Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ ከመይ አለኺ”

እዚ ዝስዕብ ግጥሚ ብዕለት 03 ወርሒ ግንቦት 2015 ዓ.ም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብዝተገብረ ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ንመዘከርታን መግለጺ ሓዘን ነቶም ግዳይ ቅዝፈት ብምጥሓል ኣብ መኣኸላይ ባሕሪ ህይወቶም ንዝሰኣኑን ንጹሃን፤ ከምኡ’ውን ነቶም ብኢድ ኣኽረርቲ ናይ

እዚ ዝስዕብ ግጥሚ ብዕለት 03 ወርሒ ግንቦት 2015 ዓ.ም ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብዝተገብረ ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ንመዘከርታን መግለጺ ሓዘን ነቶም ግዳይ ቅዝፈት ብምጥሓል ኣብ መኣኸላይ ባሕሪ ህይወቶም ንዝሰኣኑን ንጹሃን፤ ከምኡ’ውን ነቶም ብኢድ ኣኽረርቲ ናይ እስልምና ሃይማኖት (ኣባላት ግብረ ሽበራ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ ሃገረ ሊብያ) ህይወቶም ንዝተቐንጸሉ ኣመንቲ ክርስትና ኤርትራውያን ዜጋታትን ኢትዮጵያውን ብሕልና ዝኽርን ጸሎትን ኣብ ዝተገብረሉ ስዓት ዝተነበ ጽሑፍ ኢዩ። ክቡራት ወለድን ስድራ ቤትን ዝወረዶም ወጸዓ ወላ ረዚን ይኹን እምበር፣  ብሓፈሻ ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ኣባል ሕብረተስብ ዓለም ከይተረፈ ብዓይቢኡ ዝጸለወን ዝተንከፈ መሪር ናይ ጊዜና ሐዘን ኮይኑ አሎ።

ስለዚ ሃገርናን ህዝብናን ከአ ቀንዲ ናይቲ ሓዘን ብቐጥታ ግዳይ ብምኻኑ፣ ኣብ ዓድን ኣብ ወጻኢን ሃገራት ንርከብ ዜጋታት ከይፈላልየ ንኹሉና ኤርትራውያን ዝምልከተና ዓይቢ ናይ ስድራ ቤት ኪሳራን፣ ከቢድ ሓዘን ዘስዓበልና ብምኻኑ፣ በታ ንእሽቶ ክንገብራ ንኽእል ዓቕምና ተኣኪብና ዝተሰመዓና ስምዒት ዝገለጽናሉ መዓልቲ ነይሩ። ነቲ መደብ ከአ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተጸንበሩናን ዘይተረኽቡን ዜጋታት ይንበሩ እምበር፣ ከምጸልማት ከምዝወግሕ፣ ኩሉ ምስ ጊዜ ዝፍታሕ መሰናኽል ብዘየገድስ ክስገር ብምኻኑ ሕጂውን ንስድራ ቤት ደጊምና ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ንሃገርናን ህዝብናን ከአ መፍትሒ ሽግሩ ካብ ሰማይ ዝነጥብ ብነጎዳ ዘረባ ዝተሰነየ ከምዘይኮነ ኣሚኑን ህዝቢ ተረዲኡ፣ ባዕሉ ብሓላፊነት ተበጊሱ ክሓስበሉን ክዕጥቐሉን ከምዘለዎ ከዘኻኽር ነዛ ኣጋጣሚ ክጥቀመላ ኣፍቁዱለይ።

