Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምዕባለ ኣብ ኣተሓሳስባ

ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ነገር ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ናብቲ ናይ ጥንቲ ባህርያቱ እዩ ኪምለስ ዚደሊ። ማለት ንሓደ ስፍራ-ኣታኽልቲ ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ግዜ ወሲዱ ናብ እንዳ ኣትማንን ኣናጹን እዩ ዚልወጥ። እቲ ኣብኡ ቦቒሉ በነበረ ግሩም ፍረታት

ኣማኑኤል ሳህለ

ኩሉ ነገር ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ናብቲ ናይ ጥንቲ ባህርያቱ እዩ ኪምለስ ዚደሊ። ማለት ንሓደ ስፍራ-ኣታኽልቲ ትም ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ግዜ ወሲዱ ናብ እንዳ ኣትማንን ኣናጹን እዩ ዚልወጥ። እቲ ኣብኡ ቦቒሉ በነበረ ግሩም ፍረታት ድማ ብኣእሻዅን ካልእ ተሰማሚዑዎ ዝበቖለ ጻህያይን ቆጥቋጥን ይትካእ።

ጻዕሪ ዝጎደሎ ኩሉ ስራሕ ወይ መስርሕ፡ ናብቲ ጥንታውን መበቆላውን ባህርያቱ ንኺምለስ ግዜ ኣይወስድን። ለውጢ ንኺመጽ፡ ደፋኢ ወይ ኣንቀሳቓሲ ሓይሊ የድሊ። እዚ ዩኒቭርስ፡ እተፈላለየ ብርታዐ ዘለዎ ኤነርጂ ወይ ጸዓት እንተ ዚጎድሎ ናብ ምዕናው ገጹ ምተጓዕዘ ነይሩ። እዚ ኩነትዚ ብግሪኽ ኤንትሮፒ ይብሃል። ናብ ተዛማዲ ስቕታ ይልወጥ ማለት እዩ።

ትም ምባልን ንድሕሪት ምጕዓዝን ዳርጋ ኩሉ ሕደ እዩ።

ወድሰብ ንኺልወጥ ግድን ኪሓስብ ኣለዎ። ብዘይ ምሕሳብ፡ ማለት ነቲ ብደመነፍሲ ዚምራሕ ኣእምሮኡ ንነዊሕ ትም ኢሉ ምስ ዚርእዮ፡ ምዕባለ ከርእይ ኣይክእልን። ንወድሰብ ናይ ኣእምሮ ደው ምባል እዩ ንነዊሕ ግዜ ካብ በዓትን ጫካን ከም ዘይወጽእ ዝገበሮ።

ኣብ በዓትን ጫካን ምንባር ጥዑም እዩ። ኣእምሮኻ ብዙሕ ኣይሓስብን፡ ኣይደክምን። ሕራይ ኣእምሮኻስ ኣይደክምን ይኸውን፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣካላትካ ይደክም እዩ። ማለት፡ ሰኣን ቀስቲ ምሂዝካ ፍላጻ ወርዊርካ ነታ ካባኻ ንላዕሊ እትጎዪ ዓጋዜን እትቐትላ፡ ምሉእ መዓልቲ ደድሕሪኣ ክትጎዪ ትውዕል። ብድኻም ተሰኒፍካ ምስ ወደቕካ፡ ድራርካ ከይሓዝካ ንበዓትኻ ትምልሰ። ንኣእምሮኻ ኣስሪሕካ፡ ተወንጫፊ ነገራት ምሂዝካ እንተ ትነብር ግን፡ ደው ኢልካ ከሎኻ ፍላጻኻ ወርዊርካ ምቐተልካያ። ድኻምካ ምቖጠብካ፡ ተደሪርካ ድማ ምሓደርካ።

ሓደ እዋን ግን፡ ክትሓስብ ጀሚርካ። ኣእምሮኻ ስለምንታይ ዚብል ሓድሽ ኣመል ኣምጺኡ። ስለምንታይ ዝደክም? ስለምንታይ ከምዚ ዘይገብር? ወዘተ. ኣእምሮ ወድሰብ ንኺሓስብ ኢሉ እዩ ተፈጢሩ።

ስለ ዝሓሰብካ እኮዩ ቀስቲ ክትሰርሕ ዝኸኣልካ። ሳላ እተፈላሰፍካ እዩ ወንጭፍ ወይ ኲናት ከተጥሪ ዝኸኣልካ። ከምዚ ብምግባርካ ናይ ዕለት እንጌራኻ ክትምእርር ክኢልካ። ናብቲ ዚቕጽል ናይ ምዕባለ ደረጃ ድማ ደዪብካ።

ይኹንምበር፡ ክልተ ዓይነት ኣተሓሳስባ ድማ ኣሎ። ኣብ ማሪት እተመርኮሰ ብሓደ ወገን፡ ኣብ ጭቡጥን ሳየንሳውን ስነሞገታውን፡ ኣብ ትዕዝብትን ምርምርን ኣብ ህየሳዊ ትንተናን

እተሞርከሰ ድማ ብኻልእ ወገን።

እቲ ኣብ በዓቲ ዚነብር ዝነበረ ሃዳናይ፡ እታ ዓጋዜን ገዲፋቶ ክትዕዘር ከላ፡ እሞ ናይ ጥምየትን ሞትን ደበና ከንጸላሉዎ ከሎ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ከማኽራ ዚብል ሓሳብ መጺኡዎ ይኸውን እዩ። ነቶም ምስ ደቀሰ ናብ ኣእምሮኡ እናተመላለሱ ዘናውጹዎ ዝነበሩ መናፍስቲ ለሚኑዎም ይኸውን እዩ። እንታይ ደኣሞ ኪገብር።

ካልእ ኣብ በዓቲ ዚነበር ሃዳናይ ግን፡ ብዛዕባታ ጎይዩ ክሕዛ ወይ ኪቐትላ ዘይክእል ዝነበረ ዓጋዜን ኪሓስብ ከሎ፡ ኣነኳ ብእግረይ እንተ ዘይኣርከብኩዋ፡ ተወርዊሩ ዘርክባን ዝወግኣን በሊሕ ነገር ዘይሰርሕ ዚብል ሓሳባት መጺኡዎ ይኸውን። ካብ ትዕዝብቱን ካብ ምርምሩን ዝመንጨወ፡ ዝምጠጥን ዝግተርን መንትግ ኪሰርሕ ክኢሉ። እግሩ ከየዘውተረ ከም እግሪ ኮይኑ ዚለኣኾ ኲናት ምሂዙ። ተዓዊቱን ተደሪሩን።

ከምቲ ሓሳባት ንኹነታት ዚጸልዉዎ፡ ኩነታት ድማ ንሓሳባት ይጸልዉዎ እዮም። ናይ ዓለም ወይ መሬት መሰረታዊ ኩነታት ምስ እንዕዘብ፡ እቲ መስርሕ ኣብ ምስፋን ናይቲ ብቑዕ ናይ ምርዓም ክእለት ዘለዎ (ሰርቫይቫል ኣቭ ዘ ፊተስት) እተመስረተ እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣብዚ ዓለም ዚነብር ኩሉ ሰብ ይኹን ወይ እንስሳ ወይ ቡቕሊ ዘዋጽኦ ስለ ዝገበረ እዩ ዚነብር ዘሎ። ዘዋጽኦ ክንብል ከሎና፡ ነቲ ንህይወቱ ዚዕቅቦ፡ ቀጻልነት ዚህቦ፡ ከም ዚነብርን ዚፋረን ዚገብሮ መገዲ ወይ ብልሃት ይወስድ ማለት እዩ።

ግን ከኣ ዘዋጽኦ ገይሩ ከሎ ዝጠፍአውን ነይሩ። ምናልባት ነቲ ዘዋጽኦ ብልሓት ወይ ሓሳባት ወይ ርኽበት ግሩም ገይሩ ስለ ዘይተጠቐመሉ ኪኸውን ይኽእል፡ ወይ ከኣ ንኪጥቀመሉ እኹል ብቕዓት ዘየጥረየ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል። ወይውን ብዘይ ፈልጦ ኩነታት ተሰኒፉ ኪኸውን ይኽእል።

ወድሰብ ንህይወትን ንናብራን በዚ መንፈስዚ ተደሪኹ ክርእዮ ከሎ፡ ግድን ህይወቱ ዚዕቅበሉን ሓድጊ ገዲፉ ዚኸደሉን መገዲ ኪደሊ ይግደድ ነይሩ።

ከይቀደመኒ ኪቕድሞ እዩ ነይሩ እቲ ኣገባብ። ትም ምስ እትብል ስለ እትብላዕ፡ ወይ ክትቃለስ ወይ ከኣ ክትሃድም እዩ ዘዋጽኣካ። ነፍስኻ ንምዕቃብ፡ ሓድጊ ንምግዳፍ ኩሉ ዘዋጻኣካ ክትገብር ናይዚ ዓለምዚ ሕጊ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ወድሰብ ነቲ ናይ ምግባትን ምዕማጽን ዝንባለ ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ኣካይዳ ገይሩ ስለ ዘቐመጦ፡ ኩሉ ናይ ወድሰብ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ፡ ስጋዊ ይኹን መንፈሳዊ፡ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ተግባራትን ውጥናትን ካብዚ ናይ ምግባትን ምኽዕባትን ምዕማጽን ዓንኬልዚ ኪወጽእ ኣይክእልን። ኩሉ ኪነብር እዩ ዚቆራቖስ። ነቲ ከይነብር ዝኸልኦ ድማ ብእተፈላለየ መገድን ብልሃትን ገይሩ ካብቲ መገዲ ኪኣልዮን ከድክሞን ይፍትን።

