Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓትን ደሞክራስን

ምልካዊ ስርዓትን ደሞክራስን ኣማኑኤል ሳህለ ብእግርኻ ወይ ብገለ መጎዓዝያ ክትገይሽ ከሎኻ፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ ብዙሓት ሰባት ብሓደ ዝነብሩሉ ስፍራ ምስ እትረክብ፡ እሞ ምስ ዚቕበሉኻ፡ እቲ መጀመርያን ቀንድን ድሌትካ፡ መራሒኦም መን ምዃኑ ምፍላጥ እዩ። ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ሓሪሶምን

ምልካዊ ስርዓትን ደሞክራስን

ኣማኑኤል ሳህለ

ብእግርኻ ወይ ብገለ መጎዓዝያ ክትገይሽ ከሎኻ፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ ብዙሓት ሰባት ብሓደ ዝነብሩሉ ስፍራ ምስ እትረክብ፡ እሞ ምስ ዚቕበሉኻ፡ እቲ መጀመርያን ቀንድን ድሌትካ፡ መራሒኦም መን ምዃኑ ምፍላጥ እዩ።

ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ሓሪሶምን ነጊዶምን ኪቕመጡ ኸለዉ፡ ግድን ዘመሓድሮም ኣካል ይደልዩ እዮም። ኩላቶም ኣመሓደርቲ፡ ኩላቶም ሓረስቶት ኪኾኑ ኣይክእሉን። ኩላቶም ነጋዶ ኪኾኑ ኣይክእሉን፡ ዝዕድጉ ኸኣ ኣለዉ። ኩላቶምውን ኣቕሽሽቲ ኪኾኑ ኣይክእሉን፡ ዝሳለሙ ኸኣ ኣለዉ። ወድሰብ እተፈላለየ ዓቕምታትን ዝንባሌታትን ስለ ዘለዎ፡ ገለ መራሒ ይኸውን፡ ገለ ወትሃደር ይኸውን፡ ገለ ይነግድ፡ ገሊኡ ድማ ይሓርስ፡ ገለ ዘይጠዓሞ ድማ ይሽፍትን ይኸትርን ወዘተ..

ኣብዚ ኩነታትዚ፡ ናይ ስልጣንን ሃብትን ደረጃታት (hierarchy) ኪህሉ ንቡር እዩ። ስልጣን ካብቲ መራሒ ንታሕቲ ኪወርድ ከሎ፡ ዱብ ኢሉ ዝወድቕ ኣይኮነን። በብደረጃኦም ተቓባቢሎም ንታሕቲ ዘሕልፉዎ ሰባት ኣለዉ። እዚኣቶም ነቲ ናይ መራሒ ትእዛዛት ከተግብሩ እዮም ኣብኡ ዘለዉ። ዝበዝሑ ካባታቶም ኣብቲ መራሒ ዘለዎ ቦታ ንምብጻሕ ዓቕሚ ዝሰኣኑን፡ መዓልቶም ዝጽበዩ ዘለዉን፡ ገለ ድማ ህንጥዩነት ዘይብሎምን ምስ ዝኾነ መራሒ ብሰላም ኪነብሩ ዚደልዩን እዮም። እዚ ኣቃውማዚ ባህርያዊ እዩ። ከምኡ ምስ ዚኸውን ከኣዩ ኣብቲ መሪሕነት ሰላም ዚሰፍን። ኣብዚ ኣቃውማዚ እቲ መራሒ መብዛሕትኡ ግዜ መላኺ ወይ እምባገነን እዩ።

ኣብ ናይ ገለ እንስሳታት ማሕበራዊ ናብራ ክንዕዘብ ከሎና፡ እቲ ናይቲ ጉጅለ መራሒ፡ ነቲ ስልጣኑ ምስቶም መወዳድርቱ ብዚገብሮ ብርቱዕ ደማዊ ቃልሲ እዩ ዘምጽኦ። ስልጣን ምስ ሓዘ ድማ ተቓሊስካን ኣሕሚቕካን እንተ ዘይኮይኑ ብምንም መገዲ ኣይወርደልካን። ወይ ከኣ ብሓደጋ ወይ ብእርጋን ኪመውት ኣለዎ። ኣብ ማሕበረሰብ እንስሳታት፡ ደሞክራሲ ዝብሃል ኣገባብ የልቦን። እቲ ንእንስሳታት ኣብዛ ዓለም ተኣኪቦም ብሰላም ኪነብሩ ዘኽእሎም እንኮ መገዲ፡ ምልክነት ጥራይ እዩ።

ብሓደ መገዲ ነዚውን ምርጫ እዩ እንተ በልናዮ ኣይተጋገናን። ይኹንምበር፡ ኣብዚ መስርሕዚ እቲ ሰብ ዘይኮነ ዝመርጽ ዘሎስ፡ እቲ ተፈጥሮ እዩ ዚመርጽ ዘሎ። ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ድማ፡ እቲ ዝሓየለ ይግዛእ፡ እቲ ዝሓየለ ዘርኡ ወይ ዓሌቱ የብዝሕ ወይ ይፋረ ዚብል እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣብ ክንዲ ባዕልኻ እትመርጽ፡ ንተፈጥሮ ምረጽልና ትብላ ኣሎኻ ማለት እዩ።

ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ወድሰብ ክንዕዘብ ከሎና፡ ኣብ ገለ ቦታታትን ኣጋጣምታትን እቲ ናይ እንስሳ መሰረታዊ ደመነፍሲ፡(animal instinct) ብምሕሳብን ስነመጎትን (critical thinking) ብዚፍጠር ኣገባብ ተተኪኡ ንርእዮ፡ ማለት ብምጕባጥ ወይ ብዕንትርና ዘይኮነስ፡ ብምርጫን ብሕርያን። መን ይሕሸና ብምባል።

ኣብ ሃገርና ብጥንቲ፡ መን ይሕሸና እናበልካ መራሒኻ ወይ ምስለነኻ ምምራጽ ልሙድ እዩ ነይሩ። ነቲ እትመርጾ ሰብ ቆጽሊ ተንብረሉ ማለት እዩ። ኣብዚ ኩነታትዚ እቲ ቖጽሊ ዝንበረሉ ሰብ፡ ሓላፍነት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብምስትሃል ዳርጋ ስልጣን ዝኣብየሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ።

እቲ ዘገርም ግን፡ ገለ ሰብ ወላኳ ብምርጫ ናይ መሪሕነት ስልጣን ይወሃቦ እምበር፡ ናብ ደረጃ ምልክነት ንኺሳገር ግዜ ኣይወስደሉን። ናብ መላኺ ዚልወጥ ከኣ በዚ ዚስዕብ ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል፤

  1. እቲ መራሒ ብነብሱ ዘይተኣማመን ከምኡውን ሰላም ዝሰፈኖ ምምሕዳር ንምክያድ ዘይክእል ምስ ዚኸውን፡ ሓይሊ ተጠቒሙ፡ ሰላም (ናይ መቓብር ሰላም) ከምጽእ ይደሊ።
  2. ኣብቲ ህዝቢ ናይ ድኻም ወይ ናይ ሕመቕ መንፈስ ምስ ዘስተብህል፡ ማለት እቲ ህዝቢ ናይ ተገዛእነት ባህርያት ከም ዘማዕበለ ምስ ዘረጋግጽ፡ ኣብቲ እዋንቲ ምስ ናይ ባዕዳዊ ገዛእነት ብዚመሳሰል መገዲ ሓይሊ ይጥቀም።

ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋት እተጠቕሰ፡ ወድሰብ ንኺነብር ይበላሓት እዩ፤

  1. እንተ ኽኢሉ ይቃለስ (fight)
  2. እንተ ዘይክኢሉ ይሃድም (flee)
  3. ኩነታት ርእዩ ኪመሳሰል ይፍትን (symbiosis) (ሕኸኸኒ ክሓከካ)
  4. ወይ ድማ ከም ዝሞተ ትም ይብል (play dead) (የለኹንኮ፡ ምዉት ደኣሞ እንታይ ክገብረልካ ኾይነ፡ ማለት እዩ)

እቶም ነቲ መላኺ ዘምልኹዎ ሰባት፡ ኣብ ቍጽሪ 2,3 እዮም ዚኣትዉ። ኣብ መብዛሕትኡ ናይ እምባገነናዊ ስርዓት፡ ኣብ ቍጽሪ 4 ምእታው ክልኩል እዩ።

ወድሰብ ግን ብኸመይ መገዲ እዩ ካብቲ ብሓይሊ ዝቐውም ምልክነት ናብቲ ብምርጫ ዚካየድ ሹምኣሕዋትነት ኪሰጋገር ዝኸኣለ? ንምዃኑ ፈጺሙ ተሳጊሩ ድዩኸ?

ኣብ ኣመሪካ ወይ ኣብ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ከምኡውን ኣብ ገለ ናይ ኣፍሪቃን እስያን ሃገራት፡ መራሕቲ ንምምራጽ ዚግበር ናይ ሰልፍታት ምስታፍን ሓሳባትካ ብናጻ ምግላጽን፡ ምስቲ ናይ ገሊአን ሃገራት ዚካየድ ናይ ምልክነት ጭቆናን ጸቕጥን ምፍርራህን ኣገባብ ኪወዳደር ከሎ ኣዝዩ ይገርመካ። ይኹንምበር፡ እቲ ምትላልስ ኣብ ኩሉ እዩ ዘሎ።

ኣብተን ምርጫ ዘካየዳ ሃገራትውን እቲ እንስሳዊ ናይ ምጕባጥን ምዕብላልን ምግባትን ባህርያት ብእተፈላለየ መገዲ ይገሃድ እዩ። ኩሉ ኪዕብልል ክደሊ ኸሎ፡ እቲ ሓደ ነቲ እንስሳዊ ባህርያቱ ከይሓብአ፡ እቲ ካልእ ድማ ነቲ እንሳዊ ባህርያቱ ብምቕያድን ኣእምሮኡ ብምዝውታርን፡ ይገብሮ። ናይ ክልቲኣቶም ዕላማ፡ ነቲ ስልጣኖም ቀጻልነት ንምልባስ እዩ። ኣብቲ ሓደ ደም ይፈስስ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓንጎል ኪፈስስ (ኪሓስብ) ይውዕል። ደሞክራስያውያ ሃገራት ሓያል ሓንጎል ብምዝውታር፡ ነቲ ብኸንቱ ዝክዖ ደም ይዕቅባኦ። ደሞክራሲ ዘይብለን ሃገራት ግን፡ ደም ብምፍሳስ ስልጣነን ኪዕቅባ ይደልያ ማለት እዩ።

ኣብተን ንህዝቢ ዘይሓሊ እምባገነናዊ ስርዓት ዝሰፈነን ሃገራትን ኣብተን ንህዝቢ ዝሓሊ ስርዓት ዘለወን ሃገራትን ኩሉ ግዜ ነቲ ስርዓት ወይ ነቲ ፓርቲ ዝድግፉ ሰዓብቲ ኣለዉ። ይኹንምበር ናይቲ ቀዳማይ ስርዓት ሰዓብቲ፡ ኣብቲ ዝፈስስ ደም ኢድ ስለ ዚህልዎምን ነቲ ጭቆና ንኺቕጽል ደገፍ ብምዃኖምን ካብቶም ዘምልኹዎም ኣምባገነናት ፈሊኻ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። እቶም ናይቲ ካልኣይ ስርዓት ሰዓብቲ ግን፡ ሓድሓደ ጉድለታት እናረኣዩ ትም ዚብሉኳ እንተ ኾኑ፡ እቲ ሰልፍታቶም ኣብ እተወሰነ ዓመታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚቐርብ ስለ ዝኾነ፡ ብተዛማዲ መገድስ ካብቶም ቀዳሞት ኣዝዮም ዝሓሹ እዮም።

ደሞክራሲ ቅድሚ ብቕዋማትን ትካላትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ምምሕዳር ህዝቢ ተራ ምጽዋቱ፡ ከም ባህሊ እዩ ሃለዋቱ ዘርእይ። ኣብ ገሊኡ ህዝቢ ናይ ሓሳባትካ ምግላጽን፡ ናይ ሰብ ክብሪ ምሕላውን ከም ግሩም ባህሊ ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኪመሓላለፍ ከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ህዝቢ ግን ናይ ምፍርራህን ምጭቋንን ባህሊ ገኒኑ ይረአ። እዚ ግን ካብ ባዶ ተላዒሉ ዝመጸ ወይ ኣብቲ ናይቲ ሰብ ደም ከም ፕሮግራም ዝተመልአ ዘይኮነስ፡ በቲ ናይቲ ህዝቢ ታሪኽን፡ ጀዮግራፍያዊ ኣቀማምጣን፡ ክሊማን፡ ምስ ጎረቤቱ ዘለዎ ዝምድናን፡ ቁጠባዊ ደረጃኡን ሃይማኖቱን እምነቱን እተጸልወ እዩ።