እንተኾነ ከምዚ ንርእዮ ዘለና፣ ሽግር ሃገርናን ህዝብናን ናብ ዝለዓለ ጠርዙ ዕለታዊ ብናህሪ ክውንጭፍ እምበር ክመሓሽ ኣይንርእዮን አለና። እቲ ምንታይ እቲ ጠንቂ ሽግር ናብ ሐደ ወገን ጥራይ ብሓላፊነት ኣወንዚፍና፣ ንባዕልና እቲ ድኽመታትናን ክንገብሮ ዘለና ኣነጺርና ብዘይ ምፍላጥና፣ መፍቲሒ ይኸውን ኢልና ዘቕረብናዮ ናይ ሓባር ህንጻጽ ኮነ መደባት ክሳብ ሕጂ የሎን። ኣግዳስ ኩሉ ናይ ተቛዋሚ ድምጺ ዘስምዐን፣ ግዱስ ወይ ግዱሳት ኢና ብዝብል ዝተበታተነ መእከቢ ዘይብሉ ጥርዓን ኮነ ናይ መቃለሲ መደባት፣ ብናተይ ጥራይ ቅኑዕ ዘስምዕ ፋሕ ብትን ዘብል ናይ ፋሕ ጭንግራሕ ውሑዳት ዝዕብልልዎ ጸቢብ ጉጅላዊ ምንቅስቃሳት ካብ መዓልታዊ ምፍጣር ኣይተቖጠብናን። እዚ ኸአ ነቲ ጨቛኒ ስርዓት ኣብ ኩርሲ ስልጣኑ ክጸንሕ ዓይቢ ጊደ ካብ ምጽዋት ተሪፉ መፍትሒ ሽግርን ጸበባን ህዝብና ክኸውን ኣይክእልን። ብዘይ ምትእምማንን ንነፍስና ቀሺሽና ከም ዜጋታት ከምዘይምልከተና ወይ ከምዘይናትና ክንሪኦ ደሊና እተኾይኑ ከአ ኣይርድኣንን እምበር፤ ሕብረት ዘይብሉ ጥርናፈ ንመን ረብሓ ከም ዝውዕል ኣይንስሕቶን ንኸውን።

እቲ ዓይቢ ጉድለት ናይ ተሳትፎ ህዝቢ ሕጽረት ገይሮም ንህዝቢ ክውንጅሉ ዝደናደኑ ናይ ጭርሖ ኣፈኛታት በዚሖም፣ ንነፍሶም ጥራይ ከም ቅኑዑን ሓለይትን ተጣበቕቲ ህዝቢ ዝቖጽሩ ፈቐዶ ኩርናዕ ዓለም እንተበዝሑ፣ እቲ ሓቂ ግና፤ ብውልቂ ኮነ ብሽም ምትእኽኻብ ብዙሓት ዘድምዕ ስራሕ ካብ ምርኣይ፣ ኣብ ነንሕዶም ምትሕንኹኻል ዘጥፍእዎ ጊዜ ኣዝዩ ስለዝበዝሕ፣ ህዝቢ ብዘይ ጠርናፊን መራሒ ከምዘይብሉ ንህቢ ፈቐዶ ክበታተን ናይ ግድን ኮይኑዎ። ውጺኢቱ ከአ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ኣብ መላእ ህዝብና ዓሲሉስ፣ ንዕሸላት ቃልዑት ከማን ሃሲዎምሲ፤ ብጭንቀትን ሽግር ናብራን መገዶም ከይፈለጡ፣ ብጅምላ ከም መፍትሒን መውጺኢ ካብ መዋጥሮ ህይወት ኣብ ኤርትራ መሲሉዎም፣ ንስድርኦምን ሃገሮምን ከይሓሰቡ ጠንጢኖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ተገዲዶምስ ናይ ዓለም ዜና መዛረቢ ኮይኖም ይርከቡ። ብህይወት ዝተረፉ ካብ ናይ ጅምላ ህልቀት ከአ ውሑዳትን ኣብ ናይ ወለድን ስድራ ቤት ናፍቖት ሰንፈለል ጀልባ ዝተሰቕሉ ሕጻናት መዕለቢኦም ዘይፈልጡ ኣብ ናይ ጭንቀት ሃዋሁ ይንሳፈፉ አለዉ።

እዚ ግሁድ ተርእዮ ንኹሉ ስድራ ቤት ዝጸልዎ ዘሎ ዓደራዕ መከራ ውጺኢት ስራሕ ህግደፍ ጥራይ ገይሮም ዝሓስቡ ኣካል ሕብረተሰብና፤ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት ነቲ ናቶም ጊደን ጌጋን ከየስተብዕሉሉን ከይእርሙዎን፣ ብምፍላጥ ኮነ ብጉርሒ ነቲ ስንኩፍ ኣካይዳኦም ተገንዚቦም ከመሓይሹ ኣየተረኽቡን። ግዳስ ብኣንጻሩ ኣብ ዘይፍታሕ ናይ መን ዓብለለ ፍኹክርን ምጽላምን፣ ኩራ ዘንቀሎ ናይ ምሕንጋድ ጸባይ ነንሕድሕዶም ክተፋኑን ነቲ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕሉ ዝከአል ጊዚኦም ብዘይ ፋይዳ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ንዘይውዕል ቆዮቛን ከንቱ ፍኹክርን ብዘይ ሕንከት ክምድሩ ወል እንተዘይሓፈሩ፤ ህዝቢ ከም ተዓዛቢ ጥራይ ኮይኑ ክርኦም የብሉን። ዓገብ ክብሎምን ብናቱ ኣድማዒ ዝበሎ መገዲ ክገጥሞም እንተዘይኪሉ፣ ንሳቶም ብልምዲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮ ዝብልዎ ዘንባል ኣተሓሳስባ ዝጎዓዙ፣ ንቕድሚት ኮነ ንድሕሪት ዝግ ኢሎም ሓሲቦም ከስተንትኑ ዘይኽእሉ፣ ኣብ ዕለታዊ ስሚዒት ግዙኣት ብምኻኖም ከም ዝተተኽሉ ናይ ፖለቲካ ተንቀሳቀስቲ ፓሎታት ዝተቐየሩ ይመስሉ።

እምበር ከስ፣ ወርቃዊ ጊዜ ብኸምዚ ዘየድምዕ ስራሕ ከዕርቡ ክትርእዮም ዘሕዝን ወላ እንተኾነ፤ መራሕቲ ንለውጢ ኢና በሃልቲ ባእታትት ነቲ ቃልዕኡ ዘውጽአ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ክንዲ ክእርሙዎ ምፍታን ክሓብኡ ድኽመታቶም ዘጥፍእዎ ጊዜ እቲ ካልእ ቀንዲ ሽግር ህዝብና ኮይኑ አሎ። ነፍስኻ ከይቀየርካን ካብ ሕሉፍ ከየተመሃርካን ከመይ ዝሓሸ ለውጢ ክተምጽእ ይከኣል ኢልካ ብቕንዕና ይሕሰብ እምበር፣ ኣብ ጊዚኡ ዝሓለፈ ኣተሓሳስባ ተገዛኢ ኮይንካ ምንቃጽ ንመን የርብሕ። ወላስ ብንዕቀት ህዝቢ ዓዊርኩም ነቲ ርኡይ ጌጋ ናብ ቅኑዕ ገይርኩም ብዓብይኡ ክትደግምዎ መን ይቕበሎ ኢልኩም ትሓስቡ። ህዝቢ ከአ ኣይዕዘብን’ዩ ዝበለኩም ወይ ሕሹኽ ዝበለኩምን፣ ብቐንዱ ዘተባብዓኩምን ዘይረኣይ ኣካል እንተሎ፣ እቲ ቀንዲ ጸላኢኹምን ጥፍኣት ህዝብኹም ዝምነ ጥራይ ክኸውን አለዎ። እምበር፣ ንዓይስ ናይ ጥዕና ኣይንመስለንን። ንህሉው ኩነታት ምክሓድ ማለት ንነብስኻ ምኽሓድ’ዩ።

በቲ ካልእ ወገን፣ እቶም ተሓለቕትን ሓለይትን ህዝብን ሃገርን ኢና ኢሎም ዝጭድሩ ሰዓብቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢታት ሃገራት ከአ፣ እቲ ሽግር ናይ ስርዓት ኣልቦ መንግስቲ ህግደፍ ምኻኑ ዘንጊዖሞ ከይከነስ፣ ብውሽጦም ከም ዝሞቱ ምእማኑ ስለዘሸገሮም ናይ ውጹዓት ወለዲ ድኽመትን ሓላፊነት ጉድለትን ምኻኑ ከረድኡን ከማኻንዩን ዓቕሎም ጸቢብዎም ይውዕሉ አለዉ። ምናልባት ከአ ንዕረፍቲ ክጋየሹ ከለዉ፣ ኤርትራ ንበይኖም ከምድላዮም ሰፊሕሎም እኹል መዕንደሪ ባይታ ዝረኽቡ እንዳመሰሎም ይኸውን። ነቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ዜጋታቶም ከምቲ መንግስቲ ህግደፍ መንነት ኤርትራዊነቶም ዝኸሓዶም፣ ንሳቶም’ውን ብስስዐን በለጽን ዓዊሮም ዜጋታቶም ዝኸሓዱ ኢዮም። ካብ ከምዚኣቶም ከአ መፍትሒ ምጽባይ፣ ኢሳያስ ስልጣኑ ንህዝቢ ብግቡእ ከርክብ ኢልካ ምጽባይ ዝቐለለ የምስል።

ስለዚ ነዞም ብሞራልን ገንዘብን ንስርዓት ህግደፍ ዝድግፉ ዕሱባት ኣብ ዘዘለዎ ሃገራት ከም ተሓባበርቲ ብጥፍኣት ህዝብና ዝሕተቱ ብምኻኖም፣ መንነቶም ምቅላዕ ኣገዳሲ ተራ ቃልሲ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ይኸውን። ብፍላይ ከአ እቶም ሓደገኛታት ተበለጽቲ ልኡኻት ህግደፍ፣ ብሽም ደምበ ተቓውሞ ናይ በጊዕ ቆርበት ተኸዲኖም፤ ግና’ኸ ተኻሉ መንድዓት ህዝቢ ምስ ደለይቲ ለውጢ ተሰኹዖም፣ ካብ ምድንጋር ስርሖም ክልለዩን ክንጸሉን ዝዓበየ ሸነኽ ቃልሲ ዘድልዮ ገዚፍን ብረቂቅ ኣወዳድባ ዝንቀሳስቀስ ዓይቢ መሰናኽል ህግደፍ ፈጢሩ ከምዘሎ ዘይምዝንጋዕ’ዩ። ህዝቢ ከይነቕሐን ከይተጠርነፈን ብስሚዒት ዝገብሮ ጉዕዞ ንቃልሲ የሃስዮ ከምዘሎ ዕለታዊ ንዕዘቦ ዘለናን ውጽእቱ ብዘያማትእ ንርእዮን ንሰምዖን አደዳ ሓዘንን ጋሂን ህዝቢ ኮይኑ አሎ።

ወላዲት አደ ኤርትራ ከአ ተኾርምያ ንውሽጢ ትነብዓሉ ዘብቅዓሉ ጊዜ፤ መንእስያት ካብ ምብትታንን ንስደትን ዘማዕድዩሉ ተሪፉ፤ ኣብ ሃገሮም ቀሲኖም ዝዓርፉሉ ሃዋሁ ሰላም ዝሰፍነሉ ሃገር ንምውሓስ እቲ ዝዓበየ ጠለብ እዋናዊ ምኻኑ ዝኽሕዶ የለን። እቲ ናይ ስልጣን ህርፋንን ቅድድምን ተሪፉ፣ ብቕንዕናን ተወፋይነትን፣ ብመስዋእትነቶም ንህዝቢ ድሌት ከማልኡ ዝጽዕሩ ብቑዓት መርሓቲ ካብ ሓቀኛ ደለይቲ ለውጢ ህዝቢ ኣለልዩ ታሪኻዊ ሓላፊነት ከሰክሞምን ሓቢሩ ክቃለስን አለዎ። ኣብ ገዛኻ ተኾርሚኻ ግና ዝመጽእ ለውጢ የለን።

ብፍላይ ነዞም ንነፍሶም መሪጾምን ብሕቡእ ተመራሪጾም ዝመጽኡ፤ ብናይ ስልጣን ኮነ ብካልእ ጥቕምን በለጽን ተኣኻኺቦም መራሕትኻን ወከልትኻን ኢና በሃልቲ ከአ፤ ህዝቢ የቐነልና፣ ግና ወከልትና ብህዝቢ ክምረጹ አለዎም ምባሎም ቅኑዕ ይመስለኒ። እንተዘይኮነ ከም ሕሉፍ መብጽዓ ኢሳያስ ዓመት መጸ ዝደጋገም ከንቱ ተስፋ ከስንቑኻ ኣይትገርሃሎም። ንባዕላቶም ኣብ ቲሕቲ ጥርኑፍ ጽላል ሽም ክእተኣኸቡን ክበታተኑን ዘሕለፍዎ ጊዜ ዘይተሰቆሮምሲ፣ ናይ ህዝብን ዓድን ሽግር ተሰቁሩዎም ክውፈዩልካ ኣይትጸበ። ገበል አሊኻስ ሓርገጽ መፍትሒ ክኸውን ምሕሳብ ብመሰረቱ ዕሽነት ይኸውን።

“ ከመይ አለኺ”

ከመይ አለኺ? ከመይ ድኺ?

ከመይ ቀኒኺ? ከምይ’ኸ ትኾኒ?

አደ ከመይ ድዩ ነይሩ?

ዘይነጽፍ ናይ ወላዲ ፍቕርኺ

አደ ኤርትራዊት – ዘይምነ ሓሌትኪ

ብዓይነይ ዝመላለስ – ስሓቕ ፍሽኽታኺ

ወትሮ ክሓስብ – ሪሒቐ ካባኺ

ብናፍቆት ይሳቐ – ይጭነቕ ብሰንክኺ

ኣይካፈል ሓጎስኪ – ኣይውዕሎ ሽግርኪ

ብጋሂ ሓሪርኪ – ብሓዘን ደዊንኪ

ትኽእልዮዶ’ሞ – እዚ ኹሉ ንበይኒኺ።

 

ኤርትራዊት አደ – በዚሑ ወጻዓኺ

ፈቐዶ ተበታቲኖም – ዕሸላት ደቅኺ

ምድረበዳ ክበልዖም – መኣስ’ዶ ፈቲኺ

ከብዲ ባሕሪ ክውሕጦም – መኣስ’ዶ መሪጽኪ

ምሽቋል በዚሑ – ነፊጾም ምስ ከዱኺ

ግፍዒ ምስ ሳዕረረ – ኣብ ገዛእ ገዛኺ

ጨካኝ ነጊሱ – ብስቓይ ተኾርሚኺ

ውጽዕቲ ኤርትራ – አደ ኩሉ እንዲኺ

ክርስትያን እስላማይ – ሓቑፍኪ ዘዕበኺ።

 

አደ ኤርትራ – ከመይ አለኺ?

ኤርትራዊት አደ – ከመይ ድኺ?

ገበል ተጠቕሊሉ – ዓትዕትዎ ሩሕኺ

ኮራኹሩ ኣዋፊሩ – ክህቡ ዘይምስልኺ

ሓዘንቲ ክመስሉ – ንውጹዕ ህዝብኺ

ኣብ እኩብ ይጭድሩ – ነገድቲ ብሽምኪ

ብጸልማት ይሓርዱኺ – የጥፍኡ ደቅኺ

ሰብ ክልተ ምልሓስ – ወሊድኪ ኣፍርኺ

ካብ ጓኖት ዝገደዱ – ደምኪ ዝመጺኺ።

 

አደ ኤርትራ – እስኪ ክሓተኪ?

ስኣን ንቁንጣሮ – ተጥፊእዮም ቀብጽኪ

ሃገር እንዳዓነት – ክሳቐ ህዝብኺ

ከመይ ፈቲኽዮ? – ከመይ ይወሓጠልኪ?

ንሓዘን ድኽነት’ዶ – መርጽኪ ኣኺሉኪ?

ንብዓት’ዶ ይድብሶ – ዝተቖጽየ ዕድልኪ

መኻን ገይሮምኺ – ወሊድኪ ከምዘይወለድኪ

ጀጋኑ ናይ ትማሊ – ንዛንታ ገዲፍኪ

ብኾራኹር ህግደፍ’ዶ – ክትርገጺ መሪጽኪ

አደ ኤርትራ – ሕሰብሉ! ሕሰብሉ! በጃኺ።

 

ኤርትራዊት አደ – ፍቕርኪ ዘስከረ

መዓር ናጽነት – ካብ ኩሉ ዝመቀረ

ብዔረ ባርነት – ከመይ ተቐየረ?

ንዳግማይ ስደት – ብመንከ ተጻሕተረ?

ሕተቲ ደቅኺ – ከይወዓለ ከይሓደረ

ኣደብ ክገብሩሉ – ክብርኺ ዝደፈረ

ሕጊ ረጊጹ – ንበይኑ ንዝዓንደረ

ፍትሒ ጓዕጺጹ – መሰል ዝቐበረ

ኣቕርብዮ ንፍርዲ – መብጽዓ ዝጠለመ።

 

ኤርትራ ከመይ አለኺ – ከመይ ድኺ?

ንብዓትኪ ጸሪሩ – ደኺሙ ሕልናኺ

ሓዘን ኣብ ሊዕሊ ሓዘን – ወሪድዎ ገዛኺ

መርድእ ኮይኑ – ዝመላለስ ደምበኺ

ዕላል ሓጎስ ጠፊኡ – ዝለመዶ ስድራኺ

ዳስ ኣይተተኽለን – ከም ልሙድ ባህልኺ

በጽሕን ጉርዞን ጠፊኦም – ከንቱ ዕሸላትኪ

ብውሽጥኺ ትነብዒ – ጸልሚቱ ብደጌኺ

ዘመነ ህግደፍ ኮይኑ – ተዓቢሱ ኣንደበትኪ

አደ ኤርትራ – ነዚ ኩሉ ከምይ ተጻውርኪ?

 

ኤርትራዊት አደ –  ኣፍኪ ተዓብስኪ

መን ይስማዕ ወጻዓኺ – ዓው ኢልኪ ከይበኸኺ

ብጨቆንቲ ግፍዒ – ፍርሂ ካብ ወሓጠኪ

መንእስያት ሓርቢትዎ – መዐንደሪ ቅርዓትኪ

ንዓል ቱኻን ቁማል – ወሪሶሞ ንእድኺ

ዓለቕቲ ኣትዮሞ – ክመጽዩ ከብድኺ

ንዓል ቆንጪ ደፋር – ክዝንጥሉ ክብርኺ

ካብ ኣትን አደ ኢሎም – ብኣኽብሮት ዝጽውዕኺ

ካብ ኣቱም ኣቦ ኢሎም – ዝደሃዩ ብኽብሪ

ምቁንጻብ ዝፈትዩ – ዝዛረቡ ብበትሪ

ተሓለቕቲ ብዕሉጋት – ካብ ኮኑ ሓለውቲ

ሰካራም ዘመውይቲ – ሓለፍቶም መራሕቲ

ሓዘንኪ ቀጻሊ’ዩ አደ – ፈቲኺ ጸሊእኺ

ክሳብ ትጉሑፍዮም – መንዳዓት ህዝብኺ።

 

ኤርትራዊት አደ – ይኣክል ንብዓትኪ

ደቅኺ ኣኻኽቢ – ቅኑዓት መሚኺ

ተስፋ ከይቆረጽኪ – ሽግራት መኪትኪ

አለኹ በሊዮም – አለና ክብሉኺ

ስኒት መግብዮም – ቅርሕንታ ኣልጊስኪ

ንሕሉፍ ታሪኾም – ናይ ትማሊ ገዲፍኪ

ንጽባሕ ክሓስቡ – ብዕርቂ ጠርኒፍኪ

ቀርብሎም አደ – ናይ ሰላም መኣድኺ።

 

አደ ኤርትራ – ከመይ አለኺ?

አደ ኤርትራ – ከመይ ድኺ?

ምጽማም’ዶ ኣይበዝሐን – ክጸንቱ ደቅኺ

ሕንቅልቂልተይ ዛንታ – ግደፊ በጃኺ

ብህሉው ተዛረቢ – ወጸዓ ህዝብኺ

ናብ ባርነት ተቐይሩ – ነጻነት ሕልምኺ

መሰልን ፍትሕን – ተዳጊኖም ብግፍዒ

ብሕጊ ጽውጽዋይ – ናይ በረኻ ደቅኺ

ፍትሕሎም ትርጉሙ – ከንቱ መስዋእትኺ

ሃገር ንዘጽንቱ – ዘዕንዉ ምዕባለኺ

ቀሲንኪ ከምዘይትነብሪ – ተጋሂሱ ክብርኺ

ደቂስኪ ከምዘይትሓድሪ – ኣጥፊእኺ ደቅኺ

ንኩሉ ጊዜ አለዎ – በሊዮም ተቢዕኺ

ፍርሂ ኣወጊድኪ – ተጠሊዕኺ ኣእውኺ

ዝደቀሱ ክበራበሩ – ንፍትሒ ክብርኺ

አለኹ በልዮም – አለና ክብሉኺ

ግፍዒ ክብተን – ጸርዩ ሓሞትኪ።

 

ራህውን ቅሳነት ንህዝብናን ሃገርናን”

“ጽንዓትን ደበስን ንውጹዓት ወለዲ ኤርትራውያን ስድራ ቤት”

 

“ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል”

“ሕልና – 05/03/2015”

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT