Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነትን ብድሆን ኤርትራ – ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

 ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነትን ብድሆን ኤርትራ “ሞሳ ስውኣትና ብምኽፋል ድሕነት ሃገርን ሓርነት ህዝብናን መጻኢ ወለዶታትናን ክነውሕስ መብጸዓና ነሐድስ” ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!  ብርግጽ ደም ካብ ረሃጽ ይሓፍስን ይረዝንን እዩ። ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን

 ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነትን ብድሆን ኤርትራ

ሞሳ ስውኣትና ብምኽፋል ድሕነት ሃገርን ሓርነት ህዝብናን መጻኢ ወለዶታትናን ክነውሕስ መብጸዓና ነሐድስ”

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ!  ብርግጽ ደም ካብ ረሃጽ ይሓፍስን ይረዝንን እዩ። ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ንምርግጋጽ፣ ኣብ ነዊሕን መሪርን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ መስዋእትን ስንክልናን፣ ምእንቲ ሓርነት ህዝቢ ንሞት ከም መርዓ፣ ንስንክልና ከም ስልማት፣ ንኸርተት ገድሊ ከም ተመኩሮ ተወሲዱ፣ በብእብረ ብሓያላን ሃገራት ዝምወል ዓርሞሸሻዊ ወታሃደራዊ ሓይሊ ስዒሩ – ምድራዊ ሃገራዊ ነጻነት ካብ ዝረጋገጽ እነሆ 27 ዓመታት ሓሊፉ።  ምድራዊ ነጻነት ናብ ህዝባዊ ልዑላውነትን ሓርነትን ኣብ ክንዲ ዝሰጋገር – ናብ ምልካዊ መግዛእታዊ ባርነት ብምእታው፣ መሰረታዊ ሽቶ ሰውራና ዝኾነ ሓርነት ህዝብን ዝተኸፍለሉ ሰፍ ዝይብል መስዋእትን ተጠሊሙ። ከም ውጽኢቱ፣ ጸልማት ምልካዊ መግዛእትን ዕምጠራን፣ ንህዝብን ሃገርን ረሚሱ ይድህኽ ኣሎ።  እቲ ንሓምሳ ዓመታት ፖለቲካዊ ቃልሲ ንሰላሳ ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣካይዱ ዝተዓወተ ህዝቢ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምልካዊ ጭቆና ተቖሪኑ።

ከም’ቲ ሰለስተ ኣባታት ካብ አስመራ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኣብ 2007 ዓ.ም. ናብ ሬድዮ መሰልና ደሊና ዝላኣኽዎ መልእኽቲ – መራሕቲ ረሳዕቲ ኾይኖሙና ኻዕበት ወሲዶም ቑንጣሮ ኸሊኦሙናጉድ ረኺብና ዝበልዎ፣ ብጉልባብ መሪሕነት ስውራ ተኸዊሎም ዝኣተው መራሕቲ ኢና በሃልቲ፣ ንስውራዊ መኽሰባትናን ህዝባዊን ሃገራዊን ጸጋታትናን ገቢቶም ናብ ናይ ብርሰትን ምብትታንን ሓደጋ ኣሳጢሖምና።  ምድራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ን27 ዓመታት ብኢድ ውሑዳት ጠላማት ተጭወዩ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምልካዊ መግዛእቲ ብምእታዉ፣ ብመንጽር እቲ ነጻነትን ልዑላውነትን ዝኸፈቶ ዕድላትን ተስፋታትን ዝነበሩን ዘለውን ብድሆታትን ብብቕዓት  ብምርዳእ   ብኣድማዒ ስሙር ቃልሲ ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ክንብገስ 24 ግንቦት ትጽውዓና ኣላ።