በዝን ክንድዝን ድማ፡ ገሊኡ ንደሞክራስያዊ ኣካይዳ ቀልጢፉ ኪቕበሎ ኸሎ፡ ገሊኡ ግን ደሞክራስያዊ ምሕደራ ምስቲ ባህሉን ታሪኹን እምነቱን ንኺቃዶ ግዜ ስለ ዚወስደሉ፡ ንምቕባሉ ይድንጒ።

ይኹንምበር፡ ወድሰብ ደሞክራሲ እንተ ኣዘውተረውን ኣብ ውሽጢ ክልሉ ወይ ሃገሩ ደኣምበር ኣብቲ ምስ ካልኦት ሃገራት ዚግብሮ ርክብስ ገና ኣብቲ ናይ እንስሳዊ ናይ ምጕባጥን ምግባትን ምዕብላልን ደረጃ እዩ ዘሎ።

ከም ኣብነት ኣመሪካ ክንጠቅስ ንኽእል። ኣመሪካ ሽሕኳ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ተዛማዲ ደሞክራሲ ትጥቀም እንተ ኾነት፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘሎዋ ርክብ ግን ኣብ ደሞክራሲ እተመስረተ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ፡ ኣብ ምዕብላልን ምግባትን እተመርኮሰ እዩ። ንሳ፡ ንሃገራት ዓለም መሰለን ክንዲ ትሕልወለን፡ ኣነ እየ ፖሊስ ናይዛ ዓለም፡ ንዓይ ስምዑኒ ካብ ምባልን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ጣልቃ እናኣተወት ሰብ ካብ ምህዋኽን ኣየዕረፈትን።

ስለዚ፡ ደሞክራሲ ብዓለም ደረጃ ንኺካየድ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ማዕርነትን ምክብባርን ቀንዲ ረቛሒ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ግን ገለ ሃገራት ግሎባዊ ወይ ዓውለማዊ ፖላይስ ኮይነን ምልካዊ ስርዓተ-ዓለም ከቝማ ስለ ዝደልያ፡ ኣብ ዓለምና ዓውለማዊ ኣምባገነንነት ወይ ምልክነት ንኺመጽእ ዘሎ ዕድል ኣዚዩ ዓቢ እዩ።

ብኸምዚ ኪረኣይ ከሎ ድማ እቲ ናብ ምልክነት ወይ እምባገነንነት ዚመርሕ ናይ ወድሰብ ደመነፍሳዊ (instinctive) ባህርያት ገና ኪቕጽል ከም ዝኾነ ኪበርሃልና ይኽእል።

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Medhin.G June 7, 2015

    Highly respected and admired brother Amanuel, you are simply one in a million. You are truly top gifted writer and it is always a pleasure and honour to read your articles. Please continue to enlighten and educate us with your tremendous knowledge and wisdom. God bless you with lots of happiness and health my kubur haw and please keep it up. Thank you.

  • nebelbal7@gmail.com June 7, 2015

    ብሓንቲ ቃል “ይበል” ኢለካ ‘ዃ ክሕለፍ ዝክእል እንተነበርኩ ፡ ንስለ ሕልና ግን ፡– “ሕጂ ከኣ ጥዑም” “ሕጂ ከኣ ጥዑም” ኢለ ክደሀ መሪጸ ። ኹሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ቐለም ስንቒ ኣእምሮ እዩ። ኣእምርኡ ዝሰፍሐ ኣዛዊሩ ክሓስብ ይድግፎ። ነዚ ምርዅስ ብምግባር ከኣ እዮም ይመስለኒ ነዛ እትስዕብ ባህላዊት ደርፊ ዝደረፉ
    ኣዛውሮ .. ኣዛውሮ
    ኣዛውሮ
    ኣዛውሮ ዝሃቦስ የናብሮ
    ሰብ ካብ እንስሳ ዝፈልዮ ኣዛውሩ ብምሕሳብ እዩ ። እንተዘይ ኾይኑ ፍልልዩ ቀርንን ጭራን ኮይኑ’ዩ ዝተርፍ።
    ብዙሕ ከይከድኹ ብፍላይ ነዛ እትስዕብ ሓሳብካ ፈትየያ።
    ………………“ይኹንምበር ናይቲ ቀዳማይ ስርዓት ሰዓብቲ፡ ኣብቲ ዝፈስስ ደም ኢድ ስለ ዚህልዎምን ነቲ ጭቆና ንኺቕጽል ደገፍ ብምዃኖምን ካብቶም ዘምልኹዎም ኣምባገነናት ፈሊኻ ዝረኣዩ ኣይኮኑን”
    ነዚ እንታይ ይወጾ?
    ሰናይ ቅነ

  • Hailemariam Tesfai June 8, 2015

    ሰላም ሓው ኣማንኤል እዚ ትምህርታዊ ዓምድ’ዚ ንህዝቢ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ብመሰረቱ ዋላኳ ኣብ ሃገርና ቆጽሊ ኣውዲቕካ ትመርጾ ጭቃን፣ ምስሌነን፣ ሱልጣንን፡ ርእሲ ልጅናን ይሃልዉና እምበር፣ ድሕሪ ገለ እዋናት ዳርጋ ናብ ደቆምን፣ ደቂ ደቆም ዝሓልፍ ጭቅነት ይኸውን እሞ፣ ዋላ ክንድብኡ ለባምን መስተውዓልን ዘይክነሱ እንከሎ፣ ናይ ኣቦኡ እዩ እናተባህለ ካብኡ ዝበልሕ ኣብቲ ዓዲ ተፈጢሩ እንከሎ ኣብ ናይ ስልጣን ምስሕሓብ ይኣትዉ። ነዚ ምትፍናን’ዚ ብኣጋ ንምእላይ ዝኸኣለ ለባም ምስለነ፣ ነታ ሓላፍነት ተመቒሉ ክኸይድ ተዘይመሪጹ ከኣ ሽፍትነት ይስዕብ። ሸፊቱ ወዲ እከላ ተባሂሉ ሰባት እናወሰኸ ከኣ ይሕይል። ድሕሪኡ ደጊም እምበኣር ሕተትዎ እንታይ እዩ ዝደሊ ዘሎ ተባሂሉ ድማ፣ ግብረመልሱ ወይ ሰራዊትካ ኣኽቲትካ ኣብ ምጥፍኡ ትኸይድ። ወይ ደማ እቲ በል ደሓን ብሓባር ነመሓድር፣ ክትሕጕስ እውን ጓለይ ሂበካ ኣለኹ ተባሂሉ ስልጣን ኣብ መንጎ ናትካ ዳይነስቲ/መስፍንነት ከም ዝተርፍ ትገብር። ወይ ድማ ከምቲ ከሉ ግዜ ንስምዖ ናይ ሃዘጋ ጸዓዘጋ ኵናት ክሳብ ኣሰሩ ሕጂ ዘይጠፍኤ ምትፍናናትን ውግእን የስዕብ።
    ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ ናይ ሓባር ማሕበራውን ፖለቲካውን ውዕል(ኮንትራክት) ዘይምስናድ እዩ። ስለዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ጎዲሉ ዘሎ ብሓባር እንመሓደረሉ፣ ፈቲና ረዲና ዝተቐበልናዮ ሰነድ ምምሕዳር/ቅዋም ስለ ዘይብልና እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ስልጣን ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ኣየኖት ኣካላት ሕብረተሰባት ይመቓራሕ፡ ኤርትራ ብምሕደራ ኣብ ክንደይ ቦታታት ትምቀል ድሕሪ ምውሳንና፣ ብብዝሒ ተቐማጦ ዝግብኦም ምዕሩይ ምቅሊት ከኣ ብናይ ሓባር ምርድዳእ ይስላዕ። መወከሲ ናይ ምሕደራ ሰነድ ክሳብ ዘይሃለወና ከኣ ዝመጸ ተመጸ ስልጣን ብዓመጽ ክንወራረስ እምበር ብፍቶት ከነሰጋግር ኢልካ ዝሕለም ኣይኮነን። እዚ ሲቪካዊ ትምህርቲ እዚ ከኣ ካብ ህጻናትና ጀሚርና ኣምሂርና ኮስኵና ከነዕብየሉ ዘሎና ስሩዕ ካሪኩሉም ከኣ ክንፈጥር ዘለና ይመስለኒ። ተዘኮይኑ ሕጂውን ወይ ከሊሶም ዝሃቡና ሰነድ ዳይናስታዊ ምምሕዳር ወይ ድማ ብሓይሊ ዓዅሊሎም ዘኾሎሱናና ካልእ ሰነድ ውሒጥና ክንከይድ ክንግደድ ኣይግባእን።

    ሃይለማርያም ተ. ተስፋይ

POST A COMMENT