Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መስከረምን ጽንተት ህዝቢ ኤርትራ

መስከረምን ጽንተት ህዝቢ ኤርትራን፡ 11.09.2018፡ ክቡር ህዝቢ ሃገረ-ኤርትራ፡- ኣቐዲመ ጽንተትና ተቃልሕን ትድብስን ወርሒ መስከረም ክትኮነልና ዘለኒ ምንዮት ወሰን ከምዘይብሉ ክእንፍት እፈቱ። ኣስዒበ ከኣ ንግዜን ኣኻውሕን ዘዛርብ ሰብ’ዩ’ሞ፡ ፈጣሪ ዳግማይ ንመስከረም ከቃልሓ ዝኽእል ሓይልን ጥበብን ክልግሰ ልና እምነ። ኣብ

መስከረምን ጽንተት ህዝቢ ኤርትራን፡ 11.09.2018፡

ክቡር ህዝቢ ሃገረ-ኤርትራ፡-

ኣቐዲመ ጽንተትና ተቃልሕን ትድብስን ወርሒ መስከረም ክትኮነልና ዘለኒ ምንዮት ወሰን ከምዘይብሉ ክእንፍት እፈቱ። ኣስዒበ ከኣ ንግዜን ኣኻውሕን ዘዛርብ ሰብ’ዩ’ሞ፡ ፈጣሪ ዳግማይ ንመስከረም ከቃልሓ ዝኽእል ሓይልን ጥበብን ክልግሰ ልና እምነ።

ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕና ወርሒ መስከረም ብባህልን ባህርን፣ ብሃይማኖትን ጾሎትን፣ ብቓልስን ዓወትን፣ ብጽጋብን ሕውነ ትን፣ ብዕርቅን ፍቕርን፣ እትዝከር ድምቕቲ ክፋል ዓመት ኢያ። ገጸ መሬትና ብጸጋ ምህርቲ ሰዊተ-ገደናን መዓረ-ጸባን ተ መሊኡን ባህሪ ብዝቐረቦ ዕንባባታት ደሚቑን ክርአ፡ ከም ፋል መጻኢና ተበስር ጀማሪት ሓዳስ ዓመትና’ውን ንወስዳ። እ ቲ ብፉሉይነትና ድማ ከም ጀማሪት ወርሒ ምጅማር ዕጥቃዊ ሰውራና መጠን ኣብቲ ጉዕዞ ቃልሲ ንዓወት ዝወረደና ዕን ወትን ብርሰትን፡ ብዓቢኡ ብጸላእቲ ዝወረደና ጽንተትን ተጸባጺብና ውጥናት መጻኢና ነጽድቐላ ወርሒ’ውን ኢያ።

ጽንተት ከብኣልዓልና ቡዙሕ እዋን ነዚ ከምኣርእስቲ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ሓሳብ ከጽንዕን ክስንድን ፈቲነዮ’ኳ እንተኾንኩ ብ ፍላይ ናይ ሃገርና መልክዕን ምስጢር ዘቤታዊ ጽንተትን ጀሚረ ከምዘይውድኦ ስለዝተኸስተለይ ከምዘለዎ ክገድፎ ተገዲ ደ ኢየ። እቲ ሎሚ ብሓፈሻኡ ክጠቕሶ ዝደለኹ ኣብ ዓለም ካብተራእየ ብዙሕ ዝዓይነት መልክዕ ጽንተታት ግን እቲ ንክ ልቲኡ ኲናታት ዓለም ዝዓደመ ስነ-ሓሳባውን ቁጠባውን ውድድራት ዝፈጠሮ ሞትን ስደትን ከም ቀንዲ ምኽንያት ብር ሰት ምንባሩ ጠቒሰ ናብዚ ኣጓኒፍና ዘሎ ዘቤታዊ ጽንተት ክሰግር ስለዝደለኹ ምክትታልኩም ከምዘይፍለየኒ ድማ እትስ ፎ። ኣቐዲመ ግን ኣነ ሓሳበይ ንምግላጽ’ምበር ከስተምህር ከምዘወናወነኒ ጌርኩም ከይትወስዱኒ እላበወኩም።

መቸም ሃገር ብህዝባ ከምትጸንዕ መጠን ብጽንተት ህዝባ ከምትንብርከኽ’ውን ርዱእ ነገር’ዩ። ጽንተት ድማ ብክልተ መ ልክዑ ማለት ግሁድን ስዉርን ኢልና ክንከፍሎ ንኽእል። እቲ ግሁድ መዳዩ እቲ ገዛእቲ ሓይ ልታት ነቲ ናብ ኲናት ዘምርሖ ም ድጉል ዊንታታቶም ወይ ተ ልእኾኦም ሰዊሮም ቅቡል ብዝ መስል ሃገራዊ ጉዳይ ጸላእቲ ፈ ጢሮም ብዝጽሕትሩዎ ኲናት ዝስዕብ ከም ግሁድ ቅትለት፣ ማእሰርቲ፣ ዕንወት፣ ሞትን ስደ ትን ምዃኑ ይጥቀስ። እቲ ስዉ ር መልክዑ ከኣ ድሮ ናብ ኲና ት ስለዝተኣተወ ‘ሃገራዊ ድሕነ ት’ ዝሰበቡ ስእነት ምሕደራ ና ብ ከም ፍጹም ቁጠባዊ ውድቀ ት፣ ስእነት ፍትሒ፣ ድርቀት ማ ሕበራዊ ኣገልግሎታት ወዘተ ይ ኽሰት። ኩሉ ተጻብኦታት ምስከ ረረ ድማ ህዝቢ ሃገሩ ገዲፉ ክስ ደድ ይግደድ።

ስደት ንርእሱ ብክልተ መልክዕ ማለት ብቁጣባውን ፖለቲካውን ባህርያት ከምዝኽሰት ዘይምርሳዕ። እቲ ቁጠባዊ ዝባሃል ብሰንኪ ዘይብቑዕ ምሕደራ ወ ይ ውሁብ ጸገማት ቁጣባ ሃገር ምስዝወድቕ፡ ከምኡ ድማ ብትምህርትን ካልእ ማሕበራዊ ነገራትን ዝስዕብ ምርጫ ስደት ክኸውን እንከሎ እቲ ብሰንኪ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ረጽምታት ዝስዕብ ግዱድ ስደት ከም ካልኣይን ዝኸፍአን ምዃኑ ይጥ ቀስ። ክልቲኦም ፈለጋት ስደት ኣብ ጉዕዞ ተደሚሮም ድማ ናብ ጋብላ ፍልሰት ይፈሱን ሃገር ከኣ ትጽምውን።

ኣብ ሃገርና ዘሎ ምኽንያትን መልክዕን ስዉር ጽንተትን ‘ታይ ከምዝመስል ኣስፊሕና እንተንጠቕሶ ክንደይ ምጸበቐ። ንም ሕጻሩ ዋላ‘ኳ ገሊኡ ንኡስ ወለዶ ስደተኛ ዜጋና ንነብሱ ከም ኣፍሪቃዊ ናይ ቁጠባ ስደተኛ ክገልጻ ተኣዚዙ እንተተቐሸሸ፡ ሎምስ ስደትና ናብ ፍልሰት ስለዝዓረገ ምንጪ ብርሰትና ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ሽርሒ ከምዝኾነ ዕርቃኑ ወጺኡ እንሆለ።

ኲናት ጠንቂ ብርሰት ምዃኑ ድሮ ጠቒስናዮ ኣለና። ግናስ እቲ ንዕስራ ዓመታት ከም ጠንቂ ተመኽንዩ ዘህለቐና ኲናት ከ ምቲ ክንገረና ዝጸንሐ ዶባዊ ከምዘይኮነ ካብተገልጸ ኢሳይያስ ብመጋበሪያነት ኣብዝተዓሰበሉ ስዉር መደብ ንህዝቢ ኤር ትራ ዘጽንተሉ ምኽንያትን ስዉር ጥበባቱን ከመይ ከምዝመስል ንምብራህ ዱቋ ዕላል ቅድሚ ምቕራበይ ፍሉይነቱ መታ ን ክንጸረልና ኣቐዲመ ሓንቲ ካብቲ ኣብ ዓለም ብጠንቂ ኲናት ዝሰዓበ ተመኩሮ ኮሪያ ኣብነት ከቕርብ ግድን ኮይንኒ’ሎ።

ናይ ኮሪያ ከቕርብ ዘምረጸኒ በቲ ሓደ እቲ ዞባ ገና ኣብ ወጥሪ ብምህላዉ ዝተበተና ስድራታት ክሳብሎሚ ስለዘይተኣከባ፣ በቲ ካልእ ስርዓት ህግደፍ እቲ ካብ ተመኩሮ ኮሪያ ቀዲሑ ዝደርገመልና ኲናት ዘይምኽኑይ ከምዝነበረ ስለዝተፈልጠ እ ቲ ሓቀኛ ደመኛነት ኢሳይያስ ንብርሰትና ዓሊሙ ከምዝወልዖን ንቀጻሊ’ውን ከይንዝንጋዓሉን ከዘኻኽር ስለዝደለኹ’የ።

ንምሕጻሩ ዞባ ኮሪያ ሓደ ሽሕ ዓመታት ዘቑጸረ ታሪኽ ሓደ ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ምጥቃሱ ጥራይ ይኣኽለኒ። ኣብዛ ስእ ሊ ከምትርእይዎ ድማ ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም ከምቲ ኣብ ጀርመን ዝተራእየ እታ ሃገር ሰሜናዊ ክፋላ ብሩሲያ፣ ደቡባ ዊ ክፋላ ድማ ብኣመሪካ ስለዝተታሕዘት ወያ ሓንቲ ሃገር ኣብ ክልተ ስነ-ሓሳብን ትሕዞ መሬትን ተመቕለት’ሞ ኣብቲ ና ይ መን ዓብለለ ቃልሲ ብ1950 ሰሜን ኮሪያ ንደቡብ ስለዝወረረታ ኣብ ውሽጢ ሓደ ህዝቢ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ደማዊ ውግእ ሓድሕድ፡ ብ27 ሓምለ, 1953 ናይ ሰላምን ምቁራጽ ተኹስን ስምምዕ (Armistice Agreement) ገይ   ረን ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ዝተከልከለ ናጻ ዞባ ክህልወን ከምተወዓዓላ ምዝካሩ’ውን ጽቡቕ ኢዩ። እቲ ዶባዊ ስምም ዕ ከምዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ 250 ኪሜ. ዝንውሓቱ ኮይኑ ብክልቲኡ ወገናት ነናይ ክልተ ኪ.ሜ. ንድሕሪት ተመሊሶም ብድምር ናይ 4 ኪ.ሜ. ዝግፍሑ ሕዙእ ዞባ ክምስረት ዘኽእል ውዕል ነበረ። ከምሳዕቤን ናይዚ ናይ ስምምዕ ዶባዊ ምል ክታ ድማ ህዝብን ዓድታቱን ከምኡ ድማ ክሳብ ሓንቲ ስድራን ሓንቲ ገዛን ከይተረፈት ኣብ ክልተ ተኸፍለት።

ዝኾነ ዕጡቕ ይኹን ሲቪል ሰብ ካብ-ናብ ኮሪያ ክሓልፍ ኣብ ውሽጢ’ዚ 250 ኪ.ሜ ዝንውሓቱን ኣርባዕተ ኪ.ሜ ዝግፍ ሑን ናይ ጸጥታ ዞባ ምስዝኣቱ ብክልቲኡ ወገናት ብዘይምሕረት ምርፍታቱ ጥራይ’ያ ዕድሉ። ግናኸ፡ ዝኾነ ይኹን’ምበር እቲ ናብራኡ ዝተዘናበለ ህዝቢ ዘላቒ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ ስለዘይረግአ፡ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ናብ ዞባ ሞት ዝድቕደቕን ናብ ካልእ ሃገር ዝስደድን ቀጻሊ ዋሕዚ ከምዝነበሮ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከምኣብነት ኣብ 2015 ዝተዘርግ ሐ ልዕሊ 100,000 በቢውልቁ ተሰዲዱ ክዕቆቡ ዝተመዝገበ ህዝቢ’ቲ ዞባ ከምዝነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ። ካልእ ከም ካብ ቦታኡ ናብ ካልእ ዞባ ዝግዕዝን ዝጥረዝን ህዝቢ ብቀይሕ መስቀል ይኹን ብጻዕዳ ባንዴራ ተሓጊዙ ኣብ ሳልሰይቲ ሃ ገር ዝኣተወ ስደተኛ ከምዝነበረን፡ ሕገን ብዝፈቕደለን ተቐቢለን ኣብ መዓስከራት ይኹን ብካልእ መልክዑ ኣረጋጊአን ዳ ግማይ ምስ ስድራ-ቤት ዘራኽባን ከምዜጋአን ክነብር ዘፍቅዳን ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ ሃገራት ከምዘለዋ ተሰኒዱ ኣሎ።

ሃገር እንተዘይረጊኣ ስደትን ፍልሰትን ኣይተርፍን ኢዩ። ስለኡ ክልቲአን ኮሪያዊያን መንግስታት ብሰነ 15, 2000 ዓ.ም ዝ ተፈላለያ ስድራታት ዳግም ኣብምርኻብ ብሓባር ክሰርሓ ከምተሰማምዓ ኣወጃ። ዋላ’ኳ ናይ ክልቲአን ሃገራት ቁጠባን ፖ ለቲካን እንተተረሓሓቐ፡ እዚ ስምምዕ’ዚ ኣብ 2010’ውን ተሓደሰን ዝምድናታተን ስለዝዓመረ ክሳብ ኣብቲ ብመጋቢት 9, 2018 ደቡብ ኮሪያ ዘዳለወቶ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክስ’ውን ክልቲኤን ሃገራት ከምሓንቲ ሃገር ብናይ ሓባር ባንዴራ ብምቕ ራብ ንሰላምን ብልጽግናን ንመጻኢ ከኣ ክሳብ ዳግማይ ናብ ምትሕውዋስ ክዓርግን ከምተሰማምዓ ዝገልጽ ነበረ።

ክልቲኡ ህዝቢ ኮሪያ ናብዚ ናብ ሰላም ዘምርሐ ጽቡቕ ተስፋ ሰላም ክሳብ ዝበጽሕ ብዙሕ ናይ ራዕዲ፣ ስግኣትን ወረ-ው ግእን እዋን ከምዘሕለፈ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብኣዚዩ ዝኸፍአ ምልካዊ ምሕደራ ዝተደኩዐ ወገን ግና እቲ ሰሜናዊ ክፋል ምዃኑ ዓለም ብዓለማ ዝፈለጠቶ ሓቂ ኢዩ።

ንምሕጻሩ ኣብ ሰሜን ኮሪያ ክሳብ ሎሚ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣንን ቁጠባን ኣብ ኢድ ሓንቲ ሰልፍን ካብኡናብኡ’ውን ኣብ ሓንቲ ስድራን’ዩ ተባሒቱ ዘሎ። ብግብሪ ድማ ስልጣን ካብ-ናብ’ታ ስድራ ክመሓላለፍ ጸኒሑን ኣሎን። ከም ውርሻ ከኣ ኣብ ስልጣን ዘዝመጸ መራሒ ምልኪ ኣብ ምንጋስ ዝለዓለ ወፍሪ’ዩ ዝስልዕ። በዓልስልጣን ወዲ’ታ ስድራ ካብ ግብራዊ ተቓውሞ ህዝቡ ንምድሓን ኣቐዲሙ ኣብ ኣእምሮ ህዝቡ ንሱ ከምፍጹም ምሁር፣ ፍጹም ሓላይ ሃገር፣ ፍጹም ቆራጽ፣ ጋ ኔንን ቀታልን ንምምሳል ጥራይ ኣይኮነን ራዕዲ ዘውፍር። እንኮላይ ፍጹም ፈጣሪ ኩላኣለም ንምምሳል ምዃኑ’ውን’ዩ!

እቲ ካልእ ህዝቢ’ሞ ፍጹም ጊላን ባሪያን ጥራይ ባቃ! ደረጃኡ ድማ ብድቢዛ ክዳውንቱ ይልለ። ቤተ-እምነታት ስለዘየሎ እቲ በትረ-ስልጣን ዝሓዘ’ዩ ከምፈጣሪ ዝምለኽ። ኩሉ ጅር’ታ ስድራ ድማ ከም መልኣኽ ክስገደሉን ኣእዳዉ ክሳዓምን ኣ ለዎ። ወዮ ተራ ሰብ ከምቲ ናይ ኣምላኹ ኣቖራርጻ ወይ ኣመሻሽጣ ጸጉሪ ከይጥቀም ሕሩም’ዩ። ናይ ሂወቱ ጎይታ ብዘይ ምዃኑ ንምንባር ዝዋሃቦ ትካቦ ተሰሪዑ ብኩቦን ይዕደል፣ ብሓደ ይጠሚ ግናኸ በቢውልቁ ብልቡ ይሓሚ። ንብዓለማ ብ መስኮት ቲቪ ፎርቶኡ ጥራይ እናረኣያ ከምሕጉስ ብሓደ ተሰሪዑ ስእሊ መልኣኹን ባንዴራኡን እናሰዓመ ይድብል የኹድ ድ፣ ሞት ነገስታቱ ከጓንፍ ድማ ተሰሪዑ የዕበድብድ። እቲ ኣብግዜ ሓዘን ካብ ዝርአ ዝገርም ነገር፡ ወዮም ተዓጠቕቲ ኣብ መስርዕ ሓዘን እናኾለሉ ንገለ ብዕጫኦም ዝተረትዑ “ብዝግባእ ኣይጓሃየን ኣይነብዐን” ብዝብል ከምዝኽሰስ ስለዝፍለጥ፡ ከይጥቀን ዘዝሰግአ ከም ዝያዳ ሓዘንተኛ መሬት ክጥፍጥፍ ጥራይ ዘይኮነ በእዳዉ ኩዒቱ መስጣን ቅድምን ምዉት ጎይታ ክድርገማ ዝተርፎ የብሉን። ዝተሰምዖ ጓሂ ብዘፍሰሶ ንብዓት ስለዝልካዕ ድማ ታኒካ ቀቀሊሉ፣ ቴኖታት ክነብዕ ኣለዎ።

ብሓጺሩ ኣብዚ ዘመን’ዝን ኣብ ሰሜን ኮሪያን ዘይርአ ዓይነት ቁንቁኛ ባርነት የለን። ዋላ’ኳ ዝኾነ ሰብ ካብ ሃገር ክወጽእ እንተዘይተፈቕደ እቲ ህዝቢ “ዝመጸ ይምጻእ” ካብ ዝብል በቲ ሕዙእ ቦታ ናብ ደቡብ ገጹ ክሃድም ዝጠፍእ ቁጽሩ ማእለ ያ የብሉን። ከምኡድማ በብዝጠዓሞ ናብ ብዓለሙ ክብተን ከምዝጸንሐ ቀሪቡ ዘሎ ኣሃዝ ምስክሩ’ዩ። ከምዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ’ውን እተን ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝተበታተና ስድራታት በታ ዝረኸባኣ ብልጭታ ነጻነት ተራኺበን ኣረጋዊ ንብ ዓተን ከውሕዛ ክንደይከ ከብድኻ ይበልዓ!

“ብዛዕባ ዘቤታዊ ጽንተት ህዝብናኸ?” ክትብሉ ዝተሃወኽኩም ትመስሉ። ካብ ኮሪያ ብዝተቐድሐ ምልካዊ ጥበባት ዝገዝ እዘሎ ኢሳይያስ ኩሉ’ቲ ዕድሚኡ ዘናውሓሉን ብርሰት ሃገርና ከቃላጥፈሉ ዝኽእልን ዘይፈተኖ ነገር የለን። እቲ ዝኸፍአ ከም ዲክታቶር ክቑጸር ሓሲቡ ኣብ ሃገር ዘስሎኾ ራዕዲ ብቀሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ከምሳዕቤኑ ገሊኦም “ኢሳይያስ ዘይ በለ ካባና ይፈለ” ክብሉ ዝተሰምዑ ጎሰምቲ ህግደፋዊ ናይ ጭዋ ደሞዝ ርኢኹሞም ኢኹም። ካልኦት ከኣ ከም መልኣኽ ከምስሉዎ ዝፈተኑ ስሉባትን ሰዓምቲ ኣእዳውን፣ ስዕረቶም ከም ፖለቲካዊ ሕርያ ከምስልዎ ዝፈተኑ ፖለቲከኛታት፣ ብኣ ውራጃዊ ወሎዶኦም ከም ናቶም ቆጺሮም ዝወገኑ፣ ብኣውራኦም ብመንነታዊ ቀዝሒ ዘዝኸርደዱ ብዘይብኡ ከምዘይሞቑ ብምእማን ብጭራሽ ንዕዑ ዝመስል መሳርሕቲ ከምዝሳኣነ ኣምሲሎም ዝምጉቱ ኮታ ክንደይ ዘይተራእየን ዘይተሰምዐን!

ገደደ ኣብቶም መሳርሕቱ ዝሕሰቡ ሰበ ስልጣናቱ ዝተራእየ። ኢሳይያስ ነታ ዘመናዊት ሰዓቱ ከም ኣርማ ፖለቲካዊ የማንነ ቱ ኣብ የማነይቲ ኢዱ ክኣስር ርእዮም ስለምንታይነቱ ከይተሰቆሮም ጥራይ ክፍተዉን ክመስልዎን ብምሕሳብ፡ ከምታ ና ቱ የማናይቲ ኢዶም ሰዓት ዘሐንገጡዋ መራሕቲ ርኢና ዝሓነኽናሎም እዋን ኣሎ እብለኩም። . . . . . .

ኢሳይያስ እምባኣር ንምልኪ ሃገረ ኤርትራ ኣብምውሓስ ንዝጻቡኡዎ ዝጥቀመሉ ምርጫ ዘይኮነ፡ ናብታ ቀንድን ስኑ ዝጎረ ፈላ ተልእኮ ብተና ሃገርነትናን ንምብጻሕ ክጥቀመላ ምጽንሑ እንሆ ግዜ ቀሊዕዎ። ኤርትራን ህዝባን ክልተሳዕ ክንርአ ብ ዘሳለጦ ወፍሪ’ውን ሃገርና ጸምዩዋን ክሳብ’ቲ ንቡር ብዓል መስከረም ከይተረፈ ኣሕለምሊሙን። እንተንሱ ብጠላም ባህ ሪያቱ ነቶም ከይኣመኖም ዝኣመኑዎ ብጾቱ ስልጣን ከምዘዕትሮም ኣተስፊዩ ኣልዚቡዎም ክንሱ ኣማሲያኡስ ምስ ኢቲዮጲ ያኡ ተሻሪኹ ማይ ስለዘሕቖኖም፡ ብላዕሊ-ላዕሎም ተግባራት መራሒኦም ያኢ ስልታዊ ከምዝኾነ ኣምሲሎም እናጎስጎሱ ብልቦም ግና ከምሕሱም ተኾምቲሮም ከቑረምርሙን ደም ክነብዑን ይራኣዩ።

ብዝኾነ እዚ ታሪኻዊ ተርእዮ’ዚ ክንብሎ ዘይንደሊ ኮይኑ’ምበር መንቀሊኡስ ኣለዎ። እንተ’ቲ ኣብዛ ካብ ግዳማዊ ጽንተት ክንድሕን ተቓውሞ ዝጀመርናላ ዕለተ መስከረም ዝስማዓዕ ዘሎ ናይ “ርድኡናን ምስ ስድራና ኣራኽቡናን” ድሃይን ዝፈስ ስ ዘሎ ንብዓትን’ሞ ብመገዲ ተቓለስቲ ብጾትና ጥራይ ዘይኮነ፡ ትቪ ፎርቶን ኣብኣ ዘለዉ ብሉጻት ሰብናን ብኾፎም ብመ ገዲ ኢቲዮጲያዊ ጋዜጠኛ ጆሲ ሸው፡ መደብ “ኣፋላጊ” ንሰምዖን ዝጠልቀየ ገጻት ንዕዘብን ኣለና።

ኢሳይያስ ኣብ ኢቲዮጲያን ብሳሓቕ ኣፉ ክቕደድን ገጹ ክበርህን፡ ምሳናን ክቱር ክጨማደድ ክርአ ብዘይምኽኒት ኣይኮነን ። ከምቲ ፍሒራ “ሕጂ ግርም” ዝበሎ ድማ ንብዓትና ንኢሳይያስ ባህታ’ዩ ዝፈጥረሉ። እንተንዓና፡ ዝተጣፍኣ ስድራታት  ብምርኻበን ክግርመልናስ ምደለና። እንተኾነስ ንሕና’ኮ ንፈልስን ንጸንትን እምበር ተጣፊእና ጥራይ ኣይኮናን ጸኒሕና። ሰብና ጥራይዘይኮነ ሃገር ብቀንዳ’ያ’ኮ’ውን ጠፊኣትና ዘላ!

ኣቕልቡ’ሞ፡ እቲ ብኩሉ መልክዓት ካብ ቤቱ ተሰዲዱ ምእንቲ ዳግማይ ውልደት ሃገሩ ኩሉ ዝኸፈለን ገና ዝኸፍልን ዝድ ግፍን ዘሎን፡ እቲ ምእንቲ ሃገሩ ሂወቱ ክህብ ተጋዲሉ ክንሱ ብሰንኪ ዕብለላን ዘይዕግበትን ዘምለጠ ተጋዳላይን፡ ኮታ ህ ዝብና በቢምኽንያቱ ሓንሳብ ምስተሰደ፡ ብምስጢር ዘይምጭጫሕ ሰልፍታትን ሃገራዊ ድሕነትን እናተሃድነ ንልዕሊ ዕም ሪሰብ ካብሃገሩ ንዝባዓደኸ መን’ዩኾን ንዘቤታዊ ኣጽናቲና እንተ ሓባቢሉ ብብላዕ ወይ’ውን ብጎነጽ-ብስላዕ ኣልዚቡ ምስ ሃገሩን ህዝቡን ዘራኽቦ?

መስከረም ሓዲኡ ውለዲ!

ይቕጽል፦

ወዲ ጥሮታ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • k.tewolde September 13, 2018

    ‘ኢሳይያስ ኣብ ኢቲዮጲያን ብሳሓቕ ኣፉ ክቕደድን ገጹ ክበርህን፡ ምሳናን ክቱር ክጨማደድ ክርአ ብዘይምኽኒት ኣይኮነን ።’>>>>>the tyrant was few miles away from the Eritrean refugee camps south of the border where unaccompanied under age kids are wasting away,he could have dropped by and console them things are ok you can come back home now,instead he chose to swag with his new buddy and his army clad chiseled entourage,it is a show.If this this is not the epitome of narcissism what is? This Lucifer has nothing to do with us,I said that many moons ago.If it was up to only him,he would have ordered a total annihilation of the Eritrean creed and anything that is associated with it.
    ‘እቲ ካልእ ህዝቢ’ሞ ፍጹም ጊላን ባሪያን ጥራይ ባቃ! ደረጃኡ ድማ ብድቢዛ ክዳውንቱ ይልለ።’…..there is nothing to add here,thanks Wedi Trota.

    • Dawit September 13, 2018

      Are you related to the tyrant and what help are you giving to the Eritrean refugees in the south of the border apart from your usual cheap talks, rhetoric and attention seeking empty noises?

      • k.tewolde September 14, 2018

        I got your attention,did I?

      • Haregot September 14, 2018

        Brother Dawit, this useless talkative ELF Esub JASUS is just a waste of time and space. He is bloody 24/7 on assenna contributing absolutely NOTHING, he is just a poor old borong sick parrot repeating the same old garbage of tyrant. tyranny crap. Apparently as he has nothing else to do in his lonely boring life he is bloody glued to assenna.

        • k.tewolde September 14, 2018

          It is better than spying on your own innocent citizens 24/7 for few nacfa,despite your ignorant perception,you don’t have to be glued on a desktop pc to post a comment,thanks to mobile communication,keep up with the times dejazmach.

        • Sol September 14, 2018

          Tekhlay, k. T. unlike you is not here in assenna to spread insults and to promote the evil policy of the regime about divide and rule. Tekhlay, whatever you you frequently chang your name from Dawit, haregot, Michael tesfamariam etc. You can’t hide your dirty mission which is assigned to you by monkey but soon will go to hell with DIA and his dogs.

  • AHMED SALEH!!! September 14, 2018

    Teclay and company
    The bus is waiting for you guys
    to leave as soon as possible since
    your masters fled from Addis into
    Mekele . Try to understand that you
    have internal issues to give urgent
    attention inside Tigrai .
    No war no peace game has not a
    place no more . Time to pack and
    take the bus ride through zelanbesa
    border . Adios amigos.

Post a Reply to AHMED SALEH!!! Cancel Reply