Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

24 ግንቦት፡ ኤርትራ ብጓይላ፤ ኢትዮጵያ ብምርጫ

ክቡራት ኣንበብቲ ገለ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን በዚ ኣርእስቲ፣ዚ ሓደ ጽሑፍ ኣብ ኢንተርነት ኣውጺኤ ነይረ። ሕጂ’ውን እቲ ኩነታት ስለ ዘይተቐየረ እንተ ደገምኩዎ ሕማቕ ኣይመስለንን። ሓደ ሕብረተ-ሰብ ናይ ሓደ ሃገር ሓደ ሰውራ ከካይድ’ከሎ፡ ዓላማኡ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ሓደ

ክቡራት ኣንበብቲ ገለ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን በዚ ኣርእስቲ፣ዚ ሓደ ጽሑፍ ኣብ ኢንተርነት ኣውጺኤ ነይረ። ሕጂ’ውን እቲ ኩነታት ስለ ዘይተቐየረ እንተ ደገምኩዎ ሕማቕ ኣይመስለንን።

ሓደ ሕብረተ-ሰብ ናይ ሓደ ሃገር ሓደ ሰውራ ከካይድ’ከሎ፡ ዓላማኡ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ሓደ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኢዩ። እዚ መሰረታዊ ለውጢ’ዚ ድማ  ከይዱ ከይዱ ናይቲ ሕብረተ-ሰብ መነባብሮ ንምምሕያሽ ኢዩ። ድኽነትን ድንቁርናን ኣጥፊእኻ ብሓፈሽኡ ህይወት ናይቲ ሕብረተሰብ ሓፍ ንምባል ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንባዶ ታሪኽን ቅያን ኣይኰነን ።

ህዝቢ ኤርትራው’ን ን30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ኣካይዱ። ቀያሕትን ጸለምትን ዝፈትዎም ደቁ ኣሰዊኡ። ሓፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ። ዓላማኡ ድማ ንሽሙ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነስ ንምሉእ ሓርነቱን መሰሉን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ሰውራ ኤርትራ ን30 ዓመት ዝኣክል ተጋዲሉ ሓደ ህልም ዝበለ ዲክታተር ኢዩ ኣፍርዩ። ሓደ ዲክታተራዊ ሰልፊ ኢልካ ጥራይ ዝሕለፍው’ን ኣይኮነን።እቲ ስርዓት ዓለም ዝመስከረሉ ሓደ ውልቀ መራሒ ዘሕምቖ ስርዓት ኢዩ።ናይ ምዝራብ፤ምጽሓፍ፤ምእካብ፤ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባር፤ ናይ ሃይማኖት መሰላት ዘይፈቅድ፡ ን 24 ዓመት ብዘይ ሕግን ፍትሕን ብግፍዒ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ኢዩ።ንሽሙ ከማን ቅዋም የብሉን።

ኣቱም ሰባት! ሎሚ’ኮ ኤርትራ ክበሃል እንከሎ ናይ ስደትን መከራን ሃገር ምዃና ኢያ እትፍለጥ። ሎሚ ራኢ ናይ ሓደ መንእሰይ ኤርትራዊ ስደት ኰይኑ።ዝተወልደ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ንትምህርትን ምዕባሌን ናብ ሰደት ገጹ ኢዩ ዝጥምት።ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሳቐዩን ዝቕተሉን ገዲፍና፡ ኣብ ፈቖዶ ምድረበዳን ባሕርን ዝወድቁ ዘለው ኤርትራውያን ክንደይ ኢዮም?ምኽንያት ናይዚ ኩሉ ስቓይ ከ እንታይ ኢዩ።

ምስ’ዚ ኣተሓሒዘ ዝሐለፈ ወርሒ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (መዲተራንያን ሲ) ዝጣሓሉ ስደተኛታት ክጠቅስ እፈቱ። ኣብዚ ባሕሪ’ዚ ዝቕዘፉ ዘለው መንእሰያት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ኢዮም።ሰበስልጣን ኤውሮጳ ሕብረት በቲ ዘጋጥም ዘሎ ቅዝፈት ሰንቢዶም ናይ ስደታኛታት ምስጋር  ምክልኻልን ናይ ጨወይቲ ስደተኛታት ምህዳንን ስጉምቲታት ክወስዱ ከም ዝኾኑ ዝፍለጥ ኢዩ። ኣነ ግን ከምዝመስለኒ መሰረታዊ ፍታሕ ክርከብ እንተ-ኾይኑ ነቲ ዲክታተር ምልጋስ ይሓይሽ ይመስለኒ። ዲክታተርነት እንተዘየሎ ዲሞክራሲ ኣሎ። ዲሞክራሲ እንተሎ ምዕባሌ (ልምዓት) ኣሎ። ምዕባሌ እንተሎ ስደት የለን። መቕዘፍቲ’ውን የለን። ኤውሮጳ ሕበረትውን ብሰደተኛታት ኣይምተሸገሩን።ዘገርም ኢዩ። ኤውሮጳ ሕበረት ግን በንጻሩ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታተር ንኸይደክም 300 ሚልዮን ዩሮ  ክህብዎ ከም ዝኾኑ ይውረ።ብዓይኒ ሰብኣውነት ክረአ ከሎ ኣብ ኣፍጋኒሰታን ወይ ድማ ኣብ ዒራቕ እትጠፍእ ሂወት ካብ ኣብ ኤርትራ እትጠፍእ ዘላ ሂወት ኣይትፍለን። ሂወት ሂወት ኢያ ።ህዝቢ ኤርትራ ዓለም ዘይፈልጠሉ ግፍዒ ኢዩ ዘሕልፈ ዘሎ።

ትማሊ ዕለተ 24 ግንቦት ኣብ ኤርትራ መበል 24 ናጽነት ኤርትራ ከኽበር ዊዒሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ መበል 5ይ ሃገራዊ ምርጫ ህዝቢ ክመርጽ ዊዒሉ። ኣብዚኣ ኣንባባይ/ኣንባቢት ክርዳኣኒ/ክትርዳኣኒ ዝደልዮ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብጭራሽ ክነጻጸሩ ዘይኽእሉ ብዓይነት ዝተፈላለዩ ስርዓታት ምህላወም ኢዩ። ኰይኑ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምዕባሌታት ብፍላይ ከኣ ናይ ትማሊ ምርጫ ምጥቃሱ ኣድላይ ኮይኑ ይስማዓኒ። ኢትዮጵያ ኣብ 24 ዓመታት 5 ሃገራዊ ምርጫታት ኣካይዳ። እቶም ዳሕረዎት ክልተ ብቐረባ ዝተዓዘብኩዎም ኢዮም። ከም ዝፍለጥ መስርሕ ዲሞክራሲ ዘገምታዊ ኢዩ። ኣብ ዓለምና’ውን ብሓንቲ ለይቲ ደሞክራስያዊት ዝኾነት ሃገር የላን። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኢዩ እናተመሓየሸ ዝኸይድ። እዚ ናይ ትማሊ ምርጫ ስጋብ እዚ ዘለዎ መድረኽ  ካብቲ ዝሓለፈ ናይ 2010 ዝሓሸ ኮይኑ ረኺበዮ። ቅድም-ቅድም እቲ ናይ ቅድመ-ምርጫ ዝነበረ ባይታ ብሪእይቶይ  ኣዝዩ ደሞክራስያውን ፍትሓወን ኢዩ ነይሩ። ካብ 25 ዘይውሕዳ ሰልፍታት ኣብዚ ምርጫ’ዚ ክሳተፋ ከለዋ፡ እቲ  መንግሰቲ ዳርጋ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘይግበር ንምርጫ ዝዳለዋሉን ዝንቀሳቐሳሉን ባጀት ሰለዐ። ቀጺሉ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ናይ ዜና ማዕከናት ከም ተለቪዠን፤ ራዲዮ፤ጋዜጣ ወ.ዘ.ተ. ዘለወን ሓሳባትን ፕሮገራማትን ብነጻ ክዝርግሓ ተገብረ።ቀጺሉ እቲ ዘሔጉስ ካብቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝግበር ዘይንእስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክትዓት ተኻየደ። ሓቂ ክዛረብ እቲ ዝተኻታተልክዎ ክትዓት ካብቲ ንገለ 36 ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ዝተሞኮርኩዎ ዝንእስ ኣይነበረን። ኣብ መጨረሻ ድማ ኩለን ሰልፍታት ተወዳደርቲ ኣባላተን ኣመዝጊበን፡ ንምርጫ ቀሪበን። ትማሊ 24 ግንቦተ ድማ ናይ ወጻእን ውሽጥን ተዓዘብቲ ኣብ ዘለውዎ ኣስታት 30 ምልዮን ህዝቢ፡ ኩሎም ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝዓገብሉ ምርጫ ተኻይዱ።ተሪፉ ዘሎ ነቲ ናይ ምርጫታት ካርድ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ እናቖጸርካ ንህዝቢ ምሕባር ኢዩ። እሞ ኣነ ብወገነይ ከምዚስ ንዓና ይፍጠረልና ኢየ ዝብል።እንተ ነዚ ዓወት’ዚ ዘይወሓጠሎም ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ገለ ምስ መንግሰቶም ዝኾረዩ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ነዚ ዕውት ምርጫዚ ገለ ጉድለት ክረኽብሉ ሃሰስ ክብሉ ኢዮም። ኣነ ኳ ሎምስ ዝረኽቡ’ውን ኣይመስለንን።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ከወፊ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ትማሊ 24 ግንቦት ክልተ ተረኽቦታት ብምዕዛበይ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ነታ ንናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለስኩላ ዕለተ-ናጽነት ብርሑቚ ኣማዕደየ ክሪኣ ከሎኹ፡ እሞ እቶም ጀጋኑ ንመሰልን ራህዋን ህዝቦም ዝወደቑ እና ዘከርኩ፡እቲ ዝተኸፍለ ከቢድ መስዋእቲ ነዚ ጠራይ ድዩ ነይሩ? እብል። ብፍላይ ከኣ ደቂ ስዋኣት ኣብ ፈቖዶ ምድረ-በዳን ባሕርን ይወድቁ ምህላወም ክዝክር ኣዝዩ ሓዘን ይስማዓኒ።እወ! እቲ ዝተረኽበ ናጽነት መበገሲኡ ንቕኑዕ ዓላማ ስለ ዝነበረ፡ ኣነውን ከም ህዝበይ የኽብሮ ኢየ።ክዝከር’ውን ግቡእ ኢዩ። እንተ ዀነ ግን ነቲ ዘሎ  ጨፍጫፊ ስርዓት ንምቕያሩ ምዝታይ ግን ናይ ግድን ይኸውን።

በቲ ካሊእ ወገን 24 ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይነ ነቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ  ብቐረባ ክዕዘቦ ከሎኹ ኣዝዩ ሓጎስ ይስማዓኒ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ደሞክራሲ ባይታ ክፍጠር እንከሎ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ትምህርትን ጽልዋን ኢዩ። ኣብ መደምደምታኡ ዕውት 5ይ ሃገራዊ ምርጫ ንኽኸውን ልባዊ ትምኒተይ ኢዩ።

ኣድሓኖም  ፍትዊ

26-05-2015 (ኣዲሰ ኣበባ)

 

Comment: a.fitiwi1993@kpnmail.nl

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • rezen May 26, 2015

    “…ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይነ….26-05-2015 (ኣዲሰ ኣበባ” so says Ato ኣድሓኖም ፍትዊ

    What an admirable contrast to another person who didn’t wish the trip to be known in Asmara, lest it jeopardizes personal interest therein. It tells a WHOLE LOT……

  • lemlem May 26, 2015

    your Opinion is great to see in comparative manner.But Eritrean far away from democracy. we need basic right to live free to work anywhere .in breif everyone need to feel there is a home country to live without fear.we need a government rule its people by constitution.unfortunately in Eritrea the opposite is true.

  • Truly Truly i say to you May 26, 2015

    ኣቶ ኣድሃኖም ዳርጋ ብሙሉእ ዝገለጽካዩ ትእዝብትታት ሓቅነት ኣለዎ፤ ግናስ ብዛእባ ኣብቲ ኣብ ስደተኛታትን ነቲ ኣውሮፓዊ ሕብረት ብዛእብኡ ዝኽተሎ ፖሊሲታት ንስኻ ኮነ ዳርጋ ብሙሉእ ተቃዋማይ ብዛእባ እቲ ዕላማ ኣጸቢቑ በሪሒልኩም እዩ ኢለ ስለዘይኣምን ነቲ ዝኣምነሉ ከምድላየይ ተፈቲሄ ዋላኳ ክገልጽልካ እንተዘይከኣልኩ፣ ግናስ ክንእረመሉ ወይ ክንፈልጦ ኣገዳስነት ኣለዎ ጥራይ ኢለ ብዛእባ እቲ ዝኣምነሉ ሓሳብ ቁሩብ ወስ ከብለልኩም። ቅድም ቀዳድም ኣውሮፓዊ ሕብረት ብስደተኛ ብዝሒ ከምዝተሸገሩን፣ ንሕግደፍ ናይ ፴00 ሚልዩን ዶላር ሃገዝ እንድሕር ገረሙሉ ነቲ ኣብ ልእሊ ሕዝብና ንዝፍጽሞ ግፍእታት የጋድዶ እዩ ኢልካ ምሕሳብ፣ ብወገነይ ካብ ሓሳድነት ዝነቐለ ጉጉይ ኣረኣእያ እንበር ካብ ቅኑእ ሕሊና ዝነቀለ ሓልዮት ከምደይኮነ ብቅድምያ ከስምረሉ እደልይ። ቅድም ቀዳድም ኢሳያስ ኣብሕዝብና ንዝፍጽሞ ሓገዝ እኩል ትሩፍ ገንዘብ የለዎን ኢልካ ምሕሳብ ፈጽሞ ጉጉይ እዩ። እዚ ኹሉ ካብ ማዕድናት ዝርከብ ሓብቲ ብሓጺሩ ሙሉእ ናይ ሓገር ሃብቲ በቶም ብኣጻብእቲ ዘይቁጸሩ ገበርትን ሓደግትን ኣበይቲ ሰበስልጣናት ጥራይ ተባሒቱ እንከሎ ነቲ ዝደልይዎ ናይ ኣመጽ ተግባራት ንከይገብሩ ብገንዘብ ሕጽረት ይሽገሩ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ናይ ዽንቁርና እዩ። ኣውሮፓ ሕብረት ግን 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተሰለዕ ንሕግደፍ ካብ ስልጣን ንከውርድ ይጽገም እዩ ኢልካ ምሕሳብም እቲ ዝኣበየ ናይ ድንቁርና ድንቁርና እዩ። ንሳቶም ዝሕብዎ ገንዘብ ንብዙሕ ሓሳዳት ከምብዙሕ ኮይኑ ስለዝርኣዮም ቆጭቆጭ ተበሎም፣ ግናስ ንሃደ ኣውሮፓዊ ፕሮጀክት ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ንክከፍቱን ንበል ካብ ሚኢቲ ዘይበልጹ ናቶም ሰራሕተኛታት ምቑጻር ተድለዮም ፣ ነቲ መሰረታዊ ጠለባቶም ጥራይ ንምሙላእ ንኣብነት ጹሩይ ማይ፣ መግቢ፣ ኤሌክትሪክ ናይዘመናዊ መራኸቢ ቴለፎናትን ና ኢንተርኔት መሳለጢታትን ጥራይ ኣብግምት ተእቲኻዮ ብሚእቲ ሚልዮናት ጥራይ ደይኮነ ብቢልዮን ዶላራት ብሕጂውን ተወሳኪ ተሰልዑ ነቲ ዝደልይዎ ተባራት ከምዘይኣኽሎም ብወገነይ እርግጸኛ እዬ። እቲ ጸገምኩም ሕግደፍ ብዘተኣታተዎ ድኻ ሕሊና ወይ ሓሳድነት ነቲ ነገር ስለትርድእዎ ጥራይ እዩ እንበር ናይ ገንዘብ ጉዳይ ተተላኣለ ይትረፍ ብመንግስቲ ደረጃ ኢትዮጵያዊ ሼክ ኣላሙዲ እንተወሃደ ንበይኑ ካብ 10 ብልዮን ዶላር ንላእሊ ዝውንን ሰብ እኳ እዩ። እቲ ቁጽሪ ንዘይተረደኣኩም ኣውሮፓ ሕብረት ክሕቦ ካብዝሓሰቦ፣ እዚ ሓደ ውልቀሰብ ብውሕድ ሰላሳ እጽፊ ንበይኑ ይውንን ኣሎ ማለት እዩ። ብዝኾነ ሓደ ማንም ክነጽጎ ዘይክእል ሓቂ ግን ኣሎ። ንሱ´ከኣ ዝኾነ ውልቀ መላኺ ይኩን ተራ ሰብ ብገንዘብ ሓይሊ ንስልጣኑ ኮነ ንሕይወቱ ካብ ውድቀት ከድሕን ከምዘይክእል እቲ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ኣርጊጹ ይምሕረና። ስለዝኾነ ክቡር ሓውና ገንዘብ ስልጣን ሕይወትን ዘድሕን ተዝኸውን፣ ሳዳም ሁሴንን ቃዛፊን ንኣብነት ኣምበይ ምተቀዘፉን ኢልካ ኣብ ግምት ምእታው ካብ ተራ ናይ ገንዘብ ፖሎቲካ ዋላ ነቲ 2% እገዳ ንርእሱ ፍሉይ ለውጢ የምጽእ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣቢ ድኽመት ምዃኑ እግረ መንገደይ ከየዘካከርኩ ክሓልፍ ኣይደልይን። እዚ ማለት ግን ነቲ ጻእሪ እቃወሞ ኣለኹ ማለተይ ከምደይኮነ ክበርሃልኮም ኣለዎ። ይቅጽል..

    • Tes May 27, 2015

      Dear Truly,

      I am a bit confusing with your analysis and stand. You look more like HGDEF cadre than a balance commentator. You are entitled to your opinion but to deprive to this gentleman his right to put his opinion is over the top. I have the same observation like this man about the EU proposed fund. All just seekers have the same stand against the assistance proposed by EU. You are a character swing from right to lift. You should better stick to one side and clear your stand. To be honest I don’t understand you stand from the your first comment to your second comment it is all contradict it self. You are like Amaterasu who learn politics as he goes. Come on get real brother.

  • Truly Truly i say to you May 26, 2015

    እቲ ኣውሮፓ ብስደተኛ ብዝሒ ከምዝተሸገሩ ዝገለጽካዮም፣ ዋላኳ ከምቲ ዝበልካዮ ነቲ ተራ ሕዝቢ ኣየተሓሳስቦን እዩ ኢልካ ምሙገት ርትኣዊ ተዘይኮነ፣ እቶም ሰበስልጣን ኣውሮፓስ እንታይ ከምዝገብሩ ኣጸቢቆም ይፈልጡ እዮም። እቲ ጉዳይ ከምቲ ትሓስቦ ደይኮነ፣ ከምቲ ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራልያ ወዘተ ንኣብነት ቀደም ምስቲ ዘለዎም ስፍሓት ነተን ሓገራት ንምሕናጽ ኣቀዲም ኣቢሉ ብዙሓት ስደተኛታት ብፍላይ ካብ ኣፍሪካ ከም ጋላዩ እናተሸጡ ነቲ ሃገር ንምሕናጽ ኣብዘድልይ ናይ ስራሕ ቦታ ከምቲ ናይ ሰብ ሓይሊ የድልዮም ዝነበረ፣ ሙሉእ ኣውሮፓም፣ ኣብቲ ንሳቶም ክሰርሕዎ ዘይምነውዎ ስራሕ ምእንቲ ክስራሕ የግድን ናይወጻእተኛ ሓይሊ ስለዘድልዮም በዚ ሽነኽም ነቲ ገለ ሓቂ ምግንዛብ ኣድላይነት ዘለዎ ኮይኑ ይስምኣኒ። በዚ ምኽንያት እዩ ከኣ እቶም ናይ ምስራቅ ኣውሮፓ ሓገራት ከይተረፋ ነቲ ናይ ስደተኛታት ቁጽሪ ብ% ተቀቢለን ከዕቑቡ ዝግበር ዘሎ። ብኣወንታዊ ጎኑ እንተሪእካዮም ነቲ ሓደ ዓለም፡ ሓደ ስርዓት New one world order(ኒው ወርልድ ኣርደር) ንምትግባር ዝፍልም ዘሎ (Positive)ስጉምቲ እዩ ኢልካ ምንባብም ጌጋ ኣይመስለንን። ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ናይ ቁጠባ ፉክክርን ሽጣራታትን ብዙሕ ክምድረሉ ኣይመርጽን።
    ኣብመወዳእታ ክቡር ኣቶ ኣድሃኖም ከምዝበልካዮ፣ “ትማሊ ዕለተ 24 ግንቦት ኣብ ኤርትራ መበል 24 ናጽነት ኤርትራ ከኽበር ዊዒሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ መበል ፭ይ ሃገራዊ ምርጫ ህዝቢ ክመርጽ ዊዒሉ። ንርእሱ እዛ ኣንቀጽ ጥራይ ብዙሕ ትርጉም ስለዘለዋ፣ ናይ ብሓቂ ናይ ወያኔ በሊሕ ኣመሓድራ መንፈሳዊ ቅንኢ ዘየሕድር ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ካብኣቶም ዝሓሸ ለባማት መራሕቲ እንተወሃደ ከምኣቶም ዘማስል መራሕቲ ይፍጠረልና ዘብል እዩ።

  • ogbai May 26, 2015

    ኤርትራ ሃገርና መሰታ ቀዳሞት ኣብ ዲሞክራሲያ ከምዘይነበረት ብሰንኪ መላኺ ሰርዓተ ኢሳያስ መሰታ ዳሕሮዎት ኮይና ተሪፋ ኣላ። ምልስ ኢልና ርሑቕ ከይከድና ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ዝዓንበበ መስርሕ ዲሞክራስያ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ብመሪሕ ግደ ዘተዋስኤት ሃገር ምንባራ ዘካትዕ ኣይምስለንን። ይግዳስ ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ኣይሰትያን ከምዝባሃል ኮይኑ ኣሎ። ብሰንኪ ናይ ወጻእን ውሽጥን ዊዲታት እንተሎ ክብሪ ሃገርና ብእምባ ገነናት ካብ ኢድና ተመንዚዑ፡ ንሕና ንበረኻ ወፊርና እትዮጵያ ከኣ ናብ ትምህርቲ ከይዶም። ንዓና ከኣ ናብ በረኻ ኣፋንዮምና፡ ንሃገርናን ባህልናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝምዕብል ዝነበረ ልምምድ ዲሞክራስያ’ውን ዘሚቶምና። ናይ ምልክን እምባ ገነናት ጎብለል ከኣ ናይ ክልተ ዓመት ኣብ ዩኒብርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣስልጠኖም ኣስሊኽም ልኢኽሞልና። ናህና ዕሽነት ብዙሕ እዩ። ብንጉስ ብሕሪ ነጋሲ እሳቕ፡ ብርእሲ ወልደሚካኤል ‘ጎሚዳ’ ሕጂ ከኣ ብህግደፍ ይደጋገም ብጉሁድ ንዕዘቦ ኣለና።
    ብኣዋዳድባ መዕቀኒ ጸጥታዊ ዲሲፕሊን \ብኣምር ዎ ተንፊዝ\ ዝተሓጽበ ካብ ሳሕል ዝተጠንሰ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ብስሚዒት ጥራሕ ዝተሸልበበ ‘ዝተለልው’ ዝትሓጽበ ዝጎብለለ መሪሕ ወድብ።ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ቃልሲ ብዘይ ገለ ጨና ዲሞክራስያ ንዕዲ ተኣትዩ፡ ዝተደመሮ 24 ዓመት፡ ብድምሩ 50 ንድሕሪት ንውጥጥ ኣለና። እዚ ኩሉወን ‘ብጽንዓት ንልምዓት’ ብዝብል መሳጢ ሓረግ፡ መሳጢ ጭርሖታት፡ መሳጢ ኣስማት ከም ተጋድሎ ሓርነት፡ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራሲን ፍትሕን ውሽጡ ዕረ ምኽደኒኡ መዓር ወዘተ…እንዳተወጠጥና ኣብ ሕሉፍ ሃገራዊ ዘይዲምክርስያዊ ዓንኬል ኣቲና ሰጢምና ንድሕርት ንኸይድ ኣለና። ነቲ መስረታዊ መስላትና ተሕዲግና ብዘይ ጨና ዲሞክራስያ ጠቃዒት ጥራይ ክንባሃል፡ መሰታ ዳሕሮዎት ኮይና ምትራፍና ኣዝዩ ዝተሓሳስብን ዝሕዝንን ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ነቲ ብማዓር ዝተሸፈነ ከፊቶም ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዕረ ክሳብ ዘይረኣይዎ ሃገርናን ህዝብናናን ካብዚ ዝስካሕክሕ ሃለዋት ክንወጽእ ኣይንኽእልን ኢና።
    እቲ መሰረታዊ ባህግና ክብሪ ሃገር ብዘይ ክብሪ መሰረታው መሰል ህዝቢ፡ ዋላ ሃብቲ፡ ወርቂ እትተረኽበ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ።
    ብዙሓት ነዚ ኣብሃህላይ ካልእ ትርጉም ዝህብዎን ካብ ክውንነት ወጻኢ ዝዕንደሩ ከምዘለዎ ይርዳኒ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ሃገርናን ህዝብናን ከኣ ንሱ ምኻኑ እዩ። መለኽቲ ዝዕሸወሎም ህዝቢ ክሳብ ዘሎ ቸ ቸ ክብልልናና ክዕንድሩልናን ሰለዝኾኑ ህዝብና ልቢ ይሃብካ ንመልኽቲ ምጥቓዕ ይኣኽለካ። ንብስኻ ነጻ ኣውጽእ ሃገርካን ህዝብኻን ኣድሕን፡ ኣብትሕቲ መለኽቲ ይልቦን መድሕን!
    መስል ህዝብናን ሃገርናን ክሕሎ
    መላኺ ስርዓት ንቕድም ይታዓሎ
    ፍትሒ ይንገስ
    ምልኪ ስሩ ይፍረስ!

  • knzareb do? May 27, 2015

    Mr adhanom, Hgdef and EPRDf came to power in 1991 and both parties are in power.i never seen a democratic party rules a country for 25 yrs.

  • the noble teacher May 28, 2015

    ነቲ ጓይላ ህግደፍን ናይ ገስገስቲ ተቓወምቲ ጓይላን እባ ንፈላልዮ እባ፣ እቲ ኮቦሮታት እውን ዝተፈልየ እኳ እዩ።ነቲ ጓይላ ህግደፍን ናይ ገስገስቲ ተቓወምቲ ጓይላን እባ ንፈላልዮ እቲ ናይ ተቓወምቲ ኮቦሮ ካብ ወያነ እዩ ዝመጽእ ኢሎሞ..ehmmmm

POST A COMMENT