እቶም ዘይተዛዘሙ ዕማማት ሓርነትን ፍትሕን ህዝባዊ ልዑላውነትን ክሳብ ዘይተረጋገጹ፣ ነጻነትን ልዑላውነትን ትርጉምን ትሕዝቶን ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ናይ ባርነትን ብርሰትን ህልቀትን ጉልባብ ከይከውን ብኣንክሮ ክንፈልጦን ከም ዜጋታት ዘሰክመና ብድሆን ክንገጥም እዛ ክብርቲ ዕለት ትጽውዓና ኣላ።

ከመይሲ፣ እቲ መሪርን ነዊሕን ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ፣ ብሓርፋፍ ገምጋም፣ 10% ናይ’ቲ ኣፍራይ ሓይሊ መንእሰይ ህይወት ዝተኸፍለሉ ብምዃኑ። ንኤርትራ ዳግም ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ክመልስ ዝኽእል ኩነታት ኣብ ሓሳቡ ኣይነበረን። ኮይኑ ግን ድሕሪ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ናይ ነጻነት ዓመታት ዳግም ኣብ ጎንጽን ኩናትን ወተሃደራዊ ግዱድ ዕስክርናን ከም ዝጽመድ ተጌሩ።

እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ ማዕረ ኽንደይ ኣብ ህዝብና፣ ቁጠባና፣ ማሕበራዊን ባህላዊን ሂውትና ከምኡ እውን ኣብ ቀጻልነትናን መጻኢናን ፓለቲካዊ ጉዳይና ሃስዩና ኣሎ።  ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ቤተሰብ ከምዝተተንከፍና፣ ኣብ ሓዘን፣ ጓሂ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፓላታካዊ ቁልውላው ከምዘውደቐና፣ ስምብራት ገዲፉልና ምሕዋዩ ስኢናሉ ዘለና ኩነታት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንኹሉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ተቐቢልና ክንስደድ፣ ክንጭነቕ፣ ክንሓምም፣ ክንጉሂ፣ ሓንጎልና ክጻወሮ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ኣእትዩና ኣሎ። ከም ህዝቢ ክብርታትና፣ ባህልና ከነጥፍእ ተገዲድናሉ ዘለና ጉዳይ እዩ።  ብስም ሃገር” ሃገራዊን ህዝባውን ረብሓ ዘይብሉ ሓንሳእ “መኸተ፣ ማእቶት፣ ብድሆ ወ..ተ ዝተጠመቐ ወፍርታትን ግዱድ ዕስክርናን ኣገልግሎትን ንመላእ ሕብረትሰብ ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ኣደራርዕ  ካብ ኣእሙሮ ወዲ ሰብ ንላዕሊ እዩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮሚሽን ዝሰነዶ – ህዝቢ ኤርትራ ብሕጊ ዘይኮነ፣ ብራዕዲ እዩ ዝማሓደር ኢሉ ጸብጻቡ ሂቡ’ሎ ። ብርግጽ ድማ ሓቂ ኢልና ዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካይድናሉ። ድሕሪኡ ግን ነናብ ቤትና ተመሊስና፣ ኣብ ሃንቸመንቺ ኣቲና። እሞ ደኣ ኣበይ እዩ እቲ ጸገም? ብመን እዩ ጉዳይና መፍትሒ ክረክብ?

  • በቶም ሓዳሮም/ስርሖም/ትምህርቶም ገዲፎም ህይወቶም ከይበቐቑ ናብ ሜዳ ዝወረዱን ብረት ኣልዒሎም ናጽነት ዘውሓሱን ተጋደልቲ? ወይስ
  • እቶም ሕጊ ዝሰፈና ንነባሪት ሃገር ክትህልወና መሪቖም ደቆም ንበረኻ ዘፋነው ኣብ እርጋኖም ዘለው ወለዲ? ወይስ
  • እቶም ሕድሪ ስውኣት ኣቦታቶምን ኣያታቶምን ተቐቢሎም ሃገር ከይትውረር ዝተኸላኸሉ ኣብ ዱሮ ናጽነት ህጻናት ዝነበሩ ናይ ሎሚ መንእሰያት? መን እዩ እቲ ኣጽቂጡ ዘሎ? መን እዩ እቲ በደለኛ?

 

ቁንጣሮ ናይ ትማሊ ተጋደልቲ ናይ ሎሚ ሰብ ጽሩራ/ጀነራላትን ናይ ህግደፍ ሓለፍትን፣ መብጽዖኦም ጠሊሞም ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሖም ይርከቡ።  ናይ መዋእል መቓልስቶም ጠሊሞም፡ ብጸቶም ከም ልኡም በጊዕ ተተጎሲሶም ክሕየሩ ስቅ ኢሎም ተዓዚቦም።  ህዝቢ ብወገኑ፣ ፍትሒ እንዳቦኸረ፣ ዕምባባ ደቁ ከም ኣራዊት እናተሃድኑ፣ ክግፈፉን፣ ክእሰሩን፣ ክስወሩን፣ ክቕተሉን እናረአየ፣ ዜግነታዊ ሓርነቱን መሰላቱን እናተገፈፈ፣ ንብረቱን፣ መሬቱን ትሕዝትኡን ኣናተመንዘዐ፣ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛን፣ ብፍርሒ ተዋሒጡ፡ ስቕ መሪጹ።  ነድሩን ጓሂኡን ሕርቃኑን ናብ ውሽጡ እናወሓጠ ኣብ ክቱር ጭንቀትን መሪር ቃንዛን ይነብር ኣሎ።   

ብርግጽ ቃል እምነት ከቢድ ዕዳ ምዃኑ ረሲዖም እቶም መብጻዓ ዝኣተዉ ከቢድ ለቓሕ ዝተሰከሙ ብስውኣት ዝምሕሉ – ደም-ስውእ፣ ደም ድማ ካብ ርሃጽን ማይን ይሓፍስ ። እቶም ውሑዳት ኣብ ህዝቢ ዘይባረኾ ስልጣናት ተወጢሖም፡ ንወላዲት ከምዘይወለደት ንኣውያትን ብኽያትን ኣዴታትና ጸማም እዝኒ ብምሃብ መሰል ዜጋታት መንጢልካ መብጸዓ ብምጥላም ንናጽነት ብመግዛእቲ ብምቕያር ንህዝቦም ረጊጾም ከይዛረብ ኣፉ ዓቢሶም ከይስጉም እግሩ ኣሲሮም ፣ ኣብታ ትማሊ ኣያታቱን ኣሕዋቱን ዝኸፈለላ ሃገሩ ከም ትምኒቱ ሰሪሑን ርሂጹን ከፍርየላ ዝነበሮ  ተስፋን ትምኒንትን በኒኑ። እቲ ትማሊ ኣብኡ/ኣዲኡ ዝኸፈለን ዝዘኽተመን ወዲ ስውእ፣ ዋጋ መስዋእቲ ወለዱ  ራህዋ፡ ቅሳነት፡ ሰላም ኣብ ክንዲ  ዝወርስ፣ እንደገና ክስዋእ – መስዋእቲ ከምርስቲ ካብ ወላዲኡ ክወርስ – ክፍረዶ ክትርኢ  ዓገብ ዶ! ኣይኮነን። ሎሚ ኤርትራ ልዕሊ 300 ቤትማእሰርቲ ዘለዎ ሃገር ፣ ሓንቲ ዪኒቨርስቲ ተዓጽያ ዓዊራ፣ ሃገር ብሃገሩ ቤት-ማሕቡስ ተቐይሩ እንዳሃለወ ስለምንታይ ትም-ሕትም-ስቕ መሪጽና?

ስም ተጋዳላይ ክቡር እዩ።  ተጋዳላይ ድማ ምእንቲ ነጻነት ሃገር  ናይ ዝተጋደለ – ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ መጸውዒ እምበር፣ ናይ ፍሉያት መለለዪ ኣይኮነን። ስም ተጋዳላይ ክለዓል ከሎ ኣብ ኣእዛንና ዝድወል ቃና – ሰላም፡ ፍትሒ፡ ናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ ጅግንነት፡ ፍቕሪ፣ ተወፋይነት፣ ለውሃት፣ እዩ ዘቃልሕ። እንተኾነ ግን ሎሚ ፣ ብሰንኪ እቲ ዝበዝሕ ክፋል ህዝብና ዶንግዩ ዝፈለጦ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን እቶም እንተስ ብፍርሒ እንተስ ብረብሓ ናይ እከይ ደቂ መዛሙርቱ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይዚ ኣረሜናዊ ርዓት ህግደፍ፡ ሽሞምን ማዕርጎምን እንክጥቀስ ፣ ኣብ ኣእዛና ዝድውል ድምጺ ግን፣ ኣብ ክንዲ ሓርነት ባርነት፣ ኣብ ክንዲ ሰላም ኵናት፣ ኣብ ክንዲ ትብዓት ፍርሒ፣ ኣብ ክንዲ ምህናጽ ምዕናው፣ ኣብ ክንዲ ሰብኣዊነት ኣረመኔነት ፣ ኣብ ክንዲ ድንጋጸ ጭካኔ፣ ኣብ ክንዲ ፍትሕን ልዕልና- ሕጊን፣ ዓመጽን ምጉዕጻጽን ኣብ ኣእዛና እንዳኣቃለሐ ጉድ ረኺብና። እዞም ውሑዳት ሕልና ኣልቦ ጸረ ህዝቢ ግን ንህዝቢን ቃልስን ኤርትራ ዝለዘይውክሉ፡ ነቲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳተፎ ቃልሲ ዘይስሙ ምሃብ ወይ ነቲ ማንም ዘይክሕዶ ምድራዊ ናጽነት ከምዘየለ ምቑጻር፡ ነቲ ንምሉእ ሓርነት ዝግበር ቃልሲ ሓጋዚ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ምልጋስ ናይቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ቀዳምነት ሰሪዑ በብዝኣምነሉ መንገዲ ዝነጥፍ ዘሎ በዓል ሕልና ተቓላሳይ ንፍትሒ ኤርትራዊ ዘዳኽምን ተስፋ ዘቑርጽን ስለዝኾነ፡ እቶም ንዝነኦም ኢሎም ናብ ተግባር ክልወጥ ዘይክእል ዘይሓላፍነታዊን ስምዒታውን ስነሓሳባት ዝነዝሑ ሒደት ሃውተትቲ በዚ ኣጋጣሚ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ናይ ዝገብሩዎ ዘለዉ ዘርጊ ስራሓት ተሓተትቲ ምዃኖም ከነዘኻኽሮም ንፈቱ።

 

ኦ!! ተባዕ ህዝቢ ኤርትራ! ንመዋእል – ንሓምሳ ዓመት – ተቓሊስካ መሬታዊ ነጻነትካ ብመስዋእትኻ ዝጨበጥካ ጅግና ህዝቢ ኢኻ።   እዚ ዳጉኑ ሒዙካ ዘሎ ስርዓት ዳግም ናብ መግዛእቲ ደቕዲቑካ’ሎ።  ከይትዛረብን ብኽፉት ባይቶኻ ዘቲኻ ዓድኻን ሃገርካን ከይተመሓድር ቆሪኑካ።  ባዕልኻ ቆጽሊ ከየውደቕካሉ፣ ካብ ክቱር እምነትን ግርህናን ከም ኣበር ዘይብሉ ነቢይ ከም ሓጥያት ዘይብሉ ጻድቕ ወሲድካዮ።  እምነትካን ግርህነትካን መዝሚዙ፣ ኣብ ዳግማይ ጸልማት መግዛእቲን ዘይውዳእ ባርነትን ሸሚሙ፣ ዝወለድካዮምን ጨቖቕ ኢልካ ዘዕበኻዮምን ገና ብንኡሳቶም ክምንጥለካን፣ ኩሉ ጸጋታትካ ገቢቱ፣ ተጸባይ ትኳቦኡ ክትከውን ኣብ ድኽነትን መከራን ክትነብር እናኣገደደካ፣ ክሳብ መዓስ ኢኻ ክትጽመሞ? ከርተት ቀዳሞት መወዳእታ ዘይብሉ ስቓይ ዳሕረዎት – ስጊንጥር ተካል ዘመን ኮይኑ።

ብቑዕ መሪሕነት ካብ ህዝቢ ብህዝቢ እዩ ዝውለድ።  እወ ከምቲ ጅግና/ሓርበኛ ብትወደድ ኣብርሃ ዝበሎ፣ ብቕዓት መራሕቲ ዝዕቀን ብክንደይ ኣሲሩ/ቀቲሉ ዘይኮነ፣ ብክንደይ ሚሑሩ” እዩ።  ደቡብ ኣፍሪቃ ሳላ ቅኑዕ ስጉምቲ ማንዴላ፡ ፪፯ ዓመታት ዘጋፍዕዎን ዝኣሰርዎን ጻላእቱ ዝነበሩ፣ ስለ ፍትሒ፡ ስለ ምዕባለ ስለ ሓድነት፡ ስለ ሰላም፡ ይቕረ ኢሉሎም (peace and reconciliation) ኣዊጁ። እነሆ ደቡብ ኣፍሪቃ ጸሊምን ጻዕዳን ብሰላም ተኸባቢሮም ዝነብሩላ ኣብነታዊት ሃገር ኮይና።

ዎ!! ህዝቢ ኤርትራ! ትማሊ ታሪኽ እያ፡ ሎሚ ድማ ህያብ፡ ጽባሕ ድማ ተስፋ እያ። ኣብ 1993 ኣድማ ተጋደልቲ፣ ናይ 1994 ናይ ውጉኣት ሓርነት ጠለብ፣ ናይ ብምሁራት ናብ ኢሰያስ ዝተጻሕፈ (ብበርሊን ማኒፈስቶ ዝፍለጥ) መልእኽቲ፣ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲን መራሕትን ህዝባዊ ግምባር (ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ)፣ ብስርሒት ወዲ ዓሊ ዝፍለጥ ናይ 2013 ናይ ሰራዊት ናዕቢ ፣ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገር ጠሊቦም።  ዳርጋ ኩሎም እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበሩ፣ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገር ዝጠለቡ ይኹን ዓው ኢሎም ድምጾም ዘስምዑ፣ ብኡንብኡ ስጉምቲ ናይ ቅትለትን ከምኡ እውን ማእሰርቲን ምስዋርን ተጋደልትን፣ ላዕለዎት ሓለፍትን፣ ጋዜጠኛታትን ድማ ኣጋጢሞዎም።  እዞም ምእንቲ ሓርነትን  ኢህን ምህንን፡ ምጽውዋርን ሕድገትን ዝተወፈዩ ጀጋኑ፣ መልእኽቶም ንማእሰርቲ ምስኦም ኣይወረደን። ዓቢ ህያብ ንዘልኣለም ዘይጠፍእ ህያብ ሂቦሙና፡ ድምጺ ዲሞክራሲ ኣርሕዮም ተሓይሮም፡ ተሰዊሮም፡ ተቐቲሎም። ኤርትራ ቅዋማዊ ዲሞክራሳይዊ ስርዓት ክህልዋ መሰረት ኣንጺፎም ኣብ ጸላም ሰፊሮም፡ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነታት ይበልዩን ይስውኡን ኣለው።

ዓምጣሪ ምልካዊ ስርዓት፣ ኣብ ክቡር እምነታትን ስርዓተ ምምሕዳሮምን ኢዱ ብምእታው፣ ንሃይማኖታዊ ትካላት ክቆጻጸርን መራሕቶም ይኣስርን የከላብትን ኣሎ።  ናይ እመነት ሓርነት፣ ሓደ ካብቲ ዘይትንከፍ ሓርነት ክነሱ፣ ዓምጣሪ ምልካዊ ስርዓት፣ ብዘይካ ውሱናት ሃይማኖታታ፣ ንኻልኦት ኣጊዱዎ።  እቶም ውሱናት ተፈቒዱሎም ዝብሃሉ እውን፣ ብነጻ፣ ሃይማኖታዊ ጉዳያቶም ከመሓድሩን ከመርሑን ኣየፍቅድን እዩ። ብጹእ ዎቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፣ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ከምኡ እውን ብዙሓት መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፣ ኣብ ኮንተይነራት ተዳጒኖም ይሳቕዩን ይሞቱን ኣለዉ። ክቡር ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሐመድኑርን ካልኦት ብዙሓት ናይ ሕልና እሱራትን ኣብ ማእሰርቲ ሂወቶም ይሓልፍ እሎ።

ስለዝኾነ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተባታተኑ ኤርትራውያን ኣብ ሃገርና ኣወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ነጢፎም ካብ ምስታፍ ዓጊቱዎም  ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ንመላእ ዜጋታት ተቓልሰቲ ንፍትሒ  ወኪሉ ንጥፈታትና ዘወሃህድን፡ ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ዝመርሕን ናይ ህዝባዊ ትካላትን ብድሞክራሲያዊ ኣጋባብ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነትን ብዘይምህላው ኢዩ።

ስለዝኾነ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ በታ ኣብ ሃገርና ውርሻና ዝኾነት እንፈልጣ ባይቶ ዓዲ –  ሰረተ እምነት ብምግባር፣ ኣብ ነንነብረሉ ከተማታታን/ኣከባቢታትን ህዝባዊ ትካላትና ብምትካል፣ ንኹልና ዝጥርንፍን ዘስምርን ዓለመለኻዊ ህዝባዊ ባይቶ ብምቛም፣ መዝነትን ሕጋዊ ቅቡልነትን ዘለዎ መሪሕነት/ፈጻሚ ኣካል ክህልወና ይግባእ።  እዚ ተሓታትነቱ ንህዝቢ ዝኾነ መሪሕነት ንኹሉ ናይ ደላይ ፍትሒ ዓቕምታት ኣወሃሂዱን ኣስሚሩን፣ ምስ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣካላት ብምትሕብባር፣ ኣብ ኤርትራ ቅልጡፍ ኣድማዒ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምዕዋት ይሰርሕ።

ቁንጣሮ መሪሕነት ስውራ ነበር ሕድሪ ስውኣት ጠሊሞም፣ ን27 ዓመታት ዳግም ኣብ ጸልማት ምልካዊ መግዛእቲ ቆሪኖምና እነሆ። ብኣጋጣሚ እዚ ክቡር ዕለት 24 ግንቦት፣ ኣብ ቅድሚ ደለይትን ተቓለስትን ንፍትሒ ተገቲሩ ዘሎ ዝለዓለ ብድሆ – ነዚ ገጢሙና ዘሎ ምልካዊ ባርነት ንምግጣምን ንምስዓርን እቲ ዝሰለጠን፣ ዝያዳ ኣድማዕን ዝኾነ ኣገባብን መንገድን ምርካብ እዩ። ብመንገዲ ህዝባዊ ትካላት ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ዝቖመን፣ ተሓታትነቱ ንህዝቢ ዝኾነ ብድምጽና ብግሉጽ መንገዲ ዝመረጽናዮ ወኪልን መሪሕነትን ምፍጣር፣ ውዓል ሕደር ዘይድልዮ – ህጹጽ ጠለብ ናይ እዚ ፈታኒ መድረኽ እዩ።

እዚ መልእኽቲ’ዚ ብድምጺ ኣብ መርበብ ዓለምለኻዊ ተበግሶ (GI’s Website): www.erigiegm.com

Email: gieegm@googlegroups.com

 

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

 

 

ጋንታ ሜድያን መጽናዕትን

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን

24 – ጉንበት – 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT