Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተነቃፊ ስፍሪ (critical mass)

ኣማኑኤል ሳህለ ክንደይ ሰብ ድዩ ኪቕተል ዘለዎ፡ ህዝቢ ብሓባር ንኺለዓል? ክንደይ ገዛውቲ ድዩ ኪፈርስ ክንጽበ ዘሎና ግቡእ ስጉምቲ ንኽንወስድ? ክንደይ መንእሰያት ድዮም ኪስደዱን ኣብ መዓስከራት ጎረቤት ሃገር ድማ ኪሰፍሩን ዘድሊ ህዝብና ካብ ድቃሱ መታን ኪበራበር? ክንደይ

ኣማኑኤል ሳህለ

ክንደይ ሰብ ድዩ ኪቕተል ዘለዎ፡ ህዝቢ ብሓባር ንኺለዓል? ክንደይ ገዛውቲ ድዩ ኪፈርስ ክንጽበ ዘሎና ግቡእ ስጉምቲ ንኽንወስድ? ክንደይ መንእሰያት ድዮም ኪስደዱን ኣብ መዓስከራት ጎረቤት ሃገር ድማ ኪሰፍሩን ዘድሊ ህዝብና ካብ ድቃሱ መታን ኪበራበር? ክንደይ ኤርትራውያን ድዮም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኪጥሕሉ ዚግባኦም እቲ የዋህ ክፍሊ ህዝብና ኪስቈሮ መታን ኺጅምር? ክንደይ መሳኪን ድዮም ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ማሲኖም ኪጠፍኡ ዘለዎም እቲ ዘጣቕዕ ክፋል ህዝብና ናብ ልቡ ንኺምለስ? ኣንጻር ዘይፍትሓውነት ንምምካት ደረትን ዋጋ ዕዳጋን የድልዮ ድዩ? ኣብ ገለ ሕብረተሰብ ዘድልዮ ይመስል።

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት እሞ፡ እቲ ደረት ሓጺር ስለ ዝኾነ ሓደ እኳ ምኣኸለ ይመስለኒ። ኣብተን ሰብ ከም ከብቲ ምስ ሓራዲአን ዚውዕላሉ ሃገራት ግን እቲ ናይ ክንደያት መጠን ደረት ዘለዎ ኣይመስልን።

ኣብ ሳየንስ ተነቃፊ ስፍሪ (critical mass) ዚብሃል ኣምር ኣሎ። ተነቃፊ ስፍሪ ኪብሃል ከሎ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ሓደ ነገር ኣብ እተወሰነ ደረጃ ምስ በጽሐ ባህርያቱ ኪቕይር ምስ ዚጅምር እዩ። ወይ ከኣ ሓደ ነገር ክሳዕ ውሱን መጠን ይመልእ እሞ ካብኡ ንላዕሊ ኪስከም ወይ ኪሕዝ ስለ ዘይክእል ገለ ምስ ዚውሰኾ ይትኮስ ወይ ይግንፍል ማለት እዩ። እዚ ተርእዮዚ ኣብ ሕብረተሰብ እውን ይኽሰት እዩ።

ይኹንምበር፡ እቲ ተነቃፊ ስፍሪ ካብ ሰብ ናብ ሰብ፡ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ይፈላለ እዩ። እዚ ድማ ብግደኡ ኣብቲ ናይቲ ህዝቢ ሕሉፍ ታሪኽን፡ መጻኢ ራእይን፡ ባህልን ያታን ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣቃውማ እተመርኮሰ እዩ። እቲ ናይ ኤርትራውያን ተነቃፊ ስፍሪ ንብዙሕ ጸገማትን መከራን ኪጻወር ዚኽእል ይመስል። ስቓይ ኣብ ልዕሊ ስቓይ እናተኣከበ ኸሎስ፡ ምግንፋል ይኣቢ። ግን ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ። እቲ ምትኳስን ምግንፋልን ዝተርፍ ኣይኮነን።

እንታይ እዩ ግን ነቲ ኩነታት ሃገርና ኣብቲ ህዝቢ ሰሪጹስ ኣብ ተነቃፊ ስፍሪ ንኸይበጽሕ ዚኽልክሎ ዘሎ? እንታይ እዩኸ ኣብዚ እዋንዚ ንኸይግንፍል ዚዓግቶ ዘሎ?

ኣብ ሃገርና ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ንጹሃት መንእሰያት ከም እተቐትሉ ሰሚዕናን ኣረጋጊጽናን ኣሎና። ግን ገለ ሰባት ነቲ ናይ ቅትለት ተግባር ከም ዘይተፈጸመ ኣምሲሎም ይዛረቡ ኣለዉ። ነቲ ሓበሬታ ዘቕርብን ዓገብ ዝብልን ሰብ ከኣ ከም ጸላእ ሃገሩ ገይሮም ይርእዩዎ ኣለዉ። ገለውን ነቲ ናይ ላምፐዱሳ ህልቂት ብዓይኒ ክሕደት ኪርእዩዎ ዚፍትኑ ኣለዉ። ነቲ ኣብ ሃገርና ዚካየድ ዘሎ ዕንወት ከም ልምዓት ገይሮም ዚውድሱዎ ኣለዉ። ከልቅሱ ዚግባኦም ጓይላ ዝኸፍቱ፡ ኪጕህዩ ዚግባኦም ዘላግጹ፡ ሰብ ልቡ ሓሪሩ ኸሎ ዘሽካዕልሉ ብዙሓት እዮም።

እዚኣቶም ካብቶም ነቲ ኩነታት ኣብ ተነቃፊ ስፍሪ ንኸይበጽሕ ነዃላትን ቀዳዳትን ዘብዝሑ ረቛሒታት እዮም። ኣእምሮኦም ኣብቲ ብሕታዊ ናይ ህግደፍ ፋብሪካ ስለ ዚስናዕ፡ ብናይቲ ስርዓት ኣዒንቲ እምበር ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣዒንቲ ኪርእዩ ኣይደልዩን። ብናይ ህግደፍ ኣእዛን እምበር ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣእዛን ኪሰምዑ ኣይመርጹን። ስለዚ ነቲ ዕንወት ከም ልምዓት ገይሮም ካብ ረእዩ፡ ነቲ ኣውያት ደኣ ከም እልልታ ገይሮም ካብ ምስማዕ እንታይ ኪኽልክሎም ይኽእል?

ግን ከኣ ኣብ ኩሉ ቃልሲ ኸምኡ እዩ። ህዝባዊ ቃልሲ ወይ ተቓውሞ፡ ብጸማማትን ዓዋናትን ኪዕገት፡ ብብልህታትን ውፉያትን ድማ ኪግስግስ እዩ ዚነብር። እቲ ሓደ ንቕድሚት ይደፍእ፡ እቲ ሓደ ድማ ንድሕሪት ይጎትት። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቲ ዚጎትት ዘሎ፡ ይስሕብ ከም ዘሎ ኾይኑ ኪስምዖ ኸሎ እዩ። ኣብዚ ሃገርና ብስቓይን መከራን እትሓልፈሉ ዘላ እዋንዚ፡ ከምዚ ዝበለ ንኣእምሮ ሰብ ዘደንጹ ሓሳባትን ተግባራትን ፍጻመታትን ኪግሃድ ኸሎ፡ ንኽፋል ተቓላሳይ ህዝቢ ብመጠኑ ኣብ ምድንጋርን ተስፋ ምቝራጽን ሃሚሙዎ ከም ዘሎ ንኹሉ ንጹር እዩ።

ኣብ መንጎቲ ናይ ምድፋእን ምጕታትን ፍጻመታት፡ እቲ ኩነት ደው ኪብል ይግደድ። ናህሩ ዝጎደለ ቃልሲ ድማ ከምቲ ኣብ ተነቃፊ ስፍሪ ዘይበጽሐ ኩነት፡ ንግዜኡ ፍረ ከይሃበ ይቕምስል።

ናብቲ ተነቃፊ ስፍሪ ንምብጻሕ ግን ሕብረት ወይ ስምረት ኣማራጺ ዘይብሉ ረቛሒ እዩ። ብዘይ ሕብረት ሓይሊ ኪፍጠር ኣይክእልን። ሓደ ካብቲ ነቲ ህዝቢ ከይለዓል ዝኽልክሎ ዘሎ ረቛሒ እምበኣር ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ሓባራዊ ራእይን ሓባራዊ ዕላማን ዘይምህላው እዩ።

ኣብ ሓደ ፋሕ-ፋሕ ዝበለ ወይ ዘይተኣርነበ ነገራት፡ እቲ ብደገ ዚመጽእ ጸቕጢ ወይ ጠንቂ (cause)፡ ምንም ሳዕቤን (effect) ከምጽኣሉ ኣይክእልን። እቲ ስቓይውን ህዝባዊ ስቓይ ካብ ምዃን ገዲፉ፡ ውልቃዊ ወይ ብሕታዊ ስቓይ ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ። ውልቃዊ ወይ ብሕታዊ ስቓይ ድማ ንኣኡ ዘርብሖ መፍትሒ ጥራይ እዩ ከናዲ ዝደሊ።

እቲ ስቓይ ህዝባዊ ንኺኸውንን ነቲ ኩነታት ድማ ናብቲ ተነቃፊ ስፍሪ ንኸብጽሖን፡ ሕብረት ካብ ኣድለየ፡ እቲ ሕብረትከ ብኸመይ መገዲ ይምጻእ?

ነዚ ጉዳይዚ ኣቐዲሙ ብምስትሃብል ስጉምቲ ዚወስደሉ ዘሎ ኣካል፡ እቲ ነዚ ኹሉ ስቓያት መንስኤ ዝኾነ ህግደፍ እዩ። እቲ ስቓይን መከራን ሓባራዊ መታን ከይከውን እሞ ናብ ጥርኑፍ ተቓውሞ ንኸይልወጥ ብምሉእ ሓይሉን ዓቕሙን እዩ ዚሰርሕ።

ክልተ ሰባት ሞይቶም ኣብቲ፡ ኣርባዓ መንነቶም ዘይፍለጥ ጥሒሎም ኣብቲ፡ ጥቕሞም እተተንከፉ ባእታታት ብዝገበሩዎ ጸረ-ህዝቢ ተቓውሞ ተኣሲሮም በዚ፡ ብወያነ እተዓስቡ ወይጦታት ኪሰግሩ ኸለዉ ተቐቲሎም በቲ…ወዘተ ብምባል ነቲ ስቓይ ህዝባዊ መልክዕ ንኸይሕዝ ይቃለስ። እቲ ዝኸፍአን ነቲ ስርዓት ድማ ከም ዚዕወት ዚገብሮን ግን እቲ ክፋል ህዝቢ ነዚ ኣሚኑ ነቲ ስቓይ ከም ዘይናቱ ገይሩ ኪወስዶ ኸሎ እዩ። እዚ ንባዕሉ እቲ ቐንዲ ኣንጻር ስምረት ዝሰርሕ ባህርያት እዩ።

በዚ መሰረትዚ እቲ ናይ ምሕባር ዕማም ሓደ ካብቲ ቀዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ መደባት ሰልፍታት ኪኸውን ይግባእ። ናብ ስምረት ዚመርሕ ጻዕርታትን ሜላታትን እንተ ዘየልቦ፡ ዝኾነ ካልእ ኣጀንዳታት ዋጋ ኪህሉዎ ኣይክእልን፡ ከመይሲ ተነቃፊ ስፍሪ ኺፍጠር ዚኽእል፡ ፍጹም ሕብረት ምስ ዚህሉ ጥራይ እዩ። ሕብረት ኣብ ስራሕ፡ ሕብረት ኣብ ራእይ፡ ሕብረት ኣብ ዕላማ፡ ሕብረት ኣብ ተቓውሞ፡ ሕብረት ኣብ ስቓይ፡ ሕብረት ኣብ ዓወት ኪህሉ ይግባእ።

ኣብቲ ናይ ሕብረት ዕማም ሓደ ካብቲ ነቲ ህዝባዊ ሞቶረ ከም ዘይቲ ኾይኑ ብውሑስን ጽፉፍን መገዲ ከስርሖ ዚኽእል እቲ ናይ መንእሰያትና ስነምግባር እዩ። መንእስያትና ካብቲ ናይቲ ስርዓት መፈንጠራታት ከምልጡን ናይ ጥንቲ ናይ ኣቦታቶም ክቡር ባህርያት ከጥርዩን ይግባእ። ኣቦታትና ንጉዳያቶም ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ብልዙብ ዘረባታትን፡ ስነስርዓትን፡ ብናይ ዕርቅን ምርድዳእን ህድኣት ብዝሰፈኖ መንፈስን እዮም ኣብ መዕለቢ ዘብጽሑዎ ነይሮም። በትሪ እናወጣወጡ ወይ ንሰብ እናዘለፉን እናዘንጠሉን ኣይኮኑን ዝዝትዩ ነይሮም።

ስምዒት ተጻይ ስነመጎት እዩ። ብስምዒት ምስራሕ ማለት ከኣ ነቲ ኣምላኽ ዝዓደለካን ካብ እንስሳ ዚፈልየካን ኣእምሮ ዓጺኻ፡ ብደመነፍስ (instinct) ምምራሕ ማለት እዩ። ስምዒት፡ ንኣረኣእያ ይጠውዮን የቕንኖን እዩ። ነቲ ብደገ ዝመጽእ ሓበሬታ ሕብርታት ብምልካይን ሚዛኑ ብምቕያርን ዘይመልክዑ የልብሶ፡ ዘይቅርጹ የትሕዞ፡ ዘይክብደቱ ድማ ይህቦ። ስምዒት ንርድኢት የጋግዮ፡ ኣብ ዘይምርድዳእ ድማ ልዑል ተራ ኣለዎ። ብስምዒት እተነድቀ ዕላማን ራእይን፡ ከም ሕልሚ ንግሆ በኒኑ ይተርፍ። ብስምዒት እተሃንጸት ሃገር ድማ ብስምዒት ንኽትጠፍእ ዘሎዋ ተኽእሎ ዓቢ እዩ።

ኣብቲ ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ኣብቶም መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኪህሉ ይግባእ። እቲ ኣብ መዓስከራት ህግደፍ እተበላሸወ ሓንጎል ኪሕደስ ግዜኡ እዩ። እቲ ብፍርሂ ይኹን ብናይ ሚኒስትሪ ዜና መደናገሪ ሓበሬታታት እተዘናበለ ኣእምሮ ክፋል ህዝብና ኪዕረ እዋኑ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ እተን ሰልፍታት ወይ ድማ ካልኦት ሲቪካዊ ማሕበራት ኣበርክቶ ክገብራ ይግባእ።

እቲ ህዝቢ ኣእምሮኡ ፈትሹን ኣዓርዩን ሕብረቱ ወይ ስምረቱ ምስ ኣረጋገጸን ራእዩ ምስ ኣነጸረን ጥራይ እዩ እቲ ተነቃፊ ስፍሪ ኪሰርሕ ዚጅምር። ሓንሳእ ምስ ተባረዐ ድማ መዕገቲ ኣይኪህሉዎን እዩ።

ይኹንምበር፡ እቲ ጸገም ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ጥራይ ድማ ኣይኮነን። ሞራላዊ ወይ ስነምግባራዊ እውን እዩ። ስነምግባር ምስ ዚህሉ ኸኣዩ እቲ ነቲ ተነቃፊ ስፍሪ ዚፈጥር ስምረት ህዝቢ ዝያዳ ዚድልድል። ስለዚ ሞራል ወይ ስነምግባር ዘይብሉ ፖለቲካ ብምኽታል ግዳይ ህግደፍ ከይንኸውን ወትሩ ክንጥንቀቕ ይግባእ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • ሰሌ April 12, 2016

    ኣቶ ኣማኑአል ንስኻስ ኣካል እዚ ትብሎ ዘለኻ ህዝቢ’ዶ ኣይኮንካን???ኣበይ ኮንካ ኢኻ ተልኣሉ ትብል ዘለኻ?

    • Gomida April 13, 2016

      This message is to the young Eritreans.it is always the young generation the motor of change.

  • yafet abraham April 12, 2016

    @Sele Amanuel kemzi mbalu hade aka nay kalsi mkuanu ba aytzengE

  • futsum teferi April 12, 2016

    I am proud of you, Amniel. I learn something eritreans we have future and hope.

  • abel April 12, 2016

    ሰሌ
    ነዚ ዝበሃል ዘሎ ኣንቢብካ ግዳ ህይወትካ፣ ኣተሓሳስባኻ ዘይትልውጥ፣ ዘይትመሃር። ከምዚ ዝበለ ሓሳቡ ኣኪቡ፣ ቃላቱ መሪጹ፣ ግዚኡ ወፍዩ ዝምህር ሰብ ሞሳን ክብርን አምበር ብድዐ ኣይጻምኡን ኢዩ።
    ኣያና መምህር ኣማኑኤል ስለቲ ጎደሎ ዘይብሉ ኣስተምህሮኻን ማልስ ዘይትጽበየሉ ቅንዕናኻን ብዙሕ የመስግነካ። ከምቲ ዝመኸርካና ናይ ጥንቲ ኣቦታትና ስነምግባር ሒዝና ንፍትሒ ክንደልያ ኢና፣ ምኽርኻ ኣብ ልብና የሕድሮ።

    ABEL-UK

  • k.tewolde April 12, 2016

    There is no ‘critical mass’ for the Eritrean society,it is long overdue.Let me mention some milestones that should have induced it,the day the tyrant declared war with his cousins to eliminate an armed national front to claim a sole presence in the field, the day he manufactured his own banner,sacked the G-15 and shut down freedom of press, killed and maimed disabled veterans,declared border war unilaterally that took the lives of tens of thousands of young men and women,3 decades of mass exodus,Lampedusa tragedy…..recent execution of innocent children in front of their parents in the heart of the capital.The logic of ‘critical mass’ does’t apply to this society, it is unique, because it identifies itself with its tormentors,captors,killers. I said it before, as long as we have that remote affiliation with the legacy of the tyrant, the ‘critical mass’ is like a mirage in the desert for the Eritrean society, elusive! The tyrant threw you a fast ball,you didn’t swing when you had a chance,he got you looking.

    • adonay April 13, 2016

      Mr Tewolde! Lost opportunities are in the past, more oportunities will be lost in the future. To say that we have lost our chance and that is it!!! is a defitist notion. Critical mass is a scientific and social notion to tip over unstable and unacceptable norms that are not accepted and supported by the majority. Higdef is not supported by the majority but still needs the critical mass to be reached for it to be toppled over. The Arab spring took decades to reach a critical mass…but eventually it deed. We remember how higdef has banned broadcasting the events. I felt your comments were out of place though well intentioned

      • k.tewolde April 13, 2016

        Great answer full of civility,adonay. I wish we all can disagree and converse like that and reach a common ground. That said, I am not raising the white flag and saying let’s succumb to the mediocre regime of HGDEF, the pain threshold of the Eritrean society is beyond comprehension, what does it take for a human being to say,’YOU CAN’T DO THIS SH…T TO ME ANYMORE’. Even when an animal is cornered will viciously attack to free itself. Defitist? no. On the contrary, I am urging the one on deck to swing already and hit a home run.

  • Semur Ghenbar April 12, 2016

    ዝኸበርኻ መምህር ሳህለ ፤

    አብዛ ተነቓፊ ስፍራ ( Critical mass) ትብል አርእስቲ አዝዩ ስፊሕን ታሪኻውን ምስ ናይ ሀገርና ኹነታት አዛሚድኻ ከስርሑ ዝኽእሉ ምኽርኽን ለበወኻን ዝለገስኻልና ሕጅውን የድንቕኻ ፤

    ናይ ሃገርና ጉዳይ ስቓይ አብ ልዕሊ ስቓይ እናተአከበ ከሎስ ምግንፉል ምእባዩን ምክንያቱን ማለት አብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሕን አብ ሞንጎ ብእዝኒን ዓይንን ዝሰምዑን ዝርእዩን ላህማማትን ጸማማትን ዘሎ አዋጣጥ ገመድ ነቲ ቓልሲ ንከይግንፍል ዓጊትዎ ከምዘሎን ህግደፍውን ነዚ ጉዳይ ገዚፍ ገንዘብ ብምውፉር ብሙሉእ ኃይሉን ዓቕሙን ይሰርሐሉ ከምዘሎን አብ ባይታ ዘሎ ሐቕን ፤
    እቲ እንኾ ፍታሕ ግን ፤ ሕብረትን ስምረትን ፤አማራጺ ዘይብሉ ረቓሒ ምኻኑን ብዘይሕብረት ሐይሊ ፈጢርኻ ነቲ ገመድ ጎቲትኻ አብ ሸነኻ ከምዘይተምጽኦን ኢኻ ከምልማድኻ ብሱል ትምህርቲ አውሪብኻ።
    ናተይ ርእይቶ ብንኡስ ዓቕመይ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፤ ጌጋ እንተለንውን ይእረም። ፤

    1) እዘን ብሽም እምበር ብግብሪ ሐንቲ ንጣር ተስፉ
    ዘይረአናለን ብስሰዔን በለጽን ተጎቢአን ህዝቢ ኤርትራ
    እናሀለቐ ብስልጣን ዝጓተታ ዘለዋ ብሕጹጽ ተአኪብኩም
    ናብ ሐደ ብሐባር ከስርሕ ዝክእል ነጥቢ በጺሕኩም
    ተደየገንፊልኩምና አልግሱልና ።የአክለኹም ንዓመታት
    ብሕዝቢ ኤርትራ ብሽም ደለይቲ ዝሸቐጥኩሞ። ወረ
    ገሊኩምሲ ናይ ህግደፍ አባላት ኢኹም።
    2) ከምቲ ሐረስታይ ናውቲ ማህረሱ የሕዲግኻዮ
    ክሐርስ ዘይክእል ፤ ኩላህና ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን
    ነዞም ፀማማትን ላህማማትን ( ብፍላይ ደቒ አን
    ስትዮ)አረዲእናን የእሚናን ምስ ደለይቲ ፍትሕን
    ለውጥን የሕዋቶም ከምዝጽንበሩ ምፍታንን ምጽዓርን
    ምስዘይሰምዑ ዘድሊ ስጉምቲ ወሲድኻ እቲ ምስ ህግደፍ ዘራኽቦም ዘሎ ገመድ ምብታኹን ዕድመ እልቓዊ
    ምሕጻርን አማራጺ ዘይብሉ ስጉምቲ ኾይኑ ይረአየኒ።
    ምክንያቱስ ሕዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ምጽናቱ ውልቐ
    መላኺ ምስ ጸማማትን ላህማማትን ክእለየ
    ይግቦኦም ፤ እዛ ልዕሊ 65 ሽሕ ብሉጻት ዝከፈለት
    ሃገር ሽፍታ ኢሳያስ ከሽካዕልለላን ሱተሐቢእኻ ሱቕ
    ኢልኻ ምርአይ ዘተዓዛዝብን ዘተሐታትትን እዩ።

    ፤ ክውግሕ እዩ ኩሉ ከአ ክወጽእ እዩ
    ወይለኹም ምስ ጨፍላቕን ጠላምን
    ዝወገንኹም ፤

    መምህር አማኒኤል ንማልያኻ ትራጋረግ አለኻ
    ምስዞም ጸማማትን ናይ ይእምሮ ስንኩላትን
    ገመድ እይትዋጠጥ ፤ እቲ ዓቕሚ ሰማይን
    ምድርን እዩ።

  • Yohannes April 12, 2016

    Amanuel

    Your advice is perfect, we should discuss our political views in civilized manner with respect. the only beneficiary from our chaos is the evil regime.

  • Semur Ghenbar April 12, 2016

    መአረምታ ምስ ይቕረታ ፤

    ብእዝኒ ህግደፍ ዝሰምዑን ብዓይኒ ህግደፍ ዝርእዩን ፤
    ንምባል እዩ። ( ነቶም ላህማማትን ናይ የአእምሮ ስንኩላትን ናይ መንነት ቕልውላው ዘለዋቶምን። )

  • Simon G. April 13, 2016

    I can visualize what ex-shifta (I am not sure if they exist in Eritrea these days) think when people mistakenly call HGDF a shifta. He would have thought that as an insult to all Shiftas. As Mike noted, shiftas has high ethics level than hgdf.
    N.B : sorry ex-shiftas, I have used this word to express hgdf before. My apology.

  • rose April 13, 2016

    ዝከበርካ አማኑእል ጽሑፋትካ ብጣዐሚ ማሃሪ እዩ ። ካብ ኩሉ አነ ደስ ዚብለኒ ከንብቦ ኩሉ ምስ ባህሪ ወዲ ሰብ አተአሳሪርካ ትህቦ ትትንተና ብጣዐሚ የድንቅ . አቲ አብሊበይ ዚሃስቦ ብዛባ ባህሪያት ደኪሰብ ጽቡቅ ገርካ ኪትንትኖ ከለኻ ይገርመኒ ።

    አብ ዚ ዘለናዮ አዋን ሰብ ዳርጋ አቲ ባምላኽ ዚወሃቦ ሰብ ዚገሮ ካብ አንሳ ዚፈልዮ ባህሪ ዘትፎ ዘሎ እዩ ዚመስል ከምዚ አንተ ከሲሉ ድማ ሰብ ዚብሃል ኪትፋአ ውን ይካል እዩ ካብ ገጽ መርየት ብፍላይ አብና አብዘይ ማበለ ህብረተሰብ በዚ ንከዶ ዘለና መንገዲ አንተ ከድና ቅድሚ ኩሉ አለም ኪንስወር እና ። ስለዚ ድማ እየ ሱሑፋትካ ትምህርታውን ሞራላውን ሰለ ዚኾኑ ነዚ አብዚ ግዘ ዘሎ ሰብ ካብ ጥፋአት መንገዲ ናብ ጹቡቅ ሊቦና ዘለዎ መንገዲ ኪመርሑ ይኪአሉ እዮም።

POST A COMMENT