Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አብ ዕለት 22 ለካቲት 2015 ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝ አንጻር አምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ዓዉት ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም። አምባሳደር ስርዓት ህግደፍ አብ ከተማ ሸፊልድ አኼባ ኽገብር ምኻኑ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናይቲ አኼባ ተፈሊጡ። ነበርቲ ሸፊልድ ንስለፍትሒ፤ ንስለህዝቢ ብሓባር ድምጽና ነስምዕ ዝብል ጸዋዒት ምስ አመሓላለፉ ኩለን

READ MORE

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ጨንፈር ስቶኮልም ዓመታዊ ጉባኤ ይጽውዕ። እዋናዊ ሽማግለ ስልጣና ንጉባኤ ከተረክብ ምዃናን ብኡኡ መሰረት ድማኒ ምርጫ ክግበር ምኻኑን ሓደስቲ ኣባላት ሽማግለ ክምረጹ ምኻኖም ንሕብር። ጉባኤ ዝካየደሉ መዓልቲ ፡ 2015-03-14 ሰዓት፡ 13፡00-19:00 ቦታ፡ ሺስታ ትረፍ ፡ ኖርየ ሳለን ሰላም ን ኹላትኩም እትገብርዎ ዘሎኹም ጻዕሪ ን ደማክራሲያዊ ለውጢ እንዳመስገና፡ እዚ ኣብ ላዕሊ

READ MORE

EPDP Editorial In reality, Isaias is digging the last ditch to bury the legacy of the EPLF/the liberation struggle and with that comes the continuation of denial of Eritrean people their right to have a constitutional political system that upholds the rule of law and respects

READ MORE

'ታይ ግዱ ህግደፍ መንደፍ፣ እንተኾነሉ ሰብ ይነድፍ፣ እንተሰኣነ ገንዘብ የግድፍ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ንኤርትራ ሃገረ ዕስክርና ብምግባር፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰጥ ልበጥ ኣቢሉ ብወተሃደራዊ ሕጊ ንምቍጽጻሩ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝሓንጸጾ ሜላ፣ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣስገዲዱ ዓስከር ብምግባር ብዓንተብኡ እዩ ጀሚሩዎ። ንመንእሰይ "ኣልዚበዮ

READ MORE

እኳ ተስፋ   ፍሥሓየ መብራህቱ © copyright 2003 ክንዲ ንፋዕ ክንዲ ተስፋ ክንዲ ኣጽንዕ ክንዲ ተስፋ ክንዲ ‘ገናዕ ክንዲ ተስፋ ቀትሪ ኣውያት ለይቲ ግፋ ሰስሒብካ ናብ “ዓጌፋ” ዒም ዝበለ ብማሕጎፋ ኤርትራናስ ‘ንታይ ለኸፋ ዘይርከባ እኳ ተስፋ።   እምበይተይ ኤረ ብዛዕባኺ ‘ንታይ ይውረ ጸጽቡቕኪ ምስተቐብረ ‘ቲ ሠናይኪ ተባረረ በረኸትኪ ኔው ሰፈረ ‘ተን ጥሪትኪ ኮይነን ዓረ ቅቡጽ ተስፋ ዘይዕረ ‘ቲ ግናይኪ ዓለም ዞረ ወሊድኪ’ምበሪ በዓል ሰሪ እከይ ግብሪ ሠራሕ ነውሪ ጸፋር እግሪ ተዓንቃፋይ ተነቃፋይ።   ፈሊጥኪዶ ብሰንኩዩ ‘ቲ መርገምኪ ዝሓሰመ ‘ቲ

READ MORE

ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ካልኣይ ክፋል) (ብደብረ)   ክቡራት ኣንበብቲ ሕጂ ከኣ ብዛዕባ ርእይቶ መሃብ ቁሩብ ክዛረብ። ርእይቶ ኣወንታዊን ኣሉታዊን ክኸውን ይኽእል። ግን ሃናጺ ክኸውን ይምረጽ። ስሚዒታውያን ኣይንኹን። እቲ ጸሓፋይ ክብሎ ወይ ከመሓላልፎ ዝደልዮ ነገር ክሳብ ዝውድእ ዕድል ንሃቦ ‘ምበር ብግምት ከምዚ እዩ ክብል ደልዩ ኢልካ ርእይቶ ምሃብ ቁሩብ

READ MORE

ጽልኢ ኣይነጎሃህር   (ቀዳማይ ክፋል)   ብመጀመርታ  ንኹሎም ኣንበብቲ ሰላም ክብል ኣፍቅዱለይ። ሰላም ልባዊ ትምኒተይ እዩ። ድሕሪ ሰላም ኩሉ ይመጽእ። ሰላም ኣብዘለወሉ ቅሳነት ይነግስ፡ ጸጋ ይመጽእ። ንቡር ናብራ ይህሉ፡ ምትሕስሳብ ምትሕልላይ ይህሉ፡ ኮታስ እቲ ጽቡቕ ዝበሃል ኩሉ ተፈጻምነት ይህልዎ ብዓቢኡ ከኣ ፍቅርን ሕውነትን ግቡእ ቦትኦም ይሕዙ። ኩሉ ኣብ ፍቕሪ

READ MORE

ጸጒረይ ክምሸጥ!   "ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ'ባ!?"   ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ ናይ መወዳእታ ክፋል፥   "እዋይ! ኣቲ መዓረይ ንዒ'ስከ በዚኣ ኮፍ በሊ? እንታይ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ ጓለይ!? ፈቐዶ ገዛውቲ ደድሕሪ ልቺ ክትኮሊ ውዒልኪ!? እስክሉ?" ብምባል፡ ዋና ገዛ ሓደ ክልተ ቢጎዲኒ ፈቲሓ ንገለ ክፋል ጸጉሪ ርእሰይ ትንክፍ ትንክፍ ኣበለቶ'ሞ፡   "እዋይ! ቀሪብኪ እንዲኺ

READ MORE

ሱቅ ጡዑም እንታይ ገደሰኒ (ብደብረ) ኣንፈት ፖለቲካ ሃገርና ባህርያትናን ኣይርደኣካን እዩ። ደይምሕሳቡ ይሓይሽ ‘ምበር ሕውስውስ ‘ዩ ድብለካ። ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ፈላጥ ኣይኮንኩን ግን ከኣ ይርደኣኒ ‘ዩ በሃላይ ‘የ። በዚ መዳይ ንነፍሰይ ምስ ካልኦት (ንኣብነት ምስ ስድራይ) ዘለኒ ኣረኣእያ ክመዝና ከለኹ ኣብ ክልተ ጫፋት ኢና ንምደብ።  ንሶም

READ MORE

ዑዉር፡ ይመሰለለይ ተዓሊም (ብደብረ) ኣብ 1999፡ ምስ 'ቲ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ፡ ዕድሜና ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከተና፡ሊዕሊ ኣርብዓ ክሳብ ሓምሳ ዓመት ዝኾንና፡ ኣባላት ዑቁር ሰራዊት ተባሂልና ንሳዋ ወሪድና ነይርና። ኣብ ሳዋ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል ብወተሃደራዊ  ሳይንስ ተዓሊምና። ሽዑኡ ዝተዓለምና ብቕዓት እንተዘይነበረናውን ምስቲ ዝነበረ ኹነታት፡ ስሚዒትን ሃገራውነትን ነቲ ተዓሊም ብልቢ ዝተቐበልናዮ (ሕሙማት

READ MORE

  ስርዓት ኢሳያስ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኮራኩሩን፡ ወትሩ ዝምድርዎን ህዝብና ንምድንጋር ዘቅርብዎ ብመዓር ዝተለበጠ መርዝን ብዘየገድስ፡ ንሳቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ኣረሜናውን ኣዕናውን ተግባራቶም ብግብሪ የረጋግጾ ኣሎ፡፡ ኢሳያስን ደቂ መዛሙርትን፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ብዙሕ መርትዖታት ክቐርብ ዝኸእል’ዃ እንተኾነ፡ ነቶም “ኣይፋል ስርዓት ኢሳያስ ንጹህ ከም

READ MORE

Chris Cotter ዝተባህለ ሓደ ግዱስ ኣመሪካውን ጉጅሊኡን ብዛዕባ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ዘሎ መከራን ንዓለም ንምብራህ The Eritrean Exodus ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ፊልም ፕሮጀክት ንምስላጥ ዘካየዱዎ ምወላ ናይ ምርካብ ጎስጓስ፣ ልዕሊ እቲ ወጢኖሞ ዝነበሩ ናይ 30 ሽሕ ዶላር ታርጌት ብምውጻእ ተዓዊቱ። ንሳቶም ነታ

READ MORE

ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢሉ ብምድጺ ኣሰና ተቓሊሑ ከምዝነበረ፣ ነቲ መራሕቲ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ብህግደፍ ኣብ ወጻኢ ጎስጓስ ክገበሩ ዝተዋህቦም ትእዛዝ፣ ኣብ ግዜ ጾም ኣርብዓ ጸሎት ደኣ ንገበር እምበር ንወጻኢ ኣይንገይሽን ብምባል ቅሬታኦም ኣስሚዖም ኳ እንተነበሩ ብመሰረት 'ቲ ብቤትጽሕፈት ህግደፍ ተዋህቦም ተሪር ትእዛዝ ብ 19 ለካቲት ፍራንክፈርት

READ MORE

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ኣብ መበል 94 ዓመተን ዝዓረፋ፣ ኣዴና ጽገረዳ ብላታ ሃይሉ፣ ወላዲቱ ነቲ ብ 2001 ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይፍርዲ ምስ ተኣስረ ዛጊት ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩለን። ኣብቲ ጸሎተ ፍትሓትን ደበስን

READ MORE

ኣዕዋፍ ዒላዒሮ ብረራ  መርድእ ንገራ ኣደ ጅግና ኣደ ድሩዕ ሓሊፋ በላ ጸበባ መግዛእቲ ዘየሰነፋ ኣርዑት ባዕዲ ክሳዳ ዘይዓጸፋ ኣደይ ጽገ ኣብቂዓ ኪዳና ኣጽኒዓ:: ሽኮ እግሩ ወዳ ክዘልል ድርፎ ርእሲ ዓዲ ክኾልል እናተራእያ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ክድብል ብተስፋ ከተማዕዱ ኣዒንታ ቆሊዓ ሰሃሮ ኣሕሊፋ ነብሳ ተበሊዓ ኣደ ጅግና ተዋሪዳ ክልተሳብ ተራእያ ተጠሊማ መብጽዓ ኣብ ቤታ ተጨውያ:: ብሩህ ወጅሃ

READ MORE

ባህግና ፍሥሐየ መብራህቱ   ሰላም ተባሂልና ብሰልም ክንነብር ሓምሊ ተደሪርና ቀሲንና ክንነብር መሲልና ኣምሲልና ከም ግቡር ከምንቡር ወሊድና ዘሚድና ክንሓዝል ክንሕንግር ነቶ ዝዓረፉ ብኽብሪ ክንቀብር ምርቓ ቀሲምና ታሪኾን ክንዝክር ሰላም’ዩ ባህግና ምስ ዓለም ዚጽንብር።   ሰላም ጸሚእናያ ከም ማይ ምደረ በዳ ዘይክፉል ከፊልና ኣቲና ኣብ ዕዳ ወኒንናያ ኢልና እምብዛ ክንንእዳ ዘሕድራ ስኢና ክትእሪ ኣንቂዳ ቅሳነት በነነት ኣቋራጭ መንገዳ ንስደተይ በለት ሰኣን

READ MORE

መስከረም (መሽረፈት) ኔትን ራድዮ ኤረናን ኣብ ሓደ ማኣዲ ኣሰና ኣብ ጉዳይ'ቲ ብ1997 ዓም ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምን ኣብቲ ካብ ኤችቢሲ ልሒኹ ዝወጽአ ውልቀ መላኺ መራሒ ኢሰያስ ወይ ልኡኻቱ ኣብ ናይታ ባንክ ናይ ስዊዝ ጨንፈር ዝኸዘኑዎ ምዃኑ ዝእመነሉ 700 ሚልዮን ዶላር ዝኣክል ገንዘብ ዘጋለጸ ሓበሬታ ኢያ ተጸሚዳ ቀንያ።

READ MORE

  "ኣብ ስደት ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኣቐዲመን ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ፣ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩን ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ዝብል ወረ ከምዝተዘርግሐ ዝሓበረ ክብሮም፣ ነዚ ሓቕነት ዘይብሉ ዘይተጻረየ ሓበሬታ መን ከምዝሃቦም'ውን ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ጠቒሱ።"

READ MORE

"ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር: ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ"  - መርገም’ዶ ምርቓ ?   ሎም ቅነ "ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ" ዝብል መሰደመም ካባና ካብ ወገን ደለይቲ ፍትሒ ሰሚዕና:: ብላዕሊ ላዕሊ ንዝርእይ እዚ ብህሎ:  መርገም ድዩ ምርቓ ግር ከብሎ ይኽእል ይኸውን:: ህግ ማለት እቲ ኤርትራ ኣብ 1991 ካብ መግዛእቲ

READ MORE

ዝሓለፈ ቀዳም 15 ለካቲት ብሕማም ምኽንያት ዝዓረፈ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ፣ ብ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ምንቅስቓስ ኣባላት ምክልኻል ካብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣትሒዙ ንኽልተ ዓመታት ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ከምዝጸንሐ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ሓቢራ። እቲ ሓበሬታ፣ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ፣ ስዉእ ወዲ ዓልን

READ MORE

ኣብ ትውልዲ ሃገሮም ብዘሎ ስርዓት ተገፊዕና ኢሎም ብዘቕረቡዎ ሕቶ ዑቕባ መሰረት ኣብ ካናዳ ናይ ዑቕባ መሰል ተዋሂቦም ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ዓዲ በጺሖም ብምምላሶም ረኺቦሞ ዝጸንሑ ሕጋዊ ነባርነት መንግስቲ ካናዳ ከሕድጎም ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ Metro Canada ብ 17 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣገንዚቡ። ምስቲ ብ 2012

READ MORE

ፍረሰላም ሙሴ!   ኣንታ ንኡስ ፍጥረት ፍረ ናይ ናጽነት ጅግና ወዲ ጅግና ብዓል ድርብ ሓሞት ካብ ጉድጓድ ወጺእካ ስዒርካያ ንሞት 'ዕጡቕ'የ' ምባልካ ንወፍሪ ሓርነት ልበይ *ተሸኒሁ ኰሪዐልካ ብኡነት!     *ደስ ኢሉዎ   ብርግጽ ኰሪዑ ደስ ኢሉዎ ልበይ 'ክቃለስ'የ' ምባልካ ነዚ ውጹዕ ህዝበይ ብልሕኻን ትብዓትካን ወኒኑዎ ቀልበይ ናይ ደስታን ሓበንን ዛሪዩ ንብዓተይ ንኣኻ ምውላዳ እዛ ዋዕሮ ሓብተይ ምስጋና ይኹና ጎይታ

READ MORE

ጸጒረይ ክምሸጥ!   "ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ'ባ!?"   ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ 2ይ ክፋል፥   "ሃለው መን ክብል? ኣቤት ሽኮሪና፡ ወዲእኪ? እዋእ! ኢሂ!? ኣብኡ ከኣ ወሲዶማ!? በቃ በሊ ነዞም ሒዘዮም ዘለኹ ዓማዊል ኣብዛ ማይ ተመናይ ኣብጽሕ ኣቢለዮም ቀልጢፈ ክመጸኪ'የ፡ ቻው። መጻእኩ፡ መጻእኩ" ብምባል ታክሲስታ፡ ሽክና ርእሱ እናነቕነቐ ክግረም ዝረኣዮ ሓደ ተሳፋራይ፡ "ደሓን

READ MORE

ወልቀ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጸሎት ተባሂሎ ዝፍለጥ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነወ ተፈሊጡ። እቲ ወናኒ መሬቱ ዝኾነ ህዝቢ ከባቢ ኣስመራ፤ ንዝተዓደሎ ጤሳ በብዝጥዕሞ መገዲ ፈርቂ በጽሒቱ ሸይጡ፤ ነቲ ፍርቂ በምስራሕ ዝሰርሖ ኣባይቲ ከምዝኾነ ይፍለጥ። ካብዘን ዝሓለፋ ወሱናት ኣዋርሕ ጀሚሩ ግን፤ እዚ

READ MORE