ወረዳን ኣብ ትሕተ ሃገራውነት ተዓምጺጽና ብምህላውና ከምኡውን ብሕሱም ፍርሕን ሽቕረራን ኣብ

READ MORE

ጅግና ስዉእ ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ከምዚ ትማሊ 21 ጥሪ 2013፣ ምስ ካልኦት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝኾኑ ብጾቱ ኣብ ሕምብርቲ ከተማና ኣስመራ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን፣ ትግባረ ቅዋምን ልዕልና ሕግን ዘካየዱዎ ምንቅስቓስ ድሮ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ ኣሎ። ወቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ

READ MORE

ኣብ ላስቬጋስ ህግደፍ ንህዝቢ የፈራርሁ፤ ኣብ ላስቬጋስ ህግደፍ ንህዝቢ እንታይ ትገብሩ ኣለኩም ኣብ ኩሉ መዳይ መንእሰያት ኣብ ባይታ ይስዕርዕኩም ኣለዉ ኣብ ሓጺር ግዜ ገለ ኽትገብሩ ኣለኩም ዝብል መልእኽቲ ካብ ኢንባሲ ኤርትራ ካምዝመጾኦም እቶም ኣብቲ ናይ እሙናት ኣኬባ ዝወዓሉ ምንጭታት ሓቢሮም።እቶም ምንጭታት ወሲኮም ዋላ ካብ ፖለቲካ ነጻ

READ MORE

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን ኣማኑኤል ሳህለ   ፖለቲካ ናይ ህዝቢ ስጋዊ ምምሕዳር ስልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ከኣ ናይቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ምምሕዳር ሜላ ማለት እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ስጋዊ ገጽታ ሰብን ንምድራዊ ድሌታቱን ከስተናግድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ነቲ መንፈሳዊ ገጽታ ሰብን ንሰማያዊ ድሌታቱን እዩ ዘስተናግድ። እቲ ቀዳማይ፡ ነቲ መሰረታዊ

READ MORE

ሰባር ዕርዲ ራዕዲ!   ቅድሚ ክልተ ዓመት ልክዕ በዛ ዕለት ወዲ ዓሊ ጅግና ገንሸል ናይ ሓርነት ነዝነዝ ምስ ኣበሎ ናይ ምልኪ ሰንሰለት ሸበድበድ ኣትዩዎም ጉጅለ ኣሰለት ህዝብና ክጽበ ራህዋ ምስ ቅሳነት መላኽን ሰዓብቱን ክኣትዉ ኣብ ጻዕረ ሞት ገና ኣሎ የባህርሮም እቲ ናይ ወጥሪ ህሞት!   ኣንታ ሰባር ራዕዲ ወዲ ዓሊ ጅግና ቅያኻ ዚደግም ተባዕ ብምስኣንና መላኺ ብሕሰም

READ MORE

ጸሊም ታሪኽ ካልኣይ ክፋል   ኣዲኡ ዘፍለጠ መርገም ዓብይቲ ዓዲ ኣብ ሓደ እንዳውራይ ስወኦም እንዳጠዓዓሙ ወጃእ እንዳበሉ የዕልሉ ነበሩ። ናይ  ቀደም ዘሕለፍዎ ሂይወት ታሪኽ እንዳዘከሩ "ዝሓለፈ ጥዑም!" እንዳብሉ ናይ ዝሓለፈ ጊዜ ጽቡቅ ምስ ናይ ሕጂ የነጻጽሩ ነበሩ። ኣቦይ ኣብርሃ ግን ዝን ኢሎም ኣብ ሓሳብ ጢሒሎም ነበሩ፡ ነቲ ዕላል መዘንኦም

READ MORE