ኣብ ላዕሊ ዘረኣናዮም ሃደንቲ፡ ናይ ወድሰብ ነባሪ ቅርጺ እዮም። እቲ ሓደ ኣብ ማሪት እቲ ሓደ ድማ ኣብ ስነመጎት ብምምርኳስ ህይወቶም ኪመርሑ ክኢሎም። ይኹንምበር፡ እቲ ኣብ ማሪት ዚኣምን ዝነበረ እኹል ዘናብሮ መግቢ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ንኺነብርን ንኺፋረን ብማለት ግድን ናይቲ ካልኣይ ሃዳናይ ኣገባብ ኣተሓሳስባ ካብ ምኽታል ከምልጥ ኣይከኣለን።

ኣብዚ ዓለም ኣንጻርቲ ንቡር ናይ ወድሰብ ኣተሓስስባ ዚኸዱ ሰባት እንተ ዘይህልዉ ነይሮም፡ ዝኾነ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ወይ ተክኖሎጂካዊ ለውጢ ኣይምተራእየን። ኣንጻር እቲ ዚውሕዝ ሓሳባት ምኻድ ማለት፡ ነቲ ዝነበረ ምፍራስ ዘይኮነስ፡ ንኣኡ ዚብድህ ሓድሽ ነገር ምትካል ማለት እዩ።

ዝኣረጉ ሓሳባትን እምነታትን ብሂላትን ነቲ ናይ ምምርማር፡ ምድህሳስ፡ ምትንታን፡ ምፍታንን ኣእምሮኣዊ ድራኸታት ስለ ዝዓጽዉዎን ዝደፍኑዎን፡ ኣብ ድሕረትን ድንቁርናን ዘለዎም ጽልዋ ኣዚዩ ዓቢ እዩ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ ባህርያት ኣብቲ ናይ ምግባትን ምዕማጽን፡ ከይቀደመኒ ክቕድሞ ዚብል ደመነፍሲ እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ እቲ ሳየንሳውን ስነሞገታውን ኣተሓሳስባውን ውዒሉ ሓዲሩስ ነቲ ናይ ወድሰብ ኣሉታዊ ባህርያት ምግልጋሉ ኣይተርፎንዩ ዚብል ርእይቶ ኪለዓል ይኽእል እዩ።

ከም ሓቂ፡ ወድሰብ ብሳየንሳዊ መገዲ እናተመርሐውን ነቲ ምህዞታቱን ርኽበታቱን ኣብ ሕማቕ ከውዕሎ ይኽእል እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ግን እቲ ምሕሳብን ምምርማርን ደው ኪብል ኣይግባእን፡ ከመይሲ ኩሉ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ወይ ፖለቲካዊ ምዕባለታት፡  ኣብ ዓሚቝ ምሕሳብን ምምርምርን ደኣምበር ኣብ ማሪትን ኣጉል እምነትን እተመርኮሰ ኣይኮነን።

ኣብ ማሪትን ኣጉል እምነትን ስምዒትን እተሞርኮስ ኩሉ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ድሕረትን ድንቍርናን እዩ ዚዕድም። ናይ ምጥርጣርን ምልዋጥን ናይ ደጋጊምካ ምምርማርን ባህርያት ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ናይ ምሕሳብን ምትንታንን ኣፍደገታት ብምዕጻው፡ ናይ በይኑ ዝኾነት ሕልማዊትን ምትሃታዊትን ዓለም ይፈጥር።

ናይ ወድሰብ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርታትን ፍትሓውነትን ማዕርነትን ተጻዋርነትን ድማ ኣብዛ እተጠቕሰት ዓለም ፈጺሙ ቦታ ኪህሉዎ ኣይክእልን።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Mesinas May 14, 2015

    “ግን እዚ ኹሉ ክብል ከለኹ፡ ምዕሩይ ናይ ቋንቋ ትግርኛ መምርሒ ስለ ዘይብልና፡ ክሳዕ ንሱ ዚጸሓፍ ጥንቅቕ ኢልና እንተ ጸሓፍና ጽቡቕ እዩ…ኣማኑኤል ሳህለ”

    ንዝሃብካኒ ምላሽ ኣዝየ የመስግነካ ክቡር መምህር። ካብ መልስኻ ተበጊሰ ኣይፋሉን ከምዚ’ባ ይሓይይሽ ወዘተ. ምበልኩ፡ እንተ ኾነ እታ ኣብ መወዳእታ ዘስፈርካያ ሕጥበ ጽሑፍ፡ ማለት (ምዕሩይ ናይ ቋንቋ ትግርኛ መምርሒ ስለ ዘይብልና፡ ክሳዕ ንሱ ዚጸሓፍ ጥንቅቕ ኢልና እንተ ጸሓፍና ጽቡቕ እዩ) ኣብዚኣ ስለ ዝረዓምኩን ስለ ዝተሰማማዕኩን ከምቲ ዝበልካዮ፡ ክሳዕ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ንበጽሕ፡ ዓቕመይ ብዝፈቕዶ መሰረት፡ ተጠንቂቐ ክጽሕፍ ወሲነ ኣለኹ። ንዝሃብካኒ መብርሂ ደጊመ የመስግነካ። የቐንየለይ። ሓው መሲናስ።

    • Simon G. May 14, 2015

      ክቡር ሓው መሲናስ፥
      ክቡር የኽብረኪ ድዩ ዝበሃል ሓቀይ? ነዚ ክቡር ሓውና ዘኽበርካዮ: ክብረት ክኾነካ:ብሽም ‘ዞም ክቡራት ኣባላት ኣሰና የኽብረካ።
      ጌጋታት ኢልካ ትኣምነሎም ጽሑፋት: ሓበሬታ ወስ ካብ ምባል ድማ ኣይትቆጠብ። ስለምንታይ? ናትካ ሕቶ: ናትና መኽሰብ ስለ ዝኾነ።

      • rezen May 14, 2015

        I wish WE could go on, and on, with these dignified commentaries whether or not we vehemently disagree on any subject matter. It is possible — if we are only conscious of our INTEREST.

        • Simon G. May 14, 2015

          Ato rezen,
          I used to have a friend who used to say “insulting someone is a sign of weakness”. You know who is good at that? HGDF. I might say, can we blame HGDF for our weakness?
          However, we are learning, by the day. You know why? We are learning from the best (that includes you!). One of the few things that I like Awate’s forum is that they tell you to start your comment with greetings. That makes a big difference.

  • rezen May 14, 2015

    PERFECT!
    You know, Simon G., who that FRIEND is? >>>ME, ME, ME !!!! Oh Lord! have mercy upon my soul for being ማይ ዘይጠዓመ ዕቡይ !!!
    I have been saying that quotation for years and years. A person, hollow of substance is like empty barrel making a big noise. I stop here because I do not wish to take-up space with my emotion.
    Thanks, Simon G.

  • nebelbal7@gmail.com May 14, 2015

    The good teacher seems to be worried about the silence of the Eritrean majority. Yes “silence” and its energy. If I understood him correctly he is worried very much that the stored energy of the “silence majority” might explode one day and take us to the old days, although the old days are not specified. Dear teacher a question to you: how would the old generation stop the incoming generation from performing his intentions? If the older generation has nothing good to offer except hidden hollows what would the incoming generation think or not think? Again, think or not think they both have equal power. One way the other it is a great article.
    Back to some written comments:
    Brother Simon G Asks the following >>

    Now, let me ask the forum, where is Belay Nega?
    Why I loved this question:-
    I believe, any an interesting written story needs an antagonist and protagonist. In brief, Without a conflict or call it a problem the story will always be boring because nothing will be happening. So please let’s have some room and patience for those who think different.

  • Harnet May 14, 2015

    Selam Amanuel,
    The point you made in regards to “Silence or Silent majority” is well understood. Silence doesn’t solve any problem, if anything it makes things worst.
    Where I strongly disagree with you is in regard to “Spirituality” as you see it as backwardness or as a crouch. I see God as strength. It is extremely difficult to measure Spirituality quantitatively as you could science, but there has been studies where sick people with belief and without belief were comparing. In this study it was found that the sick people with belief to a “Higher Power or God” healed faster than the people who don’t. There have been other studies with prayer too.
    The point is to take “Emnet” as backwardness is unfound. Let’s take Eritrea for example. In the past when people had “Fear of God” or “belief in God”, they respected their elderly, they took care of each other, they didn’t sell human being for profit etc. Now, the Gedli generation (communism) where the tegadelties were indoctrinated with “There is no God”, look at the generation they have produced.
    A generation which is willing to do anything to get a buck. A generation, which is willing to sell his brother to the Rashaida, who is willing to torture his brother in Sinai. A generation who is will to put his brother in unsafe boat to cross Mediterranean sea and doesn’t even care if he drowns.
    Now, would our father do this? The backward fathers with their backward “Emnet”. No…therefore who is the true backward…the one acting like animal?

Post a Reply to Simon G. Cancel Reply