Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዓመታዊ ጸብጻብ 2017 መእተዊ፦ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ነቲ -  ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ - ዝብል መሰረታዊ ኣገባብ ምርኩስ ብምግባር፣ ነቲ ዘበገሶ መስርሕ ካብ ህዝቢ  ብህዝቢ ንምግባሩ፣ ኣብ መፈለምታ ብመንገዲ ጋዜጣዊ መግለጺ  ጎስጓስ

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ዓመታዊ ጸብጻብ 2017

መእተዊ

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ነቲ –  ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ – ዝብል መሰረታዊ ኣገባብ ምርኩስ ብምግባር፣ ነቲ ዘበገሶ መስርሕ ካብ ህዝቢ  ብህዝቢ ንምግባሩ፣ ኣብ መፈለምታ ብመንገዲ ጋዜጣዊ መግለጺ  ጎስጓስ ብምክያድ፣  ከተምቲ  ህጹጽ መጸዋዕታ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም  ኣኪቡ።  ኣብ  ድሮ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ 23 ግንቦት 2016 ፣ ንህዝቢን ሃገርን ካብ ኣትይዎ ዘሎ ሕሱም ምልካዊ መግዛእቲ ንምድሓን ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ዝሳተፈሉን ዝውንኖን መንገዲ ንምጥጣሕ ዝዓለመ   ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ዝኸተሙሉ –  ህጹጽ መጸዋዕታ ናብ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን – ኣቕረበ።  ብኡ ንብኡ፣ ካብ እቶም ከተምቲን ደገፍትን ናይዚ ተብግሶ  ሓይሊ ዕማም ቆይሙ፣ ብዕቱብ ዘተን ምርድዳእን፣ ዝተማለአ – መደበ-ትግባረ – ብምሕንጻጽ ኣብ ናይ ምልዕዓልን ጎስጓስን ስራሕ ኣተወ።

ስሙ ከም ዝሕብሮ፣ መጸዋዕታ ዓ.ተ. ፣ ነቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝተበገሰ – ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንምድንፋዕን፣ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከብዎ ከተማታትን/ኣከባቢታትን – ህዝባዊ ባይቶ ምቛም እዩ። እቲ ዝቐውም ኣከባቢያዊ ባይቶ መሰረትን ምንጪን ናይ እቲ ብዞባን ብዓለምለኸን ዝቐውም – ህዝባዊ ባይቶ ኤርትራውያን ይኸውን።  ካብ  ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ባይቶ ዝምረጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፣ ምስ ኩሎም እቶም ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ውድባትን ማሕበራትን ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ኣካላትን፣ ንመላእ ደለይቲ ፍትሒ ዘስመረ ፣ ህዝቢ ዝቕልሶን ዝውንኖን – ዓቢ ናይ ዓወት ስትራተጂ ይትግብር።  ቀንዲ ተልእኾኡ  ብስሙር  ድምጺን ስሙር ቅልጽምን ምልኪ ብምልጋስ ሃገርን ህዝብን ምድሓንን ፣ ናብ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስግጋርን እዩ።

ዓ.ተ. ንኩሎም እቶም ምእንቲ ፍትሕን ሓርነትን ዝካየዱ ዘለዉ ጻዕርታት ናይ ውድባትን፣ ማሕበራትን ብምኽባር፣ ኣብ ምቛም ህዝባዊ ባይቶታት፣ ደገፎም ከበርክቱን ከተባብዑን ፣ ናብ ኩሎም ኣድራሻኦም ዝተረኽበ ፖለቲካዊ ውድባት – ሰፊሕ ደብዳበ ልኢኹ።  ነቶም ኣድራሻኦም ክረኽቦም ዘይከኣለ ውድባትን ትካላታን ንምብጻሕ፣ ቅሉዕ ደብዳበ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ብሰለስተ ቋንቋታት (ትግርኛ፣ዓረብኛ፣ እንግሊዝኛ) ዘርጊሑ።  ኣብ ዘካየዶ  ህዝባዊ ሰሚናራትን ኣኼባታትን  ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበ ዝተፈላለየ ሕቶታት ምርኩስ ብምግባር፣ ተደጋጊሞም ዝሕተቱ ሕቶታታ ንምብራህ ዘኽእል ሰነድ ናብ ህዝቢ ዘረጊሑ።

ንጥፈታት ዓለምለኻዊ ተበግሶ 2017፦

መሰረታዊ ሰነዳት ዓ.ተ.፦ ህጹጽ መጸውዕታ፣ መደበ-ትግባረ፣ካልኦትን ኣገደስቲ ሰነዳትን ብምዝርጋሕ ዝተጀመረ ንጥፈታታት ምጉስጓስን ምልዕዓልን፣ ኣብ 2017 እዚ ዝስዕብ ንጥፈታት ኣካይዱ፦

  1. ሓይሊ ዕማም ዓ.ተ. ስሩዕ ሰሙናዊ ኣኼባታት ብምክያድ፣ ነቲ ኣብ ጎስጓስን ውደባን ኣብ ኣከባቢታት ዝካየድ ንጥፈታቱ ኣወሃሂዱ።
  2. ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ፣ ተደጋጋሚ ናይ ህዝቢ ሰሚናራት ተኻይዱ። ኣብ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ናይ ዘተ-ማዕከናት ብዙሓት  ዝተሳተፍዎ፣ ንነዊሕ ሰዓታት ዝተኻየደ ሰሚናራት፣ ተልእኾ ዓ.ተ. ብምብራህ ንኹሉ ዝቐርበሉ ሕቶታት ናይ ህዝቢ መሊሱ።
  3. ናይ ዝተኻየዱ ህዝባዊ ሰሚናራት ዩትዩብ ቪድዮታት ተቐሪጹ ብመንገዲ ስኒትናን ኣሰናን ተዘረጊሑ።
  4. ብመንገዲ ናይ ሬድዮ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ሬድዮ ኣሰናን፣ ሬድዮ ኤረና፣ ድምጺ ኤርትራ፣ ቲቪ ቴምፖ ኣፍሪክ – ሰፋሕቲ መግለጺታትን መብርሂታትን ተዋሂቡን ተቓሊሑን።
  5. ኣብ ድሮ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ ናይ ደገፍ መልእኽቲን መጸዋዕታን ተዘርጊሑ።
  6. ተኸታታሊ ኣኼባታት ናይ ከተምቲን ደገፍትን ዓ.ተ. ኣብ ናይ ዓ.ተ. ፓልቶክ ገዛ ተኻይዱ።
  7. ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ህዝባዊ ሰሚናራት ተኻይዱ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ፊላደልፍያ፣ ኢንድያናፖሊስ ወዘተ ህዝባዊ ሰሚናራት ተኻይዱ።
  8. ኣኼባታት ናይ ከተምቲን ደገፍትን ዓ.ተ. ኣብ ናይ ዓ.ተ. ፓልቶክ ገዛ ተኻይዱ።
  9. ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ሰሜን ኣመሪካ ዝርከባ ህዝባዊ ትካላት ርክባት ተኻይዱ።
  10. ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ብምክያድ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንምድንፋዕ ተመኩሮታትን ሓሳባትን ተወሃሂቡን ፣ ብኣድማዒ መንገዲ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ተሰማሚዑ።
  11. ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017 ኣብ ናይ ቶሮንቶ ካናዳ ፈስቲቫል፣ ልኡኽ ዓ.ተ. ብምስታፍ፣ ኣብ ዝተኻየደ፣ ናይ ግሩፕ ዘተ ተሳቲፉን፣ ብጽሑፍ ናይ ደገፍ መልእኽቱ እቕሪቡ።
  12. ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ሽወደን፣ ኣብ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ናይ ዓ.ተ. መጸዋዕታን፣ መደብ-ትግባረን ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።
  13. ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017 ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ – ሃገራዊ ዘተ ኤርትራውያን ብሰለስተ ኣባላት ሓይሊ ዕማማ ዝቖመ ልኡኽ ዓ.ተ. ተሳቲፉ። ኣብ እቲ ዝተኻየደ ናይ ዘተ መድረኻት ተሳቲፉን፣ መልእኽቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣቕሪቡ።
  14. ብመድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝተዳለወ፣ ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ብዝተገብረሉ ዕደመ መሰረት፣ ናይ ዓለምለኻዊ ተብግሶ ልኡኽ ኣብ እቲ ኮንፈረንስ ብምስታፍ፣ ተልእኾን መደብ-ትግባረን ዓለምለኻዊ ተብግሶ ኣብሪሁን፣ ንተሳተፍቲ ኣካላት ህዝቢ ዝማእከሉ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ህዝባዊ ባይቶታት ኣብ ምቛም ክተሓባባሩ ጸዊዑ።
  15. ናይ ጎስጓስ ስራሓት ናብ ናይ ውደባን ምቛም ኣከባቢያዊ ባይቶታት ንምስግጋር ዝዓለመ፣ ፍሉይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። እቲ መጸዋዕታ – ህዝባዊ ባይቶታት ንምቛም ዝካየድ ንጥፈታት – ኣብ መወዳእታ 2017 ኣብ ሓደ ደረጃ፣ ንኽበጽሕ ዝምሕጸንን ዘተባብዕን መጸዋዕታ እዩ። ኣብ ክሊ እቲ መጸዋዕታ፣ ጽዑቕ ጎስጋስ ኣካይዱ።
  16. ኣብ መወዳእታ ናይ 2017 ኣብ መጀመርታ 2018፣ ናይ ኩሉ ስራሓቱን ንጥፈታቱን ገምጋም ኣካይዱ። እቲ ገምጋም ንድኹምን ሓያልን ጎድንታቱ ፣ ዕድላቱን መሰናኽላቱን/ዕንቅፋታትን ብዕቱብ ገምጊሙ።  ብመሰረት እቲ ገምጋም ናይ 2018 ናይ ስራሕ መደብን ስትራተጂን ስኢሉ።

 

ብመሰረት መደብ-ትግባረ ስራሓት ዓ.ተ. ክልተ ገጻት፦ 1) ናይ ምጉስጓስን ምልዕዓልን 2) ውደባ እዩ

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተዘረዚሩ ዘሎ፣ ዓ.ተ. ነቲ ቀዳማይ ገጽ ዝተፈላለየ መንግድታት ማለት ማሕበራዊ ሚድያ፣ ናይ ሬድዮን ቲቪን ቃለ መሕትት፣ ህዝባዊ ሰሚናራት፣ ናይ ድምጺን ስእሊን (ቪድዮ)፣ ብሰለስተ ቋንቋታት (ዓረብኛ፣ ትግርኛን እንግሊዝን) ዝተዳለዉ ጽሑፋትን ብምጥቃም ዓሚምዎ። ከም ውጺኢቱ፦

  • ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝተበገሰ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ንኽድይብን፣ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ፣ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ዝቖመ ኣከባባያዊ/ዞባዊ/ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶታት ብምቛም – ንህዝቢ ዘገልግል – መዝነትን ቅቡልነትን ዘለዎ – ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንምምራጽ ዝተኻየደ ሰፊሕ ጎስጓስ ዓለምለኻዊ ተብግሶ መልእኽቱ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ከብጽሕ ክኢሉ።
  • ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን ክፍለዓለማትን ዝተኻየዱ ሰሚናራትን ኣጋጣሚታትን ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ተሳቲፎሞ።
  • ኣብ ምውቕ ናይ ልዝብን ምርድዳእን መድረኻት ዝቐረቡ ሕቶታትን ምሉእ መብርሂ ተዋሁቡዎም።  ነቲ ናይ ኣፈርክቡን ናይ ጽንተትን ሓደጋታት ዘንጸላልዎ ዘሎ –  ህዝብን ሃገርን ኤርትራ  ንምድሓን –  ናይ ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ህጹጽ ስጉምቲ ምዃኑን፣  ኩሉ እቲ ካብ ቃልሲ ቦኺሩ ዝርከብ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ብኣድማዒ መንገዲ ንኽሳተፍ  መንገዲ ዝኸፍት ምዃኑ ብዙሓት  ዝሰማማዓሉ ጉዳይ እዩ።  ኣብ ሓሳብ ምስምማዕ ጽብቕ እዩ።  ይኹን እምበር፣ ካብ ናይ ሓባር ተረድኦን ዕግበትን ናብ ናይ ሓባር ተበግሶን ተግባርን ንምስጋጋሩ ብዙሕ ጻዕርታት ይሓትት።

 

ካልኣይ ገጽ – ውደባ – ምቛም ህዝባዊ ባይቶ፦

ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ብብዝሒ ዝርከበሉ ከተማታት/ኣከባቢታት ንኹሎም ደላይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ሃይማኖት፣ ጾታ፣ ብሄር፣ ወገን ወዘተ ህዝባዊ ባይቶ ብምቛም ብወከልቲ ኣከባቢያዊ ባይቶታት፣ ዞባዊን ኣህጉራውን ህዝባዊ ባይቶ ምቛም እዩ። ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ፣ ዓ.ተ. ኣሳላጢ ናይ እቲ ዝቐውም ባይቶታት እምበር፣ ንነብሱ ኣይኮነን ዝውድብ ዘሎ። እቲ ዝቐውም ህዝባዊ ባይቶ፣ ናይ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ጨንፈር ኣይኮነን። ነጻነቱ ዝተሓለወ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ፣ ምሉእ ብምሉእ ህዝቢ ናይ እቲ ኣከባቢ ዝውንኖን ዝቆጻጸሮን ህዝባዊ ትካል እዩ።   ኣብ መወዳእታ 2013 መጀመርታ 2014፣ ድሕሪ ሓደጋ ላምፓዱሳ ኣብ ብርክት ዝበለ ከተማታትን ሃገራትን ህዝባዊ ውደባታት ተጀሚሩ። ይኹን እምበር፣ ኣብ ክንዲ እናሰሰነን እንሓየለን ዝኸይድ፣ ኣብ ምዝሕታልን ምድቃስን ስለዝኣተወ እዩ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣብ ናይ ምጉስጓስን ምብርባርን ዕማም ተጸሚዱ።

ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ ኣብ ዘካየዶ ናይ ጎስጓስን ምልዕዓልን ስራሓት፣ ዓለምለኻዊ ተብግሶ ኤርትራውያ ሰፊሕ ተመኩሮ ኣዋህሊሉ ኣሎ።  ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንጥፈታቱ ዕቱብ ገምጋም ብምግባር፣ ድኹም ጎድንታቱ ኣለልዩ ብምውጋድ ፣ ሓያል ጎድንታቱ ከጎልብትን፣ ንዘጋጥምዎ መሰናኽላት ብኣድማዒ ኣገባባት ብምግጣም፣ ንዘለውዎ ዕድላት ክጥቀምን ዓመተ 2018 ዕውት ናይ ምስላጥ ስራሓቱ ከሰላስል ተቐሪቡ ኣሎ።

ነዚ ዓቢ ዕማማ ንምዕዋት ካብ ናይ ሓባር ተረድኦ ዝውለድ ሓባራዊ ራኢ ብምህናጽ፣ ኣብ ከከባቢና ድልዱል ህዝባዊ ባይቶ ንምቛም – ብድሆ ናይ ኩሎም ተቓልስቲ ንፍትሒ እዩ።   ኣብ እዚ ክጥቀስ ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ፣ ሰፊሕን ብዙሕን ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ እናሃለወ፣ ከምቲ ዝግበኦ – ስሙር ተቓላሲ ንፍትሒ ዘይምህላው እዩ።  ካብ ባህግን ድልየትን ናብ ተግባራዊ ተሳትፎ ዘሰጋግር፣ ምሉእ ህዝባዊ ውነናን ምቁጽጻርን ዘለዎ ኣገባብ ኣብ ኢድና እናሃለወ፣ ኣብ ገገዛና ምቕንዛው ፋይዳ የብሉን።  እቲ ፍታሕ፣ ኢደይ ኢድካ ኢልና – ኣከባብያዊ ህዝባዊ ባይቶና ብምቛም  ብወከልትና ዞባዊን ኣህጉራውን ህዝባዊ ባይቶን ዓለምለኻዊ መሪሕነትናን ንምረጽ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን፣ እዚ ኣገባብ እዚ  ስሉጥን ኣድማዕን ኣገባብ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት እለዎ።  ካብዚ ዝበልጽ ጭቡጥን  ስሉጥን መንገዲ ኣሎ እንተድኣ ኮይኑ፣ ብዘይ ውዓል ሕደር ኣብ ክፉት ህዝባዊ ዘተ ክቐርብ የተባብዕ። በዚ ኣጋጣሚ፣ ኩሉም ፖለቲካዊ ይኹን ህዝባዊ ሲቪክ ትካላት ናይ ንጥፈታቶም ጸብጻብ ናብ ህዝቢ ከቕርቡ ይምሕጸን።  ምስ ኩሎም  –  ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ  – ዝኣምኑ ኣካላትን ትካላትን ማሕበራትን  ኣብ ክፉት ልዝብ ብምእታው  ህዝባዊ ባይቶ/ትካላት ብምህናጽ  ህዝባዊ ተሓታትነት ዘለዎ ዓለመለኻዊ መሪሕነት ንምቛም  ድጊሙ ደጋጊሙ-  ህጹጽ መጸዋዕታ  የቕርብ።

በዚ ዝስዕብ ኢመይል ርኸቡና gieegm@googlegroups.com ወይ ኣብዚ አብ ቀረባ መዓልታት ዝዝርጋሕ ወብሳይት ንገዱና www.erigiegm.com (coming soon).

 

ፍትሕን ሓርነትን ንህዝቢ ኤርትራ

ህዝባዊ ባይቶታት ይዓምብቡ

ውድቀት ንጋኔናዊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

05 ሚያዝያ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT