Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምቛም ሓይሊ ዕማም ንቀጻሊ ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን

ምቛም ሓይሊ ዕማም ንቀጻሊ ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍ ሓይሊ ዕማም ምቛም፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ኣብ  ሓጺር ጊዜ ቆይማ ስራሕ ክትጅምርን  ዘድሊ ምስንዳኣት ተጻፊፉ ክቕረብን ጽባሕ ዘይባሃሎ ህጹጽ ጉዳይ`ዩ። እዚ፡ ከቢድ ሓላፍነት ዝስከም

ምቛም ሓይሊ ዕማም

ንቀጻሊ ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን

ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍ ሓይሊ ዕማም ምቛም፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ኣብ  ሓጺር ጊዜ ቆይማ ስራሕ ክትጅምርን  ዘድሊ ምስንዳኣት ተጻፊፉ ክቕረብን ጽባሕ ዘይባሃሎ ህጹጽ ጉዳይ`ዩ። እዚ፡ ከቢድ ሓላፍነት ዝስከም ሓይሊ ዕማም`ዚ፡ ጀሚሩ ዝቕጽልን፡ ኣብ ስራሕ ንዘጋጥምዎ መኸታት በዲሁ ናብ ዓወት ዝምርሽ ኮይኑ ክቐውም ይግባእ። ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ምምኽኻርን ምልኣት ተሳትፎም ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን  ከድልዮ ምዃኑ ክሳሓት ኣይግበኦን።

ንኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ከም`ቲ ዝድለ ክስማዕ ዝገብር  ብኡ መጠን ድማ ብትብዓት ሰሪሑ  ፍትሒ  ዘጓናጽ ሓይሊ ዕማም፡ ናብ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደገፍን ተቐባልነት ክረክብ ቅድመ-ኩነታዊ ተደላይነት ኣለዎ።  ረጊእካ ክሕሰበሉ ስለዚ ደማ ኤርትራውያን በብዝቕመጥዎ State/Province፡ እኹል ጊዜ ሂቦም ክዝተይሉን ብዕምቆት ተመልኪቶም ከሳላስልዎም ዝግባእ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ እቲ መስርሕ ክጅመር ይጠለብ።

ስራሕ ሓይሊ ዕማም ንቀጻሊ ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡ ዘላቒን ውጽኢታውን ክኸውን ስለዘለዎ፡ ንቐጻልነቱን ጽፈት ስራሓቱን ዘገልግል ህዝባዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘለዎም ኮይኑ ክሳናዳእ ይህልዎ። እዚ ተማራጺ ኣገባብ`ዚ ኣብ ምትግባሩ፡ ኩለን ጥርናፊታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሞራላዊ ደጌፋታ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ባይታ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ፡ ኩሉ ዘድሊ መሳላጢያታት ክወፍያን ብዕትበት  ከም ሃገራዊ ሓላፍነትን ክዋፈራሉን ትጽቢት ይንበረለን። ቀጻሊ ደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን እተበርክት ሓይሊ ዕማም፡  ከም ሓደ  ዕዙዝ ሃገራዊ ተግባረ-ስራሕ፡ ደንበ ተቓውሞ ሓደ ካብ`ቶም ዓበይቲ ዕማማት ንስርዓት ህግደፍን ኩሉ መሓውራቱን ንምስዓር  ዘቃላጥፉ፡ ዕማማት ወሲዶም፡ ብጥምረትን ስጥመትን ክዓስልዎ ይግባእ። እማመ ፕሮጀክት ንክዓሙቕ፡ ንክሰፍሕ፡ ኣብ መወዳእታ`ውን እ`ዚ ፕሮጀክት`ዚ ዕዉት ኮይኑ ክውጽእ ብተግባር ክሳተፉ ምስ ዝደልዩ ናይ ተቓውሞ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓደ ከስርሕ ዝኽእል ምቹእ ባይታ ንምፍጣር ምርድዳእ።

ርእይቶና ኣብ ምቛምን ስራሕን ሓይሊ ዕማማት

  • ደለይቲ ፍትሒ በብከተምኡ ነዚ ጉዳይ`ዚ ብዝምልከት ተጋቢኦም/ተወዲቦም ብደረጃ ስተይት (State) ሓደ  ዝውክሎም ሓይሊ-ዕማም (Taskforce) ይምስርቱ። ቀንዲ ኣተኩሮኦም ኣብ ዘዘለዎ (State) ዝርከቡ ንኤርትራውያን ምጉስጓስን ንኮንጉረስን ሰነይትን ናይ`ታ ዝቕመጡላ ስተይት ሕሱም ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብጥራዓን/ፐቲሽን፡ ጽዑቕ ወፍሪ ምክያድ`ዩ።
  • እቲ ካልኣይ ክንፊ ከኣ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ዝምስረት ሓይሊ-ዕማም (Taskforce) ኮይኑ፡ በቶም ካብ ነፍሲ-ወከፍ ስተይትስ ዝተመርጹ ሓይሊ ዕማም ይቐውም። ስራሕ ካልኣይ ክንፊ ሓይሊ ዕማም፡ ፍሉይ ክእለት፡ ሞያዊ ብቕዓት/ፕሮፈሽናል፡ ዝሓትት ስለዝኾነ ኣብ ምምርጹ ወይ ምውካሉ ይኹን ኣብ ውህደቱ ፍሉይ ጥንቃቐ የድልዮ። ቀንዲ ኣተኩርኡ ንዋይት ሃውስ፡ ንባይቶን ሰነይትን/ፈደራላዊ ትካላት፡ ንስትይት ዲፓርትመንት፡ መንግስቲ ካናዳ፡ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታትን ንሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰብ ዝጣበቓ ኣህጉራዊ ትካላትን ዘደሃበ ይኸውን።

ነዚ ፕሮጀክት`ዚ ንምስላጥ:  ዝምስረታ ሓይሊ-ዕማም (Taskforce) ክልቲኤን:-

  • ዕድመ ዘመን ኣገልግሎተን ንክልተ ዓመት ኮይኑ : ካብ 7 ክሳዕ 9 ኣባላት ይህልወን።
  • ንሕርያ ኣባላት ናይ`ዘን ሓይሊ- ዕማም እዚ`ኣተን ዝምልከት እንጥቀመሉ ረቛሒ ከኣ: ብቐንዱ “ብቕዓትን ተወፋይነትን ኮይኑ ሕብረ-ብሄር/ኣብዝሓ ክኸውን ግን ይምረጽ።
  • እቶም ነዘን ሓይሊ-ዕማም ዝመስረቱ ከኣ ተቘጻጸርቲ ናይ`ተን ዝመስረትወን ሓይሊ-ዕማም ኮይኖም የገልግሉ።

ክጭበጥ ዝድለ ውጽኢትን ዝሰላሰል መደብ ስራሕን፡ መደብ ትግባረን ሰሌዳ ግዜን ብምጹር ምሕንጻጽ (Schedule for PLAN OF ACTION)

ብቦታ ደረጃ/ Cities/States/provinces

  1. ህዝቢ: ብደረጃ State/Province ተወዲቡን ተወኪሉን ናብ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካን ካናዳን: ዝቐንዔ ቀጻሊ (lobby) ጽዑቕ ጎስጓስ ምክያድ።
  2. እማም ፕሮጀክት ምስ ከተማታት፡ ስተይትስ ፕሮቪንስ፡ ይኹን ምስ ዝሳተፉ ናይ ተቓውሞ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓባር ምክላስ/REVISE: ምምዕባልን ምጽዳቕን።
  3. ኣብ ኩሉ ከተማታት/ States/provinces ፡ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝሰላሰል ኣኼባታት፡
  • ክጭበጡ ዝድለዩ ውጽኢታት ምንጻር
  • ንከመይነት መለክዒ ናይ ዓወታት መራሒ ሓሳብ ኣብ ባይታ ምቕማጥ፡
  • ብከመይ ነረጋግጾን፡ ንምርግጋጾም ዘድልዩ ናውቲን መሳለጥያታትን ምውናን፡
  1. ልዑል ጽልዋ ክፈጥሩ ተኽእሎ ኣሎዎም ዝበሃሉ ውልቀሰባትን ባእታትትን ኣለሊኻ ፍሉይ ጎስጓስ ምክይድ።

ብዞባዊ ደረጃ/North America

  1. ብምሉእ ደገፍ ደለይቲ ፍትሒ: ኮሚሽን መርማሪት ው.ሕ.ሃ: ሓቀኛን ዝተማለኤን ጸብጻብ ከተርቐብ ምኽኣል፣ ስለዚ ሓቢርናን ሰሚርናን ነዚ ፕሮጀክት  ከነተግብር ምኽኣል።
  2. ዜጋታት ንጡፍ ግደ ተጻዊቶም: ተወሳኺ ሓቀኛን ዝተማለኤን ሓበሬታ ክልግሱ: ጽዑቕ ጎስጓስ ምኽያድ፣ ምንጪ ሓበሬታ ካብ ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝብና ጥራይ ከይተሓጽረ ካብ ውሽጢ ሃገር`ውን ዝርከበሉ ኩነታት ምፍጣር።
  3. ምስናድ ዝተኣከበ ሓበሬታ: ናብ ቛንቛታት ኤርትራ ምትርጓምን ምዕቃብን።
  4. መብዛሕቲኡ ህዝብናን ሕብረተሰብ ዓለም: ነቲ ጽዩፍ ተግባር ምኹናን ምውጋዝን: ከምኡውን ኣብ ልዕልቲ ስርዓት: ቁጠባዊን ናይ ምንቅስቅስን ትጽዕኖ ምፍጣር::
  5. እቲ ዋኒን ዋኒና: እቲ ጉዳይ ከኣ ጉዳይና ስለዝኾነ: ግዜ ምስ ፈቐደ: ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዓብን ዘነውርን ገበን ዝፈጸሙ ኩሎም (ኣብ ሃገርና) ባህልናን ያታናን ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ (ንመምሃሪ ክኸውን): ኣብ ፍርዲ ንምቕራብ ሰረት ምንጻፍ።
  6. ጸብጻብ ኮሚሽን: ናይ ዝበዝሔ ክፋል ሕብረት ሰብ ዓለም ደገፍ ምርካብ። ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ: መንግስቲ ካናዳ፡ ው.ሕ.ሃን ንሰብኣዊ መሰል ደቂ-ሰብ ዝጣበቓ ኣህጉራውያን ትካላትን: ጽኑዕን ተሪርን ደገፍ ኽረክብ ዝሕግዝ ስራሕ ምስልሳል።
  7. እቲ ጸብጻብ ደገፍ ናይ ኤርትራውያን ክረኽብ ስለዘለዎ: ብሰላማዊ ሰልፊ መልክዕ ጥራይ ዘይኮነስ ብPetition መልክዕ`ውን ደገፍ ክረከብ ጽዑቕ ጎስጓስ ምኽያድ።

በዚ እነቕርቦ ዘለና እማመ መሰረት ይኹን ወይ ካብ`ዚ ነቕርቦ ዘለና እማመ ኣብ ህዝባውነቱ ይኹን ተግባራውነቱ ብልጫ ዘለዎ እማመ፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ  ምቛም ሓይሊ ዕማም ንደገፍ መርማሪት ኮሚሽን፡  ዘድሊ መሳለጥያታት ከበርክትን ክተሓባበርን ድልውነቱ ይገልጽ።

ምሉእ ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ!!

ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ክዕወት`ዩ!!!

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ

ጥቅምቲ 26 2015

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Afom October 27, 2015

    This is very important that each and every Eritrea who thinks he loves his people and country must do it with out any excuse. So it is up to us all to do it now.
    Our country and people are crying for help for so long and we are not taking note of plea.

  • Tesfai beraki October 27, 2015

    The best and civilized way to do is name some experts and especially those who have done studies and researches in Human rights abuses and Attornies and law school past studies.Imploy International Criminal law experts9Including Eritreans and Foreigners), so that they can bring a case against the Tyrrant Issayas and his gang to be able to convince the Prosequiting Office in the ICC in The Hahe.The rest could be data collection from Eritrean ex-fighters and who served in the government offices before leaving Eritrea.

    Secondly beware of leaking your information to the regime or PFDJ due to its Network in Europe and the USA who can block our efforts before we reach our goals!. Take care

  • Tesfai beraki October 27, 2015

    The best and civilized way to do is name some experts and especially those who have done studies and researches in Human rights abuses and Attornies and law school past studies.Imploy International Criminal law experts(Including Eritreans and Foreigners), so that they can bring a case against the Tyrrant Issayas and his gang to be able to convince the Prosecuting Office (POT) in the ICC in The Hague.The rest could be data collection from Eritrean ex-fighters and who served in the government offices before leaving Eritrea.
    Secondly beware of leaking your information to the regime or PFDJ due to its Network in Europe and the USA who can block our efforts before we reach our goals!. Take care!

  • hp October 27, 2015

    ሙቋም TASk FORCE soundes good.not only,
    It may give trast among each others.I mean between varios faction who really willing to serve for who is voice less
    Poor eritrean people.
    ቀጽልዎ መንጸፍ ኢዩ ንጽባሕ ኑሆ
    መታን፡ ዉጹዕ ህዝቢ ክርህዎ።

  • Negusse October 27, 2015

    ምቖም ኃይሊ ዕማም ንቐጻሊ መርማሪት ኾምሽን፤

    አዝዩ ዝድገፍ ብሱል ሐሳብ እዩ።አብ ወረቐት ጥራሕ ተሰኒዱ ከይተርፍ አጺቢቕና ሎሚ ክንሰርሐሉ ይግበአና።
    ሕጅውን አቶም ዓቕሚ ዘለኹም ተሐቢእኹም ዘለኹም ውጹ።
    ነገር ተወዲኡ እዩ ህግደፍ አብ ገምገም ጸድፊ እዩ ዘሎ ንእሽቶይ ምድፋእ ጥራሕያ ተድልዮ።
    ሎሚ አብ ኒውዮርኽ ዘይኸተት ከብደው ክምዝሞተ።

  • Meharenazgi Merhawi October 27, 2015

    This is a constructive noble idea and hope those in hibernation period will wake up and fulfill their obligation as Eritreans ,stand for their oppressed people against the dictatorial regime.

POST A COMMENT