Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጥን ወጻእን

Eritrean-American Civic Association 590 Shawmut Avenue Boston, Massachusetts 02118 Phone number: 617-427-1210 Web site: www.eccboston.org ህዝባዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ሲቪክ ማሕበር ኣብ ቦስቶንን ከባብን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕርታት እናደገፈ፡ ከምቲ

Eritrean-American Civic Association

590 Shawmut Avenue

Boston, Massachusetts 02118

Phone number: 617-427-1210

Web site: www.eccboston.org

ህዝባዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጥን ወጻእን

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ሲቪክ ማሕበር ኣብ ቦስቶንን ከባብን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕርታት እናደገፈ፡ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ኣብ ሃገርና ክዓስል ብትዕግስቲ ክንጽበ ቀኒና። እንተኾነ “ሰላም “ ብኽልተ ዝተፋላለየ ፖለቲካዊ መልክዓት ክስረሓላ ንዕዘብ ኣሎና።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕልናን ፖለቲካዊ እሱራትን ክፍትሑ፡ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ብዘይ ቅድመ ኩነት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብነጻ ፖለቲካዊ ዕማሞም ክቕጽሉ፡ ኣብ  ባዕዳውያን ሃገራት ዝተኣስሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ብጠቅላይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተሓብሒቦም ንሃገሮም ክምለሱ ተጌሩ።  ብኣንጻሩ መንግስቲ ኤርትራ ካልእ’ሲ ይትረፍ ብዛዕባ  ውዕል ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ዝሃቦ ወግዓዊ መብርሂ የለን። ጠቕላይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጥን ወጻእን “እንደመር” እናበለ ንዝተፋላለዩ ፖለቲካዊ፡ ሲቪካዊ ውድባት ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ሃገራዊ ግቡኦም ክዓሙ ናይ ሰላም ማዕጾ ከፊትሎም ኣሎ።  ብሸነኽ መንግስቲ ኤርትራ ግን ክሳብ’ዛ እዋን እዚኣ ኣንፈት ሰላም፡ ዕርቂ፡ ፍቕሪ ዝተራእየ መስርሕ የለን።

ስለዚ፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ሲቪክ ማሕበር ኣብ ቦስቶንን ከባብን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ወጻኢነዞም ዝስዕቡ ጠለባት ብሓባር ድምጽና  ክነስምዕ ንላቦ።

  1. ዶብና ብንጹር ክሕንጸጽ።
  2. ኩሎም ናይ ሕልና ከማኡ ውን ብፖለቲካን ብሃይማኖትን ዝተኣስሩ ዜጋታት ብነጻ ክልቀቑ።
  3. ግዝኣተ ሕጊ ዘውሕስ ቅዋም ብዘይ ወዓል ሕደር ክትግበርን ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ኩሉ ኤርትራዊ ክኽበርን።
  4. ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ “ሃገራዊ ኣግልግሎት” ደው ክብል።
  5. ፖለቲካዊ፡ ሲቪካዊ ውድባት ሕጊ ተኸቲለን ብነጻ ኣብ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን መስርሕ ክሳተፋ።

ብተወሳኺ እዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተሳታፍነት ዝጎደሎ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ኩሉ ዜጋ ኣብ ደንበ ህግደፍ ይሃሉ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ወይ’ውን ኣብ መንጎ መንጎ ዘሎ፡ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላም እማመ ናይ ዘሎን መጻእን ወለዶ ዕድል ስለ ዝትንክፍ  ኩሉ ዜጋ ካብ ስሚዒታውን ባዕላውን ኣተሓሳስባ ነጻ ኮይኑ ብሓባር ንፍትሕን ንልኡላውነት ሃገርን ደው ክብል ንላቦ።

 

ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ሰላም ንህዝብና።

ኣካያዲት ቦርድ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT